"ናይ ጽባሕ ዘይኰናስ፡ ናይ ሎሚ፣ …."

2015-09-11 21:02:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2602 times

ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ መንእሰይን ናይ ተካእነት ግደኡን ዝበሃሉ ብዙሓት እዮም። “መንእሰይ ውዑይ ሓይሊ’ዩ፡ መንእሰይ ተረካቢ ሕድሪ እዩ፡ ንእስነት ዕዳ’ዩ፡ ንእስነት ከደትየ ከምዚኣ እንዳበለትየ” ካብቲ ብዙሕ ብውሕዱ እዩ። እዚ ኩሉ ክጠቓለል እንከሎ ኣብ ናይ ወለዶታት ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ግደ መንእሰይ ወሳኒ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ንእስነት ከምቲ ካልእ ተርእዮታት ሓላፊ እምበር ነባሪ ኣይኮነን። ንግዜ ንእስነቶም ኣብቲ ግዜኡ ዘኹርዕ ተግባር ዝሰርሕሉ ምስ ሓለፍዎ፡ በቲ ዝሰርሕዎ ይሕበኑ እምበር ኣይጠዓሱን እዮም። ናይ ንእስነት ግዜኦም ከይተጠቕምሉ ዝሓለፎም ግና ይጠዓሱ እሞ፡ “ዋይ ሕጂ ናብ ንእስነተይ ተዝምለስ” ይብሉ። እንተኾነ እቲ መስርሕ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝግዛእ ስለ ዝኾነ ዋላ ሓደ’ኳ ተመንዩ ናብ ንእስነት ክምለስ ዘይክእል ዘይምለስ ጣዕሳ እዩ።

እዚ ምስ ናይ ግዜ ኣጠቓቕማ ውሕልነት እውን ዝተሓሓዝ እዩ። “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ኣበሃህላ ቀሊል ይመስለና ይኸውን ግና መሰረታዊ እዩ። ዕድመ ብግዜ እዩ ዝዕቀን ንግዜ ብሻላማላ ከተሕልፍ እንከለኻ ንዕድሜኻ ብግቡእ ትጥቀመሉ የለኻን ማለት እዩ። መንእሰይ ዝኽወን ብግዜ እዩ። ካብ ናይ መንእሰይ ክሊ ዝውጻእ’ውን ከምኡ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ከስተምህሩ እንከልዉ “ግዜ ንወዲ ሰብ ብናጻ ካብ ዝተዋህብዎ ቀንዲ ህያባት ሓደ እዩ። ብግቡእ ናይ ምጥቃሙ ጉዳይ ግና ናይቲ ተቐባሊ እዚ ክቡር ህያብ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ዕዉታት ዝበሃሉ ንግዜኦም ብግቡእ ዝተጠቕምሉ እዮም” ዝበልዎ ሕጂ ክዝከሮ እንከለኹ ይገርመኒ። ግዜ ንእስነት ኸዓ ካብቲ ናይ ህጻንነት ኮነ ናይ እርጋን ግዜ እቲ ዝኸበረ ናይ ለውጥን ምህዞን እዋን እዩ። ነዚ ስለ ዝተረደአ እዩ ኸዓ ኣባል ጨንፈር ፍራንክፈርት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መንእሰይ ክብሮም ኣብ ኣኼባ ጨንፈሩ "ናይ ጽባሕ ዘይኰናስ፡ ናይ ሎሚ፣ ወረ ናይ ሕጂ ተረከብቲ ሕድሪ ክንከውን ኣለና" ዝበለ። እዚ ኣበሃህላ ነቲ “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ኣበሃህላ ዘዕዝዝ እዩ። እዚ ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ካብ መንእሰይ ክስማዕ ዝግበኦ ኒሕ ኮይኑ፡ ምስዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘለውዎ ናይ “ኣፍ ኣርክቡ” መድረኽ ከዓ መሊሱ ክንህር ዝግበኦ ኣበሃህላ እዩ። ከምቲ ወዲ ሰብ ብመዘንኡ’ዩ ዝመዓድ ዝበሃል ከዓ እዚ መልእኽቲ ካብ መንእሰ ክብሮም ናብ ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲ እዩ’ሞ ሰማዒ እዝንን መስተውዓሊ ሕልናን ኣይስእንን እዩ ዝብል እምነት ኣለና።

መንእሰይ ምስ ኩሉ ውዑይ ጉልበቱን፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባኡን በይኑ ተንጠልጢሉ ዝዋሳእ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝወርስን ነቲ ዝወረሶ ምስ ህልዊ ኩነታት ቃንዩን ኣሕዲሱን ዘተግብርን እዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ መስርሕ፡ ንእስነት ካብኡ እንዳረሓቐት ካልኦት ከተሰልፍ ክትጅምር እንከላ ከዓ ብግዲኡ ዘውርስ እዩ። ስለዚ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ሓደ መድረኽ ወራሲ ዝነበረ ኣብቲ መጻኢ ድማ ኣውራሲ ይኸውን። እቲ ምውርራስ ከዓ መስመሩ ሓልዩ ይቕጽል። እቲ ምውራስ ዘይተርፍ ኮይኑ እቲ ዘሻቕልን ስራሕ ዘድልዮን ናይቲ ተውርሶ ውርሻ ክብደትን ዓይነትን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዝሓልፍ ሕማቕ ገዲፉ ክሓልፍ እንከሎ፡ ነቲ ወራሲ ዝጸንሖ ንሱ እቲ ሕማቕ እዩ። ካብዚ ንምድሓን እዩ እምበኣር ሓደ ሰብ “ንቐጻሊ ወለዶ እንታይ እየ ከውርስ” ኢሉ ክጭነቕ ዘገድዶ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክንመጽእ እንከልና ነዚ ሕጂ ናይ ንእስነት ዋልታ ዓቲሩ ዘሎ ወለዶ ገሊኦም ዕድለኛ ወለዶ እዮም ዝብልዎ። ምኽንያቶም ድማ ድሕሪ ናጻነት ዘውሓሰ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ ጽንዓትን ሓርበኝነትን ኣብነት ዝኾነ ኤርትራዊ ኣውራሲ ወለዶ ስለ ዝመጸን ቀዲሕካ ዘይውዳእ ተመኩሮን ታሪኽን ስለ ዘለዎን። በቲ ካልእ ድማ እዚ ወለዶ ዝተበደለ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ናይ መንእሰይ ባህግታት ኣብ ዝነፍግ ስርዓት ጉጅለ ኢሳይያስ ይነብር ስለ ዘሎ ይብሉ። ክልቲኡ ሚዛናት ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ እቲ ሃብታም ውርሻን ህልዊ ኣጨናቒ ስርዓትን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ መንእሰይ ነቲ ዝወረሶ ሓርበኝነት ዓጢቑ ኣንጻር’ዚ ህልዊ ጨቋኒ ኩነታት ተቢዕካ ካብ ምቅላስ ሓሊፉ ምርጫኡ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ቃልሲ መሪር፡ ሓያልን ዝተሓላለኽን ምዃኑ’ውን ፍሉጥ’ዩ። ምስዚ ኩሉ ምረቱ ግና ናይዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝገሃዱ ናይ መንእሰይ ሓላፍነታት ሓደ ዓይነት ክኾኑ ባህርያዊ ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተዋሰአ መንእሰይ ወለዶ ነቲ ደማዊ ትውልዳዊ ብጽሒቱ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢሉ ክቡር ህይወቱ ሂቡ ኣዕዊትዎ’ዩ። ነዚ ሕጂ ኣብቲ ናይ ንእስነት ደረጃ ዘሎ ኤርትራዊ ትውልዲ ድማ እዚ ንሓልፎ ዘለና ኩነታት ገጢምዎ ኣሎ። ናይ ግድን ድማ ፊትንፊት ክገጥሞ ኣለዎ እምበር፡ ወይ ንድሕሪት ክምለስ ወይ ንቕድሚት ክሓልፍ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝሓለፈ ዋናታት ነይረምዎ። ነቲ ዝመጽእ ከዓ ዋናታት ክህልውዎ እዮም። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ብጸጋታት ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣውራሲ ክጥቀም እዩ ዝግበኦ፡ ነዚ ጸጋታትዚ ምስትንዓቕን ምንእኣስ ንህልዊ ዕማሙ ኣብ ምፍጻም ከዕንቅፎ ስለ ዝኽእል። ህልዊ ሓላፍነቱ እንተተሰናኺሉ ድማ ንቀጻሊ ትውልዲ ዘውርሶ ንኡድ ውርሻ ኣይክህልዎን እዩ።

ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ኣይከውንን እዩ። ናይ ኣበው ናይ ቀዳምነታት ምስራዕ ኣድላይነት ኣድላይነት ኣበሃህላ እዩ። ግድን ሓደ ዕማም ጥራይ ሒዝካ ኣጠርሚምካ ይከየድ’ኳ ተዘይበልና፡ ቀዳምነትካ ምንጻር ግና ናይ ግድነት ኣዳላይ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ መንእሰያትና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን በቲ ሓደ ገጽ፡ ጉዳይ ውልቅኻ ድማ በቲ ካልእ ወገን ክልቲኦም ኣጨነቕቲ እዮም። ካብ ክልቲኦም ነየንኦም ቀዳምነት ሂብካ፡ ካብቲ ጉልበትካ፡ ካብቲ ግዜኻ፡ ኮታ ካብ ኩሉ ጸጋታትካ ዝያዳ ተወፍየሉ ተባዕ ውሳነ ዘድልዮ እዩ። እዚ ብስምዒት ዝውሰን ዘይኮነስ መጽናዕትን ኣርሒቕካ ምጥማትን ዘድልዮ እዩ። እዚ ዕማማት ኣብ ነንሕድሕዱ ሕያል ምጽልላው ኣለዎ። ኣየንኡ እዩ ሓያል ጸላዊ ምርኣይ ከዓ የገድስ። ህዝብን ሃገርን እንተ ኣልዮምን ተርህይዎምን፡ እቲ ውልቃዊ ጉዳይ ኣውን ምስኡ ክርሃዉ ናይ ግድን እዩ። ውልቃዊ ጉዳይ ምፍታሑ ግና ህልውና ህዝብን ሃገርን ኣየውሕስን እዩ። ካብዚ እንተነቒልና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ውልቃዊ ጉዳይ ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ መንእሰይና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከቐድም ትውልዳዊ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ክብሮም "ናይ ጽባሕ ዘይኰናስ፡ ናይ ሎሚ፣ ናይ ሕጂ ተረከብቲ ሕድሪ ክንከውን ኣለና" ዝበሎ ከዓ ካብዚ ኣስተብህሎ ብምንቃል እዩ።

11 መስከረም 2015

Last modified on Friday, 11 September 2015 23:04