ኣብ ከባቢና ካብ ዝካየድ መስርሕ ሰላም ንመሃር

2015-10-19 08:11:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2858 times

ደቂ ሰባት፡ ካብ ናይ ሓድሕዶም ተመክሮ ከም ዝመሃሃሩ ታሪኽ ዘረጋገጾ ሓቂ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ፡ ብኣብ ከባቢና ዝካየድ እወንታ ይኹን ኣሉታ ክንጽሎን ክንመሃርን ናይ ግድን እዩ። ነቲ ብኣሉታ ክጸልወና ዝኽእል ብኣግኡ ተገንዚብና መዋጽኦ ክንረኽበሉ፥ እቲ ብኣወንታ ዝጸልወና ከኣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝረብሕ ጥራሕ ይኹን እምበር ኩሉ እንሕተቶ ዋጋ ከፊልና ክንቅበሎ ናይ ግድን እዩ። እቲ ትምህርቲ ካብ ናይ ግዳም ተመኩሮ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮና ምዃኑ ግና ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ እቲ “ናይ ቀውዒ ምልዕዓል ዓረብ” ዝብል ካብ ሃገረ ቱኒዝ ጀሚሩ ክሳብ ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝለሓመ ህዝባዊ ቁጠዐ ወይ ናዕቢ ንከም ጉጅለ ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ መለኽቲ ዘርዓደን ካብ ስልጣኖም ከም ዝብርቆቑ ዝገበረን ምዕባለ እዩ። ገሊኡ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ናይ ብዙሃን ዲሞክራሲ ዝኸውን፡ ዝተወሰኑ ጉጅለታት ንናይ ህዝቢ ድሌትን ቃልስን ጨውዮም ኣብ ጠቕሞም ዘውዓልዎ ሰውራ ክኸውን ተፈቲኑ እዩ። ንኣብነት ሰውራ ‘’ያስሚን’’ ኣብ ቱኒዝ በቲ ሽዑ ዝተገብረ ምርጫ እቲ እስላማዊ ሰልፊ ኣልናህዳ ስልጣን ምስ ጨበጠ፥ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ንምጭዋይ፡ “ናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ” ንዝብል መሰል ክገትኦ ጀመረ።

ኣብ ግብጺ እውን ከምኡ እቲ እስላማዊ ሰልፊ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነቲ ዝነበረ ቅዋም ጥሒሱ ብኢደ ወነኑ ነቲ እስላማዊ ሸነኽ ጥራይ ብዝጥዕም ኣገባብ መንገዱ ክሕንጸጽ ጀመረ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ቱኒዝያን ግብጽን እቲ ስውራ ተጨውዩ ናብ ካልእ ኣቕጣጫ ከምርሕ ምስ ጀመረን ቅትለትን ማእሰርትን ምስ በዝሐን ከኣ ብፍላይ ኣብ ቱኒዝ በቲ ሓያል ጠቕላል ማሕበር ሰልፊ ዕዮ ቱኒዝያ ብዝተወስደ መሪሕ ተበግሶ ንኹለን በርጌሳውያን ማሕበራት ብምውካስ ‘ንሃገርና ካብ ስደትን ቅልውላውን ነድሕን’። ብረት ኣውሪድና ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና ንዛተ” ዝብል ኣምር ብምቕዳም ንህዝብን ንሃገርን ቱንዝያ ኣብ ዘድሕን ስምምዕ ተበጽሐ።

እዚ ብናይ ኣርባዕተ ኣካላት ልፍንቲ ዝቖመ ኮሚስዮን ወይ ሽማግለ እዞም ዝስዕቡ ዝሓቘፈ ነበረ። ጠቕላል ማሕበር ሰልፊ ዕዮ ቱኒዝያ፥ ናይ ቱንዝያ ምትእስሳር ወይ ማሕበር ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰል፥ ናይ ጠበቓታት ንቓባ ማሕበርን ናይ ወሃብቲ ስራሕ ትካልን ኢዮም። ብመንጎኘት ናይዚ ኮሚስዮን ከኣ ምስ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይልታትን ህዝብን መኣዲ ዘተ ተሰሪዑ ኣብ መርሓ-ግብሪ (roadmap) ስምምዕ ተበጽሐ። በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት እቶም ኣካላት ዝተቐበልዎም፡ ሕድገታት ኣብቲ ዝነበረ ቅዋም፥ ናይ ተክኖክራት ኣላይ ወይ ሞግዚት መንግስቲ ምምስራት፥ ከምኡ’ውን ምቛም ናጻ ናይ ምርጫ ኮሚስዮን ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ነበሩ።

እዚ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝተዓወተ ልፍንቲ እቲ ሰውራ ያስሚን ከም ናይተን ናይ ቀውዒ ዓረብ ሃገራት ዘጋጠመ ሕንፍስፍሽ ገጹ ከይከይድ ዝሓገዘ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኮምስዮን ንሃገር ቱንዝያ ካብቲ ኣብ 2013 ዝነበረቶ ስግኣት ውግእ ሓድሕድ ኣውጺኡ ናብቲ ወሳኒ ዝኾነ ምህናጽ ቅዋማውን ኣብዘሓ ሰልፋውን ዲሞክራሲ ኣብቀዓ።

እስክ ናብ ጉዳይና ምልስና ኢልና “ኣበይ ኣለዋ እተን ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበራትና?” ኢልና ንሕተት። ነዚ ሕቶ’ዚ ብግቡእ እንተመሊስና ኣገዳሲ ግንዛቤ ክንረክብ ንኽእል ኢና። መጀመርያ እዘን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘለዋ በርገሳውያን ማሕበራት በቲ ዝመረጸኦ ኣገባብ ደኣ እየን ተመስሪተን እምበር ንንቓባውያን፥ ንጠበቓታት ፥ ወይ ንሞያውያን ዝውክላ ኣይኮናን።

ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተዀይና ካብዘን ማሕበራት ገሊአን ብስም በርገሳውነት፡ ካብ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዘይፈለ ስራሕ እየን ዝሰርሓ ዘለዋ። ልክዕ እዩ በርገሳውያን ማሕበራት ጎኒ ንጎኒ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክህልዋ ኣድላዪን ኣገዳስን እዩ። ምኽንያቱ ህላዌአን እዩ ነቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዝያዳ ክጥጥዕን ኣብ ህዝቢ ክስፋሕፋሕን ዘኽእሎ። ከምኡ እውን ንሳተን እየን ነቲ ዝካየድ መስርሕ ምጽዳቕ ቅዋምን ዲሞክራሲያዊ ምርጫን ናብቲ ህዝቢ ኣትየን ቅኑዕ መልክዑ ከም ዝሕዝ ኣብ ምግባር ዓብይ ግደ ዝፍጽማ። እዘን በርገሳዊ ማሕበራት ካብተን ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ንራኢን ድሌትን ህዝቢ የንጸባርቕ፥ ከምኡ እውን ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት ይበቅዕ ንዝበለኦ ሰልፊ ብምትብባዕን ምክትታልን ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ መስርሕ የተባብዓ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብተን ዝወዳደራ ሰልፍታት ፍልልያት ኣብ ዝፍጠረሉ፡ ነቲ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ዕማመን ተጠቒመን ናይ መንጎኝነትን ናይ ምትዕራቕን ኣገዳሲ ግደ ኣለወን። ብዘይካዚ ብሓፈሻ፡ ጐንጺ ወይ ፍልልይ ከጋጥም እንከሎ እቲ መፍትሒ ሰላማውን ደሞክራሲያውን ምዃኑ ንክርዳእን ንክጥቀመሉን ህዝቢ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ኣለወን። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኸውን እምበኣር፡ እዘን በርገሳውያን ማሕበራት ብጉልባብ በርገስነት ኣብተን ፖለቲካዊ ኣካላት ተጽዕኖ ካብ ምፍጣር ሓሊፈን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፖለቲካዊ ተግባራት ኣትየን ኣብ ዘይተደልየ ፖለቲካዊ ምትህልላህኽን ናይ ስልጣን ቁርቁስ ክወድቃ ከለዋ እዩ። ይኹን እምበር በርገሳዊ ዕማማተን ገዲፈን ብእዉጅ ኣጻዕድየን ከም ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ክዋሰኣ ዝኽልክለን የለን።

ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራትና እምበኣር፡ ካብዚ ኣብ ቱንዝያ ዝተኻየደ መስርሕ ተመክሮን ትምህርትን ክቐስማ ይግበአን። በርገሳውያን ማሕበራት እቲ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ተራአን ከይዘንግዓ ብዘይኣድልዎ መኣዲ ዘተ እንዳኸፈታ ሃገራዊ ኤርትራዊ መርሓ-ግብሪ ዘማዕብል ኣገባብ ክኽተላ ይግበአን። እዚ ኣብ ቱንዝያ ዝተራእየ ኣፈታትሓ ጐንጺ፡ ብመሰረቱ እንተርኢናዮ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብን ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን መንገድን እዩ ተኻይዱ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣገባብ ከኣ ድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ብምዃኑ ንቀጻልነት እቲ ዝትከል ስርዓት እውን ውሕስነት ኣለዎ። ስለዚ ኤርትራውያን በርገሳዊ ማሕበራትና ካብዚ ናይ ቱንዝያ ተመኩሮ ተማሂረን ሓላፍነተን ንክፍጽማ ህጹጽ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ክዝንጋዓ ኣይግበአንን።

18 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Monday, 19 October 2015 10:18