ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ሽቱትጋርት፡ ስዕረቱ ተኣሚኑ

2023-09-21 09:46:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 902 times

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ሽቱትጋርት ሃገረ ጀርመን፡ ቅድም ን16፡ ደሓር ድማ ን23 መስከረም 2023  ብጉልባብ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ፡ ሕማቕ ምስሊ ህግደፍ ዘጸባብቕ ምልዕዓል ክነዝሓሉን ኣታዊ ከኻዕብተሉን መዲብዎ ዝነበረ ኣኼባ፡ ክቕጽሎ ከምዘይከኣለ ብ20 መስከረም 2023 ብዘውጸኦ ምልክታ ተኣሚኑ።

እቲ ዝተዘርገሐ፡ ኣኼባ ናይ ምስራዝ ምልክታ፡ መራሕቲ ማሕበረ-ኮም ሽቱትጋርት፡  ነቲ ብህዝባዊ ማዕበል ኤርትራውያን ዘጋጠሞ ተቓውሞ ሓቢኡ፡ ከም ምኽንያት ዝጠቐሶ፡ ኣብ ነባሪ ነውጺ ተፈጢሩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ክሳብ ዝሓዊ ከቋርጾ ከም ዝተገደደ ኣስፊሩ። ነቲ መደባቱ ክስርዝ ዘገደዶ ተረኽቦ ከኣ፡ ስምዒት ህዝቢ ብምምዝማዝ  “ምስሊ ኤርትራ ዝድውን” ብዝብል ክገልጾ ፈቲኑ። ስምዒት ናይቲ ዝተሳዕረ ኣባል  ማሕበረ- ኮም ንምሕዋይ ብዝመስል ከኣ፡ “ኣብ መጻኢ ጽንብልና ከይነካይድ ዝዓግተና ሕጊ የለን”  ዝብል ኣደዓዒሱ በቲ ምልክታ ክምእዘዙ ጸዊዑ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ተመዲኡ ዝነበረ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ህግደፍ፡ ተቓውሞ ህዝባዊ ማዕበል ኤርትራውያን ኣብ መድረኽ ሕጊ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ ክስረዙ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 21 September 2023 11:54