ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ዘከፋፈሉ ኤርትራውያን ነጋዶ ከም ዝእሰሩ ተሓቢሩ

2023-09-20 08:27:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 650 times

ኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ኦሞሓጀርን ጎልጅን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ዝኣተወ ቢራ ኣከፋፊልኩም ብዝብል ምኽንያት ነጋዶ ከም ዝእሰሩ ሬድዮ ኤረና መንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ናብ ኤርትራ ብብዝሒ ብጽዕነት ኣእዱግ እዩ ዝኣቱ። በቲ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ብዘይካ ቢራ፡ ጽማቕ ፍረታት፡ ጸባ፡ ብስኩት፡ ጣፍ፡ ዘይትን ካልእን ከም ዝኣቱ’ውን ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ቀንዲ ተሳተፍቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራኳ እንተኾኑ፡ ናይ ማእሰርቲ ግዳይ ዝኾኑ ግና ወነንቲ  ናእሽቱ መከፋፈልትን ባራትን እዮም። ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕጋዊ ናይ ዶብ ንግዲኳ እንተዘየለ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ካብ ሰሜን ትግራይ ክሳብ ሑመራ ሰራዊት ኣብ ዝዓስከረሉ ንቑጣታት እዩ ዝካየድ።

ብፍላይ ድማ በቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ፋኖ ኣምሓራን ዘሎ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ምስ ከተማታት ኤርትራ ተሰነይ፡ ጎልጅን ኦመሓጀርን ኣብ ዘራኽብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝጥቀምሉ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝካየድ ምዃኑ ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኢትዮጵያ ብርን ናይ ኤርትራ ናቕፋን ብሓባር ከም ዝንቀሳቐስን ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ  ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ  ገንዘብ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ከም ዝእሰሩን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

Last modified on Wednesday, 20 September 2023 10:37