ኣገዳስነት ምህናጽ ምትእምማን!

2016-08-18 06:16:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3120 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ከም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ከም ተቓወምቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቀዳማይ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ናትና ኢልና ካብ እንርከቦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ዘመዝገብናዮ ውጽኢት ግና ምስ ንውሓት ዝወሰዶ ግዜን ክብደት ህጹጽነት ኩነታት ሃገርናን ዝመጣጠን ኣይኮነን። እቲ ዕማም ከቢድ ጥራይ ዘይኮነ ዝተሓላለኸን ናይ ኩልና እቶም ይምልከተና እዩ ኢልና ተተሓሒዝናዮ ዘለና ሓላፍነታዊ ዘይሕለል ኣበርክቶ ዝሓትት’ውን እዩ። ምእንቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ሓላፍነት ናይ ሓባር ዓወት ከነምዝግብ ከኣ ተራኺብና ናብዚ ናይ ዓወት መንገዲ ዝመርሓና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ከነጥርን ክንተኣማመንን ናይ ግድን እዩ። ናትና ምትእምማን ከምቲ ንዓና ፍቱን መፍትሒ ምዃኑ ንጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ግና ዘይምሕር መርዚ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ኩልና ከም ዘይንርሰዖ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ትካላትና ኮነ ኣብ መንጎ ትካላት ኣብ ዝግበር ዝምድና ዘለና ጸገማት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተዳህሲሱ እዩ። ነቲ ጸገማት ምድህሳስ ጥራይ ዘይኮነ ንምውጋዱ እውን ሓያሎ ግዜ ቃል ተኣትዩ እዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ እውን ኣይሰለጠን። እዚ ድማ ጸገምካ ምፍላጥ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ። ናይቲ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ዘይምስላጥ ጠንቅታት ተባሂሎም ካብ ዝተነጸሩ ሓደ፡ ሕድሕድ ምትእምማን ክንሃንጽ ዘይምኽኣልና እዩ። ምትእምማን ምፍጣር ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ኮይኑ፡ ናይቶም ክተኣማመኑ ዝግበኦም ኣካላት ቅሩብነት እንተልዩ ከምቲ ከቢድ ኮይኑ ዝረኣየና ከቢድ ኣይኮነን። ስለዚ ከቢድ ዘይኮነ ጉዳይ ንምስጋር እዩ ጸጊሙና ዘሎ።

ምትእምማን ተመዓዳዲኻ ዘይኮነስ ነናትካ ሓሳብ ሒዝካ ተቐራሪብካ ብዝግበር ሓላፍነታዊ ዘተን እሂንምሂንን እዩ ዝህነጽ። ምትእምማን ምፍጣር ማለት ፍልልያት ብቕጽበት ኣወጊድካ ሓደ ኣካል ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ ኣበይ ከም እተፋላለ ኣነጺርካን ወጊንካን፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ብሓባር እትዋሰኣሉ ኣገባብ ምትላም እዩ። ኣብቲ ዝተለምካዮ ጸኒዕካ ብግሉጽነት ምጉዓዝ ከኣ ይሓትት። ኣብዚ ሓደ ቀንዲ ቁምነገር ኣሎ። ከምቲ ክትእመን እትደሊ ንካለኦት ክትኣምን ቅሩብ ምዃን።

ነዚ ወሳንነቱ ዝገለጽናዮ ምትእምማን ንምውሓስ ዘኽእል ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ንምጥራይ ዝተፈላለዩ መዋስኢ መድረኻት ምውዳብ የድሊ። ዋዕላ ሓደ ካብኡ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 10-12 ነሃሰ 2016 ኣብ ሃገር ጀርመን ፍራንክፈርት ዝወደቦ ዋዕላ ከኣ ከም ሓደ ካለኦት ውድባት’ውን ክስዕብዎ ዝግባእ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። “ምህናጽ ምትእምማን” ዝብል ኣርእስቲ ምምራጹ ድማ ምስቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት “ምትእምማን ጠፊኡ” ዝብል መረረ  ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ፡ ናይቲ ዋዕላን ዝሓዞ ዛዕባን እዋናውነት ብንጹር የርኢ። ምትእምማን ኣብ ውሱን ግዜ እሞ ድማ ካብቶም ኣብ ምህናጹ  ግደ ዘለዎም ወገናት ዉስናት ጥራይ ብዝሳተፍዎ ዋዕላ ዝኽምታእ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትትን ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን እምበር ውሱን ርሕቀት ኬድካሉ ኣኺልዎ ዝበሃል ዕማም ኣይኮነን። ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣቶ መንግስተኣብ  ኣስመሮም ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ “ምትእምማን ብመስርሕ ዝረጋገጽ ኣምር እምበር፡ ብሓደ ወርክሾፕ ወይ ብሓደ ርክብ፡ ወይ ብሓደ ውሳኔ ዝረጋገጽ ኣይኰነን።” ዝበለ እውን ካብዚ ሓቂ እዚ ነቒሉ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ምትእምማን ናይ ምህናጽ ዓብይ ጉዳይ ዋዕላ ብምድላው ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ክጽዕተሉ እዩ።

ነዚ መሰረታዊ ዕማም ምህናጽ ምትእምማን ንምርጓድን ምዕማቝን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ነናቶም ብጽሒት ብዘለዎም ኤርትራውያን ምሁራት፡ ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ናይ መሰል ዛዕባታት ዝነጥፉን ዘቕረብዎም መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣዝዮም ጠቐምቲ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም እዞም ጽሑፋት ንካለኦት ኣብ ቀጻሊ ኣብዚ ጉዳይዚ ክመራመሩን ከጽንዑን ዝደልዩ መንቀሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ምንባሮም ከኣ ካልእ ንኣገዳስነት ናይዚ ዋዕላ ዘጉልሕ ጐኑ እዩ። እዚ ዋዕላ እዚ ንበይኑ ዝንጥልጠል ዘይኮነስ ናይቲ ዝሓለፈ ምትእምማን ናይ ምፍጣር ጻዕርታት መቐጸልታን  ንመጻኢ ሰፋሕቲ ተመሳሰልቲ መድረኻት መንግዲ ዝጸርግን ተመላላእን እዩ።

Last modified on Thursday, 18 August 2016 08:20