ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ

2023-09-25 11:10:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 682 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት 23 ክሳብ 24 መስከረም 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሐ መቐጸልታ ቀዳማይ አኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብ መክፈቲ ናይቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰልፊ ንተገዳስነትን ተሳትፎን ኣባላት ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣብ ሰልፋዊ ኮነ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ትስፉው መጻእን ናይ ስራሕ ኣሳልጦን ዘለዎ ባህጊ ገሊጹ።

ኣስዒቡ፣ ድሕሪ መረጻ ፈጻሚ ሽማግለን ብዓንቀጽ 5.14.6 ቅዋማዊ ናይ ርኽክብ ግዜን መሰረት፣ ሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ ምሉእ ናይ ስራሕ ርኽክብ ድሕሪ ምስልሳሉ ፈጺሙ ንመጀመርታ ግዜ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ፣ ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣኼባ ዝተጸዋዓሎም  ሰለስተ መሰረታዊ ጉዳያት መብርሂ ብምቕራብ’ዩ ተጀሚሩ።

በቲ ዝተታሕዘ ኣጀንዳ መሰረት፣ እቲ ቀዳማይ ነጥቢ፣ብዓንቀጽ 7.1.1 መሰረት ንመረጻ ጠቕላላ ተቆጻጻሪ ገንዘብን ንብረትን ሰልፊ ዝምልከት ክኸውን ከሎ  ኣብቲ ክፍሊ ብዝጸንሐ ናይ ስራሕ ጽፈትን ኣሰራርሓን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ማእከላይ ባይቶ ሓው ፍጹም ኢሳቕ ጠቕላላ ተቆጻጻሪ ሰልፊ ኮይኑ ንኸገልግል ማእከላይ ባይቶ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ቀጺሉ ዝሳዓበ ኣጀንዳ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ ጽሕፈት ሰልፍን ምቛም ምምሕዳራቱን ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ብዘቕረቦ ንድፊ መሰረት፣ ክሳብ ነሓሰ 2024 ዘሎ ግዜ ከዐውቶም ዘለዎ ናይ ርሑቑን ናይ ቀረባን ትልሚ ትግባረ ዕማማትን ዝረቑሖም መሳርሕቱን  ኣብ ኣኼባ ባይቶ ምስ ዝርዝር መብርሂታት ቀሪቡ። ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብትሻዓተ ኣብያተ ጽሕፈታት ንዝቐረበ ዓመታዊ መደብ ዕዮ፣ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ምስ ዝቐረቡ ተወሰኽቲ ሓሳባትን ምምሕያሻትን ኣጽዲቁ። ብናይ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ለበዋታት መሰረት ድማ ኩሉም ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ካድራት ሰልፍን ብኽእለቶምን ሞይኦምን ኣብ ዘፍርይሉ ትካላት ክምደቡ ከምዝግባእ ባይቶ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ማእከላይ ባይቶ፣  ነቲ ዳርጋ 4 ዓመታት ዝወሰደ ልዝብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ሓምለ 14.2023 ግዝያዊ ሓባራዊ መሪሕነት ንምቛም ዝበጽሖ ስምምዕን፣ ኣገዳስነቱ ኮነ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘለዎ ዕዙዙነት ኣብ ግምት ብምእታው ሰፊሕን ግዜ ዝወሰደን ክታዓት ኣካይዱ። ምዕዋት መስርሕ ሓባራዊ ስራሓት ዋላ’ኳ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ እንተኾነ፣ ማእከላይ ባይቶ፡ ንዝተኻየደ ጻዕርታት ንኢዱ፡ ክሳብዚ እዋ’ዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ንዘሎ ስምምዓት ቅኑዕ መዋጽኦ ኣብ ጉዕዞ ሓባራዊ ስራሓት ምዃኑ ድማ ርእዩ። ማእከላይ ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ወጽዓ ንላዕሊ ክጸውር ስለዘይክእልን ማዕረ ድልየቱን ድሕነቱን ንምስጓም፡  ዝተበጽሐ ስምምዓት ንድሕሪት ከይምለስን ንዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ንምውጋድን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካኣሎ እወንታዊ ግደ ንከበርክት ከይተሓለሎ ክጽዕር ከምዝግባእ ኣተኣማሚኑ። ኣብ ምቅልጣፍ ምቛም ሓባራዊ ግዝያዊ መሪሕነት ንዝተቐልቀሉ ናእሽቱ ጸገማት ክስገሩን ክሳብ ክንደይ እዮም ማዕረ ድልየትን ባህግን መላእ ህዝቢ ዝስርዑ ንዝብልውን ኣስተብህሎ ከምዝደሊ ኣኼባ ኣገንዚቡ።

መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ኣብዚ ከይተደርተ መሊኡ ንኽዕወትን ውድቐት ህግደፍ ንምቅልጣፍን፣ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተሰማማዓሉ መቆሚታት ዝቕበል ኩሉ ተቓዋሚ ኣካል፣ ክሳተፎ ተደላይነት ከም ዘለዎን ጻዕርታት ክግበር ከምዝግባኣን’ውን ኣኼባ ባይቶ ገምጊሙ።

ኣብ መጠረስታ፣ ማእከላይ ባይቶ ሓገዝቲ ናይ ስራሕ ለበዋታትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ብምቕራብ እዩ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

Last modified on Monday, 25 September 2023 13:26