ህግደፍ ደኣ ኣባይቲ ጥራይ ድዩ ዘፍርስ?

2015-10-09 14:52:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3034 times

“ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ እከይ ነገር የለን።” እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለካ ጽልኢ ንምግላጽ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣበሃህላ እዩ። እዚ ብውሕዱ እዩ። ክንደይ ካልእ ህዝቢ ኣብቲ ጉጅለ ዘለዎ ቂም ዝገልጸሉ ናይ ኣሽሙር ኣገባባት ኣማዕቢሉ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ ሓንቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሰማዕናያ ከነካፍለኩም። ከምቲ ኩልና ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ እንዕዘቦ ኣምሰሉ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዋላ ኣጋይሽ ክቕበል እንከሎ፡ ምስቲ ኩነታት ዘይከይድ ካምቻ ይኽደን። ምስኡ ድማ ሰንደል ሳእኒ ይውስኸሉ። ደሓር ሓደ ክፉእ ዝረኣየ ኤርትራዊ ንቡር ሳእኒ ገዚኡ የምጸኣሉ’ሞ እቲ ሳእኒ ድማ ዕቅኑ ይኸውን። ኢሳይያስ ድማ በቲ ናይቲ ሰብኣይ ዓቐን ሳእኑ ምፍላጡ ይግረም እሞ “ከመይ ጌርካ ደኣ ቁጽሪ ሳእነይ ፈሊጥካዮ?” ኢሉ ይሓቶ። ወዮ ተረካብ ዝዘረብኡ ሳእኒ ገዚኡ ዘምጸአ ውሽጡ ሕሩር ኤርትራዊ ድማ “እንታ ክቡር ፕረሲደንት ወዮ እዚ ኩሉ ረጊጽካናስ ከመይሉ ደኣ ቁጽሪ ሳእንኻ ክጠፍኣና” ኢሉ መለሰሉ ይበሃል።

ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኩሉ ህይወቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደልን ዓመጽን ምስ ምፍጻም ዝተተሓሓዘ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብቲ ጉጅለ ዝጽበዮ ጽቡቕ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ሓደ ጉዳይ ተፈጺሙ ክበሃል እንከሎ ብዛዕባቲ ፍጻመ ካብ ምዝራብን ምጽሓፍን ዓዲ ኣይውዕልን። ሰባት ኣሲሩ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓጽዩ፡ ናይ ብሕቲ ንግዲ ከልኪሉ፡ መንእሰያት ገፊፉ፡ ኣብ ዶባት መንእሰያት ረሺኑ፡ ምስ እገለ ዝበሃል ሃገር ተባኢሱ፡ ምስ እገለ መራሒ ዝተፈራረሞ ስምምዕ ጥሒሱ … ወዘተ ኩሎም ደድሕሪ ኣፍራሲ ፍጻመታት እቲ ጉጅለ ዝዝረበሎምን ዝጸሓፈሎምን ተረኽቦታት እዮም።

እነሆ ድማ ኣብዚ እዋንዚ፡ ሓድሽ ፍጻመ ዘይኮነ ክነሱ ህግደፍ ኣባይቲ ኣፍሪሱስ፡ እቶም ኣብቲ ዝፈረሰ ኣባይቲ ዝነበሩ ኤርትራዊ ስድራቤታት መዕቆቢ ስኢኖም ኣደዳ ጸሓይን ንፋስን ኮይኖም ኣለዉ ይበሃል ኣሎ። ገሊኦም ተዓዘብቲ ግና ህግደፍ ደኣ ሃገርን ህዝብን ከፍርስ ዘይሓነኸስ ኣባይቲ ኣፍሪሱ ኢልካ ምዝራብ ኣብ ምንታዩ ክስቆሮ ይብሉ። ሓቃቶም ከኣ፡ እቲ ምፍራስ ኣባይቲ’ውን ክኹነን ይግበኦ እሞ ህግደፍ ንኤርትራ በታ ናቱ ቀጣን ናይ ጥፍኣት መንገዲ ክኸይድ ቅሩብ ንዘይኮነ ዜጋ ክመቁሕን ክቐትልን እንዳወዓለ፡ ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ኣፍሪሱ ብዘይድሌቶም ናይ ጥፍኣት ኣተሓሳስባ ከመንግጎም ዘይሓፈረ፡ “ገዛውቲ ኣፍሪሱ ንዜጋታት ኣብ ማእከል ጐልጐል ደርብይዎም” ዝብል ወረ ከመይ ኢሉ ከም ሓድሽ ጸይቂ ክውሰድ ይከኣል እንተበሉ እውን ኣየኽፈኣሎምን።

እቶም ሎሚ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ምንባር ምስ ሰኣኑ፡ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ስሒተምዎ ዘይኮነስ ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣኑ ሃገሮም ራሕሪሖም ሃጽ ኢሎም ክኸዱ እንከለዉ፡ እቲ ክምርዓውሉን ክድርዓውሉን ዝግበኦም ኣባይቶም ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራ ብዓባያ እያ ትፈርስ ዘላ። ኤርትራዊ ባህሊ ምክብባር ተሰሪዙ ሓድሽ ናይ ምንዕዓቕን ምዝንጣልን ባህሊ ከስፋሕፍሕ እንከሎኸ ምፍራስ ሃገር ማለትዶ ኣይኮነን። መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ብመንፈስ እንመርሖ ህዝቢ ኣንጻር ሃይማኖታዊ እምነቱ ክንፍጽም ኣይንሰብኽን ኢና ስለ ዝበሉ ክእሰሩ እንከለዉኸ ከመይ ኢሉ እዩ ምፍራስ ሃገር ዘይከውን። ጉጅለ ህግደፍ መላእ ዓለም በቶም ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ብሓንሳብ ዝሃለቑ 368 ዜጋታትና ክትሓዝን እንከላን ብፍላይ ገለ ሃገራት ንወግዓዊ ዝኽሮም ባንደራታተን ለጠቕ ኣቢለን ክሰቕላ እንከለዋ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግና ነቶም ግዳያት “ኤርትራውያን” ኢሉ ምጥቃሶም ተጸይፉ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ሸፈፍ ክብሎም እንከሎ ገለ ክብሪ ሃገር ይፈርስ ከምዘሎዶ ኣየመልክትን። ብዙሓት ዜጋታትና ኣብታ ብደሞም ዝመጸት ነጻ ሃገር፡ ኩሉ እቲ ዝተነፈጎም መሰረታዊ መሰላት ከይኣክል፡ ብህግደፍ ኣብ ሃገሮም ናይ ምቕባር መሰሎም ክንፈጉ እንከለዉ ክብሪ ሃገር ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ምህላዉ ብኸመይ ንዝንገዖ።

ትማሊ ትማሊ ብናይ ህዝባ ጅግንነት፡ ተጸዋርነት፡ ዘይተንበርካኽነትን ጽንዓትን ብዓብይኡ ድማ ብሓድነት፡ ስማ በሪኹ ዝጽዋዕ ዝነበረት፡ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ብሰንኪ ዘይውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉጅለ ካብ ከም ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውዳበታት ተገሊላ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብተን ብዙሓት ካብ ዜጋታተን ዝተሰደድወን ሃገራት ንሓንሳብ ቀዳማይ ንሓንሳብ ድማ ካለኣይን ሳልሳይን ተርታ ክትስራዕ ምርኣይ እውን ሃገር ጥዕና ከምዘይረኸበት ዝሕብር ምልክት ናይ ምፍራስ ሓደጋ እዩ። ነዚ ኩሉ ከሎ ጌና እንተዘይፈዊስናዮ ናብ ምፍራስ ገጹ ዝእምት ምልክታት ብምስትብሃል ኢና እምበኣር “ህግደፍ ደኣ ኣባይቲ ጥራይ ድዩ ዘፍርስ” ክንብል ዝተገደድና። እዚ ማለት ግና ጉጅለ ህግደፍ ካብኡ ዝዓቢ ገበናት ስለ ዘለዎስ፡ ገዛውቲ የፍርስ’ሞ ስቕ ኢልና ንርኣዮ ማለትና ኣይኮነን። ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ኣፍራሲ ተግብራቱ ክኹነን ስለ ዝግበኦ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍራስ ኣባይትን ግናይ ምስሊ ጉጅለ ህግደፍን ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ ንምቅላዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ በደል ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝወረደ ገይሩ ከም ዝወስድ ንምርኣይን ኣብ ውሳነታት 2ይ ጉባኤኡ እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ተወሳኺ ሰብኣዊ ግህሰት ክፍጽም እዚ ናይ መጀመርታኡ ከም ዘይኮነ እንዳተረዳእና ነዚ ንዜጋታትና ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘውሓስዋ ሃገር ብዘይ ንጹር ሕግን እቲ ዋና ህዝቢ ዘይርደኦ ኣገባብን የካይዶ ንዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ጉባኤና ይኹንኖ። ሕቶ መጽለሊ ኣብ ህልውና ዘለዎ ወሳንነትን ክብደት ግህሰቱን ብምርዳእ ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንጽውዖ።” ዝበለ እውን ካብዚ ነቒሉ እዩ።

9 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Friday, 09 October 2015 16:55