ኣብ እንዳ ህግደፍ ዘይተነግረ’ምበር፡ ዘይተገብረ የለን

2016-01-04 19:34:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2748 times

ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዒ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ከም ዘየለ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝተጠቐሰን ብተግባር ዝተረጋገጸን እዩ። እንተኾነ ዋላ ኣቐዲምካ እትፈልጦ ተግባር ተመሊሱ መልክዕ ቀይሩ ክመጽእ እንከሎ፡ መሊሱ ይሕደሰካ እሞ ብዛዕብኡ ክትግረምን ቃልካ ከተስምዕን ትግደድ። እነሆ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ግናይ ምስሉ ንምጽብባቕን ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንምሕባእን “ጠንቂ ስደትና ቁጠባዊ ድኽነት እምበር ፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን” ኢልኩም ኣመኽንዩለይ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ የካይድ ኣሎ። ዘገርም እዩ! እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ድኽነት እንተኾነኸ ወዮ ተጠሊዑ “ህዝቢ አመሓድርን ሃገር እመርሕን ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ካብ ተሓታትነት ይድሕን ማለቱ ደኾን ይኸውን።? እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ጸገም እዩ እንትዝበሃልከ ክሳብ ክንደይ እዩ ካብ ፖለቲካዊ ጠንቅነት ክፍለን ተነጺሉ ክረኣይን።

እዚ ከምዚ ዓይነት ካብቲ መሰረታዊ ክውንነት ናይ ምህዳምን ንውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምቕራቦምን ክትፈትሖም ምትባዕን፡ ብደጋዊ ተረኽቦታት ኣጐልቢብካዮም ንምሕላፍን ዝፍተን ተንኮላት ናይዚ ጉጅል ሕጂ ዝተጀመረ ተንኮል ዘይኮነ፡ መፋጥርቱ እዩ ተተባህለ ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ ኩሉ ግዜ ውሽጣዊ ናይ ህዝቢ ናይ መሰልን ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ሕቶታት ደፊኡ ክቀላቐል እንከሎ፡ ዘሰንብድ ደጋዊ ኩነታት ፈጢርካ ክትኮልፎ ምፍታን ዝላደየሉ መህደሚ ሜላኡ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እዚ ጉጅለ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን በብታራ ውግኣት ክኸፍት እንከሎ፡ ናይቲ ውግኣት ዕላማ ንውሽጣዊ ሕቶታት ደፊንካ ናብ ደገ ካብ ምምዕዳው ወጻኢ ዝረአ ኣይነበረን። እዚ ሕጂ ምስ በዓል ሳዑድ ዓረብዶ ኢማራት ኣንጻር ኣይሲስ ክንዋጋእ ኢና እንዳበልካ ዝግበር ዘሎ ሸበድበድ’ውን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ንህዝብና ሓድሽ መዘዝ ከየምጸኣሉ ዘይፍራሕ እውን ኣይኮነን። እንተኾነ ጉዳያት በቲ ህግደፍ ዝሓልሞ ስለ ዘይከደ፡ ብሰንክዚ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላው ንምህዳም ተባሂሉ ዝተኣጉደ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝብና ዝወረደ ሳዕቤናት ስንብራቱ እንዳ ኩልና ስለ ዘሎ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይኮነን። ስምዒትን ቀልብን ናይቲ ናብኡ ክውርወር ጀሚሩ ዝነበረ መሰረታዊ ህዝባዊ ሕቶታት ደገደገ ከም ዘመዓዱ ንምግባር ዝተኣልመ ተንኮል ንዝተወሰነ ኣዕጊስሉ ይኸውን። ናይቲ ስርዓት ወያነን ኣሜሪካን ኣንጻርና ተሰሊፎም፡ ምዕራባዊ ዓለም ህላወና ክሒዱ እዩ፡ ዝብሎ ዘይቅዱስ ምልዕዓላት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ ኣይነበሮን የብሉምን። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ግና ሕጂ እውን ኣብ ቦታኦም እዮም ዘለዉ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ብኩራት ደሞክራሲ፡ ምሕራም ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር፡ ጽዑቕ ማእሰርትን ናብ ሕጊ ቀሪብካ ንመሰልካ ዘይምክልኻልን፡ ስእነት ኩሉ መሰረታዊ ነገራትን ዘይተኣደነ ክብሪ ዋጋን፡ በቲ ጉጅለ ኮነ ኢልካ ዝስረሓሉ ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ መጻወዲያታት፡ ዘይህላወ ነጻነት እምነትን መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ኣብ እምነትን … ወዘተ ኣቐሚጥካ “ጸገምና ቁጠባዊ ጸገም ጥራይ እዩ ኢልኩም ፈርሙለይ ኢልካ ምሽሓጥ፡ ዘይክውንነታዊ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይዚ ኩሉ መከራ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ናይ ዘለካ ንዕቀትን ድፍረትን ጉሉሕ መርኣያ እዩ። ብደሙ፡ ደቁን ንብረቱን ክንዲ ነጻነት ዝኣክል ክቡር ውህብቶ ኣብ ልዕሊ ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት በደል ምፍጻም ከኣ ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ ገበን’ውን እዩ። ምናልባት ነቲ እቲ ጉጅለ ከም ቀንዲ ናይ ስደትን ምብትታንን ምኽንያት ኮይኑ ክቐርበሉ ዝደልዮ ዘሎ “ቁጠባዊ ጸገም” ከም ቅቡል እንተንወስዶኸ፡ ናይቲ ነቲ ጥንቂ ስደት ዝኾነ ቁጠባዊ ጸገም “ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሓሊፉ መንዩ ተሓታቲ ክኸውን?” ኢልና እንተንሓትት እንታይ ኢሉኾን መመለሰልና።

ናይቲ “ምኽንያትና እዩ ኢልኩም ፈርምሉ” ዝብሎ ዘሎ ቁጠባዊ ዕብራን መሰረታዊ ጠንቂ እኮ እቲ መንግስቲ ከም ፖሊሲኡ ወሲዱ ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ዘሎን፡ መሬት ሓረስታይ ብዙሕ ዘይሰርሕ ኣስማት እንዳሃብካ ምምንዛዕ፡ ንሓረስታይ ብዘይድሌቱን ዘይተጸንዐ ኣገባብን ካብ መረበቱ ምምዝባል፡ መንእሰይ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉን ጻማ ረሃጹ ዘይክፈሎን ብጉልባብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቃል፡ ከደምትን ሃነጽቲ ኣባይትን ሰብ ጹሩራ ክኸውን ምግዳዱ፡ ኤርትራውያን ሰብ ሃብትን ክእለትን ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ነብሶምን ህዝቦምን ዝጠቕምሉ ዕድላት ብምዕጻዉን ናይ ብሕቲ ድንኳናት ዓጽዩ፡ ኣብ ድኳን ሕድሪ ብምሕባእን ዝተፈጥረ ድኽነት ማለቱዶ ኣይኮነን። እዚ ሕማቕ ቁጠባዊ ኣተሓሕዛኸ መሰረቱ እቲ ነፋግን በሓትን ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ምዃኑኸ መን እዩ’ሞ ክኽሕዶ። ነዚ እትርእዮን ዝርእየካን ክውንነት ሓቢእካ “ጠንቂ ስደትና ቁጠባዊ ጸገም ጥራይ እዩ” ኢልኩም ፈርሙለይ ብምባል ካብ ፖለቲካዊ ጠንቅነት ኢደይ ሕጹብ ከም ጵላጦስ እዩ ምባል ይከኣልዶ። ጉጅለ ህግደፍ ተንኮለኛ እምበር ክሳብ ክንድዚ ዓሻ እዩ ምባል ዘጸግም እዩ። ኣብዚ መንቀራቕሮ’ዚ ምእታዉ ከኣ ካልእ መተካእታ ስለ ዝሰኣነ ጥራይ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጠር ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ናይ ስደት ጠንቂ ንጉጅለ ህግደፍ ከቶ ነጻ ከውጸኦ ኣይክእልን እዩ። “ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ ሞተት” ከም ዝበሃል እዩ እቲ ጉዳይ።

ኩሉ ናይቲ ጉጅለ ናይ ምትላል ስንክሳር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝጅመር ብሩህ ኮይኑ፥ ክመልእ እንከሎ ግን ናብ ደገ ናብ ጐረባብቲ ገጹ ጀርበብ ምባሉ ናይ ግድን እዩ። ሓደ ስርዓት ንህዝቡ ሕሱም ኮይኑ ናብ ደገ ሓዳግ ከኸውን ስለ ዘይክእል። እዚ ጉጅለ ኣብ ናይ ግዳም ኣደባባያት’ውን ንሓንሳብ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዜጋታተይ ኣይኮኑን ክብል ድሕር ዘይብል። እዚ ምስራሕ ምስ ኣበዮ ድማ ዜጋታተይ እዮም፡ ጠንቂ ስደቶም ከኣ ቁጠባዊ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን ናብ ዓዶም ተተመሊሶም ድማ ዘጋጥሞም በደል የለን ክብል ዝፍትን። “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝብል ምስላ ብምዝንጋዕ።

እዛ ኣቀራርባ እዚኣ ካልእ ጐራሕ ትርጉም እውን ኣለዋ። ፖለቲካዊ ኣበሳኻ ሓቢእካ ቁጠባዊ ጸገም ኣጉሊሕካ ቅቡል ዝመስል መለመኒ ምኽንያት ንምርካብ። ኣብዚ ዘይቅዱስ ጸወታ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ጥራሕ ኢዱ ወጺኡ ዝበሃል ኣይኮነን። ዝቖንጠርሉ ወገናት ስለ ዘለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሕብረት ኢውሮጳ ርእዩ ከምዘይረኣየ ብምምሳል “ንልምዓት” ብዝብል ዝፈቐደሉ ዝወሰኖ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቶም ዝተኹብሉን ናይ ቃለ-ዓለም ልቦም ዝኸፍትሉን ወገናት ናይቲ ጉጅለ ጸሓይ ዝወቐዖ ተንኮልን ጸረ-ህዝብነትን ተሰዊርዎም እዩ ምባል እትቕበሎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንሳቶም እውን በዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሓሳዊ ምህዞ ተኸዊሎም ስደተኛታት ናይ ምቕባልን ምምሕዳርን ግደታኦምን ሓላፍነቶምን ከራግፉ ወሲኽካ ከረጋግጽዎ ዝደልዩ ሸቶታት ስለ ዘለዎም እዩ። ንሕና እውን ዝኾነት ሃገር ትኹን ማሕበር ኢዳ ክትዝርግሕ እንከላ ቀዳምነታን ማእከላን ናታ ረብሓ እምበር ናይ ህዝብና ቃንዛ ከምዘይኮነ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ጉጅለ እውን ከምዚ ዓይነት ወፈራን ጐስጓስን ዘካይድ ነዚ ናይዘን ሃገራት ድኹም ጐኒ መዝሚዙ ዕዳጋ ኣይስእንን እየ ኣብ ዝብለሉ ህሞት እዩ። ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ከም ኩሉ ዛዕባ ሃገራት ቅድሚ ነናተን ሃገራዊ ኣጀንዳ ክሰርዕኦ ክንጽበየን የብልናን።

ሕጂ እውን እቲ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ሲኦል ናይ ምንጋፍ ሓላፍነት ኣብ ኢድና ኣብ ኢድ ኤርትራውያን እዩ ዘሎ። ነቲ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዒ ዘንጊዕና፡ ንህዝብና ንጉጅለ ህግደፍ ኣሕሊፍና ብምሃብ፡ ካብ ክውንነት ወጺእናን ንሓቂ ደፊንናን ናይቲ እቲ ጉጅለ ኣባዚሑ ዝዝርገሖ ዘሎ ዘይቅዱስ ቀጥዒ ግዳይ ክንከውን ኣይግበኣናን። እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኩለመዳይና ዝፈጸሞ ገበናት ረሲዕና፡ ኣብ መጻወድያኡ ኣቲና ከፈልቲ 2%ን መዳመቕቲ ጓይላኡን ክንከውን ኣዝዩ ዘተዓዛዝብን ዘፍኩሰናን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እንተደኣ ኣብቲ መጻወድያኦም ኣቲና፡ ናይቲ ጉጅለ ኣክላት ብደገ’ኳ ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዑ ብውሽጦም ግና ክሳብ ክንደይ ከም ዝንዕቁና ንዘክር። ስለዚ ብኣንጻርቲ ናይ ህግደፍ ጻዋዒት፡ ነቲ ብሰንኪ እዚ ጉጀለ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ነጻ ንምውጻእ ኢና ክንውደብን ዓቕምና ዝፈቕዶ ከነበርክትን ዝግበኣና። ህዝብን ሃገርን ኣማን ኣብ ዘይኮንሉ ነጻን ሓራን ዝኾኑ ገዛን ቤተሰብን ክንፈጥር ከምዘይንኽእል ኣስተብሂልና ኣርሒቕናን ኣስፊሕና ንርአ። ቀንዲ ከሻቅለና ዝግበኦ፡ ቤተሰብና ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ሓዘኖም፡ ክምርዓዉ እንከለዉ ኣብ ሓጐሶምን ብኸመይ ከም እንሳተፍ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ሃገርናን ህዝብናን ናብ ራህዋ ነብጸሖም እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሃገር ኣብ ዘይደሓነትሉ ዝስራሕ ገዛ ከኣ ካብ ቁርን ሃሩርን ኣይክከላኸለልናን’ዩ። ኣብቲ ንግዜኡ ጉጅለ ህግደፍ ዝዕንድረሉ ዘሎ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ኮይኖም መንእሰያት ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝወሰድዎ ናይ “እምቢ ምስልኻ ንምጽብባቕ ኣይንፍርምን” መርገጽ ከኣ ኣብነታዊ ጌርና ክንውስዶ ይግበኣና።

4 ጥሪ 2016

Last modified on Monday, 04 January 2016 20:37