ሓጺር ዜና ንጥፈታት ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2016-08-22 20:49:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2913 times

እቲ መላእ ኣባልን መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጹ ይኹን ሃገራዊ ራኢኡ ነቕ ዘይብል ምዑትን ተባዕን ተቓላሳይ ከም ወትሩ ከይተሓለለ ንእወንታዊ ለውጢ ድግድጊት ተዓጢቑ ይቃለስ ኣሎ።

መላእ ኣባል ሰልፊ ነቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እግሩ ተኺሉ ንቕድሚት ክስጉም ከይተሓለለ ብገንዘቡን ንዋቱን ጉልበቱን ደኺመ ስኢነ ከይበለ ንፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገርና ኤርትራ ንምህናጽ ምስ ኩሎም ዝሰማምዕዎ ሓቢሩ ክቃለስን ንቃልሲ ድልው እዩ። እዚ ኣባል እዚ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ብዝርዝር እኳ ንምግላጹ ክነውሕ ስለዝኽእል ኣሕጸር ኣቢልና ግን ኣብቲ ዓመት መጸ ዝግበር ፈስቲቫል ዘበርክቶ ግደን ኣስተዋጽኦን ጥራሕ ክንውሰን ኢና።

ኣብ ናይ ሎምዘበን ዝተኻየደ ናይ ‘ምህናጽ ምትእምማን’ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ ኣኼባ ከም ኣመሓደርቲ ኮይኖም ዝመርሕዎ ወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛር ሓላፍት ቤት ጽሕፈት ድቂ ኣንስትዮ፥ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓላፊ ፥ ኣቶ መድሃኔ ህዝብትዝጊ ናይ መንእሰያት ምትእስሳር ቤት ጽሕፈት ሓላፊ።Alemertramedhanie

 

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎአ ዘበርከተት ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ከኣ ብዛዕባ ‘’ስለምንታይ ዘይምትእምማን ይፍጥር’’ ብዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ሓዝል ወረቐት ኣቒባ።

Adiam and Ghirmai Kokenብተወሳኺ ኣብ ፈስቲቫል ናይ ዕለት 13-08-2016 ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ብትግርኛ፥ ኣቶ ግርማይ ዘምኪኤል ከኣ ብዓረብኛ ብዘደንቕ ኣገባብ ከሳስዩ ኣምስዮም። ብዘይካ እዚ ነቲ ብሓው ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ዝቐረበ ‘መገዲ ዓድና ከመይን መኣስን ንኸዶ’’ ዝብል መደረ ብወይዘሮ ኣድያም እናተመርሐ ኣብ ሕቶን መልስን ተኣትወ።

Ghirmai Negashእቲ ናይቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ከኣ ብወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛርን ኣቶ ኣለም ዮውሃንስን እናተመርሐ ተሰላሲሉ። ምስእዚ ተተሓሒዙ ከኣ እቲ መደብ ናይ መንእሰያት ዝነበረ ክትዕን ምይይጥን ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎን ተመሪሑ ንተሳተፍቲ ብግቡእ ዘስተናገደ እዩ ነይሩ።

Feven Ghediwonናይ 2016 ፈስቲቫል ኩሉ ምድልዋቱ ብገንዘብ ይኹን ብጉልበት ከምኡ እውን ነቲ ናይ ምስሳይ ስራሓት ከይተረፈ እቶም ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ኣባላት ሰልፊ ብነቕ ዘይብል ሓቦን ንሕን ጽኑዕ መንፈስን ንተሳተፍቲ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣኣንጊዶም። ንዝመጽእ ዓመት ፈስቲቫል እንተኾነ ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ኤርትራ፥ እንተዘይኮነ ከኣ ንኹልና ሰላም ጥዕናን ሂቡ የራኽበና ብምባል ኣብ ዕለት ሰንበት ዕለት 15-08-2016 ነናብ ዝመጽዎ ተሰናቢቶም።

Last modified on Monday, 22 August 2016 23:31