ዓመታዊ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ

2016-08-05 17:49:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2833 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኣጀማምራን መቐጸልታን ናይዚ ብስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸት ዘዳሎ በዓል ዝምልከት ምግላጽ ክሰፍሕ ስለ ዝኽእል ምእንቲ ክሓጽረልና ኣብ ኣድላይነት ናይዚ በዓል ምትኳር ኣገዳሲ እዩ። ፈስቲቫል ወይ በዓል ክበሃል ከሎ ብዙሕ ኣገባባት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ካብኡ ንምጥቃስ ዝኣክል ሃገራዊ፥ ሃይማኖታዊ፥ ባህላዊ፡ ዓዳዊ፡ መርዓ … ወዘተ። ኩሉ ከኣ ብሓባር ተራኺብካ እትሕጎሰሉን ዝሓለፈ ታሪኽን ዝነበረ ኣጋጣሚታትን ብምዝካር ብሩህ መጻኢ ብምእማት ንውሉድ ወለዶ ንክሰጋገር ወይ ከመሓላለፍ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ተበርክተሉ’ዩ። ጽምዋን ብሕትውናን ንምስዓር’ውን ደቂ ሰባት ተራኺቦም ናፍቖቶም ከውጽኡን ክዘናግዑን ባህርያዊ ፈውሲ እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ፈስቲቫል ክህሉ ጠቓምን ተደላይን እዩ።
ፈስቲቫል ንሓጎስን ደስታን ከምኡ እውን ንሃገርዊ ስምዒትካን ወንኻን ዘለዓዕልን ንባህልን ልምድን ዘላልን ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ተራኺቡ ከዕልልን ክዋሳእን ዘኽእል ዓቢ መራኸቢ መኣዲ እዩ። ደስታን ሓጐስን ከበሃል ከሎ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘስዕቦ ናይ መንፈስ ተሓድሶን ዝህቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅሳነትን ንምምልካት እዩ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ነፍስኻ ተሃድሶ ምግባር ንሃገራዊ ስምዒትካ ክብ ዘብልን ካብ ባህልን ታሪኽን ሃገር ዝመንጨወ ኰይኑ ሕብረተሰብ በብባህሉ ተኸዲድኑን ብወግዑን መልኪዑን ሕድሕዱ ከላለን ከወሃህድን ሓባራዊ ርድኢት ከስርጽን ዝኽእል ምዃኑ ኣገዳሲ ይገብሮ።
ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ንውሑዳት ሰዓታት ወይ መዓልታት’ኳ ይኹን እምበር፡ ምስ ደቂ ሃገርካን ንባህልኻን ትልሂትካን ክርእዩ ዝመጹ ኣጋይሽ ደቂ ዘይደቂ ሃገር ምስቲ ናትካ ባህልን ልምድን ክላለየዩን ዝምድና ከጥርዩን ፈስቲቫል ሓጋዚ እዩ። ከምኡ እውን ነቲ ማሕበራዊ ህይወትና ከይተረፈ ማለት፡ ምስ ስድራቤትና፡ ኣዝማድና፡ እዕሩዂትና፡ ጐረባብትናን መቓልስትናን በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ብዙሕ ዝኣኻኽብን ዘተኣሳስርን፡ ዝሓለፈን መጻእን ጉዳያት እንዳሃለወካ ተፈልየሙኻ ምስ ዝጸንሑ ናፍቖትካን መጻኢ ናይ ሓባር ራኢኻን እትንገልጸሉን እትምሃሃረሉን’ውን እዩ።
ፈስቲቫል ንመራኸብን መዘናግዕን ጥራይ ዘይኮነስ ዝሓለፈ ያታ፡ ባህሊ፡ ልምድን ታሪኽ ጅግንነትን ንመጻኢ ወለዶ ዘመሓላልፍን ዘውርስን ኣገዳሲ መድረኽ እዩ። ብመንጽር’ዚ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዳሎ በዓል ብመልክዑ ኮነ ትሕዝቶኡ ባህላውን ፖለቲካውን ተልእኾ ኣለዎ። እዚ ፖለቲካዊ ተልእኾ እዚ ከኣ እዩ ነቲ መንእሰይ ሓላፍነት ዘሰክሞ። እዚ መድረኽ እዚ ንመንእሰይ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ብሃገር ዝግደስ ዘበለ ካብ ዝሓለፉ ኮኑ ዘለዉ ምኩራት ትምህርቲ ዝቐስመሉን ብዛዕባ መጻኢ ዝመያየጠሉን እዩ። ክላለዩ ዝግበኦም ክላለዩን ክፋለጡን መድረኽ ምክፋት ናይ ወትሩ ዕማም ሰዲህኤ ኮይኑ ፈስቲቫል ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። ፈስቲቫል መጻኢ ራኢኻ ኣብ ጉዳይ ሃገር እተንጸባርቐሉ መድረኽ’ውን እዩ።
መንእሰይ ወለዶ እምበኣር ነቲ ኣብዚ መድረኽ ፈስትቫል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ብጽሞና ተኸታቲሉን ተቐቢሉን ተቐቢሉ ንዘሎ ሽግር ሃገርና ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ከበርክትን ተቢዑ ሓባራዊ ቃልሲ ክካይድ እውን እዚ ኣጋጣሚ ዝዕድም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፈስቲቫል ሃገራዊ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ምትእስሳር ዘራጉድን ዘደልድልን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንሓድነትን ፍቕርን ኤርትራውያን ዘደልድል እዩ። እዚ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ህሞት ድማ እዩ እቲ “ንሃገረይ እንታይ ገይረላ?” ዝብል ሕቶ ብግቡእ ክምለስ ዝኽእል።

Last modified on Friday, 05 August 2016 19:55