ዓመት ኣፋኒና፡ ዓመት እንክንቅበል!

2015-12-30 22:50:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2443 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

በብደረጃኡ፡ ሰከንድ፡ ደቒቕ፡ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ሰሙን፡ ወርሒ ደሓር ድማ ዓመት ዝብሉን ካልኦትን ናይ ግዜ መዕቀንታት ኣለዉና። ብፍላይ ዓመት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከም መዐቀኒ ግዜ እንጥቀመላ ማእከላይ መምዘኒ ግዜ እያ። ዕድመና ብዓመት እዩ ዝልካዕ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስና ኮነ ካልእ ዕማማትና ድማ “ናይ ክንድዚ ዓመት ፕላን ከውጽእ እየ ወይ ኣብ ክንድዚ ዓመት ጉባኤ ከካይድ እየ” እንዳበልና ንናይ ዓመት ማእከላይ ናይ ግዜ መለክዕነት ነጉልሖን ንሰርሓሉን። ሓደ ዓመት ወዲእካ ናብ ሓድሽ ዓመት ክእቶ እንከሎ ድማ መጻኢ ኣገዳሲስን ብተስፋ እትጽበዮን ክኾነልካ እትምነየሉን መሰጋግሮ እዩ። መጻኢ ዓመት ናይ ሰናይ ኣሳልጦን ሰላምን ክኾነልካ ምምናይ ድማ ኣካል ባህልና እዩ። ንመጻኢ እንታይ ክንሰርሕ ወይ ናበይ ክንከይድ መደብ ከምዘለና ንምእማት ድማ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዓመት ናይ ምፍናውን ሓድሽ ናይ ምቕባልን ኣጋጣሚ ኮይንካ፡ “ኣብ’ዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ከምዚ ክገብር እየ” እንዳበልካ ምምጽባዕ ዝተለምደ እዩ።

ሓዳሽ ዓመት ክትእቶ እንከላ ሓድሽ መደብ ይወጽእ። ንምትግባሩ ድማ ቃል ይእቶ። እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት መደባት ክሕንጸጽ እንከሎ፡ ምስ ናይታ ዝሓለፈት ኣረካቢት ዓመትን ምስ ንየወይቲ ተረካቢት ዓመትን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ብዛዕባ ሓድሽ ዓመት 2016 ክንሓስብ እንከለና ካብ 2015ን 2017 ነጺልና ኣይኮናን ንሓስብን ንትልምን። ምኽንያቱ 2016 ኣብ 2015 ዘይተመለአ ዋኒን ናይ ምምላእን ኣብኣ ዘይተወደአ መደባት ድማ ናብ 2017 ናይ ምርካብን ግደታ ስለ ዝህልዋ። ክንዲ ዓመት ዝኣክል ገዚፍ ናይ ግዜ መዐቀኒ ወዲእካ ናብ ካልእ ክንድኡ ዝኸውን ናይ ግዜ መለክዒ ክስገር እንከሎ፡ ነቲ ዝሓለፈ ይኹን ነቲ መጻኢ ዝምልከቱ ሓደሓደ ጉዳያት ምድህሳስ ዘይስገር እዩ።

ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ኣይተናገፉን። ኤርትራ ሕጂ’ውን ሕገመንግስቲ ዘየብላ ሃገር እያ። ብብዝሒ ስደተኛታታ ድማ ካብቲ ደድሕሪ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ተሰሪዓቶ ዘላ ሪጋ 3ይ ደረጃ ኣይወጸትን። እኳደኣ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ኩሉ ኣበሩ ሓቢኡ፡ ዘየለ ጽቡቕ ዝመስል ምስሊ ሒዙ ብምቕራብ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ተነጽሎ ክወጽእ ብዙሕ ፋሕተርተር ዝበለላ ዓመት እያ ነይራ። ብኣንጻሩ እቲ ብህግደፍ ክሕባእ ዝጸንሐ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘቖማ መርማሪ ኣካላ ብዝቐረበ ዳርጋ 500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ዝተቓለዓላ ዓመት እያ። ኤርትራውያን ተቓወምትን ደለይቲ ፍትሕን ድማ ነዚ መርመራዊ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ፡ ክሳብ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ተሳትፎ፡ ኣብ በበይኑ ናይ ዓለም ኩርነዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ጀነቭን ዋሽንግተንን ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካየዱላን ንመጻኢ እውን ተቓውመኦም ብዝሓየለ ደረጃ ንምቕጻል ቃል ዝኣተዉላን ዓመት ነይራ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ምስ ኩሉ እቲ ፍታሕ ከምጽእ ዘርኣዮ ፈንጠርጠር ካብቲ “ትሕቲ ትጽቢት ህዝብና ኢና ዘለና” እናተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣተሃላልዋ ኣይወጸን። እቲ ካልእ ካልእ ኮይኑ፡ እቲ ዝጭረሓሉ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምምስራት ጻዕሪ ደንበ ተቓውሞ እውን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይዛ ንፋነዋ ዘለና ዓመት ናይ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ኣኼባታት ዝፈጠሮ ተስፋ እንተሃለወ፡ ጌና ሩባ ዘስግር ዓወት ኣየመዝገበን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብ ክሊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝተኻየዱ ኣኼባታትን ጉባአታትን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ ዘይምክብባር፡ ምብኳር ምጽውዋር፡ ኣብ ነብስኻ ዘይምትእምማን፡ ድኽምታት ንምእራም ኣብ ክንዲ ካብ ውሽጥኻ ምጅማር ናብ ደገ ምምዕዳው፡ ብዘይካ ብሓባር በይንኻ ከም ዘይትዕወት ብተግባር ዘይምእማን፡ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኽመታት ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት’ውን ካብ ደንበ ተቓውሞና ኣይወጹን። ወረ ኣብ ገሊኡ ዛዕባስ እቲ ክእረም ዝተጸበናዮ ድኽመታት ዝያዳ ዝሳዕረረሉ’ውን ርኢና። እዚ ክበሃል እንከሎ ከም ርዱእ ንምውሳዱ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ኢድካ ዘይመልእ ዝተረጋገጸ ውሱን ዓወታትን ናይ “ሕጂ እውን ይከኣልዩ ክንቅጽል ኢና” ዝብል ኒሕን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ደገፍቲ ለውጢ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዛ ንፋነዋ ዘለና ዓመት ሒዝዎ ካብ ዝነበረ ቀንዲ ዕማማት ምክያድ 2ይ ሰልፋዊ ጉባአኡ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝተለሞ ድማ ኣብዚ ንምድላዉ ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመታት ዝካየድ ጉባአኡ፡ ዓበይቲ ኣብቲ ሰልፊ ተደሪቶም ዘይተርፉ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ጽልዋ ዘለዎም ዛዕባታት ዳህሲሱን ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲኑን። ሰደህኤ እውን ከም ኣካል ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክንድቲ ክስጉሞ ዝግባእ ከም ዘይሰጐመ ዘርኢ ገምጋማት ኣብዚ ጉባአኡ ኣካይዱ፡ መዋጸኦ ዝብሎም ኣገደስቲ ፖሊሲታት ሓንጺጹ። ናይ ኣተገባብራኡ ሜላታት ስኢሉ ፈጸምቲ ትካላት’ውን ኣቚሙ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሲሶ ዓመተ 2015 ድማ ውሳነታት 2ይ ጉባአኡ ንምዕዋት ብዘኽእል ኣገባብ ነብሱ ክወዳድብ ጸኒሑ። ምስዚ መስርሕ ምድላው ጉባአ ጐኒንገኒ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ኣብ ኩሉ መዳያት፡ በቲ ሓደ ወገን ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግድፍ ኣብ ምቅላዕ፡ ብቲ ካልእ ወገን ድማ ብሓፈሻ ንደንበ ተቕውሞ ብፍላይ ድማ ንፖሊሲታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንምስራጽን ምስ ዓለም ለኻውን ዞባውን ትካላት ንምልላይን ከይሰልከየ ዝሰርሓላ ዓመት ነይራ። ኣብቲ ምስ ካለኦት ተመሳሳሊ መትከልን ዕላማን ዘለዎም ብሓባር እምበር በይንኻ ዘይዕመም ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምፍጣር ዕማሙ ግና ኣይተዓወተን። እቲ ቃልሲ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ’ውን ቀጻሊ ኣሎ።

“ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ዝተረፈ” ከም ዝበሃል ዘረባ ለባማት፡ ኣብዚ ሓደ ዓመት ኣፋኒኻ ካልእ ሓድሽ ዓመት ናይ ምቕባል መሰጋገሪ እዋን ኮይንና፡ ብዛዕባቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከነዕውቶ ዝግበኣና ዝነበረ እሞ ዘየዕወትናዮ ኣይኮናን ክንቁዝም፡ ክንትክዝን ክንጠዓስን ዝግበኣና። ብርግጽ ድኽመትና ኣሚና ነብስና ብመንጽር ናይ ዝሓለፈ ውጽኢትና ክንነቅፍ ቅቡል እዩ። ናይ መጻኢ ዓመት መደባት ኣብ ምዕዋት እውን ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። ንናይ ዝሓለፈ ዓመት ክንመልሶ ዘይንኽእል ናይ ሕጽረት ተመኩሮና ሕራይ ኣይንረሰዓዮ፡ ቀንዲ ኣድህቦናን ቆላሕታናን ግና ናብቲ ጌና ኣብ ኢድና ዘሎ መጻኢ ዓመት እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዛ ንርከባ ዘለና መጻኢት ዓመት 2016፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘረዘሩ ድኽመትና ኣጉሊሖም ዘርእዩ ሕጽረታትን ዘይቅርዑይ ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ከነእርሞም ክንክእል ኣለና። ነታ ንየወይቲ ቀጻሊት ዓመት 2017፡ እንተኾነ ኩሉ ጸገማትና ፈቲሕና፡ እንተዘየለ ከኣ፡ “ጸገማትና ክንፈትሕ ከም እንኽእል ዝእምት ንጹር መንገዲ ከነረክባ ይግበኣና” ኢልና ብትብዓት ክንነቅል ይግበና። እቲ ትብዓት ኣብ ምጭራሕ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ምትግባር ምዃኑ ከኣ ከነርኢ ይግበኣና። ኣብ ክንዲ ኣብ ፍኑው ናይ ግዜ ሜዳ ንጭርሕ መዓስ እንታይ ከም ንሰርሕ ንምምልካት ምስ ግዜ ውዱእ ቆጸራ እንተንሕዝ’ውን ጽቡቕ እዩ። እዚ ናይ ግዜ ደረት ምስፋር እንታይ ክትሰርሕ መዲብካ፡ ካብኡ እንታይ ተግቢርካ፡ እንታየከ ኣይተግበርካን፡ ስለምንታይከ ከምኡ ኮይኑ ኣብ ምግምጋም እውን ሓጋዚ ስለ ዝኾነ።

ከም እምንቶ ሰደህኤ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት እውን ከም ወትሩ፡ ኩልና ውድባትን ሰልፍታትን ድርብ ዕማም ይጽበየና ኣሎ። እቲ ሓደ ኣብ ወውድብካን ሰሰልፍኻን ዝዕመም ውሽጣዊ ዓቕሚ ምፍጣርን ነጻነትካ ምውሓስን እዩ። እቲ ካለኣይ ድማ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰን ኣርሒቑ ዝጥምትን ስሙ እንታይ ንበሎ ብዘየገድስ ናይ ሓባር መድረኽ ወይ ጽላላ ምፍጣር እዩ። እዞም ክልተ ዕማማት ነቲ ሓደ ወዲእካ ደሓር ናብቲ ካልእ ዕማም ትኸደሎም ዘይኮኑስ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝመጋገቡ፡ ማዕረማዕረ ዝዕመሙ እዮም። ቅድም ውድባዊ ዕማምካ ትውድእ እሞ፡ ነዚ ወዲእካ ድማ ናብ ምውዳብ ናይ ሓባር ጽላል ትኸይድ፡ ወይ ንውድባዊ ዕማም ጠጠው ኣቢልካ ናብ ምስራሕ ጽላል ትኸይድ ማለት ዘይኮነስ፡ ከከም መድረኹ ናይ ቀዳምነታት ኣሰራርዓ ክብን ለጠቕን’ኳ እንተሃለወ፡ ማዕረማዕረ ዝጐዓዙን ዝመጋገቡን ዕማማት እዮም። እዚ ማለት እቲ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ብዝግበ ጻዕሪ ዝፍጠር ዓቕሚ፡ ናይቲ ናይ ሓባር ጽላል’ውን ዓቕሚ እዩ። እቲ ድንፉዕ ጽላል ከኣ ተመሊሱ ናይቲ ኣብቲ ጽላል ኣጽሊሉ ዘሎ ሓይልታት ዓቕሚ እዩ ዝኸውን። ነዚ ክትገብር ከኣ ካብ ውሱን ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸቢብነት ወጺእካ፡ ኣብ በሪኽ ቦታ ደይብካ ሰፊሕ ራኢ ከተጥሪ የድሊ። ኣብዚ ሓደራ እንብሎ ብቑዓት ኣባላት ዘየብሉ ጽላል ብቑዕ ክኸውን ከምዘይክእል እዩ። ደሓር ጽላል ንምሕያሉ ኣስተዋጸኦ ተበርክተሉ መድረኽ እምበር ውድባዊ ድዩ ሰልፋዊ ሕጽረታትካ ትሓብኣሉ በዓቲ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ናይ 2016 ዕማምና ኢልና ክንወስዶ ይግበኣና። ክንትግብሮ ከኣ ብዘለና ዓቕሚ ንጽዓት። ካብዚ ወጻኢ እንኸዶ መንገዲ ግና ናይ ለውጢ ዕላማና ኣየዕውትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህልውናና እውን ሓደገኛ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና።

ርሑስ ልደትን ሓድሽ ዓመትን

31 ታሕሳስ 2015

 

Last modified on Wednesday, 30 December 2015 23:53