ማእሰርቲ መርኣያ ጉጅለ ህግዲፍ’ዩ

2015-09-17 13:42:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2814 times

ብዛዕባቲ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ዝምራሕ ንህዝብና ደም ዘንብዕን ዝናን ያታን ሃገርና ዝደቁስን ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ክንጽሕፍን ክንዛረብን እንከለና ከከም ኣረደዳኣና ብዙሕ ኣገላልጻታት ኣለና። በቲ ንምጻእ በዚ ግና  “እቲ ጉጅለ ይቕረ ዘይበሃል ሓጥያት ዘለዎ፡ ውጹእ ጸረ-ህዝቢ እዩ”  ኣብ ዝብል ማእከላይ ግንዛበ ኢና ንራኸብን ንሰማማዕን። እስኪ ንሎሚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ “ኤርትራ: ፍሉይ መንግስታዊ ተርእዮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ጉጅለ ዝገለጸሉ ወሓለ ኣበሃህላ ንተዓዘብ። “ሓደ ዓመታዊ ባጀት ዘይብሉ: ሳይነሳዊ ኣገባብ ምሕድራ ዘይጥቀም: ቀዋሚ ወትሃደር ዘይመስረተ: ፍሉጥ ናይ ውሽጥን ወጻእን ፖሊሲታት ዘየዘውትር: ንቡር ናይ ባንክ ኣሰራርሓ ዘይጥቀም: ህዝቡ ንወጻኢ ኪውሕዝ ዚውዕል: ቅዋም ዘየጽደቐ: ስማዊ ሚኒስተራት ዚሸይም: ዓለም ዚፈልጦ ዩኒቨርሲቲ ዘይብሉ: ንምሉእ ህዝቢ ዘዐስክር:  ሲቪካዊ ትካላት ዘይፈቅድ: ኣምባሳድራቱ ከም ካድረታት ዚቝጸሩ: ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪብኣስ ዚውዕል: ከመይ ኢሉ እዩ ህላዌ ረኺቡ ዘሎ?” ይብል። ምስዚ ንሕግን ፍትሕን ቦታ ዘይህብ፡ ካብቲ ንሱ ዝኣምኖ ሓሳብ ዝተፈልየ ንዘቕርቡን ሃገር ከይትጠፍእ ዓገብ ንዝብሉን ቦታ ዘይህብ “ካብ ጥዑይ ጽሉል ክትብሎ ዝሓይሽ ዲክታቶር እዩ” ዝብል ገለጻ ወሲኽካ ኣበሃህላ ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ ይበል ዝበሃል እዩ።

ጃምላዊ ማእሰርቲ ሓደ ካብ ጸረ-ህዝቢ መርኣያታት እቲ ጉጅለ እዩ። ምስ ኣሰረ ነቲ ዝኣሰሮ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘየቕርብ፡ እቲ እሱር ነብሱ ክከላኸል ዕድል ዘይህብ፡ ቤተሰብ እሱር፡ እሱሮም ኣበይ ከም ዘሎ ክፈልጡ ዕድል ዘይህብ ምዃኑ ድማ ንኣገባብ ኣተኣሳስርኡን ጭካነኡን ዝያዳ ሰማይ የዕርጎ። ብዓብይኡ ንሃገርና ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ዓባይ ቤት ማእሰርቲ” ዝብል ስም ዘተሓዛ ገበነኛ እዩ። ኮታ እዚ ባህርያት ናይዚ ጉጅለ ተወጊዱ ብልዕልና ፍትሒ ክሳብ ዘይተቐየረ ተግባራት ናይዚ ኣሳሪ ብቐጻሊ ክኹነን ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ንኹሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሪ ባህሪ ብፍላይ ድማ ናይቶም ብ18 መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ’ሞ “ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና? መንገድና መንገዲ ደሓን ኣይኮነን” ኢሎም መዋጸኦ ክርከብ ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ዝተኣስሩ ኣብዚ ቅነዚ ብኤርትራውያን ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ይዝከሩ ኣለዉ። እዚ ዓመት ዓመት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝካየድ ዝኽሪ እሱራት፡ ንልቢ ዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ዘየራህር’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ ወጻዒ ናይ ምውጋድ  ዕማም ከም ዘለዎ ደጋጊምካ ንምርዳእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብዚ መዳይ ተጽዕነኦም ከዕርፉ ዝግበኦም ኣካላት ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ከየብኩሩ ንምዝኽኻር ቦታ ኣለዎ። ቀንዲ ማእከል ናይቲ ዝኽሪ፡ ብዛዕባቶም ዝተኣስሩን ኣተኣሳስረኦምን እናዘከርካ ምቑዛም ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ዓይኒ ማይ ናይዚ  ማእሰርቲ ነንጽፎ ዝብል ክኸውን ይግበኦ። እዚ ጉዳይ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኻት ቆላሕታኡ እንዳ ሰሰነ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመልክቱ ጉዳያት እውን ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ማዕበላዊ ሓይሊ ጀነቫን ካለኦት ቦታታትን ዘስዓበ፡ ውጽኢት ምርመራ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ኣገዳሲ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ብርግጽ ናይ 18 መስከረም ጃማላዊ ማእሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ዕዙዝ ግምት ዝወሃቦ ምንባሩን ምዃኑን’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ናይቲ ጉጅለ ግፍዕን ማእሰርትን በዚ ከም ዘይተጀመረ ግና ንኹልና ስዉር ኣይኮነን። ብዘይካዞም  ዝጠቐስናዮም ኣብ ዒራዒሮ ዝሳቐዩ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍትን ጋዜተኛታትን፡ ቅድሚኦም ኮነ ድሕሪኦም ተኣሲሮም ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝሳቐዩ ዘለዎ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውሑዳት ኣይኮኑን። በዚ ኣጋጣሚ ንሳቶም እውን ክዝከሩ እዩ ዝግበኦም። ብሰንኪ ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣገለን እገለን ኢልና ክንዝርዝሮም ዘጸግመና ብዙሓት ብዘይካ “እዚ እዩ ምእንቲ ብሩህ መጻኢ ሃገርናን ህዝብናን ክንሕዞ ዝግበኣና መንገዲ” ዝብል ካብ ናይቲ ዲክታቶር ዝተፈልየ መርገጽ ምሓዝ ካልእ ኣበሳ  ዘየብሎም ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻን ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ንጹሃት ኤርትራውያን እውን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ የድልዮም እዩ። ከም በዓል ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ማለትና እዩ።

ናይዚ ዝኽሪ ማእከል እውን እዚ ብዘስገድግድ ንገልጾ ዘለና ግፍዒ ዝውገደሉ መንገዲ ንምርካብ፡ ቅድም ምስ ነብስናን ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ትካልን ደሓር ድማ ምስ ከም ናትና ርኢቶ ዘለዎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ  ኤርትራን ህዝባን እንዛተየሉ እዩ። ዓመት ዓመት ዝሓለፈ ግፍዒ ካብ ምጽብጻብ ሓሊፍና፡ ነዚ ንሓልፎ ዘለና ናይ ግፍዒ ዘበን፡  ኣብ ሃገርና ኣብ ናይ ራህዋ መድረኽ ኮይና ነዘንትወሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግበኣና። እቲ ናይ ጽቡቕ መጻኢ መጸዋዕታ ናባና ናብ ውሽጥና እምበር ናብቲ ሓንሳብ ምስ ጨከነ ንድሕሪት ዘይምለስ ዲክታቶር ከም ዘይኮነ ኣዳዕዲዕና ክንርዳእ ይግበኣና። ጉዳይ ልዕልና ፍትሒ ኣብ ሓደ ሃገር ተደሪቱ ዝተርፍን ሓንሳብ ተላዒሉ ዘብቅዕን ዘይኮነስ፡ ንምውሓሱ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት ዘየቋርጽ መስርሕን እዩ። ሰደህኤ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ኣብቲ ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ዝምልከት ክፋል ውሳነኡ፡ “ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍልይ ከኣ ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላት፡ ነዞም ብዘይካ በጃ ህዝቦም ምሕላፍ ካልእ ገበን ዘይብሎም ብናይ ሓሶት ክሲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ከሐይል ካብ'ዚ ጉባአና ንጽውዕ።” ዝበሎ ካብዚ ብምንቃል እዩ።

እዚ ጉጅለ ክኣስርን ክቐትልን እንከሎ ምሂዙ ዝቓንዮ ጠቃኒ ሓሶታት ኣለዎ። ነቲ ሓቀኛ ኣሳሪ ባህሪኡ ንምሕባእ ዝሕግዞ ጠቐነታት ይፈጥር። ነቲ ናቱ ሓጥያት ንምኽዋልን፡ እቲ ሓቀኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ክነሱ፡ ካልእ ጸላኢ ምሂዙ ናይቲ ህዝቢ ቀልቢ፡ ኣብ ክንዲ ናብቲ ሓቀኛ ጸላኢኡ ናብ ካልኦት ቀዳምነት ዘይወሃቦም እቲ ዶክታቶር ዝስእሎም ናይ ሓሶት ጸላእቲ ከም ዘመዓዱ ክገብሮ ይፍትን። ከምቲ ውሽጣዊ ዕዮ ገዝኡ ንምድፋን ናብ የመን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክትኩስ ዝጸንሖ ማለት’ዩ። እዚ ምህዘኡ ሎሚሎሚ እንዳተኸሸሐ ዝመጽእ ዘሎ’ኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰማዒ እዝኒ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን። እቶም ሓሓሊፎም ዝስምዑ “ እዚ ሰብእይ እንታይ ዘይገብረ፡ ጸላእቲ በዚሐሞ፡ ቁርብ ተተጸሚምናዮ ሃገር ሒዛቶ ዘላ ብመግቢ ንብስኻ ናይ ምኽኣል መደብ’ዩ … ወዘተ” ዝብል ላሕታት ድምጽታት ነዚ ዘመልክት እዩ። ነስተብህለሉ’ሞ እቲ ላግጺ “ብመግቢ ነብስኻ ምኽኣል”። እዚ ጉጅለ ኣብቲ ዝኣስረሉ እዋን እውን ነቶም ንዕኡ ባህ ዘይብሎ ንኤርትራን ህዝባን ግና ዘዋጸኦም ናይ ደሞክራሲ፡ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ምኽባር መሰልን ተኸባቢርካ ብሓብር ምንባር ዛዕባታት ዘልዓሉ ኣካላት ዝህቦም ዝነበረ ናይ ሓሳቶ ቅጽላት ናይ ምዕራባውያንን ወያነን ዕሱባት ዝብል ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ነቶም ብሰንኩ ስደት ዝመረጹ መንእሰያት ድማ ብናይ ምዕራብ ብልጭልጭ ዝተዓሸዉ እዩ ዝሎም። ዝኾነ ኮይኑ ማእሰርቲ ካብ ጸረ-ህዝቢ ተግብራት ናይቲ ጉጅለ ሓደ እዩ እሞ፡ መፍትሒኡ ከዓ ብመሰረቱ ነዚ ጉጅለ ምውጋድ ምዃኑ ንረዳእን ንግብራውነቱ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ንትግሃሉን።

ወጽዓ ህግደፍ ብስሙር ቃልስና ዝውገድ እምበር ነባሪ ኣይኮነን!

Last modified on Thursday, 17 September 2015 15:48