ጨንፈር ሰዲህኤ ደቡብ ጀርመን ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ
2020-03-31 19:11:24 Written by ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2684 timesኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ደቡብ ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ብ27 ሚያዝያ 2020 ብመራኸቢ ብዙሃን ስሩዕ ኣኼበኦም ኣካይዶም። ኣባላት ጨንፈር ብቕዳምነት ብዛዕባቲ ኣብ ዓለምና ብሐፈሽኡ፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ብኮሮና ዝፍለጥ ሓደገኛ ተላጋቢ ሕማም ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነቲ ኩሉ ሸነኻዊ ኩነታት ህዝብና ድሕሪ ምምዛን፡ እቲ ዘይ ሓላፍነታዊ ኣታሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ተሓዊስዎ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ንምምዛኑ ዘጸግም ከምዘይኮነ ርእዩ። ምእንቲ ዚ ነቲ ኣብ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን ጾሎት ክገብር ዝእከብ ህዝቢ ጥንቃቐ ክገብር ምዝኽኻርን ምምዓድን ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ንህዝብና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊብዛዕባ እቶም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቕዩ ዝለዉን፣ ብስም ሃገራዊ ኣግልግሎት ኣብ ሳዋ ተጨሪሖም ዘለዉ መንእሰያትን ክሓተሎምን ጸቕጢ ክገብርን ዝግበኦ ከምዝኮነ ነተሓሳስብን ነዘኻክርን።
ቀጺሉ ኣባላት ኣብ ርክቦም፣ ኩነታት ጨንፈሮም ኣብምግምጋም ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ኣብርክተኦም ኣብ ሰልፊ ብኣውንታ ድሕሪ ምምዛን፡ ኣብቲ ኣንጻር ኢሳያስን ዲክታቶራዊ ስርዓቱን ብሰፊሑ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እውን፣ ንነዊሕ ዓመታት ምምካቶም ጥራሕ ዘይኮነ ኣብዚ እዋንዚ ሱታፌ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ይብርኽ ምህላዉ ይርእዩ ብምህላዎም ሓበን ከምዝስምዖም ገሊጾም።
ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ጀርመን ይኹን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓወምቲ ወድባትን ሰልፍታትን ዘተታት’ውን እንተኾነ ኣባላት ጨንፈር ብተገዳስነት ተመልኪተሞ። ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ጀርመን ብኩሎም ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዝተኻየደ ሰሚናር ወርሒ ለካቲት 22. 2020 ብኣካል ስለ ዝተሳተፍዎ፡ ንዝነበረ ጽቡቕ ድሌት ናይ ተጋባእቲ ብደስታ ድሕሪ ምግምጋም ብኡ ኣቢልና ድማ ነታ ኣብዚ ንምብጻሕ ከይተሓለለት ኣብ ስራሕ ተጽሚዳ ዝጽንሐት ገና ውን ኣብ ስራሕ ዘላ ሽማግለ ድሕሪ ምሙጋስኖም፡ እቲ ርኽክባት ንኽቕጽልን ጻዕርታታ ክተሐይልን በዚ ኣራጣሚ ለበዋ ዝየቕርቡ። ከምኡ መራሒቲ ኩለን ተቓውምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ነቲ ጀሚረሞ ዘለዉ ዘተታት ሓላፍነቶም ኣበሪኾም ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ነዛኻኽር ክብሉ ኣኼባ ደምዲሞም።
ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!