“መዓልትን ከልብን፡ ከይጸዋዕካዮም ይመጹ”
2024-12-31 12:31:05 Written by EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 234 timesርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2024 ዛዚምና ናብ 2025 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2025ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።
እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን እምበር፡ እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል፡ ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ 2024 ክንድቲ ዝተጸበናያ ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ኣይነበረትን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውግእ፡ ህልቂት፡ ምዝንባልን ዕንወትን ዝዓንደረላ ስለ ዝነበረት “ድሕሪኣ ይቕደወና” እትበሃል ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ነጻ ህያብ ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሱ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮ ንተግሆንዶ ኮይና ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እውን ብዙሕ ሓሊፉ እዩ።
ኣብ 2024፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደዲፍ ዝሸጡን ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ንላዕሊ “ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ ንመጻኢ’ውን ህግደዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2025’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ናይ 2024 ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብን ሃገርን ዝኸበደ መዘዝ ዘስዕብ ስለዝኾነ።
ህገድፍ ሎሚስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሩ ተማሂሩ፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ክወቅዕዩ ይኸውን” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ብፍላይ ኢስያስ ብጉልባብ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ መግለጽን ካለኦት ሓለፍቱን ዝኸድዎ ዘለዉ መንገድን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ ምንዳይ ውግእ ዝዕገስ ኣይመስልን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግብሪ ይውዕለሉ ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ዘይቅዱስ ኪዳናት ክሳብ ምምስራት እውን ወሲኽሉ’ሎ።
ካብ ካለኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳን ዘይዕወት ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ፡ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመተ-2025 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ግምታተን ይህባ’ለዋ። ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ተተባቢዖም፡ ኢትዮጵያውያን ጸገማቶም ብፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክፈትሑ’ዮም ዝብል እምነት ሓዲርዎም ነይሩ። ብግብሪ ግና ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ዕድል 2025 ኣብ ምፍታሕ እዚ፡ ነዓናው ዝጸልወና ናይ ጐረባብቲ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ብትኹረት እንከታተሎ እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ 2025 ካብ 2024 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ከይረሓቕና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘስግእ እዩ። ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣእዳዎም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ደበና ስግኣ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ውዳበታት እምበር፡ እቲ ራህዋን ሰላማዊ መንገዲድን ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ዘዝፈሓሶ ተንኮል ምስ ፈሸሎ፡ ካልእ መንገዲ ጥፍኣት ካብ ምምሃዝ ኣብ’ዛ ንርከባ ዘለና ዓመት’ውን ዓዲ ኣይክውዕል እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲዳንትነት ኣሜሪካ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ምስሕሓብ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ ናይ ሃገረ ሲርያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምእታ’ውን፡ ኣብ 2025 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ዓለም ብሃንቅውታ እትጽበዮም ዘላ እዮም። እቲ ዝፍራሕ 3ይ ውግእ ዓለም ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2025፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ኮንፈረንሱን ናይ ሓባር ፈስቲቫሉን ኣቢሉ በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት ብግብሪ ናይ ምንቅስቓስ ተግባሩ ምስፍሕን ምሕያልን ኣብ 2025 ዓብይ ግምት ዝህቦ ኣጀንድኡ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2025 ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።