ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ሱዳናውያን፡ ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋግር ኩነታት ስለ ዝፈጠሩ ዮሃና ኢሉ

2019-08-20 21:04:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2569 times

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ሱዳን ኣብ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ተስፋ ዝህብ ስምምዕ ስለ ዝበጸሐት ሓጐሱ ገሊጹ፡

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ19 ነሃሰ 2019 ናብ ህዝቢ ሱዳን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሕውነታዊ መልእኽቲ፡ ሱዳናውያን ብሰላማዊ ኣገባብ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዘሰጋግር ተስፋ ዝህብ ስምምዕ ብምብጸሖም ወሰን ዘየብሉ ሓጐስ ከም እተሰመዖ ገሊጹ።

እቲ ብኣቦመንበር  ሰዲህኤ ናብ ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ቡርሃን ሓላፊ ወተሃደራዊ ባይቶን ኣቶ ኣሕመድ ኣል-ራቢ ወኪልን ፈራምን ብስም ምሕዝነት ሲቪላውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ሕውነታዊ መልእኽቲ፡ ክልቲኦም ሱዳናውያን ዝበጽሕዎ ስምምዕ ታሪኻውን ኣብነታውን ምዃኑ ገሊጹ። ኣስዒቡ ከኣ እዚ ሱዳናውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ስምምዕ፡ ኤርትራውያንን  ካለኦት ኣዕሩኽ ሱዳንን ነንገዛእ ርእሶም ዝብህግዎ እዩ ኢሉ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ መልእኽቱ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝባዊ ውክልና ዘይብሉ ጨቋኒ ስርዓት ደገፍቲ ከም ዝነበሩ ኣይሓበአን። ኣስዒቡ እዛ ሓዳስ ሱዳን ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዝምድና ኣፍደገ ክትከፍትን፡ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጐረቤቱ ለውጢ ንምምጻእ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክተሓጋገዝ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።  

Tesfai WM 2 1ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ንኡድ ኣስተዋጸኦ ኣበርኪተን እየን

Last modified on Tuesday, 20 August 2019 23:10