ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ናይ 2019-2020 ዓመተ ትምህርቲ ዛዚማ
2020-03-26 22:06:08 Written by ኢድሪስ እስማዒል፡ ኣምሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ Published in EPDP News Read 3887 timesቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ናይ 2019-2020 ዓመተ-ትምህርቲ ኣብ ክፍላ ወርሒ መጋቢት ብምዝዛም ተምሃሮኣን መማህራናን ናብ ዕረፍቲ ኣፋንያ። ሎምዘበን ብሰንኪ እቲ ህይወት ሰብ ዝቐዝፍ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ ኮቪድ 19፤ እቲ ኣጋይሽ፡ ወለድን ቤተ-ሰብን ዓዲምካ ዝኽበር ዝነበረ ናይ ኣተዓጻጽዋ ቤት ትምህርቲ ልምዲ፡ ክትግበር ኣይተኻእለን። እዚ ንክንክን ጥዕና ተመሃሮን ኩሎም ተዋሳእትን ዝዓለመ ውሕሉል ስጕምቲ ኰይኑ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንናይ ሕማም ኮሮና ዝርገሐ ንምግታእ ዝሕግዝ ሕክምናዊ ስጕምቲ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጋዊ ግዴታ’ውን እዩ።
እዚ ዝሓለፈ ትምህርታዊ ዓመት ብሕማም ቫይሩስ ኮቪድ 19 ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ዘስዓቦ ጸጥታዊ ኵነታት እውን ስለ ዝተጸልወ፣ ብዙሕ ናይ ስሩዕ ትምህርቲ ምቁራጽ ዝተራእየሉ ዓመት እዩ ኔሩ። ይኹን’ምበር መማህራን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ብዘርኣይዎ ትግሃትን ተወፋይነትን፣ ነቲ ዝተቛረጸ ግዜ ካብ ግዜ ዕረፍቶም ብምትካእ፣ ነቲ ምዱብ ዓመታዊ ትምህርቲ ኣብ እዋኑ ከም ዝውዳእ ገይሮም እዮም።
ቤት ምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ነዚ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ 696 ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተመሃሮ ብምምዝጋብ እያ ጀሚራቶ። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ማለት ጸጥታዊ ምኽንያታትን ሕማማትን ገሊኦም ድማ ዓዲ ብምቕያርን ብተደጋጋሚ ግዜ ትምህርቲ ይቋረጽ ሰለዝነበረ ኣብ ጕዕዞ ሓያለ ተማሃሮ ጐዲሎምና እዮም። እቲ ብዕለት 15 መጋቢት ዝተዓጽወ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ናይ መጨረሻ መርመራ ዝተሳተፉ 580 ኰይኖም ካብኣቶም 525 ተመሃሮ መሕለፊ ነጥቢ ከምጽኡ ከልዉ 55 ግን ትሕተ-መሕለፊ ነጥቢ እዮም ረኺቦም።
ሎሚ ዓመት ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራ ብብጸይቲ ኣልጋነሽ ኢሳቅ ኣቢለን ዝሰደዶኦ ሓጋዝ ገንዘብ ንልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ወደ ሸሪፋይ ኣብዚ ዓመት 2 ግዜ ናይ ሸሹድሽተ ኣዋርሕ ዝኽውን ሞዴስ ተዓዲለን።
ኣቤል ገብረየሱስ ዝብሃል ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ኤርትራዊ፣ ብሓው ትኩእ ተስፋይ ኣቢሉ ንቤት ትምህርቲ ወደ ሸሪፋይ 20 ካርቶን ዘወፈዮ ጥራውዝትን ቢሮታትን ንተምሃሮ ተዓዲሉ።
ዓብደላ ማሕሙድ ሳልሕ ዝስሙ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ኤርትራዊ ድማ፣ ኣሕዋት ኣሕመድ ማሕሙድ ስሩርን ኣንዋር ዓብዱን ብዝሓበሩዎ መሰረት ናብ ቤት ትምህርትና ብምምጽእ ብሓንቲ ኢርትራዊት ማሕበር منظمة صابرين لشؤون الانسا نية كسلا ( Sabrin organization for humanitarian Affairs ) ንሶም ዝውክልዎ ኣቢሉ 24 ካርቶን ጥራውዝቲ፡ 5 ኰዓሳሱ እግሪ፡ ናይ ጂኦመትሪ መሳሪሕታት፡ ካልእ ናይ ትምህርቲ ናውትን ናይ ብልጫ ሽልማትን ኣወፍዩ። ከምኡ’ውን ንነፍስወከፍ ምምህር ሓደ ሸሕ (1000) ጂኔ ሱዳን ሓገዝ ሂቡ።
ኣብ መጨረሻ እቲ ብንፋስን ካልእ ባህርያዊ ኵነታትን ዓንዩ ወይ ተበላሽዩ ዝጸንሐ ክፍልታት ድሕሪ ምዕጻው ትምህርቲ ንምጽጋኑ ኣብ ምጅማር ንርከብ። ብመሰረት ትእዛዝ ሚንስትሪ ትምህርቲ ሱዳን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ ስለ ዘይብሎም፣ መጠነኛ ወይ ዓቕምና ዘፍቅዶ ንኽልቲኦም ጾታታት ተመሃሮ ዝፈሊ ክፍልታት ኣብ ምትግባር ተጸሚድና ኣሎና።
ኣብ መጨረሻ ንመማህራንን ተመሃሮን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን መሓዙት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይን ብአባ ግብራይ እትመሓደር ካቶሊካዊት ቤት ትምህርትን፣ ብፍላይ ከኣ ንመዋሊት ቤት ትምህርትና ዝዀነት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበራ ማሕበር ስዊዝ ንህጻናት ኤርትራ (Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE)) ዕዙዝ ምስጋናና ነቕርብ።
ኢድሪስ እስማዒል፡ ኣምሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ