እቲ ተረድኦ ክሳብ ታሕቲ ክሰርጽ

2016-01-30 08:56:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2480 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

“ሓፋሽ ህዝቢ ዘርበሖን ዘየርበሖን ንክርዳእ’ሞ ንክቃለሰሉ፡ ክውደብን ክነቅሕን ይግበኦ” እዚ ኣብ ቃልስና ኩልና እንረዳደኣሉን ነዊሕ ዝዕድሚኡን ጭረሖ እዩ። ምውዳብ ክንብል እንከለና ዝተወሰኑ ናይ ቃልሲ ቅሩብነት ዘለዎም ኣካላት ኣብ ዙርያ ናይ ሓባር ዕላማ ዝድኩንዎ ፖለቲካዊ ትካል ምፍጣር እዩ። ንምዕዋቱ ድማ ብሓባር ይቃለሱ። ውድብ ናይ ቃልሲ መሳርሒ እምበር ንገዛእ ርእሱ ሸቶ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ውድባት እቲ ከም ውድብ ዝሕንጽጽዎ ፖልሲታትን ዝወስድዎ መርገጻትን ብቐዳምነት ነቶም ኣባላት ናይቲ ውድብ እምበር ንካልእ ከምዘየገድድ ንጹር እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ውድባት ፖለቲካዊ መደባትን መርገጻትን፡ ንሓፋሽ ህዝቢ እውን ፍጹም ኣይምልከቶን ኣይጸልዎን ማለት ኣይኮነን። በዚ መሰረት ናይ ሓደ ውድብ መትከላትን ፖሊሲታትን ኣብ ክሊ ናይቲ ውድብ ጥራይ ተንጠልጢሉ ክተርፍ ዝበኦ ዘይኮነስ ናብቲ ምእንትኡ ትቃለሰሉ ህዝቢ እውን ክሰርጽ ይግበኦ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ መስርሕ ምሕያል ውድብ ወይ ምምልማል ኣባል ውድብ ኣብ ሓደ ግዘ ተጀሚሩ ኣብ ሓደ ግዜ ዝቐውም ዘይኮነስ ቀጻሊ እዩ። ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ብሕጋዊ መስርሕ ናይ ህዝቢ ናይ “ይኹን” ፈቓድ ከይረኸበ ብኢደ ወነናኡ ወኪል ህዝቢ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ራኢ ንርኢቶ ህዝቢ ዝውክል’ዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ካብ ህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ ክጉስጉስ ግና ዝኽልክሎ ኣካል የለን።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ውደባ ሓይሊ እዩ። ሓይሊ ዝኸውን ግና ዝምረሓሉ መትከላት ብጥንቃቐ ናይ ህዝቢ ስምዒታትን ድሌታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እንከሎ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ህዝባዊ ዝንባለታትን ትጽቢታትን ጓሲኻ ብጸቢብ ውድባዊ ስሚዒት ጥራይ ተደፊእካ ዝግበር ጉዕዞ ኪኖ ተነጽሎ ዝህቦ ረብሓ የብሉን። ምእንቲ እዚ ኣብ ሓደ ውድብ ዝሕንጸጽ መትከላት ኮነ ኣብ መንጎ ብዙሓት ውድባት ዝብጻሕ ስምምዓት፡ እንተ ተቐባልነት ክረክብ ወይ ክንጸግ ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ክወርድን ክሰርጽን ናይ ግድን እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ውድባዊ ጽፍሕታት ጥራይ ጸምበለል ዝብል ስምምዓትን መትከላትን ግና ምስ ኩሉ ቅኑዕነቱን ወድዓውነቱን ናብ ታሕቲ ክሳብ ዘይወረደ ዘነይት ኣይከውንን። ናብ ታሕቲ ናብ ህዝቢ ክወርድ ይግበኦ ክንብል እንከለና ስማዊ ምዝርጋሕ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ንዝህቦ ኣሉታዊ ድዩ ኣውንታዊ ግብረመልሲ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግበኦ ማለት እዩ። ኣብ መስርሕ ምቕራጽ ፖልስን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እውን እዚ ናይ ህዝቢ ግብረ-መልሲ ከከም ኣድላይነቱ ቦታ ክረክብ ይግበኦ ማለት እዩ። ድሕሪ እዚ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣባላቱ ንዘይኮኑ ኣካላት እውን ዝውክል መደብ ኣለኒ ኢሉ ዝተኣማመን እንተኾይኑ እቲ ህዝቢ እዩ ክቕበሎን ዘይክቕበሎን ሓላፍነት ዘለዎ።

ሓደ ውድብ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብን ዘይክረክብ ዝውሰን በቲ ሒዝዎ ዘሎ ራእን ፖለቲካዊ ዕላማን እዩ። ኣብ ውድቡ መደባቱ ብዕቱብ ክትግብር ዝኸኣለ ውድብ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣባላቱ ዘይኮኑ ግና ለውጢ ዝብህጉ ኣካላት እውን ቅቡል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ውድባዊ ድዩ ሰልፋዊ ዕማሙ ዘይፈጸመ ኣካል ግና ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብ ሃንቀው ክብል ኣይግበኦን። እንተበለ’ውን ዝረኽቦ ውጽኢት የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ምንጻር መምዘኒ ውድብነት ምስሕሓብ ከም ዘጋጥም ዘይንዝንገዖ እዩ። ኣብ መንጎ ውድብን ምትእኽካብ ውልቀሰባትን ወይ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን ዝንጸባረቕ ምዝብራቕ’ውን በዚ ዝቃነ እዩ።

ውድባት ምስ ካለኦት መሓዙት ውድባት ዝሰማምዕሉን ዝፈላለይሉን ፖሊሲታት ኣለዎም። እዚ ፍልልይ፡ ፖሊሲ ኣብዘሓ ሰልፊ ክሳብ ዝተቐብልና ከነኽብሮን ከነመሓድሮን ዝግበኣና ናይ ደሞክራሲ መርኣያ እዩ። ሰልፍታት ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ብሓባር እንዳሰርሑ፡ ኣብቲ ዝፈላለይሉ ድማ ነናቶም ርኢቶ ዓቂቦም ናብቲ ክዳንዮም ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ይቐርቡ። እቲ ኣብ መስርሕ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ዝያዳ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዝረኸበ ርኢቶ ሰዓሪ ይኸውን። እቲ ዝተሳዕረ ድማ ስዕረቱ ክቕበል ይግደድ። እንተኾነ ብመሰረት “ናይ ብዘሓት ግዝኣት ናይ ውሑዳት መሰል” ፖሊሲ፥ ዘለኣለማዊ ሰዓርነትን ተሰዓርነትን ስለ ዘየለ፡ እቲ ኣብዘሓ ረኺቡ ዘይትግበር ኣማራጺ ፖሊሲ እውን ክስማዕ መስለ ኣለዎ። እዚ ብክለሰ ሓሳብ ደረጃ ቀሊል እዩ። ብተግባር ከቢድ ምዃኑ ከኣ ተመኩሮና መረጋገጺ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብ ናይዚ ፖሊሲ’ዚ ግዙእ ምዃን ካልእ መዋጸኦ የለን።

ዝሓለፈን ክሳብ ሕጂ ዘይሰገርናዮን ተመኩሮና ብመንጽርዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መትከል፡ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን ዘትከለ ናይ ዜሮ ድምር ግጉይ መንገዲ እዩ። ናይ ሎሚ ኩነታትና ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኣርበዓታት ፖለቲካናን ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ተመኩሮን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። እቲ ቀንዲ ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ብደሆ ከኣ ካብዚ ዘይቃዶ ኣወጋግና ፍልልያት ምውጻእን ዘይምውጻእን እዩ። ኣብ ክንዲ ክልቴና ዕዉታት እንኾነሉ ምዕቡል ናይ ፍልልያት ኣፈታትሕ ስልቲ እንኽተል ኣብ “ነዓይ ወይ ንዓኻ” ፖሊሲ ኣተሓሕዛ ፍልልያት ስለ ዝደረቕና ብዙሕ ከሲርናን ንኸስር ኣለናን። ሕጂ እውን ካብዚ ኣኽሳሪ ኣገባብ ከም ዝወጻእና ዝተኸልናዮ ውሕስነት የለን። እንወስዶ ተበግሶታት ኣብ ክንዲ ኣካቢ ዝኸውን ኣግላሊ ናይ ምዃን ባህሪ ጸኒሕዎ እዩ። ነቲ ብዘይበኣኡ ዘይኮነልና መማሓዝውትና ኣካል፡ ኣብ ክንዲ ኩነታት ኣጣጢሕናን ምክኣል ወሪስናን ንዘቕርቦ ሃናጺ ሓሳብ ብምሉእ ቀልቢ ሰሚዕናን ምሳና ከም ዝጐዓዝ ምግባር፡ ምስምስ ብምፍጣርን ዝበልናካ ተዘይተቐበልካን ወይለኻ ኢልና ኣግሊልናዮ ጉዕዞ ክንጅምር እንከለና ንዕወት ይመስለና እሞ፡ በዚ ሰኺርና ውሱን ዓቕሚ ጥራይ ሒዝና ጉዕዞ ንጅምር። ድሕሪ ውሱን ርሕቀት ናህርና ወዲእና ጠጠው ንብልን ነቲ ጠንቂ ዘይምስምማዕ ካባና ከነርሕቕ ንሃልኽን። ኣብ ግዜ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)፡ “ኣነ ኣብዚ ኣካይዳ ጐደሎ ይርኢ ኣለኹ፡ እዚ ጎደሎዚ ኣብ ዘይተዓረየሉ፡ ግዜ የብልናን ብዝብል ሸፈጥ ምጥናን ግዜ ካብ ምቕታል ሓሊፉ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ስለ ዘይኮነ ህድእ ኢልና ንሕሰብ” ስለ ዝበለ ጥራይ፡ ርኢቶኡ ተነጺጉ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስያፍ ኣንጻሩ ተሳሒሉ። “ኣብቲ ዝሰራሕናዮ ዳስ ኣጽልል እምበር፡ ዳስ ናይ ምስራሕ መሰል የልካን” እውን ተባሂሉ። እንተኾነ ሰደህኤ ተሰናቢዱ ኣይተጻዕደን። እቶም ጠኒኖም “ንኺድ ጥራይ” ዝበሉ እውን ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኮነሎምን። ሎሚ ነዚ ንጠቕሶ ዘለና በቲ ናይ ሽዑ መርገጽና ንምንያትን “ኣይበልናንዶ” ኢልካ ዳንኬራ ንምውቃዕን ዘይኮነስ ምእንቲ ንክንመሃረሉ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስ ብዙሓት ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ሰብ ጉዳይ ኣብ እንገብሮ ስሩዕ ይኹን ዘይስሩዕ ዕላላት፡ ሎሚ’ውን ኣብ ውሱን መሰማምዒ ነጥብታት ዘትከለ፡ ንኩላትና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣር ህጹጽን መተካእታ ዘየብሉን ተደላይነት ከም ዘለዎ ንረዳዳእ ኢና። እቲ ክንፈጥሮ ዝግበኣና ጽላል ከኣ ሓድሽ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮታትና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ካብ መጀመርታኡ ናይ ኩላትና ኢድ ዝዓረፎን ኩልና “ናትና” እንብሎ ካብ ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካዊ ሕሳባት ዝወጸ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣይንፈላለን። ኣብ ተግባር ግና ኣይከምቲ ኣብ ክለሰ-ሓሳብ እንሰማምዖ። እዚ ዘመልክቶ ድማ ድሌትና፡ ከቢቡና ዘሎ ውድዕነትን ዓቕምናን ከምቲ ዝድለ ይናበብ ዘይምህላዉ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ድሌታትና በበይኑ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድሌታት እንተደኣ ብመንጽር ህልዊ ኩነታት ብውሕሉል ሓላፍነት ተቓንዩ ግና ከሳኒ ዘይክእል ኣይኮነን። ንህልዊ ኩነታት ዘንጊዕካ ኣብ ናይ ገዛእ ርሽኻ ባህጊ ጥራይ ተወጢሕካ ምግላብ ግና ኣብ ዘብጸሖ ከም ዘየብሉ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ።

ንሕና ደንበ ተቓውሞ ኣብዚ ናይ ስደት ቃልሲ፡ ምስቲ ናይቲ እንብህጎ ለውጢ ቀንዲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝብና ብኣካል ተራኺብና ክንነግሮ እንደሊ ክንነግሮን ክብለና ዝደሊ ክንሰምዖን ኣይንኽእልን ዘለና። ብደረጃ ረብሓን ድሌትን ግና ኣብ ሓደ መስመር ኣንጻር ወጽዓን ዲክታተርነት ኢና ዘለና። ዋላ ብኣካል ተራኺብና ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ክንእከብ ተዘይከኣልና፡ ክንናበብ ይግበኣና። እቲ ምንባብ ካብ ዝግለጸሉ መንገድታት ሓደ ከኣ ክንውስን፡ ክንሰማማዕን ክንመሓዞን እንከለና ድሌትን ህጹጽ ጠለብን ህዝቢ ኣብ ግምት ከነእቱ ይግበኣና። ብኣካል ክንራኸብ ስለ ዘይከኣልና ስጉምትታትና ካብ ህዝቢ ዝተሰወረ ከምዘይኮነ ክንዝንግዕ የብልናን። ናብኡ ዘብጽሕ መንገዲ ክትጸርግ ከይበቓዕካን እቲ ፍርዱ እግባይ ዘይብሃሎ ህዝቢ ብቕምጡን፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ኣፍካ መሊእካ ነናትካ ቀጢን ፈትሊ እንዳመዘዝካ “ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ስርዓት እየ ዝተክል” ምባል ግና “መን መርዓት ምስ በለክን ትኮሓላ” እዩ ዝኸውን።

30 ጥሪ 2016

Last modified on Saturday, 30 January 2016 10:08