
ሰዲህኤ፡ ብትብዓት ሰልፉ የሕድስ፡ መሪሕነት ቀይሩ ሃገራዊ ሓድነት ይዕቅብ
Sunday, 25 August 2019 09:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክረአ ዝጸንሐ ዘሕዝን ባህሊ፡ መራሕቲ ባእታታት ኣብ ግዜኡ ብዘይጸገም ስልጣን ክትለቁ ፈቓደኛታት ዘይምዃን እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይዚ ሕማቕ ተግባር ኣብነት እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ እዚ ዲክታቶር፡ ካብቲ ብ1971 ውድብ ዝመስረተሉን ደሓር ካብ 1991 ብኢደ ወነኑ ናብ ስልጣን ዝደየበሉን ወሲኽካ፡ ን48 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ኣሎ።
ንሰዲህኤ ብዝምልከት ግና፡ ብፍሉይነት ዝረአ፡ ነዚ ምስ ምብሓት ስልጣን ዝተሓሓዝ ሕማቕ ባህሊ ኣብ ምቕያር ኣብነታዊ እዩዶ ኣይበሃልን? እስኪከ ነዚ ብዝምልከት ተስፋ ዝህብ ውሑድ ኣብነታት ንርአ፡
ዕድመ ሰዲህኤ 10 ዓምታት በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ሓጺር ናይ 10 ዓመታት ግዜ፡ እዚ ሰልፊ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመርጸ ሓድሽ ወሲኽካ፡ 4 ኣቦመንበራት ቀይሩ። ኣስማቶም ምስቲ ኣሳእሎም ተጠቒሱ ኣሎ።
ብመትከል፡ ቅዋም ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቦመንበር ክመርጽ እዩ ዘፍቅድ። ነቲ ዝጸንሐ ኣቦመንበር ዳግማይ ክመርጾ እቲ ቅዋም ይፈቅድ እዩ። እቶም ዝተረፉ 8 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ እውን ኣብ ዓመት እዮም ብማእከላይ ባይቶ ዝምረጹ። ማእከላይ ባይቶ ካብቶም ዝጸንሑ ኣባላት ፈጻሚ ዳግማይ ክመርጽ ሕጋዊ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደ ባእታ፡ ኣብ መንጎ ጉባአታት ንክልተ ክፍለ ግዜ (ተርም) ኣቦመንበር ኮይኑ ምስ መረሐ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንኣቦመንበርነት ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ኣቦመንበር ኣብ ዓመታዊ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ እንዳተመርጸ ዝለዓለ ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓሉ ግዜ 8 ዓመታት እዩ።
ሓድሽ መሪሕነት ሰዲህኤ
ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ቪስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ እውን ነዚ ተባዕ ሰልፍን መሪሕነትን ናይ ምሕዳስ ባህሊ ቀጺልዎ እዩ።
ኣብዚ ሓድሽ ናይ ሰዲህኤ ፈጻሚ ሽማግለ፡ እቲ 6 ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብሓደስቲ እዩ ተታሒዙ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ነቲ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሰክረተር ሰልፊ ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት ሓድሽ እዩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት እንተኾነ እውን ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ።
ቅዋም ሰዲህኤ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመርጸ ኣቦመንበር፡ ዝርዝር ሕጹያት ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክቕርብ እሞ፡ ድሕሪኡ ማእከላይ ባይቶ ንነፍሲ ወከፎም ከድምጽ እዩ ዝእዝዝ። እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ንክመርሕ ብጉባአ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣቦመንበር ዝቐረበሉ ሕጹይ ነጺጉ ኣብ ክንድኡ ናቱ ሕጹይ ከቕርብ መሰል ኣለዎ።
ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 35 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ኣባላትን 5 ናይ ምድማጽ መሰል ዘየብሎም ተጠባበቕትን ኣለዉዎ። እቶም ተጠባበቕቲ ዋላ’ኳ እንተዘየድመጹ ኣብ ኣኼባን ካልእ ንጥፈታት መሪሕነትን ዝሳተፉ እዮም። ካብዞም 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን እቶም 19 ሓደስቲ እዮም።
ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ትሑት እንተኾነ፡ ብዙሕነት ኣብ ጉባአታት ሰዲህኤ ዝለዓለ ቆላሕታ እዩ ዝወሃቦ። ንኣብነት ኣብዚ ሓድነታዊ ጉባአ 14 ደቂ ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ነይረን። ካብኣተን 8 ኣብ መሪሕነት ተመሪጸን።
ሰዲህኤንሓጻይት ሽማግለኣኡን
ሰዲህኤ ካብቲ ዝተመስረተሉ ቅድሚ 10 ዓመታት ንነጀው፡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ንመሪሕነት ይበቅዕ እዩ ኢሎም ዝኣመንሉ ሕጹይ ናብ ጉባአ ከቕርቡ ብዘሳትፍ ሓጻዪ ሽማግለ መዚዙ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣቦመንበር ሓጻዪ ሽማግለ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብጻይ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ኣብቲ መስርሕ 29 ጨናፍርን 8 ኣብ በበይኑ ከባብታት ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ምሕጻይ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተሳተፉ ሓቢሩ። ጉባአ ንዝወሰኾም 4 ሓዊስካ ንምርጫ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ሕጹያት 58 ነይሮም። ጉባአ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝመረጸ ከኣ ካብዞም 58 ሕጹያት እዩ።
እዚ ሓድነታዊ ጉባአ ሓላፍነት ሓጻዪ ሽማግለ ክብ ኣቢሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዞባታትን ጨናፍርን ወሲኽካ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ፡ ክትግበር ወሲኑ። ሓጸይቲ ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናብ ምርጫ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ሕጹያት ከቕርባ እየን። እዚ ምዕቡል ኣቀራርባ ሕጹያት፡ ኣብ ጉባአ ሰልፍታት ኣብ ዞባ ስካንድንቪያን ካለኦት ሃገራትን ብዕዉት ዝዝውተር እዩ።
እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ናይ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት እዩ
===============
ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
- ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ
- ብርሃነ ደበሱ ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን
- መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት
- ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና
- ሃብተሚካኤል ተኽለ (ዶ/ር) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት
- ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት
- ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሰክረተር ሰልፊ
- ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ
- ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ብመስርዕ ፊደል ላቲን)
- ዓብዱ ሓሰን
- ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል
- ኣክሊሉ ግርማይ (ዶ/ር).
- ኣልጋነሽ ይስሃቅ
- ኣማኑኤል በራኺ
- ኣስገደት ምሕረተኣብ
- ኣሰፋው በርሀ
- ድራር መንታይ
- ኤርትራ ኣልኣዛር
- ፈቨን ጊደዎን
- ገባር ዑቕበ
- ገብረህይወት መለስ
- ግርማይ ክፍለ
- ሃይለ ወልደሚካኤል
- እድሪስ እስማዒል
- መድሃኔ ህብትዝጊ
- ነጋሲ ሓምደ
- ንጉሰ ጸጋይ
- ረዘነ ተስፋጼን
- ተኽለብርሃን ሃይለ
- ተስፋጋብር ወልደጊዮርግስ
- ትዕበ ተኪኤ
- ጸጋይ ተስፋይ
- ትኩእ ተስፋይ
- ወልደየሱስ ዓማር
- ጸሃየ ኣርኣያ
ተጠባበቕቲ ኣባላት መሪሕነት
- መዓሾ ሰለሙን
- ሑመድ መሓመድ ኣሕመድ
- ተስፋማርያም ክብረኣብ
- ገነት ሃብተገርግስ ወልዱ
- ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)
EPDP: Fearless of Party Renewal, Changes In Leadership & Defense of National Unity
Saturday, 24 August 2019 20:54 Written by EPDP Information OfficeOne of the worrisome and deeply entrenched bad habits and practices in Eritrean political landscape since a long time is the resistance of leading figures to leave office on time and without a problem. The Eritrean dictator, Isaias Afeworki, is one such bad example. As we all know, he has been in topmost position of power for 48 years since he created a political organization in 1971 that he always controlled, including during his unchallenged stay in power since 1991.
But can’t one say that the EPDP has already become an exception - a good example in changing that bad habit? Let us cite a few promising examples below.
The EPDP is now 10 years old. Within this short 10-year period, the party has managed to change four chairmen, including the recently elected one. Their names are shown in the caption to their pictures below.
In principle, the EPDP Constitution allows the Central Council to elect or re-elect party chairperson at every regular meeting which is held annually. The rest of the eight executive committee members are also elected or re-elected every year by the Central Council. This means that the Council can change, if it so wishes, party chairperson every year. On top of this, no one person can be allowed to be a candidate for party chair if he/she has already served two terms between congresses - that is, a maximum service of 8 years after being subjected to every-year scrutiny and re-election.
The New EPDP Leadership
The 3rd and Unity Congress that was held in July-August 2019 in Wiesbaden, Germany, has continued this tradition of fearlessness to renew the party and its leadership at all levels.
In the new EPDP Executive Committee, six of the nine posts are now occupied by new holders. As noted earlier, the party chairman is new to the post; the head of foreign relations is new; the party secretary is new; the head of financial affairs is new; the head of youth affairs is new, and even the head of organizational affairs is new to the post!!
The Constitution allows a newly elected chairman to submit his candidates for each executive office and each person is voted by the Central Council separately. The Council, which itself is elected at congresses for a four-year term, can drop anyone of the chairperson’s candidates and can bring its own.
The new EPDP Central Council consists of 35 voting members and five non-voting reserve members who, however, have all the right to participate in leadership meetings and activities. Of these newly- elected 35+5 Council members, 19 are new, including the partners in the unity process.
Diversity is one of the primary efforts focused at EPDP congresses although the success has been slow. For instance, the recent unity congress was attended 14 women delegates of whom 8 were elected to the leadership.
EPDP and Its Nominating Committee:
At least since its founding ten years back, the EPDP has the method of designating a Nomination Committee which strives to have the participation of all party members in selecting those who can be preseted as leadership candidates in party congresses. As the chairman of this body for the 3rd and Unity Congress, Gherezghiher Tewolde reported, 29 branches and 8 individuals at isloated locations actively participated in nominating CC candidates. The final count of candidates, including four added by the Congress itself, was 58. It was on this list approved by all members of both uniting sides that the Unity Congress voted and elected the 35 CC members and five reserve members.
The Unityf Congress also expanded and upgraded the mandate of the Nominating Committees of the future to be active at all party structures, including zons and branches. The Nominating Committees shall have the power of presenting final list of candidates to party leadership at all levels, both for the legislative and executive branches. This advanced method of nominating candidates for leadership has been successfully used at party congresses in the Scandinavian region and other countries.
Printed below are the names of EPDP leadership members elected at the 3rd and Unity Congress in 2019:
===============
The New Executive Committee:
- Tesfai Woldemichael (Degiga), Party Chairman
- Berhane Debessu, Vice-Chairman and Head of Foreign Office
- Menghesteab Asmerom, Head of Organizational Office
- Debessai Beyene, Head of Information Office
- Habtemichael Tekle/Dr, Head of Financial Affairs
- Fessehaye Hagos, Head of Social Affairs
- Kiflezghi Ghebremedhin, Party Secretary
- Adiam Teferra/ Ms, Head of Women's Affairs
- Yassin Ibrahim Neberai, Head of Youth Affairs.
Members of the EPDP Central Council, in alphabetical order, are:
- Abdu Hassen
- Adiam Haile Rufael
- Aklilu Ghirmai/Dr.
- Alganesh Isaac
- Amanuel Beraki
- Asghedet Mehreteab
- Assefaw Berhe
- Dirar Mantai
- Eritrea Alazar
- Feven Ghideon
- Ghebar Oqbe
- Ghebrehiwet Meles
- Ghirmai Kifle
- Haile Woldemichael
- Idris Ismael
- Medhanie Habtezghi
- Negasi Hamde
- Neguse Tseggai
- Rezene Tesfazion
- Tekleberhan Haile
- Tesfagaber Woldegiorghis
- Tiebe Tekie
- Tseggai Tesfai
- Tuku Tesfai
- Woldesus Ammar
- Zehaye Araya
Reserve Members
- Maasho Solomon
- Humed Mohammed Ahmed
- Tesfamariam Kibreab
- Ghenet Habtegergis
- Ghirmai G.Temesgen.
ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዋዕል ንቕሎ ኣዴታት
Saturday, 24 August 2019 01:33 Written by መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤክቡራት መራሕቲ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት
ክቡራት ኣዳለውቲ ዋዕላ ኣዴታት ኣብ ፍራንክፈርት
ክቡራትን ክቡራንን መራሕቲ ፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ ብሓበራ
ኣቐዲመ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዝተገብረልና ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ እናገለጽኩ፡ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ናይ ምድምማጽን ሕድሕድ ምርድዳእን መንፈስ ዝሰፈኖን ነቲ በብኣንፉ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጥርናፍ ምቅንስቓሳት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምብጻሕ ደራኺ ግደ ዝጻወትን ክኸውን እትስፎ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ዝርከብዎ ዋዕላ ተኻይዱ፡ በቲ ንዅልና ዘሰማምዕ ከም ምሕላው ልዑላውነት፡ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ኤርትራን ምቛም ብግዝኣተ-ሕግን ብቕዋምን ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝብሉ መሰረታውያን ነጥብታት ተሰማሚዕና ብልፍንቲ ተዋሃሂድና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንሰርሕ ከምዝግብኣና ይኣምን። ካብ’ዚ ሓሊፉ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድባት ብፕርግራም ይኹን ብተግባር ፍልልይ ከምዘይብሎም እንተደኣ ኣሚኖም ክጸናበሩን ሓደ ውድብ ወይ ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ከምዝኽእሉ ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተጸውዐ ዋዕላታት ተሳቲፉ። ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ድማ፡ ተዋሃሂዱ ንምስራሕ ክዋሳእ ጸኒሑ። ሰዲህኤ፡ ኣብ ዋዕላ መድረኽ ኣብ ናይሮቢ፡ ኣብ ዋዕላ ኣትላንታ፡ ኣብ ዋዕላ ሚኒሶታ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ኣብ ፍራንክፈርት ብክብ ዝበለ ደረጃ ምስታፉ መርኣያ ናይ’ቲ ሓቢርካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ ዘለዎ ድሌትን ባህግን ኢዩ።
ኣብ’ቲ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ማለት ካብ 22 ክሳብ 23 ሰነ 2019 ብመስተንግዶ መኣዲ ዘተ ናይ ተምፖ-ኣፍሪክ ኣብ ሚኒሶታ እተገብረ ዋዕላ ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ይመስል።
1. ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓርን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፣ ጻዕርታትና ክነወሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን፤
2. ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓታት ሕድሕድና ንምትሕግጋዝ ኣወንታዊ ተግባራዊ ስጉምታት ክንወስድ፤
3. ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትና ክነዋሃህድን ሓባራዊ ጽዕርታት ክነካይድን፤
4. ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራን) ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ፣ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ፣ ኣብ ሕድሕድና ብምውህሃድ ወይ ብልፍንቲ ስሙር ኤርትራዊ ተቓውሞ ንምፍጣር ክንሰርሕ፤
5. ሰናይ ጉርብትና ምስ ኩሎም ጎሮባብቲ ኤርትራ ንድግፍ፣ ይኹን እምበር፣ እዚ ሞራላዊን ሕጋውን ቅቡልነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ወይ ኣካላት ዝኣትዎም ኩሎም ውዑላት ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነት ስለ ዝግህሱ ብትሪ ንኹንን፤
6. ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ አካል ጭቁን ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኖም እምነትና ብምዃኑ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱን ንጽውዕ፤
7. ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ምስግጋር ከቢድን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ፣ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓባራዊ መሰጋገሪ ቻርተር ንምስንዳእን ንምትግባርን ብዕቱብ ክንሰርሕ ተሰማሚዕና፤
8. ነዚ ስምምዕ ናይ ዝኸተሙ ኣካላት ወከልቲ ዝሳተፍዎ ናይ ትግባረ ፎረም ንምቛም ተሰማሚዕና፤ ከምኡውን
9. ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቕበሉን ኣብ ናይ ትግባረ ፎረም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን ብኽብሪ ንዕድም።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2019፡ ኣብ ቪዝ ባደን፡ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፡ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ሰሚሮም ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ከምዝበቕዑ ከበስር ከለኹ ደስ ይብለኒ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንምምስራት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዕቱብ ልዝብ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም ድማ ባህግን ድሌትን ክልቲኡ ውድባት ምዃኑ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ ምስ’ቲ 4 ውድባት ዘቖምዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ብልፍንቲ ንምስራሕ ኣፈናዊ ልዝብ ጀሚርና ኣሎና።
ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰዲህኤ፡ ከምተዓዛቢ ተኻፊሉ። ኣብ ቪዝባደን ኣብ ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ድማ ኤሃባደለ ከም ተዓባዚ ተኻፊሉ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝላዘብን ንዕርቂ ዝሰርሕን ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ከምዝቖመን፡ ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ዶር መሓመድ በሺር፡ ንሰልፍና ክራኸብ ቅሩብነቱ ዝገልጽ መልእኽቲ ድሮ ሰዲዱልናስ፡ ንሕና እውን ድሕሪ ምዝዛም ጕባኤና ክንራኸብ ቅሩባት ምህላውና መሊስናሉ ኣሎና።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ኣብ ትሕቲ “ይኣክል” ዝብል መርሆ ተላዓዒሉ ዘሎ ንስርዓት ኢሳያስ ዘርዓደን ዘጃጀወን ህዝባዊ ምልዕዓል ሰዲህኤ ደጋፊኡ ምዃኑ እናገለጸ፡ ካብኡ ዝጥለብ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ከወፊ ድልዊ ምህላዉ ክረጋግጸልኩም እፈቱ።
ኣብ መደምደምታ፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምጥርናፋትን ተማላላእትን ተደጋገፍትን ደኣ’ምበር መቓናቕንቲ ሕድሕድ ከምዘይኰኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። ስለዝዀኑ ድማ ተረዳዲኦምን ተደጋጊፎምን ክሰርሑ ንጽውዕ። ዕላማና፡ ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝለዓል ብምግባር ስርዓት ኢሳያስ ኣዉዲቕካ ስልጣን ንዋንኡ ዝዀነ ህዝቢ ምርካብ ኢዩ።
ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!!!
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
23-25 ነሓሰ 2019 ፍራንክፈርት
ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ሱዳናውያን፡ ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋግር ኩነታት ስለ ዝፈጠሩ ዮሃና ኢሉ
Tuesday, 20 August 2019 23:04 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ሱዳን ኣብ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ተስፋ ዝህብ ስምምዕ ስለ ዝበጸሐት ሓጐሱ ገሊጹ፡
ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ19 ነሃሰ 2019 ናብ ህዝቢ ሱዳን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሕውነታዊ መልእኽቲ፡ ሱዳናውያን ብሰላማዊ ኣገባብ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዘሰጋግር ተስፋ ዝህብ ስምምዕ ብምብጸሖም ወሰን ዘየብሉ ሓጐስ ከም እተሰመዖ ገሊጹ።
እቲ ብኣቦመንበር ሰዲህኤ ናብ ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ቡርሃን ሓላፊ ወተሃደራዊ ባይቶን ኣቶ ኣሕመድ ኣል-ራቢ ወኪልን ፈራምን ብስም ምሕዝነት ሲቪላውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ሕውነታዊ መልእኽቲ፡ ክልቲኦም ሱዳናውያን ዝበጽሕዎ ስምምዕ ታሪኻውን ኣብነታውን ምዃኑ ገሊጹ። ኣስዒቡ ከኣ እዚ ሱዳናውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ስምምዕ፡ ኤርትራውያንን ካለኦት ኣዕሩኽ ሱዳንን ነንገዛእ ርእሶም ዝብህግዎ እዩ ኢሉ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ መልእኽቱ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝባዊ ውክልና ዘይብሉ ጨቋኒ ስርዓት ደገፍቲ ከም ዝነበሩ ኣይሓበአን። ኣስዒቡ እዛ ሓዳስ ሱዳን ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዝምድና ኣፍደገ ክትከፍትን፡ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጐረቤቱ ለውጢ ንምምጻእ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክተሓጋገዝ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ንኡድ ኣስተዋጸኦ ኣበርኪተን እየን
EPDP Chairman Congratulates Sudan for Finding Formula to Democratic Transition
Tuesday, 20 August 2019 11:30 Written by EPDP Information OfficeMr. Tesfai Woldemichael (Degiga), the newly elected chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), on 19 August sent a congratulatory message to the people of fraternal Sudan expressing “boundless joy and hope” of many Eritreans for Sudan’s success in reaching “a promising deal for a smooth transition to democratic governance.”
EPDP Chairman Congratulates Sudan in reaching a promising deal for democratic transion
Addressed to General Abdel-Fattah A. Burhan, head of the military council, and Mr. Ahmed al-Rabie, the representative and signatory of the agreement on behalf of the civilian coalition for democracy and change, the message emphatically stated that the agreement reached between the two sides in the Sudan is “both historic and exemplary pact that many friends of the Sudan, including Eritreans, aspire to have for their own peoples.”
The EPDP Chairman did not hide the fact that Sudanese authorities in the past were mostly on the side of the unrepresentative regime in Asmara but that he now hopes that the New Sudan “will open its doors for us in the opposition - “the other Eritrean- and discuss how the Sudanese people can help change the situation also in neighboring Eritrea.”
Reprinted below is the full message of the EPDP Chair to the Sudanese people and government.
======
To:
H.E. General Abdel -Fattah Abdelrahman Burhan, Head of Military Council,
Khartoum, the Sudan;
To:
Mr. Ahmed al-Rabie, Representative of the Alliance of Civilian Forces for Freedom and Change, Khartoum Sudan
Dear Sirs,
On behalf of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) in exile and all its friends and sympathizers at home and in diaspora, I am deeply pleased to convey to you and through you to the people of fraternal Sudan the heartfelt congratulations for your joint success to reach a promising deal for a smooth transition to democratic governance in your country.
Believe me, Sirs, we in the EPDP, a mainstream Eritrean party struggling for a similar democratic transition in our country, and other pro-democracy Eritreans everywhere, are today sharing the boundless joy and hope being expressed by our brothers and sisters in the Sudan. We have been keenly and anxiously following the developments in the Sudan since the very start of the People Power movement which is now being crowned with success.
Your Excellency General Burhan and Brother Ahmed al Rabie,
The document for the transition agreement that you signed on 17 August 2019 is both historic and an exemplary pact that many friends of the Sudan, including Eritreans, aspire to have for their own peoples.
Yet, we also wish to call on all friends in the Sudan to work hard in the years to come in order to guarantee a long lasting success of this hard-won victory, because, as they say, the devil could always be in the detail. In the meantime, we remain trustful that, after so many ups and downs, democracy and the rule of law in the Sudan will finally be a reality.
Dear Sirs,
We in the EPDP have been trying to reach the former authorities in the Sudan through a chain of memoranda addressed to the Foreign Ministry, the Head of State and through Sudan’s Permanent Mission in the UN, but to avail. As you can consult their archives, no responses were made to our earnest appeals to understand the sad situation inside Eritrea and the endless suffering of Eritreans in forced exile. Although this is not the occasion to dwell on this issue, Sirs, we sincerely hope that the new Sudan will open its doors for us in the opposition - “the other Eritreans” - and discuss how the Sudanese people can help change the situation also in neighboring Eritrea.
Respectfully yours,
Tesfai Woldemichael (Degiga), Chairman
The Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) in exile - August 19, 2019
ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡ ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ብምእታው፡ መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት የቀላጥፍ ኣሎ። ብናይ ሰልፊ ቅዋም መሰረት፡ መስርሕ ምርኻኻብ ሓላፍነት ኣብ መንጉ’ቲ ዝነበረን ሓድሽ ዝተመርጸን መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ እዩ ዝትግበር። በዚ መሰረት እቲ ብ2 ነሃሰ 2019 ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማገል ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ንምምዛንን ቀጻሊ ስረሓት ንምትላምን ብኣቦመንበሩ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ተመሪሑ፡ ብ18 ነሃሰ 2019 ናይ መጀመርያ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምምሕዳር ኣቚሙ፡ ብዛዕባ ምድላው ዓመታዊ ትልሚ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት፡ ምጽፋፍን ምዝርጋሕን ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ ዝኣመሰሉን ዛዕባታትን ተመያይጡ ውሳነታት ወሲኑ። በቲ ዝገምገሞ መሰረት መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም ዝፍጻም ኣረጋጊጹ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ፡ ብመሰረት ውሳነ ጉባአ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ኣቐዲሙ ተጀሚሩ ኣብ መስርሕ ዘሎ ብምቕጻልን ካልእ ተበግሶ ብምውሳድን፡ ምስ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ዘስርሕ ጽላል ምፍጣር ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝትግበር ኣቕጣጫ ቀይሱ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዝተፈላለዩ ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ውጽኢት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምግላጽን ካልእ ህልዊ ኤርትራዊ ዛዕባታት ንምድህሳስን ምስ መደበር ተለቪዥን ኣሰና ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት ኣገደስቲ ምንባሮም መዚኑ። ጌና ክሳብ ሕጂ ዘይተዘርግሑ ተመሳሰልቲ መደባት ከም ዘለዉ’ውን ተገንዚቡ። ካብቶም ነቲ ቃለ-መሓትት ዘካየዱ፡ ብጾት ኣባላት መሪሕነት፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ክፍለዝጊ ገ/መድህን፡ ብርሃነ ደበሱ፡ ኣድያም ተፈራን ወልደየሱስ ዓማርን ይርከብዎም። ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ሰፋሕቲ ቃለ-መሓትታት ናይ ምክያድ መደባት ከም ዘሎን፡ ከም ኣካል ናይዚ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብ19 ነሃሰ 2019 ምስ ኣብ መልበርን ኣወስትራልያ ዝመደበራ “ኣገልግሎት ድምጺ ኤርትራ” ብዛዕባ መስርሕን ውጽኢትን ጉባአ ሰዲህኤን ከባብያውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ዘተኮረ ቀጥታዊ ቃለ-ምሓትት ኣካይዱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ፡ ብጸይቲ ፈቨን ጊደዎውን ምስ ብጾት፡ ሃይለ ወልደሚካኤል፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ፡ ገረዝጊሄር ተወልደን ኣድያም ተፈራን ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ፡ ኣብ ፈይስቡክ ዝዘርገሓቶ ውጽኢት ጉባአ ኣብ ምቅላሕ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኡ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ንምምጻእ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተስመዖ ሓጎስ ንምግላጽ ናብ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ናይ ዮሃና መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብኣመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ብኣባልነት ዝነበርዎ ልኡኽ ሰልፊ፡ ብ17 ነሃሰ 2019 ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ።
ስዉእ ተጋዳላይ ሲራክ ዘመንፈስ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሎሚ ንግሆ ዕለት 13 ነሓሰ 2019 ዓ.ም ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስዉእ ሲራክ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ንሃገራዊ ናጽነት ተቓሊሱ። ተሓኤ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ከም መምህር ኰይኑ ኣብ ፖርት ሱዳንን ኣብ ካርቱምን ዝርከብ ናይ ኤርትራውያን ቤት ትምህርቲ ኣገልጊሉ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ(ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ክህቦም እናተመነየ፤ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
13 ነሓሰ 2019
Young EPDP CC Member Adiam Addresses Main Festival Panel
Monday, 12 August 2019 08:03 Written by EPDP Information OfficeMs Adiam Haile Rufael from the USA, one of the youngest newly elected Central Council members of the unified EPDP, stressed in her address at the main Festival Panel in Frankfurt on 3 August 2019 that hadnet /unity in the opposition camp and wudeba/organized action are the sure pathways to speedy victory against the repressive regime in Eritrea.
Speaking in English, interspersed with her favourite phrases in Tigrigna, young Adiam drew the attention of the festival audience by calling for a fast and renewed action for change based on knowledge and self criticism. She added: “to be fair, all blame cannot be laid on the regime [in Asmara]; we must own our faults as well.” Unmistakably, she was referring to the unending bickering among all justice seekers, old and new.
Further emphasizing her call for unity and the importance of belonging to or building one’s own strong organization, Ms Adiam Haile said: “We are fighting against an organized political regime that has been able to stay in existence for so long due to our lack of doing what we have begun to do at this Congress together - [unity].”
She criticized some of her generation members who still believe that they should not join organizations led by “the old generation.” Adiam went on advising her generation: “We must not allow ourselves to be fooled into this divisive political propaganda” which she said is being used enemies of the struggle for change in order to keep it fractured. Talking about herself, she said she enjoyed working with senior members of the opposition camp “who have been through the struggle and understand Eritrean politics like no other.”
A long-time activist in the social media, Adiam also addressed a plenary session of the 3rd and Unity Congress held in Wiesbaden, Germany, between 29 July and August 12019 in which she expressed her optimism about the example being set by the unity
attained between the Eritrean National Salvation/Hidri and the EPDP. She also praised the sacrifices everybody made on his/her own to be at the unity congress from faraway places like Australia and remote parts of the USA and Canada.
Elected receiving the highest number of democratic votes attainable at the congress, Ms Adiam Haile Rufael will soon be assigned a number tasks as member of the 35-member Central Council of the unified party, the EPDP.
ሽወደናውያን ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2019 ተሳቲፎም
Sunday, 11 August 2019 21:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ኤርትራውያን እውን፡ ሽወደናውያን ናይ ነዊሕ ግዜ ኣዕሩኽ ኤርትራ ተሳቲፈምዎ። እዞም ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራ፡ ሽወደናውያን፡ ወዲ 94 ዓመት ነባር ጋዜጠኛ ኣብ 1960ታት ናብ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝበጽሑ ቦ ብጀልፍቨንስታንን፡ ነቲ ጉዕዞ ኣብ 1970ታት ዝተጸንበረኦን ብተደጋጋሚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝበጸሓ ክርስቲና ብጆርክን እዮም። እዞም ሽወደናውያን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክመላለሱ እንከለዉ ኣብ ገጠራት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝውዕል ብዙሕ ሃገዛት የቕርቡ ነይሮም።
ክርስቲና ኣብቲ ናይ 3 ነሃሰ 2019 ዓውደ-ዘተ ፈስቲቫል፡ ብስመንን ብስም ቦን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝኽርን ትዝታን ዘንጸባርቐ መደረ ኣስሚዐን። ኣብቲ ዘረባአን “ሎሚ ኤርትራ ናጻ ሃገር እያ፡ እንተኾነ እታ ክትከውን ዝግበኣ ዝነበረት ኤርትራ ኣይኮነትን” ኢለን። ኣተሓሒዘን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምእንቲ መሰሉ ተላዒሉ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ከወግዶ እሞ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሙ ኣግሂዱ፡ ነቶም ኣንጻሩ ውዲት ዝኣልሙን ጠቕሞም ዘቐድሙን ከሕፍሮም ምዃኑ ዝለዓለ ትምኒተን ገሊጸን።
ክርስቲና ብዛዕባ እቶም ዕድመ-ጸገብ ግና ድማ ሓያል ዘለዉ ቦ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ህዝቢ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅኑዕ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝተረደአ ሳላ ቦ ምዃኑ ጠቒሰን። ቦ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ ጸብጻባት ጽሒፎም እዮም። ከምኡ እውን ፊልም ኣወሃሂዶም መደባት ተለቪዥንን ድራማታትን እውን ሰሪሖም። ምናልባት እቶም ቀዳማይ ምስ ንጉሰ ሃይለስላሴ ቃለ-መሓታት ኣካይዶም ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝሓተዎም ቀዳማይ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንሶም እዮም።
ቦ ካብቶም ኣብ 1970 “Eritrea Gruppen” ብዝብል፡ ምስ ኤርትርውያን ምሕዝነት ክፍጠር ዝነጠፉ እሞ ንክርስቲና ኣብዚ ምሕዝነት ክኣትዋ ሓቲተምወን ዝተቐበለኦ ነይሮም። ክርስቲና ብወገነን ብ1980 “The Land by the Sea” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፊልም ኣዳልየን እየን። ናይታ ዳሕረወቲ መጽሓፈን ናይ እንግሊ ቅዳሕ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ቀሪባስ ዓብይ ናእዳ ረኺባ።
ክርስቲና ነቲ መጽሓፈን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ ርኢቶ፡ ነቲ ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣደኒቐን፡ “እቲ ሰዓራይ ነቲ ታሪኽ ይጽሕፎ” ንዝብ ኣበሃህላ ዘኪረን፡ እንተኾነ ነቲ ታሪኽ በቲ ካልእ ኣካል ዝቐርብ ክሰምዕኦ ከም ዝደልያ ገሊጸን። እንተኾነ መጽሓፈን እቲ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤ ዝብልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ሓያሎ ኣባላት ህግሓኤ ዝተገብረ ቃለ-መሓትት እውን ዝሓዘ እዩ።
ኣተሓሒዘን እቶም ዝሓተታኦም፡ ስለምንታይ ናብ ቃልሲ ከም ዝተሳተፉ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብቲ ሓራ መሬት ብኸመይ ይነብሩ ከም ዝነበሩን ስለምንታ ኤርትራ ዲክታተር ከም ዘማዕበለትን ከም ዝገለጹለን ጠቒሰን።
ካብቶም ዘዘራረበኦም፡ ስዉኣት ኣሕመድ መሓመድ ናስርን ዶ/ር ሃብተ ተስፋማአያምን፡ ከምኡ እውን ካብ ህሉዋት ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣርሀ ሓመድናካ፡ ረዘነ ተስፋጼንን ካለኦት ብዙሓትን ይርከብዎም። እቲ ዝሃብዎ ታሪኽ ኣካል እቲ ኣንበብቲ ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ዝግባእ ታሪኽ ኤርትራ እዩ ኢለን።
Swedish Old Friends of Eritrean Attend Festival 2019 in Frankfurt
Saturday, 10 August 2019 15:41 Written by EPDP Information OfficeThis year’s Eritrea Festival in Frankfurt was once more honoured by the presence of long-time friends of Eritrea from Sweden: 94-year old Journalist Bo Bjelfvenstam, who visited Eritrea in the 1960s, and Christina Bjork who joined his team in the 1970s for repeated visits to liberated areas carrying lots of support to needy Eritreans in the countryside.
In her nostalgia-filled inspiring address to the main Festival Panel on Saturday, 3 August, Christina spoke on behalf of herself and Bo. She lamented that Eritrea today “is an independent country, but not the country it could have been,” and hoped that the people will rise up and become masters of their long deferred dreams by dislodging the dictatorship and foiling those “who conspire in the background and prioritize their own power and wealth.”
Speaking about nonagenarian and still strong Bo, she said it was because of him that the Swedish people “understood that an unjust war was going on against the Eritrean people.” Bo wrote reports on Eritrea, produced films and TV programmes and a drama about the Eritrean struggle. He was probably the first Swedish journalist to interview Emperor Haile Selassie and ask him of what was going on in Eritrea!
Bo was among the Swedish citizens in 1970 that became part of a solidarity outfit called Eritrea Gruppen and asked young Christina to join it, which she did.
Christina Bjork herself produced in the early 1980s a film on Eritrea called The Land by the Sea. The English version of her resent book, Eritrea: A Classic African Dictator Took Over, was launched at Eritrea Festival 2019 and attracted many buyers.
Speaking about the book, Christina Bjork, who was appreciative of the dedicated struggle for democracy within the ELF, remarked: “the winner writes the history, but I wanted to hear the stories of those who belonged to the other side.” Hur ser deras historia ut ? However, her book contained not all what former ELF fighters had to tell but also included extensive interviews with former EPLF members.
She says: “They told me why they participated in the liberation struggle, how they were living in the liberated Eritrean areas during the war... aOch varför utvecklades Eritrea till en diktatur?nd why did Eritrea develop into a dictatorship?”
Över femtio år har gått sedan den väpnade kampen för ett fritt Eritrea inleddes och Eritrea har nu varit ett självständigt land i tjugo fem år.Her interviewees included Martyrs Ahmed Nasser, and Dr. Habte Tesfamariam; and Dr. Yusuf Berhanu; Mesfin Hagos; Gherezghiher Tewelde; Menghesteab Asmerom; Adiam Teferra, Arhe Hamednaka, Rezene Tesfazion and many others. Their story is part of the Eritrean history that deserves interested readers’ attention.