ጸዋዒት ንኹሉ ብመሬትን ህዝብን ኤርትራ ንዝሻቐል
2018-09-28 08:41:35 Written by ሽማግለ ምም/ጨንፈር ደቡብ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3062 times
ህዝባዊ ኣኼባ ዕለት 13.10.2018 ልክዕ 14፡00 ዝጅምር ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት
ንሰላም ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘየገድስ መልክዑን ሕብሩን ዝጸልኣ የልቦን ። እዚ ሰላም ተጎልቢቡ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ውዑላት ንታሪኻዊ ክብርን ልዑላውነት ህዝብን ሃገርነት ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕል ዘሎ ኩነት እዩ።
ነዚ ኣብ ሃገርና ዝዝንቢ ዘሎ ናብ ምህላውን ዘይምህላውን ዘመልክት ኣንፈት ንምብራህ ብላዕለዋይ ኣካል ማለት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝምራሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብምምሕዳር ሽማግለ ጨንፈር ደቡብ ሰዲህኤ ዝዳሎ ኣብ ሽቱትጋርት ክካየድ እዩ።
እተን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 በብወከልተን ተራኺበን ብሓባር ንምስራሕ ዘቃላሓ ምቕማጠን ኣብ ጀርመን ዝኾና ውድባትን ሰልፍታትን ስቪካዊ ማሕበራትን እነሆ ብዕለት 16.09.2018 ተኣኪበን ሃገር ንምድሓን ብሓባር ክሰርሓ ተሳማሚዐንን 5 ሰብ ዝኣባላታ ግዝይዊ ሽማግለ ከም ዘቖመ ተሓቢሩ።ነዚ ዓቢ ብስራት እዚ ክውን ንምግባርን ዕላማታቱ ንምግላጽን ኣብዚ ዝዳሎ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባ ግዝያዊ ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበራትን ብኣካል ክሳተፎ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።።
ኣብ ህልዊ ኲነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘቕነዐ ፡ ብዘይዝኾነ ይኹን ፍልልይ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ንዝሻቐል ዘሎ ዘሳትፍ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕለት 13,10.2018 ሰዓት 14፡00 ዝጅምር መደብ ሰሪዑ ስለዘሎ ሰዓትኩም ኣኽቢርኩም ክትሳተፍዎ ብኽብሪ ንጽውዕ ። እዚ ሓበረታ እዚ ናይ ኩሉ ንምብጻሕ ፤ ንኹሉ ዝምልከት እዩሞ ሃየ ኣብ ናይ ምዝርግሑ ንተሓባበር።
ኣድራሻ፡
Heidelbeerstr.5 D-70329 Stuttgart-Obertürkheim
ብደሓን ምጹ/ምጻ
ሽማግለ ምም/ጨንፈር ደቡብ ሰዲ ህኤ
ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ: ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ፡