ኢህወደግ ጉባአኡ ከካይድ’ዩ፣ ኣባል ውድባቱ ከኣ ጉባአታተን ኣካይደን

2018-10-02 08:22:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2750 times

ናይ ኢትዮጵያ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ካብ 3 ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2018 ኣበ ከተማ ኣዋሳ መበል 11 ጉባአኡ ከም ዘካይድ ናይቲ ግንባር ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። ኣብዚ ጉባአ ካብ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣርባዕተ ኣባል ውድባት 250 ብድምር 1000 ዘድሙጹን ካለኦት ሓያሉ ብዘይድምጽ ዝሳተፉን ዕዱማት ኣጋይሽን ክርከቡ እዮም።

ብናይቲ ግንባር ኣሰራርሓ፣ ኣርባዕተአን ናይቲ ግንባር ኣባላት፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ሕወሓት) መበል 13፣ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ (ዲምብኣ) መበል 12፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞ (ህዲውኦ) 9ይን ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝዝብታት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ደኢህዲም) 10ይን ጉባአታተን ቅድሚዚ ናይዚ ግንባር ጉባአ ኣካይደን። ኣብዚ ጉባአታተን ውድብ ኦሮሞ ስማ ናብ ኦሮሞ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ኦዲፓ) ክትቅይር እንከላ፣ ውድብ ኣመሓራ ከኣ ኣምሓራ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ኣዲፓ) ተሰይማ ኣላ።

ኣብዚ ጉባአ ናይ ቅድም ኣባላት ማእከላይ ኮሚተኣ 81 ዝነበረ ኦዲፓ ናብ 55 ኣውሪዳቶም ኣላ። ቅድም ኣባላት ማእከላይ ኮሚተኣ 45 ዝነበረ ህወሓት ከኣ ናብ 55 ክብ ኣቢላቶም። እተን ውድባት ኣብዚ ጉባአታተን ናብዚ መበል 11 ጉባአ ናይ ሓባር ግንባር ዝሳተፉ ነፍሲ ወከፈን 250 ኣባላትን ድሕሪ ጉባአ ኣባላት ማእከላይ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ዝኾኑ ካብ ነፍሲ ወከፈን 45 ኣባላትን መሪጸን ኣለዋ፡

እዘን ኣርባዕተ ውድባት ኣብዚ ጉባአታተን ኣዝዩ ሰፊሕ ናይ ምትኽኻእ ስጉምቲ ወሲደን። በዚ መሰረት ብዙሓት ነባራት ካብ ናይ መሪሕነት ኣባልነት ብኽብሪ ከሰናብታ እንከለዋ ብዙሓት ሓደስቲ ከኣ ናብ ሓላፍነት ኣምጼን። ንኣብነት ኦዲፓ ካብቶም ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ 81፣ 16 ጥራይ እንደጋና ናብ መሪሕነት ኣምጺኦም፡ እቶም 39 ግና ሓደስቲ እዮም። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ህወሓት 12 ካብ ነባር ኣባላታ ብኽብሪ ከተሰናብት እንከላ፣ ኣዲፓን ደኢህዲምን ከኣ ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ ዕስራ ካብ ነባራት መራሕተን ኣፋንየን።

ናይዘን ኣባል ውድባት ኮነ ናይቲ ግንባር ጉባአታት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ምስግጋርን ዘይርጉእ ኩነታትን ኣብ ዝሃለወትሉ ይካየዱ ስለ ዘለዉ ህዝቢ ንውጽኢት ጉባአ ኢህወደግ ብዓብይ ሃንቀውታ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

ምስዚ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ካብ 1994 ንነጀው ዝኾነ ይኹን ጉባአ፣ ምትኽኻእን ናይ ፖሊሲ ለውጥን ከየርአያ ኣብታ ዝነበራ ተሸኹሉ ዕንክሊል ይብል ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Tuesday, 02 October 2018 10:25