ላምፓዱሳ፡ላምፓዱሳ እንዳወለደት ክሳብ መዓስ?

2015-10-02 19:15:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2416 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ3 ጥቅምቲ 2013 “ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፓዱሳ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ናብ ስደት እንዳምርሑ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም” ዝብል ዜና ምስተሰምዐ፡ ኣይኮናንዶ ምቃል መሰንገለኦም ዝኾና ኤርትራውያን ዓለም ብዓለማ ሰንቢዳን ኣንቀጥቂጣን። ተረኽቦ ላምፓዱሳ ብሓንሳብ ዝለዓለ ብዝሒ ኤርትራውያን ዝሃለቑላ ኣጋጣሚ ብምንባራ ነቲ ስንባደን ሓዘንን ኣዕሪጋቶ እምበር፡ እዚ ሓደጋ ናይ መጀመርያ ወይ ናይ መወዳእታ ኣይነበረን። ቅድሚኡን ድሕሪኡን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ዓዶም ወጺኦም  ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ዶባት ዝተረሸኑ፡ ኣብ ጉዕዞ ኣብ ምድረበዳታት ብጽምእን ጥሜትን ዝሓለፉ፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ብጥሩፋት ዝተቐንጸሉ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶምኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዝተሸጠ፡ ኣብቲ ክበጽሕዎ ዝተጸበይዎ ቦታ ምስ በጽሑ እውን ብዝተፈላለየ ሓደጋታት ዝጠፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን  ውሑዳት ኣይኮኑን።

ድሕሪ ተረኽቦ ላምፓዱሳ፡ መብዛሕትና እዚ ሓደጋዚ ዘመሓላልፎ ናይ “ንጠንቀቕን ንለብምን” መልእኽቲ ስለ ዝህሉ፡ እቲ ህልቂት ኣይክድገምን እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩና። እንተኾነ ምናልባት ደአ እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ህልቂት ኣሃዝ ይንኪ ይኸውን እምበር እቲ ናይ ኤርትራውያን በተመሳሳሊ ኣገባብ ምጥፋእ ኣይዓረፈን ምናልባት እውን ወሲኹ ይኸውን። እዚ ድማ ተረኽቦ ላምፓዱሳ ኣሕዛኒ ዝኸውን በቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ማህሰይቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክንመሃረሉ ብዘይምኽኣልና’ውን እዩ። ኤርትራውያን፡ ዘይውሑስን ዘይጽኑዕን ስደት ከም መፍትሒ ዝመርጽሉ ዘለዉ ምኽንያት ወይ እቲ ጠንቂ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣይግዳዱ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እዚ ጉጅለ’ዚ ንኤርትራውያን ዝርህርህ ልቢ ከም ዘየብሉ ጥራይ ዘይኮነስ ንጥፍኣቶም ዝተዓጥቀ ምዃኑ ባዕሉ ብተደጋጋሚ ነጊሩና ክነሱ፡ ሰለምንታይ ናብቲ መፍቶኡ ዝኾነ ኣህላቒ መጻወድያ ንኣቱ ኣለና? ንዝብል ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ።

ካብ’ቲ ንጥፍኣት ኤርትራን ህዝባን ዝተዓጥቀ ጉጅለ ህግደፍ ንጽበዮ ጽቡቕ ነገር ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና። በቲ ድሕሪ ህልቂት ላምፓዱሳ ዘርኣዮ ኣሽካዕላልን፡ ዓለም በቲ ጉዳይ ከተእውን መፍትሒ ከተናዲ ክትለዓዓል እንከላን  ዝሕጭጮ ዝነበረን፡  ንሬሳታት ናይቶም ግዳያት ብዝነፈጎ ክብርን ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ንዕቀትን ዝከሓነ ጽልእን ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ ኣራጒዱ ኣርእዩና እዩ። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ናይ ከምዚ ዓይነት ጸገም ፍታሕ ብፍጹም ካብ ህግደፍ ንጽበዮ ኣይኮነን እንብል። እቲ መመሊሱ ዘሕዝን ናይዞም ግዳያት ኣስከሬናት ክሳብ ሎሚ መንነቱ ዘይተነጸረን ዘይተቐብረን ምዃኑ እዩ። እዚ ኩነታት ብኹሉ ማሕበራዊ መዕቀኒ ክምዘን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዘቐንዙን፡ ኣብ ልዕሊ ቀረባቶም ዝገድፎ በሰላ መሪር ምዃኑን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብዚ ናይ ሓዘን ዝኽሪ ኮይና ብዛዕባዚ ዝሓለፈን ቀጻሊ ዘሎን ህልቂት ምስትንታን በይኑ መፍትሒ ከም ዘየምጸኣልና ንርደኦ ኢና። እቲ መፍትሒ ተሓጋጊዝካ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ እዩ። እቲ  ካልእ እንተላይ ስደት መፍትሒ ከምዘይከውን ብግብሪ ተረጋጊጹ እዩ። ስለዚ ናይ ሕማምና መፈወሲ ፈሊጥናዮ ኣለና። ፈውስና እንዳፈለጥናዮ ክንፍወስ ዘይምኽእልናን በቲ ሕማም ንሳቐ ምህላውናን ከዓ ካልእ ዘገርም ተርእዮ እዩ። እቶም በቲ ኣብ ግዜ ላምፓዱሳ ኮነ  ቅድሚኡን ድሕሪኡን ብዘጋጣመ ሓደጋ እንሓዝን ብዙሓት ኢና። እቶም መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ነናትና እጃም ዘለና እውን ብዙሓት ኢና። እቶም ዘይውሑስ መንገዲ ስደት ብምምራጾም ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ወለድን ቤተሰብን ግዳያት፡ ተቓወምቲ ፖለቲካውን በርገሳውን ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ዶባት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክርሽኑ መምርሒ ዝተዋህቦም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምኡ እውን ሕብረተሰብ ዓለም መፍትሒ ኣብ ምርካብ ነናቶም ብጽሒት ኣለዎም። እቲ ዝኸበደ ጾር ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን እዩ።

ጻዕርናን ጻዋዒትናን’ኳ ሓድሽ ተዘይኮነን፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ እውን ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ነቲ ንቡር ዘይረኸበ ናይ ዜጋታትና ኣስከሬናት ከዚኑ ዘሎ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብቲ ንቡር ባህልና ወጺኡ በቲ ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ፡ ሬሳታት ዝሕጭጭ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተጽዕኖ ብምፍጣር፡ መንነቶም ብግቡእ ተነጺሩ ኣብ ዓዶም ዝቕበርሉ ኩነታት ክፈጥር ንጽወዖ ኣለና። እዚ ጻውዒት ናብ ኩሎም ምእቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝተሰለፉ ዞባውያንን ዓለም ለኻውያንን ኣካላት እውን ዝምልከት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስዚ ኩሉ ውህሉል ገበናቱ ነቲ ጉጅለ ዘህጥርን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተኺልዎ ዘሎ ናይ ጭቆና ኣጽፋር መሊሱ ዘትርርን ናብቲ ውጹዕ ህዝብና ዘይበጽሕ፡ ካልእ ጉልባብ ብምልባስ ሓገዝ ከይወሃቦ ነዘኻኽሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ድሕሪ ክንደይ ፈታኒ መጻወድያታት ሓሊፎም ኣብቲ መዕለቢና ዝበልዎ ሃገር ምስ በጽሑ  ዘይተጸበይዎ ጸገማት ዘጋጥሞም ዘሎ ግቡእ ቆላሕታ ክግበረሎምን፡ ጠንቂ ስደቶም ሕሱም ፖለቲካዊ ወጽዓ ምዃኑ ብሩህ ክንሱ፡ ምስ ቁጠባዊ ምኽንያት ኣተሓሒዝካ መሰል ስደተኛ ንምንፋጎም ዝረአ ዘሎ ምልክታት ጠጠው ክብል በዚ ኣጋጣሚ  ዝኽሪ 2ይ ዓመት ላምፓዱሳ ደጊምካ ምጽዋዕ ቦታኡን ግዜኡን እዩ ዝብል እምነት ኣለና።

2 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Friday, 02 October 2015 21:19