እቲ ዘውርስን ዝወርስን

2016-01-09 18:17:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2371 times

ግዜ ሓሊፉ ግዜ ክትካእ እንከሎ፡ ዓመተምህረት ጥራይ ኣይኮነን ዝሓልፍን ኣሃዝ እንዳወሰኸካ ዝቑጸርን። ካልእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝቕየር ሓፈሻዊ ምዕባለታት’ውን ኣሎ። እዚ ኩሉ ምቅይያርን ምትኽኻእን ድማ ብናይ ሰባት ኣተሓሳስባ እዩ ዝግዛእ እምበር ግዜስ ዝሓለፈ ኮነ መጻኢ ግዜ እዩ። ምስኡ ብዘሳኒ ማዕባሊ ኣተሓሳስባ ተዘይተሰንዩ፡ ብመንጽር መዕቀኒ ግዜነቱ ዓምን ሎሚ ዘበንን ሓደ እዩ። ሓደ ተመኩሮ፡ ምስቲ ዝመጽእ ምዕባለ መሰረታዊ’’ኳ ተዘይኮነ ሓቢሩ ዝመጽእ ለውጢ ኣለዎ። ንኣብነት ፖለቲካዊ ቃልስና ኣብ ኤርትራ ከም ኣብነታዊ ተመኩሮ እንተወሰድናዮ እቲ ናይ ሎሚ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ፍልልይ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ሽዑ ኮነ ሎሚ ረብሓ፡ መሰልን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ነይሩን እዩን። ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማኡ ዝረኣዩ ክንርዕሞም ዝግበኣና ለውጥታት ከም ዘለዉ ግና ክንክሕድ ኣይግበኣናን። ነቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ዝነበረ ኣገባብ ሎሚ ኣብ ግዜ ዓለም ለኻውነት (globalization) እውን ከም ዘለዎ ክንትግብሮ እንተፈቲንና ምስ ግዜን ዝምረሓሉ ዘሎ ከባብያውን ዓለምለኻውን ክነታት ከይንራጸም ከነስተብህል ይግበኣና። ካብቲ ክልተ ጫፋት ብሓዲኡ ጫፍ ከይንውሰድ’ውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብጉልባብ “ምስ ህልዊ ግዜን ኩነታትን ምኻድ” ነቲ ንናይ ሎሚ ዓውትና ዝሕግዝ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንወስዶ ዝግበኣና እታዎ (input) ሓጢጥና ከይንድርብዮ’ሞ ናብ መሰረቱ ዝተፋሕቈን ሚዛኑ ዝሰሓተን ህላወ ምእንቲ ከይንምለስ።

ኣባና ዝተጀምረ’ኳ ተዘይኮነ፡ ጉዳይ ምውራስ ተመኩሮ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ኣብ ቃልስና ኣዛራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። እቲ ምስሕሓብ ኣብ ምውሳን ዝውረስን ዘይውረስን ዝጠቓለል እዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ ዝፍጠር ምፍልላይ ብግቡእ ክናበብ ክሳብ ዝኸኣለ ዘበላልሕ እምበር እምብዛ ዝጐድእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ምስሕሓብ ነቲ ክልተ ጫፋት ናይ ኣውራስን ወራስን ፍልልይ ኣብ ምትዕራቕ እንተኾይኑ፡ ሃስያኡ ቀሊል እዩ። ኣብ ቃልስና ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ እውን እዚ እዩ። ገለ ወገናት እቲ ወራሲ ወይ ተካኢ ክፍሊ ሕብረተሰብ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብቲ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ መድረኽ ቃልሲ ዝተፈጸመ መስተንክር ጅግንነትን ሓርበኝነትን “ከይቆርመመ ከይሽርመመ ክቕበሎ ኣለዎ” ዝብል ኣብ ሓደ ጫፍ ዝተጸገዐ ንውዑይን ወሳንን ብጽሒት መንእሰይ ዘደብዝዝ ርኢቶ ይሕዙ። ዝተወሰነ ካብቲ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ኣወጊዙ ካብ ናቱ ሓድሽ ቅዲ ናይ ምጅማር ካልእ ጫፍ ክሕዝ ይደናደን። ጫፍ ምሓዝ ከኣ ኣካቢ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ክንድቲ ክኾነልና እንደልዮ’ኳ ተዘይኮነ፡ ርኢቶታት ከካብቲ ዝነበሮ ጫፋት እንዳተፋሕኰ ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ ምርኻብ ተስፋታት ይሕዝ ኣሎ።

እዚ ምስሕሓብ ዝረአን ብግቡእ ተዘይተታሒዙ ዝጐእን ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖለቲካዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና እዩ። ክልተ ሰባት ብዛዕባ ንናይ ቀደም ባህሊ ከም ዘለዎ ምውሳድን ዘይምውሳድ ክከራኸሩ እንከለዉ፡ ኣቲ ኩሉ ባህሊ ከም ዘለዎ ክውረስ የብሉን ንዝብል ርኢቶ ዝማጐት ዝነበረ “ቀደም ከምዚ ናይ ሎሚ ሕግን ስርዓትን ዝሓዘ ውርዙይ መወስቦ ኣይነበረን፡ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ጾታታት ዝግበር ርክብ ግን ነይሩ እዩ፡ ሎሚ ግና ወግዕን ስርዓትን ሒዙ ኣሎ። ስለዚ ወዲ ሰብ እዚ ዳሕረዋይ ስርዓት ከይሓዘ ከምቲ ዝነበሮ ተዝቕጽል ጽቡቕዶ መኾነ?” ኢሉ ሓተቶ’ሞ እቲ ተጻራሪ ሓሳብ ዝነበሮ ጉዳያት ተሰቊርዎ፡ ዝውረሱን ዘይውረሱን ዛዕባታት ብሓባር ኮይኖም ክመምዩ ከኣሉ ይበሃል።

ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ዝተረሓሓቐ ንምቅርራብ ኣየጸግምን እዩ። ድሌትን ቅሩብነትን ህልኽ ዘይጸለዎ ሓልዮትን ተዘየልዩ ግና ክንዲ ዝኾነ ብቕዓትን ዓቕምን ይሃሉ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ናብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ክንመጽእ እንከለና ናይ ኩለመዳዊ ዓቕሚ ውሱንነትና ዘዛርብ ኣይኮነን። ኩልና እንርደኦ ስለ ዝኾነ። ጸገማትና ክንጽብጽብን ክንሰርዕን እንከለና ግና እዚ ናይ ዓቕሚ ውስኑነት’ዚ ቅድሚት ዝስራዕ ጸገምና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቀንዲ ጸገምና፡ በታ ዘላትና ውስንቲ ዓቕሚ፡ ሓልዮትን ቅሩብነትን ሰኒቕና ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኻልና እዩ። እዚ ብኩራት እዚ ከኣ ኣብቲ ብሓባር ክንዋሰኣሉ እንብህጎ ጽላል ኮነ፡ ኣብቲ ውሱን ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ከነቕልበሉ ዝግበኣና እዩ። እዚ በዂሩና ዘሎ ግሉጽነትን ምትእምማንን እንተነማልእ ግና ነቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነትና ንምብዳህ ዓቕሚ ከነጥሪ መኸኣልና። ዓቕሚ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ ዝጥረ ስለ ዝኾነ። እዚ ነባራት ተቓለስቲ ንመንእሰያት፡ ወይ መንእሰያት ንገዳይም ዝድርብይሎም ተሓታትነት ዘይኮነ፡ ኩሎም ወገናት ነናብ ነብሶም ተመሊሶም ክፈትሕዎ ዝግበኦምን ማዕረ ሓላፍነት ዝወስድሉን ሕጽረት እዩ።

ምውርራስ ኣኼባ ጌርካ መዓልቲ ቆጸራ ቆሪጽካ፡ ካብዚ እዋንዚ ጀሚርና ኣውሪስና ኣለና ወይ ካብዚ እዋንዚ ንደሓር ወሪስና ኣለና ኢልካ ብናይ ሓደ መዓልቲ ኣዋጅ እትገልጾ ወይ መፈላለዪ ረጒድ መስመር ወይ ሕንጻጽ ተቐምጠሉ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ብናቱ መስርሕ ዝኸይድ፡ ዘዕውቶ ጻዕሪ ዝሓትት፡ ዘድልዮ ግዜ ዝወስድን ውፉያት ተዋሳእቲ ዝሓትትን ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተባህለን ብተመኩሮ ዝተራእየን እዩ። ናይቲ ኣውራሲ ግቡኡ እንዳፈጸመ ካብ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርሓቕን ናይቲ ወራሲ ግደ ኣብቲ ሜዳ እንዳጐለዐ ከም ዝኸይድ ዝግበር መስርሕ ኣብ ምድንጓይን ምቕልጣፍን ከኣ ግደ ክልቲኦም ዕዙዝ እዩ። ናይቲ ክወርስ ዝግበኦ ወናኒ ውዑይ ዓቕሚ ዘይምትጋህ፡ እቲ ከውርስ ዝግበኦ ከየውረሰ ክቕጽል ከገድዶ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ምስቲ ንሱ ዝመጸሉ ግዜን ኩነታትን ንዘዋህለሎ ተመኩሮኡ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ክድርብዮ ወይ ብግቡእ ክወርሶ ምዃኑ ንዘኣመነሉ ኣካል ክምጥዎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ኣውራሲ፡ “ስሱዕ፡ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ … ወዘተ” ዝብሉ ቅጽላት ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ “ዘየውርሰኒ” ምባል ብቑዕ ወራሲ ኮይንካ ምቕራብ ዘይስገር ቅድመ ተደላይነት እዩ። እዚ ከኣ ብቓልሲ ዝጥረ እምበር ብዓቀንካ ተሰፍዩ ዝጽበየካ ኣይኮነን።

ንመንእሰይ ምውራስ ግዴታ’ምበር ተለሚንካ ወይ ዘውርሱ ወገናት ኣቀባጢሮምልካን ጸዊዖምኻን እትርከቦ ሓላፍነት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ መሰረታዊ ናይ ምውራስን ምቕጻልን ግቡኡን ግደታኡን ተዘይፈጺሙ ዘሕትቶ ስለ ዝኾነ። ነዚ ንምፍጻም ኩሉ ኣውንታዊ መዓጹ ከይኳሕኳሕካ ጋህ ኢሉ ኣይጽበየካን እዩ። ሓንሳብ ኳሕኲሕካ’ውን ዘይክኸፈተልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብቲ መንእሰይ ዝድለ “ፈቲነ ኣብዩኒ” ኢልካ ጠጠው ምባል ወይ ዘየዕውት መንግዲ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ክሳብ እትዕወት ምቕጻልን ደጋጊምካ ምቕጻልን ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብጻዕቂ ዝበሃል፡ ከረክቡ ዝግበኦም ዘየረክቡን ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩን ፖለቲከኛታት ከጋጥሙ እንከለዉ እውን፡ ነዚ ዘይቅቡል ኣካይደኦም፡ ክሳብ ዝሓሽካ ተረካቢ ምዃንካ ብዘነጽር ቃልሲ እትረትዖም ምቅላስ እዩ እቲ ፍታሕ። እቲ ተግባር “ቃልሲ” ዝበሃለሉ ምኽንያት ድማ እዚ ክብደቱ እዩ። እዚ ሓላፍነት’ዚ ኣብቲ ተረካቢ ተደሪቱ ዝተርፍ ተሓታትነት ዘይኮነስ፡ እቲ ኣረካቢ እውን ዝርከቦ ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ገዲፍካ እቲ ጸገም ናትካ ዘይኮነስ ናይ ካለኦት ኣምሲልካ ዝግበር ህድማ ግና ሓጋዚ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ናይ ካለኦት ጌጋ ብኣራሚ መልክዑ ኣይተንከፍ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ናይ ሓባር ውፉይነት ቆላሕታ ተዘይሂብካ ግና ከምቲ “ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት ንስኽዶ ከይትበልዒ ሸዊት” ዝበሃል ረብሓ ኩልኻ እዩ ዝሃጉግ።

Last modified on Saturday, 09 January 2016 19:22