ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ውሳነ ዶብ!
2025-01-04 14:56:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 418 timesመንግስቲ ኢጣልያ ንመጀመርያ ግዜ ምስምሳት ብምፍጣር ብሰንክ’ቲ ጁሰፐ ሳፐቶ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ሰባኺ ብስም ሓንቲ ናይ መርከብ ኩባንያ ኣብ ዓሰብ ብ1869 መሬት ምግዝኣ፡ ግዝኣታ ንምስፋሕ ብ1885 ክሳብ ምጽዋዕ በጸሐት። ድሕሪኡ ከኣ በብቑሩብ ንወገን ምዕራብ ካብ ምጽዋዕ እናተፈሓኾትን ምኽንያታት እናፈጠረትን ብ1 ጥሪ 1890 ንኤርትራ ብሓይሊ ሒዛን ምድረ-ባሕሪ ዝነበረ ስማ ናብ “ኤርትራ” ቀይራን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ግዝኣታ ምዃና ኣወጀት።
ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ ኩነታታ ምስ ኣጣጠሐት፡ ድሕሪ 6 ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት ንምውሳኽ ሩባ መረብ ሰጊራ ንወገን ደቡብ ተጓዒዛ፡ ኣብ መጋቢት 1ን 2ን 1896 ኣብ ዓድዋ ኣንጻር ኢትዮጵያ ውግእ ከፊታ ተሳዕረት። ኣብዚ ውግእ’ዚ፡ ኣብ ጐኒ ኢጣልያ ተዓስኪሮም እናተዋግኡ ዝተማረኹ 800 ኤርትራውያን በቶም ኣብቲ ውግእ ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ብዘስካሕክሕ ጭካነ፡ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ዝተቖርጽሉን ኢጣልያውያን ምሩኻት ግና ናጻ ዝተለቅሉን መስደመም ተግባር ተፈጺሙ። ነቲ ናይ ግዳያት ኣሃዝ ብምጥቃስ፡ እቲ ጭካነ ካብ ከተማ ዓድዋ ንወገን ምብራቕ “ኣባ ገሪማ” ኣብ ዝበሃል ገዳም ከም ዝተፈጸመ፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር ኣብታ፡ Erirean ancient history to 1958 እትብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 53 ኣስፊርዎ’ሎ።
ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሚነሊክ ዳግማዊ ኢጣልያ ተሳዒራ ናብ ግዝኣታ ዝነበረት ኤርትራ ክትምለስ እንከላ ኣይሰዓብዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳግማይ ዶብ ጥሒሳ ንከይትምለሶም ብ1900፡ ብ1902ን 1908ን ዶብ ናይ ምንጻር ስምምዓት ተፈራሪሞም። ካብኡ ጀሚረን እየን ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ክሳብ ሎሚ ሒዘናኦ ዘለዋ መልክዕ ዶብን ኣነጺረን ።
እንተኾነ መንግስቲ ኢጣልያ ግዝኣት ካብ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ስለ ዘይወጸት፡ ኤርትራ ካብ እትሕዝ ድሕሪ 45 ዓመታት እንደጋና ብ3 ጥቅምቲ 1935 ኢትዮጵያ ንምውራር ዝኸፈተቶ ውግእ፡ ብ1 ማዝያ 1936 ኣብ ማይጨው ድሕሪ ምዕዋታ ንኢትዮጵያ ክትሕዛ እንከላ፡ ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴ ቀዳማዊ ድማ ብ1 ጉንበት 1936 ናብ ሃገር እንግሊዝ ንክስደድ ናብ ጅቡቲ ኣቕነዐ።
ንኢትዮጵያ ን5 ዓመታት ተቆጻጺራ ከተመሓድር ዝጸንሐት ወራሪት ኢጥልያ ብ1941፡ ሰራዊት እንግሊዝ ብዘካየዶ ውግኣት ካብ ኢትዮጵያ ተሳዒራ ወጺኣ። ኣብዚ እቶም ን5 ዓመታት ኣንጻር ምእታው ኢጣልያን ስደት ሃጻይ ሃይለስላሴ ናብ ብሪጣንያን ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ስዕረት ኢጣልያ ግደ ነይርዎም ይበሃል።
እቲ ኩነታት ከምዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ኢትዮጵያ ከም ላይበርያ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ዘይተገዝአት 2ይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ምባላ ክሳብ ሎሚ ኣዛራቢ እዩ። ኢጣልያ ክልቲአን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኽልተ ኣቕጣጫታት ንምርኻብ፡ ጎበታት ኣፍሪሳን ድንድላት ሃኒጻን 1080 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ምጽራጋ ከኣ ክሳብ ሎሚ ህያው ታሪኻዊ መግዛእታዊ ምስክር እዩ።
እዝተፈላለዩ መዛግብቲ ዝምስክርዎ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ ዝተጠቕሰ እንከሎ፡ ሓደሓደ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሓቂዚ ብዘይምቕባል ጌና ኤርትራ ንመግዛእቲ መኪታን ረፈንዱም ኣካይዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበት ሃገር ድሕሪ ምዃና’ውን፡ “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ምስ ዝብል ዝተሳዕረን ግዜ ዝሓለፎን ብሂል ተጣቢቖም ምርኣይን ምስማዕን የገርም።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ኣብ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ካብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣነት ብዘይ ሕጊ እያ። ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ሕጋዊ ታሪኽ ምርኣይ የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትገዝእ ዝነበረት መንግስቲ ኢጣልያን ብ1900፡ 1902ን 1908ን ምስ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ 3ተ መግዛእታዊ ውዕላት ተፈራሪሞም። እዞም ስምምዓት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኽለሉ እዮም። እንተኾነ እዞም ውዕላት ድሕሪ ኢጣልያ ብ1935 ኣብ ማይጨው ውእግ ከፊታ ናብ ኢትዮጵያ ምውራራ ውዱቓት ኮይኖም እዮም።” ዝበሎ ነቲ ዘገርም፡ ዝያዳ ዘስደምም ዝገብሮ እዩ።
እዚ ምሁር ድሕሪ ውግእ ማይጨው ወዲቖም እዮም ዝብሎም ዘሎ ውዕላት፡ እቶም ብደረጃ ዓለም ህያው ተፈላጥነት ሃልይዎም፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ክነሱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተተግበረ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ወሲኑ ብ13 ለካቲት 2002 ክእውጅ እንከሎ፡ ዝተመርኮሰሎም ዓለም ለኻዊ ሰነዳት ምዃኖም ብምዝንጋዕ ዝበሎ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ናብዚ ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኮለል የብልዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት፡ እቲ ብይን ዶብ ብዓንተቦ ዘይምትግባሩ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ናይ ዘይምትግባሩ ሓላፍነት ክልቲኦም ወገናት ዝስከምዎ ተሓታትነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ህግደፍ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት እናሃለዎ፡ ቅሩብ ዘይምዃኑ ዝያዳ ተሓታቲ እዩ። ኢትዮጵያውያን እውን ንድሕሪት ዘይምለስ ክመልሱ ዝኽተልዎ ዘለዉ መንገዲ ንኢትዮጵያ ኮነ ንህዝባ ዘየርብሕ ምዃኑ ክግንዘቡ ምተገብኦም።
ስለዚ ኤርትራውያን ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ “ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ውሳነ ዶብ! ኣብ መሬት ይመልከት እሞ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ስሩዕ ጉርብትናን ሕድሕድ ምትሕግጋዝን ይመለስ” ዝብል ድምጽና ከነበርኽ ይግበኣና።