ራእን ዕላማን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2015-10-05 19:42:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2615 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ዝኾነይኹን ተጨቚነ ኢሉ ተወዲቡ ዝቃለስ፥ ራእይን ዕላማን ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። እዚ ራይን ዕላማን እዚ ንጽባሕ  ይጽነሓለይ ዝበሃል ኣይኮነን። እንታይደኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ እናማዕበለን እናተመሓየሸን ዝኸይድ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋንዚ ተጀሚሩ ኣብዚ እዋንዚ ይውዳእ ዝብል ውሱን ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። ኣብ ዝኾነ እዋን ዝጅምር ኣብ መስርሕ ድማ እናዓኾዀ ክቕጽል ናይግድን እዩ፡ በዚ መንጽር  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “መጻኢት ኤርትራ ከመይ ክትመስል እያ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብብሩህ ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ብመንጽር’ዚ እቲ ቀዳማይ ዕላማን እምነትን፡ ምንጪ ስልጣን፥ ናይቲ  ዝቐውም መንግስቲ ብመሰረቱ ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑን  ሰላማውን ዲሞክራሲያውን መስርሕን ውድድራትን ኣብ መንጎ ኣብዘሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ተሓታቲ ዝኾነ ስርዓት ክትተክል ምብቃዕ እዩ። ምስ እዚ ኤርትራ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ፥ ብሄራዊ፥ ቀቢላዊ፥ ባህላውን ቋንቋውን ብዙሕነት ቅሙጥ ሃገራዊ ጸጋን  ሓይልን ብምዕቃብን ምምዕባልን ጥራሕ እዩ ዝብል እምነቱ ካልእ ናይ ዕላምኡ መርኣያን ውሕስነትን ኢሉ ዝቃለሰሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ህያው ንምግባር፥ ኣብ መንጎ ብሄራትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ሰላም፡ ቅሳነትን ምክብባርን ተወሃሂድካ ናይ ምንባር ባህልን ከሰፍን ከኣ ባይታ ዝምድመድ ማዕርነታዊ ዝኾነ ምምቕራሕ ስልጣንን ጸጋታት ሃገርን  ኣገዳሲ ምዃኑ እዚ ሰልፊ ዝኣምነሉ ጥራይ ዘይኮነስ ዝቃለሰሉ እዩ። ነዚ ዘራጒድ ድማ ኩሎም ዜጋታት ብዘይተጽዕኖ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገሮም ክሳተፉን ንዝመረጽዎ መንግስቲ ክቆጻጸሩን ሓላፍነቶም ምዃኑ ካብ ብሕጂ ክርድኡ ከምዘለዎም ይኣምንን ንግብራውነቱ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ይገብርን። ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ኣብ ዘሎ ጽፍሕታት ብሓላፍነት ክዋስኡ ዝተመደቡ ኣካላት ህዝቢ ከገልግሉ ዘኽእሎም ስርዓተ-ምሕደራ ንመሰል ውሁዳን’ውን ዘኽብር   ዘይምእኩል ምሕደራ ምዃኑ  እምነቱ  እዩ።

ነዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ እቲ ዝቐውም መንግስቲ ኣገልጋሊ ህዝቢ ደኣ እምበር ተገልጋሊ ከኸውን ከምዘይብሉን፥ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝሕልዉ ሕግታት ውሑስ ብምግባር ከም ዝትግበር ይኣምንን ምእንታኡ ይቃለስን። ካብዚ ሓሊፉ “ሃይማኖት ናይ ግሊ ሃገር ግና ናይ ኩሉ” ዝብል ሓሳብ ከም ኣካል ዕላማኡ ይቕበል። ብእምንቶ ሰደህኤ ሃይማኖት ርእሱ ዝኸኣለ ናጽነቱ ሓልዩ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ዘበርክት እዩ። መንግስቲ ከኣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዝወጽእ ሕግታት መሰረት፡ ከይጠሓስ ብማዕረ ዘመሓድር፡ ህዝቢ ከይብደልን ደሞክራሲያዊ መሰላቱ ከይጠሓስ ዝከታተልን ዝክላኸልን ኣካል እዩ። ብሓጺሩ ኣብ መንጎ መንግስተን ሃይማኖትን ዝህሉ ዝምድና ጣልቃ ኣእታውነት ዘይፈቅድ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ እዩ።

ምስዚ ከኣ፡ ንምልካዊ ኣተሓሳስባን ስርዓትን ካብ ሱሩ ምሕዩ ንምድርባይ፡ ንህዝባዊ ሓያልነትን ነቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝብል እምነቱ ኣብ ግምት ብምእታውን ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምምራጹ  ዋሕስ ናይ ፍትሒ ብምኻኑ ዕላማን ራእን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ሰልፊና ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራና ነዚ ኣገባብ ዝመርጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ ኮይኑ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ተሳትፎን ዋንነት ኣብቲ ዝምዝገብ ዓወት ዘረጋግጽን፡ ሰላማውን ህዝባውን ኣገባብ ምስግጋር ስልጣንን ዘተባብዕን እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን እዩ። እዚ ኣገባብ ካብቲ ካልእ ምርጫ ተመራጺ ጥራይ ዘይኮነ ዝያዳ ጻዕርን ድኻምን ከም ዘድልዮ እውን ይኣምን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ብፍላይ ንመንእሰያት ተረከብቲ ሕድሪ ብምዃኖም ቀጻሊ መጸዋዕታ ቃልሲ ናብ ህዝቢ ዘቕርብን ዝምሕጸንን።

5ጥቅምቲ 2015

Last modified on Monday, 05 October 2015 21:45