ምስ መንን ኣብ ምንታይ ንዛመድ?

2016-07-29 06:55:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህ Published in EPDP Editorial Read 3500 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዝምድና ብዙሕ መልክዕን መንቀልን ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ስጋ ዝምድና ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ረብሓ ዝተመስረተ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ዝምድና እውን ኣሎ። ንሕና ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ዝምድና ግና ናይ ዕላማን መትከልን ዝምድና እዩ ክኸውን። ሓደ ጉዳይ ንምፍጻም ክትበገስ እንከለኻ እሞ ውጽኢቱ ናይ ሓባር ክኸውን እንከሎ ዝምድና ፈጢርካ ዓቕሚ ብምድላብ ምንቅስቓስ ተመራጺ እዩ። ኣብዚ ምስ መን ትዛመድ ኣብ ምምራጽን ምውሳንን ጥንቁቕ ምዃን ውጽኢት እቲ ዝምድና ኣድማዒ ንክኸውን ወሳኒ እዩ።

መዛምድቲ ክትመርጽ እንከለኻ ኣብ ግምት ከተእትዎ ካብ ዝግበኣካ ረቛሒታት፡ እቲ መዛምድትኻ ካብቲ ዝፍጠር ዝምድና ተጠቃሚ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ እዩ። ብዘይካዚ ነዚ ረብሓኡ ከረጋግጽ ክዛመደካ ቅሩብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምድህሳስ’ውን ካልእ ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት እዩ። እንዳ ጸዋዕካዮ ጸማም እዚ ምስ ዝህበካ ምዝማድ ስለ ዘይከኣል። እዚ ዘርእየና ድማ ዝምድና ዝድልድልን ቀጻልነት ዝህልዎን እቶም ዝምስርትዎ ተዛምደቲ ካብቲ ዝምድና ማዕረ ተጠቀምቲ ምዃኖም እንተ ኣሚኖም ጥራይ ምዃኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝምድና ካብቶም ተዛመድቲ ነቲ ሓደ ኣካል ጥራይ ዝጠቅምን ዝብህጎን ጌርካ ክምስረት ኣይክእልን እዩ። እንተተፈተነ’ውን ፋይዳን ቀጻልነትን ክህልዎ ኣይክእልን።

ዝምድና ነናትካ ረብሓ ጥራይ ከተዕውት ብምውጣን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዝምድና ናትካ ረብሓ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ መዛምድትኻ ተጠቃምነት’ውን ኣብ ግምት እንዳእተኻ ዝረጋገጽ እዩ። ምናልባት ግና ዝምድና ከም ዝኾነ ተረኽቦ ብመስርሕ ክብ ለጠቕ ስለ ዝጐዓዝ እቲ ካብቲ ዝምድና ዝርከብ ረብሓ ብዝተወሰነ ደረጅኡ ንዝተወሰነ መድረኽ ናብቲ ሓደ ወገን ካብቶም ተዛመድቲ ናይ ምዝዛው ባህሪ ክህልዎ ይኽእል። እቲ ምዝዛው ኩሉ ግዜ ናብቲ ሓደ ኣቕጣጫ ጥራይ ዘይኮነ ክቀያየር ይኽእል።

ዝምድና ኣድላይነቱ ስለ ዝተራእየ ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ዘይኮነስ ኣጽኒዕካ እትሕዞ መስርሕ እዩ። እቲ ዝምድና ምእንቲ ክድልድልን ክቕጽልን ሕድገት እትገብረሎም ጉዳያትን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ምእንቲ ዝምድና ኢልካ ዘይትዕጸፈሎም ንህልውናኻ ዝፈታተኑ ጉዳያት ኣለሊኻ ምእታው የድሊ። እዚ ደቂቕ ሕሳብን ጥንቃቐን ብኹሎም ተዛመድቲ ወገናት ዝረአ እዩ።  ካብዚ ብምብጋስ ከምቲ ንስኻ ምእንቲ ዝምድና ኢልካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከተውርዶም ዘይግበኣካ ኣዕኑድ ዝህልዉኻ ኣብቲ  መዛምድትኻ እውን ከምኡ ከምዝህሉ ምግንዛብ ከኣ የድሊ። ካብዚ ብምንቃል ካብ መዛምድትኻ እትጽበዮ ሕድገት’ውን ኣቐዲምካ ምግማት ይከኣል። ካብኡ ንላዕሊ ክትደፍኦ ተሃቂንካ፡ መዛምድትኻውን እውን ከምኡ ደፊኡ ናብቲ ናቱ ረብሓ ከእትወካ ተፈቲኑ፡ እቲ “ማዕረ ተጠቃምነት” ዝብል መትከል ዝምድና ስለ ዝህሰ እቲ ዝምድና እውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል። ምኽንያቱ ምዝማድ ማለት ኩለንተናኻ ሓደ ምዃን ማለት ዘይኮነስ ንፍልልያት ቦታኦም ኣትሒዝካ ኣብቶም ንክልቴኻ ዘርብሑ ምስራሕ ማለት ምዃኑ ግንዛበ ሰለ ዘድልዮ። እዚ ኣብ መንጎ ውድባት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ መንግስታት’ውን ክረአ እንዕዘቦ እዩ።

ዝምድና ነዊሕ ዝጠመተን ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለን እምበር ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ኣትኪሉ ከም መፍትሒ ግዚያዊ ጸገም ጥራይ ክረኣይ ኣይግባእን። እዚ ማለት ግና ኣብቶም ተዛመድቲ ብግዳም ይኹን ብውሽጢ ብዝፍጠር ምዕባለ ዝምድና ኣይቅየርን ምናልባት እውን ኣይቋረጽን ማለት ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ እዩ ከኣ “ቀዋሚ ጐርቤት እምበር ቀዋሚ ዓርኪ የለን” ዝበሃል። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዝረአ ዝምድና ውጽኢቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝሕፈስ ዘይኮነስ ኣዕኲዅካ ኣብ ፍረ ንምብጽሑ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ዝምድና ዝድልድል ብትዕግስቲ፡ ጹረትን ንመሰረታዊ መትከልካ ብዘይፍሑቕ ሕድገት ብምግባርን እምበር ብታህዋኽን ነዓይ ጥራይ ይጥዓመንን ኣይኮነን።

ዝምድና ኣብ መንጎ ነናቶም መትከላት ዘለዎም ክልተን ካብኡ ንላዕን ኣካላት ዝፍጠር ስለ ዝኾነ ምዕዋቱ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽኝያቱ ክትዛመድ እንከለኻ፡ ብዛዕባ ናትካ መትከላትን ዕላማን ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ናይ መዛምድትኻ’ውን ክትሓስብ እንትግደደሉ ስለ ዝኾነ። ዝምድና ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል። እዚ ኣብ ስፍሓትን ጽበትን ናይቲ ምስ መዛምድትኻ ዘራኽበካ ነጥብታት ዝምርኮስ እዩ። ኣብ መንጎ ተዛመድቲ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፍልልይ ሚዛን ሓይሊ’ውን ንዝምድና ይጸልዎ’ዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት  ዘራኽብዎ ነጥብታት ከም ዘለዉዎ ይኣምን። ኣብዚ እምነትዚ ኣትኪሉ ክዛመድ እሞ ምስ መዛምድቱ ኮይኑ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከተርንዕ ከኣ ይሰርሕ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ገለ ወገናት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ናይ መወዳእታ ብይን ተዘይሂብሎም ሕጂ ኣብ መስርሕ ዝምድና ውድባት ዘይውድኡ ፍልልያት ከም ዘለዉዎ’ውን ይርዳእ። ካብዚ ብምንቃል ሕጂ ዝገበሮ ዝምድና ኣብቶም ምስ መዛምድቱ ማዕረ ዝብጽሕዎ ዛዕባታት ምዃኑ ይግንዘብ። ንኣብነት ኣብ ምውዳቕ ወጻዒ ስርዓት ህግደፍን ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘብጽሕ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምጥጣሕን።

Last modified on Friday, 29 July 2016 09:03