ይኣክል፡ ግዳይ ህግደፍ ምዃን

2025-01-08 22:16:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 162 times

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ዝተሓላለኸን ብነዊሕ ተመኩሮን ውረድ ደይብን  ክሓለፍ ዝጸሐን ዘሎን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ ብቐሊሉ “ከምዚ ነይሩን እዩ” ኢልካ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። እንተኾነ ንህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ጠሊሙ ስልጣን ዝበሓተ፡ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ፡  በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ “ኤርትራ በዚ ዘላቶ ክትቅጽል ኣይትኽእል’ያ” ዝብል ነዊሕ ዝዕድመኡ እናሓደረ ድምጹ ዝብርኽ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ እዩ ኢልካ ምግላጾም ይከኣል።  ኣብዚ ክልተ ደንበታት ዘይዋሳእ፡ ድምጹ ዘጥፈአ  እቲ ዝበዘሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ከኣ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ እዞም ክልተእቲ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ዝተሰለፉ ወገናት፡  ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ደንበ፡ በብግዜኡ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዝሓዙ ርኢቶታት ክቀላቐሉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ህግደፍ ብዘይካቲ ብግሉጽ ብደንበ ተቓውሞ ዘጋጥሞ እምቢታ፡ ኣብ ውሽጡ ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ድማ  ብውሽጣዊ ምጉርምራም ንዝፍጠር ዘይምእዙዝነት  ዝከላኸለሉ ስልትታት ኣዝዩ ጨካንን ዘይሰብኣውን እዩ። እቶም በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዘካይዶ፡ ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ  ምቕንጻልን ካብቶም ኣብ ውሽጡ ንዝፍጠሩ ዘይምእዙዝነታት ንምውጋድ ዝወስዶም ስጉምታት እዮም። ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ካብ ዝግደድዎም ምኽንያትታ እቲ ቀንዲ ካብዞም ርህራሀ ዘየብሎም ስጉምትታት ህግደፍ ንምድሓን እዩ ኢልካ ምግላጹ ይከኣል። እንተኾነ “ስደትከ  መሰረታዊ መፍትሒ ድዩ  ኣይኮነን?”  ዝብል ሕቶ ጌና ኣብ ኤርትራውያን  ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ  እዩ።

ፖለቲካዊ ክብደት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ ጌና ክንድቲ ዝድለ ዘይተመሓደረ ዝተፈላለየ ኣተሓሳባ ዝሓቖፈ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ናይ ቃልሲ ዓቕሙን ግዜኡን ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዘውዕሎ ንላዕሊ ኣብ ውሽጣዊ ምትህልላኽን ምስሕሓብን ከባኽኖ ከም  ዝጸንሐ ከነእርሞ እምበር፡ ክንሓብኦ ዘይንኽእል ኣሉታዊ ተመኩሮ እዩ። ክሳብ ሎሚ ካብዚ ዘየሕጉስ ተመኩሮና ተማሂርና ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ዘይምዃና ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ብሰንክዚ ምፍልልያትካ ናይ ምምሕዳር ሕጽረት፡ ማዕጾ ህግደፍ ሰይሩ ዝኸፍት ዓቕሚ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ዘየቕስን ኮይኑ  ዘሎ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ  ደንበ ተቓውሞ በቲ ዘርእዮ ድኽመት፡ ካብቲ ንገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ዝጉድኦ፡ ንህግደፍ ዝጠቕሞ ይዓዝዝ ዝበሃል። ምኽንያቱ ዕድመ ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምንውሑ ብዘለዎ ዓቕምን ህዝባዊ ተቐባልነትን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቲ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን ምዃኑ፡ ቅድሚ ሕጂውን ምርድዳእ ዝተበጽሓሉ ሓቂ ስለ ዝኾነ። እዚ እዩ ድማ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን”  ወይ “ገ ኣንዳበሉኻ ዶ ትጋገ” ዘብለና።

ኣብ መንጎ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ናይ “ነቲ ካብ ቃልሲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል መን ኣብ ጐኑ ኣሰለ?” ውድድር ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ጐኑ ንክስለፍ ዝጽወዖ ደስኪሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል  ዝኣትወሉ ናይ ቃልሲ ቃል፡ ምስቲ ድሕሪ ምውጋድ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጽ፡ ሰላም፡ ዕቤት፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምዕቃብ ኩሉ መሰላት ዝወሓስ ራህዋን ቅሳነትን ዝተሓሓዝ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ዋና ባንክን ታንክን ኮይኑ ንግዜኡ ዝኣስርን ዝፈትሕን ዝቐትልን ዝምሕርን ኮይኑ ሃገር ብምሓዙ ስለ ዝምካሕ፡ ፡ መሳርሕየይ እንተዘኮንካ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ገዛን መሬትን ኣይትውንን፡ ከም ድላይካ ካብን ናብን ከባብታት ኤርትራ ኣይትንቀሳቐስን፡ ካብ ወጻኢ መጺእካ ኣብ ቤተሰባዊ ሓጐስን ሓዘንን ኣይትሳተፍን ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ኣብ መሬት ሃገርካ ኣይትቕበርን ዝብል ምፍርራሕ እዩ ዘዘውትር።

ኣብ ክንዲ መጻኢ ኣማዕዲኻ ተቓሊስካ መሰላትካ ምውሓስ፡ ብሰንክ’ዚ ዓመጸኛ ምፍርራሕ ህግደፍ፡  ኣቋራጭ መንገዲ ብምምራጽ፡ “ቅዱም ኣይኽፋእ” ኢልካ ኣንጻር ረብሓኻ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ምስላፍ ዝመርጹ ምህላዎም ንርእዮ ዘለና ግጉይ ሕርያ እዩ። እዚ ግምት ዘይኮነ ብዙሓት ርኢቶኦም “ብምስጢር ክዕቀበሎም” እናተሓሳሳቡ፡ ንህግደፍ “ምሳኻ ኣለና” እናበሉ፡ ኣምሪሮም ክነቕፉ ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ናይ ህግድፍ ድፍኢትን ዘይቅዱስ መጠበርን ተወሲኽዎ፡“ዕባራ ምኽንያታት” ብምፍጣር፡ ካብ ተቓውሞ ዘንዘልሕጡ ምህላዎም  ዝስማዕን  ዘሎ እዩ።

ኣብ መንጎ’ዞም ተጻረርቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ወገናት፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓጹር ጥሑሱ ሰዓብቱ ከብዝሕ ክቃለሱ ንቡርን ብግብሪ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብዚ ተዓዋቲ ንምዃን ከኣ ነዊሕ ኢድን ሓያል ዓቕምን የድሊ። እቲ ቀንዲ መሳርሒ ግና ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ወጊንካ ኣካይዳኻ ኣዋዲድካ ተበሃጊ ክትከውን ምኽኣል እዩ። ህግደፍ ብመንጽርዚ መመሊሱ ሰሓብነቱ ዘንቆልቁል እምበር፡ ብርትዓዊ ሚዛን ክረአ እንከሎ፡ ካብ ደንበ ተቓውሞ ወጺእካ ክትስዕቦ ዘብህግ ፖለቲካዊ መንነት የብሉን። ኣብቲ ናይ ቀደሙ  ምጽሕታር ውግእን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታውን እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ግብራዊ ናይ ዲሞክራስን ልምዓትን ቋንቋን ግብርን የብሉን። እቲ ሓሓሊፉ ዘስምዖ ናይ ልምዓት፡ ወፍርን ሰላምን ዝመስል ዕድመ  ስልጣኑ  ንምንዋሕ ዝምህዞ ተዘይኮይኑ፡ ዝትግበር ኣይኮነን።  ምስዚ ኩሉ ግና ንፍሉይ ተልእኮ ካብ ቅድሞም ድዮም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣድብዮም ጸኒሖም ወይ ኣብ መስርሕ ብዘጥረይዎ ጣዕሳ ብዘየገድስ፡ “ንቃልሲ  ዘየገልግሉ ሓረጋት”  ብምምዛዝን ሓላይ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ብምቕራብን፡ ሓሓሊፎም ናይ ህግደፍ   ድምጺ ከቃልሑ ይስምዑ እዮም።

ስለዚ ሎሚ እውን በዚ ኮነ በቲ፡  እቲ መዋጸኦ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ተገንዚብካ፡ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን“ ዝብል ጭረሖ ኣሕዲስካ፡ ብሓባር ክትወስዶ ዝግበካ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ። ናብዚ ንምብቃዕ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበእ  ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትዋሳእ ምብቃዕ እዩ።

Last modified on Wednesday, 08 January 2025 23:21