ርክብ ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ንፍትሕን ተሓታትነትን ዝያዳ ቃልሲ ክካየድ ጸዊዑ

2017-03-14 09:07:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2752 times

ኤርትራውያንን ኣዕሩኽ ኤርትራን ብ13 መጋቢት 2017 ኣብ ጀነቫ ቤት ጽሕፈት ሕቡራ ሃገራት ተራኺቦም ተመያይጦም። ናይዚ ርክብ ዕላማ ብመሰረት እቲ ናይ መርማሪ ኣካል ሰብኣዊ መስል ኤርትራ  ዝቐረበ ለበዋታትን ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ለበዋታትን ውሳነታትን መሊስካ ኣገዳስነቱ ንምጉላሕ እዩ። እዚ ተወሳኺ ርክብ ንኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ወሲኽካ ብ15 ዓለም ለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝተመወለ እዩ።

 

እዚ ርክብ፡ መበል 34 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተኣኪቡ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝርራብ ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት ሰዓታት እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሓጋዚ ኣኼባ፡ ፕሮፈሰር ሚሪያም ረይስ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቲልቡርግ ሆላንድ፡ ዚምባባያዊት ተልዳህ ማዋርየ ተመራማሪት ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ መንእሰይ ዓወት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ዘጋጠመ ሓደጋታት ዝደሓነ ነይሮም። 

 

ነዚ ኣኼባ ዘወሃሃደ ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ኣብ መኽፈቲ ዕላማ ናይቲ ርክብ ኣብሪሁ። በቲ ንሱ ዝሃቦ መብርሂ መሰረት ናይቲ ርክብ ዕላማ 1) ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ጌና ኣጀንዳ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ንምርግጋጽ። ከምኡ እውን እቲ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ኣካል ቀጻሊ ብዛዕባ ዝኾነሉ ምልዛብ። 2)  ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ብመርማሪ ኣካል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝቐረበ ለበዋታት ተቐቢሉ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ዘወግድ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስድ ምጽዋዕ። ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ኣተሓሒዙ እቲ ብደገፍቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝካየድ ኣኼባታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ጀሚሩ ኣብ ኒውዮርክ፡ ብሩሰልስ፡ ባንጁል፡ ኣዲስ ኣበባን ካለኦትን ከም ዝቐጸለ ሓቢሩ።

ካብ መብርሂ እቲ ኣወሃህዲ መደብ ቀጺሉ፡ ኣብ መበል 17 ዓመት ዕድሚኡ ናብ ውትህድርና ዝተወስደን ኣብቲ ዕድመቲ ዝተኣስረን ኤርትራዊ መንእሰይ ዓወት ብዛዕባ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘሕለፎ ተመኩሮ ዝምልከት ምስክርነቱ ሂቡ። ክልተ ግዜ ተኣሲሩ። ግዜ ማእሰርቱ ድማ ክሳብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደመሉ ኣብ 7 ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣሕሊፍዎ። ኩነታት ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ክትገልጾ ኣጸጋሚ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ። ኣብቲ ዝተኣስረሉ ግዜ ዓበይትን 14-15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ምስኡ  ከም ዝነበሩ ከኣ ኣቃሊዑ።

ወ/ሮ ተልዳህ ማዋሪረ ብወገነን ብዛዕባ ኣቀራርባ  ንእስትራተጅያዊ ልዝብ ኣተገባብራ ውሳነታትን ለበዋታትን መርማሪ ኣካልን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኣብሪሃ። ንሰን ኣብዚ መግለጺኣን ነቲ መንግስቲ ዘካይዶ ፕሮፖጋንዳ ንምዕጻፍን፡ መንግስታትን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዝርከብዎም ዝምልከቶም ኣካል ንምርዳእን ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ገበናት ሓበሬታ ሰኒድካ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ ኢለን። ኣስዒበን ድማ ብሓፈሻ ምስ ኣፍሪቃዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ብፍላይ ድማ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝርከባ ሓቢርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።

ፕሮፈሰር ሚርያም ቫን ረኢሰን፡ መስራቲትን ዳይረክተርን ናይቲ ኣብ ብሩሰልስ ዝመደበሩ፡ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኤውሮጳዊ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣማኻሪ ብወገነን፡ ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ዝቐጸለ ሃሳዪ ምስግጋር ሰባትን ብዛዕባ እቶም ነዚ ዝፍጽሙን ዘወሃህዱን ኣካላት እንታይ ክግበር ከም ዝግበኦን ብዝምልት ነዊሕ መግለጺ ሂበን። ድሒሩ ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ እቶም ቀንዲ ንምስግጋር ሰባት ዘተሓባብሩ ገበነኛታት ኤርትራውያን ኮይኖም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍትን ኤምባስታትን እውን ኣብቲ ገበን ኢድ ኣለዎም ኢለን። ኣስዒበን ድማ እቲ መርማሪ ኣካል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጻኢ ብኣካላት መንግስቲ ዝፍጸም ገበን እውን ኣብቲ መርመራ ከእትዎ ዘለወን ተስፋ ጠቒሰን፡ ዝምልከቶ ኣካል ነቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝፍጸም ጥሕሰታት ንክምርመር ንክፍቅድ ዘለወን ሓሳብ ኣስፊረን። ንኤውሮጳ ኣብ ዝምልከት ከም ዝበለኦ ድማ አውሮጳውያን ብጉዳይ ስደተኛታት ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ሓቢረን እንተኾነ ሃገረን ኔዘርላንድስ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰደቶ ዘይቅየር መርገጽጽ ብፍሉይ ከም እትረአ ሓቢረን።

Last modified on Tuesday, 14 March 2017 10:23