ኣብ ክንዲ “ንሕናን ንስኻትኩምን፡ ንሕና” እንተንብል

2015-09-23 22:11:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3065 times

ኤርትራ ብብዝሒ ስመን ካብ ዝለዓል ሃገራት ሓንቲ ካብ እትኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ክወሃባ ዝጸንሐን ዘሎን ተወሳኺ ቅጽላት በብግዜኡ ዝቀያየር እዩ። ንሓንሳብ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ወጽዓ። ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዓዲ ሓርበኝነትን ንመሰሉ ኩሉ ዋጋ ክኸፍ ድንብርጽ ዘይብሎ ኣብነታዊ ህዝብን። ሎሚ ድማ ዓዲ ወጽዓ፡ ፍትሒ ኣልቦ፡ ስደትን ሕሰምን ትበሃል ኣላ። ኤርትራውያን በቲ ገሊኡ ቅጽላት ይሕበኑን ይኾርዑን በቲ ገሊኡ ድማ ይሓፍሩን ይሽቑረሩን።

ሃገርና እዚ ዝተገልጸ ቅጽላት ክውህብዋ ዝጸንሑን ዘለዉን ቀንዲ ደቃ ማለት ዜጋታታ ባዕሎም እዮም። እዚ ማለት ግና ከባብያውን ግዳማውን ጽልዋታት እውን ግደ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። እነሆ ሕጂ እውን ናይ ደቃ ወሳኒ ግደን ናይ ግዳም ሓይልታት ጽልዋን ኣብ በቦታኦም ኣለዉ። ጉዳይ መጻኢት ኤርትራ ናይ ምውሳን ወሳኒ ግደ ግና ኣብ ኢድ ደቃ’ዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋንዚ ሓላፍነት ኤርትራውያን ካብ ናይ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝኸበደን ዝጸንከረን ደረጃ እዩ ይርከብ። እዚ ማለት ግና ቅድሚ ሕጂ ኤርትራ እዚ ሒዛቶ ዘላ መልክዕን ልኡላውነትን ክትሕዝ ዜጋታታ ዝኸፈልዎ ዋጋ ቀሊል ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ኤርትራውያን ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ክኢሎም ክሰዓር ዘይመስል ዝነበረ ስዒሮም እዮም ኣብዚ በጺሖም። እንተኾነ ሎሚ እውን ዘይከኣልን ዘይሰዓርን ዝመስል ግና ዝከኣል ብደሆታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተገቲሩ ኣሎ። ኣብዚ ዘለናሉ ምዕራፍ ቃልሲ እቲ ቀንዲ ብደሆ ህዝቢ ኤርትራ ምስዓርን ምውጋድን ወጻዒ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኸውን እንከሎ፡ ካለኦት በቲ ኢሳይያስ ክኸፍቶ ሒዅ ዝብሎ ዘሎ ዘይቅዱስ ሃጓፍ ከይኣትዉ እሞ ጉዳይና ካብ ኢድና ከይወጽእ ክንጥንቀቕን ምስ ግዜን ምዕብልናታቱን ክንጉዓዝን ከድልየና እዩ።

“ኣቲ ኤትራውያን ክዕወቱን ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ክኽእሉን እንከለዉ ቀንዲ ዓቕሞም ካብምንታይ ይፍልፍል ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣገዳስን መሰረታውን እዩ። ብዙሓት ወገናት፡ ንጅግንነት፡ ንትብዓት፡ ቆራጽነትን ተጸዋርነትን … ከም መልሲ ናይ’ዚ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ሕቶ ከም ዘቕርብዎ ፍሉጥ እዩ። ሓቂ እዩ እዞም ዝተጠቕሱ ቅጽላት ንህዝቢ ኤርትራ ኣይግብእዎን ማለት ኣይኮነን። እቲ መሰረታዊ መልሲ ናይዚ ሕቶ ግና፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ተዓዋትነት ምስጢር “ኣብ ክንዲ ንሕናን ንኻትኩምን ንሕና” በሃልነቱ እዩ። ማለት ሳላ መሰረታዊ ንዘይኮኑ ፍልልያት ኣመሓዲሩ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ምስርዑ እዩ ተዓዊቱ። እቲ “ሓድነት ሓይሊ’ዩ” ዝብል ኣምር ሓቅነቱ ካብ ዝተራእየሉ ተመኩሮታት ሓደ ተመኩሮና እዩ ትዝበሃል’ውን ምግናን ኣይመኾነን።

ከምቲ ዘይንስሕቶ ጉዳያት ብተጻራሪ እዮም ዝቖሙ። ደጋፊ ክህሉ እንከሎ ተቓዋሚ ኣሎ። ሰዓራይ ክህሉ እንከሎ ድማ ተሰዓራይ። ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ እውን በዚ እዩ ዝግለጽ። እዚ ሎሚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ’ውን ካብዚ ሕጊ’ዚ ወጻኢ ኣይኮነን። ክልተ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ ዝጋጠምሉ ነፍሲ ወከፎም ተዓዋቲ ንክኾኑ፡ ቀንዲ ሃሰስ ኢሎም ክርኽብዎ ዝደልዩ ናይቲ ኣንጻሮም ሓያል ጐድኒ እዩ። ንዓኡ ኣዳኺሞም ምእንቲ ክስዕርዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ሓያልነት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘይንቕነቕ ሓድነቱ ዝነቅል ስለ ዝነበረን ዝኾነን ነዚ ሓያል ጐድኑ ንምድኻን ብኣኡ ኣቢልካ ንምንብርካኹን ብጸላእቱ ዘይተፈንቀለ እምኒ ኣይነበረን። ትልሚ “ቆላማን ደጋማን” ናይዚ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ሳላ ኣብዚ ዛዕባዚ ብዘብለጭልጩ ተስፋታት ዘይተዓሸወ ተዓዊቱ።

እቲ ናይ ሓደ ህዝቢ ሓድነት ንምድኻም ዝምረጽ ስልቲ ብምርጫ ናይቶም ጸረ ሓድነት ዝውሰን ኮይኑ፡ ናይቲ ዒላማ ዝግበር ህዝቢ ኣከዋውና እውን ኣብ ግምት ይኣትው’ዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ንሃይማኖትን ጀኦግራፍያዊ ኣቐማምጣን ብዙሓት ወገናት ከም ናይ ሓድነት ህዝቢ መበተኒ ስልቲ ክጥቀምሉ ፈቲኖም እዮም። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዝሕነቱ መመልክዒኡን መፈልፈሊ ሓይሉን እምበር መፈላለይኡ ክገብሮ አርትግ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ እነሆ ኣብዚ ዘለናዮ ሉኣላውነት በጺሕና። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዝግበር ልሙስ ፈተነን ኣንጻርዚ ምብትታን ዝግበር ሓያል መኸተን ከዓ ሎሚ’ውን ኣብ መድረኽ ቃልሲ ህያው እነሀዉ። እቶም ተዋሳእቲ ግና ክቀያየሩ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መድረኽ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ኣተፋኒኖም ግዳይ ክገብርዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ባዕዳውያን ሓይልታት ክነብሩ እንከለዉ። ሎሚ ከዓ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ፈላላይ ተግባር ወሪስዎ ኣሎ። እዚ ጉጅለ ወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኢልናዮ ስለ ዘለና፡ ተመሊስና ምእንቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክግደስ ኣይንጽበዮን ኢና። መን ንሓድነት ናይቲ ድሂኹ ክገዝኦ ዝደሊ ህዝቢ ምስ ተገደሰ። እቲ ንክቅበሎ ዘጸግመና ነዚ ጉጅለ ኣወጊዱ ራህዋ ከምጽእ ዝቃለስ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከም ናይ ቃልሲ ሓልነቱ ክከላኸልን ክሕሉን ተዘይበቒዑ እዩ።

“እዚ ንርእዮ ዘለና ጉዳይ ኤርትራስ ብኸመይ እዩ ክፍታሕ?” እዚ ሕቶ ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ዘዝራኸብሉ ኣጋጣሚ ከም መኽፈቲ ኣፍ ዝለዓል ናይ ሻቕሎት ሕቶ እዩ። ገሊኡ “እንድዒ እንታይ ፈሊጥና” ኢሉ ይምልስ። “ክላእ እዚ ጉዳይና መፍትሒ የብሉን” ብዝብል ተስፋ ዝቖርጹ እውን ኣለዉ። “ ሽግር ካብ ሃለወ መፍትሒ እውን ክህሉ ግድን እዩ። ጸገምና እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ ነቲ መፍትሒ ክንረኽቦ ስለ ዘይከልና ኢና ንጽገም ዘለና” ዝብል ድማ ካልእ መልሲ እዩ። ብዘይካዚ “እቲ ጸገም ጉዳይ ኤርትራ መፍትሒ ዘየብሉ ኣይኮነን። መፍትሒኡስ ኮለል ኢሉ ዝረአን ብተመኩሮ ዝተመስከረሉን እዩ። ጸገምና ነቲ ኣብዚ ኣለኹ ኢሉ ዝጣራዕ ዘሎ መፍትሒ ተቐቢልካ ክትትግብሮ ቅሩብ ዘይምዃን እዩ” ዝብል ተስፋ ዘይቆረጸ ከዓ ናይ ብዙሓት መልሲ ነቲ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። እዞም ትስፉዋት መልሲ ዝብልዎ ድማ ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ምድሓን ህዝብን ኣብ ክንዲ ዝፈላልየካ መንደቕ ምስራሕ ዘራኽበካ ድንድል ሃኒጽካ፡ ኣብ ክንዲ “ንሕናን ንስኻትኩም ንሕና እንተንብል” ዝብል እምነት ምኽታልን ምትግባርን ጥራይ’ዩ ዝብል እዩ። እዚ ድማ “ለካስ ገላቢጥካ ተረኻዮ ጉዳይና ፈታሒ እምበር መፍትሒ ኣይኮነን ስኢኑ ዘሎ” ዘብል እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃሰስ እንተበልና ከዓ ኣብ 1.1.2 “….. ሰደህኤ ኤርትራ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ሃገር ንኽትከውን፡ ንናይ ሓድነት ባህልን ሓርበኛነትን ጸጋ ብምልላይ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነትን ንምዕቃብ ይጽዕር።” ዝብል ዓንቀጽ ነንብብ።

23 መስከረም 2015

Last modified on Thursday, 24 September 2015 00:13