መጻኢ ዘማዕደወ ኣገዳሲ ኣኼባ

2015-09-30 21:34:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2473 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ፦

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝርከብሉ መድረኽ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቀንዲ ቆላሕታኡ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ጉዳይ ኮይኑ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን’ውን ዝጓሰየ ኣይነበረን። እዚ ኣኼባ ብተራ ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍን ዝቐረበ ሕቶታት ምምላስ ጥራይ ዝውሰድ ዘይኮነስ ናይ ደሞክራሲ ኣዕኑድ ካብ ዝኾኑ ግሉጽነት፡ ተሓታትነትን ኣሳታፍነትን ኣብ ምዕኳኽ እውን ግደኡ ዕዙዝ እዩ።

ናይዚ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዓወት ናይ ዝተቓነዐ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ውጽኢት ንምሕባር ኮይኑ፡ እቶም ዝጸደቑ ሰነዳትን ውሳነታትን ኣብ ወረቐት ተደሪቶም ምእንቲ ከይተርፉ ንኣተገባብርኦም ዝምልከት ዝተሓንጸጸ ሜላታትን ዝቖሙ መፈጸሚ ትካላትን ዝሓበረን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ብጽሒት መሪሕነትን ሓላፍነት መላእ ኣባላት ሰልፍን ንምጻር እውን ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዝግለጽ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣብቲ ብሓባር ምስ ካለኦት ዝግበር ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ምትካል ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣድማዒ ብጽሒት ንክህልዎ፡ ቅድም ውሽጣዊ ዓቕሙ ኣብ ምህናጽ ክበቅዕ ይግበኦ። ናቱ ዕዮ ገዛ ብዝግባእ ዘይሰርሐ ሰልፊ ይኹን ውድብ ግና ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ ልሉይ ግደ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። እቲ መሪሕ ግደን ዓቕምን ዝጥረ ከዓ ብፍሉያት ኣካላት ወይ ድማ ብመሪሕነት ጥራይ ዘይኮነስ ብዝለዓለ ቀጻሊ ተሳትፎን ጻዕርን ኩሎም ኣባላት ሰልፊ እዩ። ኣባላት ሰልፊ ኣብዚ መዳይዚ ከድምዑ ድማ፡ ቅርቡነቶምን ጻዕሮምን እቲ ቀንዲ ኮይኑ ብግቡእ ሓበሬታን ዓሚቕ ኣፍልጦን ክዕጠቑ ይግበኦም። እዚ ናይ ዓቕሚ ምስንናቕ ክጥረ ካብ ዝኽእለሉ መድረኻት ሓደ ድማ እዚ ብላዕለዎት ኣካላት ሰልፊ ዝካየድ መድረኻዊ ኣኼባታት እዩ።

እዚ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ናይ ኣባልነት ግቡኣቶም ብኣድማዒ ከረጋግጹ ዝጽውዕን ዘበራብርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከባቢና ብመንጽር ፖለቲካዊ ፖሊስ ናይ ሰልፊ እንታይ ከም ዝመስል ዘርኢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሎም ዘመልክት’ውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣረኣእያ መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ፡ ኣብ ሰልፋውን ከባቢያውን ዛዕባታት፡ ሓላፍዘላፍ ዘይኮነስ ዝተወሃሃደን ኣብ ሕድሕዱ ዝናበብን ከም ዝኸውን ኣብ ምግባር እውን እጃሙ ኣዝዩ ዓብይ እዩ። ኣባላት ሰልፊ ብዛዕባ ናይ ሰልፎም ኩለመዳያዊ ፖሊሲታትን ከባቢኦምን ግቡእ ግንዛበ እንተረኺቦም፡ ኣብ ዘዘለዉዎ ከባቢ ናይ ሰልፎም ኣንበሳድራት ብምዃን ኣብቲ ዘዝተመደብሉ ፍሉይ ኣብያተ ጸሕፈት ጥራይ ከይተደረቱ ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ኣብ ዝተፈልለዩ መድረኻት ተሳቲፎም ናይ ሰልፎም ፖሊሲታት ከላልዩ ስለ ዘኽእሎም፡ ካልእ ናይዚ ኣኼባ ኣገዳስነት መርኣያ እዩ።

እዚ ኣኼባ ካብ ዘልዓሎምን ምስ መትከላት ሰልፊ ኣዛሚዱ ካብ ዝተዛረበሎምን ነጥብታት ሓደ ጉዳይ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከም ዝነበረ ብዜናና ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ሎሚ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዘልዕልዎን ዝጭነቕሉን ኣገዳሲ ኣጀንዳ እዩ። ኩሎም ኣካላት ኣብዚ ጉዳይ ክዕመም ዝግበኦ ዝነበረ ከምዘይተገብረ ይኣምኑ። ከም መተካእታ ድማ “ገለ ዘይንገብር” ክብሉ ይስምዑ። እቲ “ገለኸ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ዝወሃብ መስልሲ ግና ወይ ንጹር ኣይኮነን ወይ ድማ ኣብ ሕድሕዱ ዘይሰማማዕ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ጉዳይ ክትገብር እንዳበሃግካ፡ ግና ነቲ እትብህጎ መተግበሪ ዓቕሚ ወይ ተጸዋርነት ምስኣን እዩ ዘርኢ። ኣብዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ኣኼባ ኣባላት ሰልፍና፡ እዚ ጉዳይዚ ብሰፊሑ ተዘትይሉ እዩ። መሪሕነት ሰልፊ ካብዚ ዘለናዮ ብሓባር ከስርሕ ዘይክእል ዕጹው ኩነታት ዘውጽእ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣብ ግምት ዘእተወን ንድሕሪት ዘይምለስን ሓድሽ ኣገባብ ንክሕንጽጽ ዝሕግዞ ሃናጽን ሓላፍነታውን ሓሳባት ረኺቡ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ካብ ዕላማታት እዚ ኣኼባ መሪሕነት ኣብ መስርሕ ኣብ ግምት ዘእትዎ ሓሳባት ካብ መሰረታት ንምርካብን ኣሳታፍነት ምንጽብራቕን ስለ ዝነበረ መሪሕነት ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ብሃናጺ መልክዑ እዩ ዝቕበሎ።

30 መስከረም 2015

Last modified on Wednesday, 30 September 2015 23:37