ንጉጅለ ህግደፍስ ማዕቀብ’ኳ ክውሕዶ

2015-10-15 19:20:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2522 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣብ ህልዊ ኤርትራዊ ጉዳይና ኣዘራረብቲ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ፡ ጉዳይ ማዕቀብ ወይ እገዳ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ኣብ ብዙሓት ኣገደስቲ ዛዕባታት ዘለና ፍልልይ፥ ኣብዚ እውን ኤርትራውያን ወገናት ነናቶም ርኢቶ ኣለዎም። ኣብዚ ጉዳይ ዝቐርብ ፍልልያት ነቲ ንጉጅለ ህግደፍ ምቅዋም ወይ ምድጋፍ ዘንጸባርቕ እዩ። ደገፍቲ ህግደፍ ነዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝተበየነ ማዕቀብ ይቃወሙን ናይዚ ተሓተትቲ ናይ ግዳም ሓይልታት ገይሮም የቕርቡን። ተቓወምቲ ጉጅለ ህግደፍን ተሓለቕቲ ፍትሕን ድማ ነዚ ቀጻዒ ማዕቀብ ይድግፍዎን ናይዚ ተሓታቲ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ምዃኑን ይኣምኑን። እዚ ዳሕረዋይ ሚዛን እዩ ድማ እቲ ቅኑዕ።

መንግስታት ብደረጃ ዓለም ዝወጹ፡ ኣካል ሕገ-መንግስቶም ገይሮም ክቕየድሎም ዝግበኦም ቻርተራት ኣለዉ። ነዞም ቻርተራት እዚኣቶም ዘይምኽባር ድማ ናይ ግድን የቕጽዕ እዩ። መንግስታት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎ በደል እውን ኣየቕጸዖምን ማለት ኣይኮነን። ሕቡራት መንግስታትን ካለኦት ዞባውያን ትካላትን ዝያዳ ዝግደስሉ ግና እቲ ቻርተሮም ክጠሓስ እንከሎ እዩ። ኣብ ተመኩሮ ከም እንርእዮ ገለ መንግስታት ምስ ህዝቦም ጥዑይ ዝምድና ይህልዎም እሞ ምስ ዓለም ለኻዊ ቻርተራት ይጓነጹ። ገለ ድማ በቲ ቻርተራት ምእዙዛት ይኾኑ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ድማ በደላት ይፍጽሙ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ፍሉይ እዩ፡ ዓለም ለኻዊ ቻርተራት ብዘይምኽባሩ ንጹልን ጽሉእን እዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብዘይሕገ-መንግስቲ ዝመርሕ ገበነኛ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ነዊሕ ግዜ ዝገበረን ሰራውር ዘለዎን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት ደኣ ድምጹ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን እምበር ናብ ዓለም ካብ ዘእዊ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንእከይ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦምን ክቐጽዖ ዝጀመረን ናቱ ሕግታት ክጥሕስ ምስ ጀመረ እዩ። ኣብቲ መጀምርያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ማዕቀብ ዝተበየነሉ ግዜ፡ ነቲ ማዕቀብ ዝደገፉ ኣካላት ኣብቲ ዝርዝር ምኽንያት እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ በደላት ብዝግባእ ዘይምንጽብራቑ ቅሬታኦም ይገልጹ ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ሎሚ ግና ዝምልከቶም ኣካላት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኻዊ ቻርተራት ዘፍጽሞ ግህሰታት ጥራይ ከይተደረቱ፡ እንተላይ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ በደላቱ እውን ኣብ ግምት ከእትውዎ ጀሚሮም ኣለዉ። ምቛምን ንጥፈታትን መርማሪት ኮሚሽን ሰብእዊ መሰላት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ንጉጅለ ህግደፍ ካብዚ መቕጻዕቲ ከድሕንዎ ዝደልዩ ኣካላት፡ እዚ ጉጅለ ዘቕጽዕ በደል ኣይፈጸመን ኢሎም ኣይከራኸሩን እዮም። ንሳቶም ከጉልሕዎ ዝደልዩ እዚ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጉድኣት ዘውርድ እዩ ዝብል እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ግዳይ ማዕቀብ ንክኸውን ዝፈጸሞ በደል ሃልይዎ ዘይኮነስ ብጸላእቲ ኤርትራ ዝተማህዘ ዘይክውንነታዊ ስጉምቲ እዩ ይብሉ። እቲ ማዕቀብ ክለዓል እሞ እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ኤርትራ ዝድህኽ ቅልጽሙ ክትርንዕ ዝጽውዕሉ ኣጋጣምታት እውን ኣሎ። እስኪ እቲ ጉጅለ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ዘለዎ ኩርኳሕ ዝምድና ይጽነሓልና እሞ፡ ናብቲ ብወጻዕን ተወጻዕን ዝግለጽ ዝምድና ጉጅለ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ንመለስ። ጉጅለ ህግደፍስ ዘቕጸዖ ተግብራት ይፍጽም የለን ድዮም ክብሉ ዝደልዩ ዘለዉ። ያኢ ጉጅለ ህግደፍ ዘቕንእ ምስሊ ሃልይዎስ ገለ ሃገራት ስለ ዝቐነኣሉ እየን ማዕቀብ ወሲነናሉ ምባልከ እንታይ ክበሃል ይከኣል። ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍጽሞ ንዘሎ በደል ንክቕጽሎ ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ እንታይ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል።

ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንከንውሕ ካብ ዝጥቀመሉ ኣገባባት፡ ናይ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ምምሕዳር ዘይኮነ ክነሱ፡ ኣብቲ ህዝቢ ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ክድሕን ዝገብሮ ፈተነ እዩ። ነቲ ህዝቢ ንከዕሽዎ ድማ “ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና” ብዝብል ከብዲ ህዝቢ ክበልዕ ይፍትን። ነዚ መታለሊ ኣቀራርባኡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣይተጠቕመሉን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ናይ ሓሶት ስብከትን ርህራሀን እንዳነቐለ፡ ንህዝብና ኣብ ብዙሕ ንረብሓኡ ዘይኮነ ናይ ጥፍእት ተግባራት ኣጊድዎ እዩ። ድሕሪ ድጊም ግና እዚ ቀጻሊ ኣይኮነን። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝግበር እገዳ ነቲ ጉጅለ ካብቲ ኣበሳ ዘየብሉ ህዝቢ ኤርትራ ፈልዩ ዝወቅዕ ክኸውን ከም ዝግበኦ ክምሕጸን ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ምሕጽንታ እዚ ሎሚ’ውን ቀጻሊ እዩ። እቲ ማዕቀብ ዝውስን ኣካል እውን ማእከሉ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ግና ከምቲ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል ህዝብና እውን በቲ ናብቲ ጉጅለ ዘተኮረ ማዕቀብ ኣይጽሎን እዩ ማለት ኣይክነን። እቲ ቀምነገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሰንኪ ማዕቀብ ጉድኣት ተገጠሞ’ውን እቲ ዝሕተት እቲ ማዕቀብ ዝወሰነ ኣካል ዘይኮነስ እቲ ማዕቀብ ንክውሰን ምኽንያት ዝኾነ ቀይዲ በተኽ ጉጅለ ምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ እዩ ክርደኦ ዝግብኦ። ጸላኢኡ ምስኡ እንከሎ ናብ ነውዮርክ ኮነ ብሩሰልስ ዘመዓድዎ ምኽንያት የብሉን። ነቲ ገበናት እንዳፈጸመ ማዕቀብን ተነጽሎን ዝጽወዓሉ ዘሎ ጉጅለ ባዕሉ ያዕ ክብሎ ይግባእ። ማዕቀብ ንናትና ጻዕሪ ዘራጉድ እምበር፡ ንኣበርክቶና ተኪኡ ፍታሕ ዘምጽእ ከም ዘይኮነ ከኣ ኩልና ክንርዳእ ይግበኣና።

15 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Thursday, 15 October 2015 21:31