ኣብ መስርሕ ዕጥቓዊ ቃልስና፡ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ምውጻእ ምእታው ዝኸልኣና ዝነበረ፡ ጨካን ሰራዊት ባዕዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምድምሳስ፡ ኩሉ ዓይነት ብድሆታት ተጻዊርና ካብ ቓሮራ ክሳብ ራስዱሜራ ለይቲ ብጸልማት፡ ቐትሪ ብፅሓይ እናተጓዓዝና፡ ኣብ ዝጥዕመና ጊዜን ቦታን ኣጽኒዕና ከነጥቅዕ መተካእታ ዘይነበሮ ሓላፍነታዊ ግድነት‘ዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ድኻምን ጽምእን ዕርቓንን ጥሜትን ብምጽማም ዝተካየደ ዘዅርዕ ታሪካዊ ፍጻሜን መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ክቡር ህዝብናን ኽኣ፡ ነዛ ንመበል 25 ዓመት ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት ንምጭባጥ እምበር ንዝና ወይ ንተራ ዙረት ከምዘይነበረ ዘካትዕ ኣይኾነን።
እዚ ቅድሚ 2 ወርሒ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ብደቂ ዓዲ አናተመርሐ ጌና ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ እግሪ ሽግ ሓርነት ድአኸ ዕላምኡ እንታይ ንበሎ? ነዚ ብዓል ብሩራዊ ኢዮበልዩ ክቡር ነጻነትና ዝያዳ ድምቀትን ርዝነትን ንምሃብ ዝዓለመ ዶ ይኸውን? ወይስ ነቲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ነጻነቱን ዘለዎ ልዑል ክብርን ፍትወትን ብሓደ ወገን፡ በቲ ስዉአቱ ዘሰከምዎ ረዚን ሓላፍነትን ሕዽርን ክአ በቲ ካልእ ወገን መዝሚዙ፡ ህዝቢ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ብመራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ዓለምን ኣብ ደገ ንዝነብሩ የወሃን ደቂ ሃገርን ብምግላጽ ከደናግርን ዕድመ ስልጣኑ ኣናዊሑ ህዝብና ንምጽናት ተውሳኺ ዕድል ንምርካብ ዝዓለመ እዩ?
እቲ ኣብ ክንዲ ካብ ጎቦ ኣዳል ካብ ከተማ ናቕፋ ክትብገስ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከ እንታይ‘ዩ? ነዚ ዝምልከት መልሲ ቅድሚ ምሃብ ብዛዕባ ሽግ ሓርነት ገለ መእተዊ ምሃብ ሓጋዚ‘ ዩ። ሽግ ሓርነት፡ ሓዊ ትነድድ ቀንዴል ወይ ሆየ ትምሰል እምበር ኣድማሳዊት ናይ ሓርነት ብርሃን ዝብል ረዚን ትርጉም ዘሎዋ ሽግ ምዃና ኩልና ኤርትራውያን ዘይንፈላለየሉ ሓቂ ምኮነ።
ሽግ ሓርነት ኣብ‘ቲ ግቡእ ናይ ክብሪ ቦታኣ ተቐሚጣ ንኩሉ ኣብ ጽላላ ዝነብር ህዝቢ መሰሉ ተሓልዩ ብሰላም ክነብር ብመሎኮታዊ ናይ ፍትሒ ዓይኒ እናሓለወት ነብሱ ከምሓድርን ናብ ጉዕዞ ምዕብልና ክምርሽ ዋሕስነት ክትህቦ እምበር፡ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ብዃደረ ተመሪሓን ብጓይላ ተስንያን ርባን ኩርባን ከርተት ክትብል ኣድላዪ ኣይምነበረን።
እቲ ምኽንያት ነዛ መበል 25 ዓመት ናጽነትና ፍሉይ ክብርን ድምቀትን ንምሃብ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እንተኮይኑ፡ ህዝብና ድምጹ ሰሚዑን ትርግታ ልቡ ተረዲኡን ንተባልሓቲ ዓቕሙን ልቦንኡን ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ፡ ህይወቱ ቅሳነት ክመርሕ ዝክኽለሉ ዕድል ዘፍቅድ ስርዓት ረኺቡ ብምሉአ ዓቅሙ ኣብ ህንጻ ሓገሩን ምልዋጥ ናብርኡን ተዋፊሩ ብዝረኽቦ ጸጋ ነጽነትን ዝሓፍሶን ውጽኢን እዩ እምበር፣ ደርሆ ጻሕቲራ እተውጽኦ ሜላን መደናገሪ ምህዞታትንስ፣ ካብ ጽናነት ክሳብ ሎሚ ዘላድዮ መሳርሕ‘ቲ ስርዓት ምዃኑ ዝተርድኦ ስለ ዝኾነ በዝን ክንድዝን ኣይታለልን ኢዩ። ድምቀትን ክብርን ናጽነትን ሓርነትን ድማ በቲ ንህዝቢ ዝህብኦ ክብርን ሓልዮትን ምዕሩይ ኣብ ናጽነት ብዝርከብ ጸጋ፡ ምዕሩይ ምሕደራ እምበር ብጓይላን ዝላን ዝደምቕ ኣይኮነን።
ህዝብና ድማ ነዚ ሜላን ዕላማን ስርዓት ህግዲፍ እናተረድኣ፡ ነባሪ ሃገርን ህዝብን እምበር ነባሪ ስርዓት የለን ካብ ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ እምነት ነቂሉ፡ ነቲ ዘይትፈትዎ ጋሻስ ትፈትዎ ሂብካ ኣፋንዎ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ተኽቲሉ፡ ረጽምን ጎነጽን ብዘይብሉ ልዙብ ሰላማዊ ናይ እንቢታ ጥይት ሳይለንሰር ኣሳቅዩን ኣማሲኑን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከቃብጾ ምዃኑ ኣሚኑ‘ዩ ኣብ ውሽጢ ብስቅታ ኣብ ደገ ድማ ብዓውታ ዝቃለስ ዘሎ።
እቲ ጉዕዞ ህዝቢ ምስ መንግስቱ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ንህዝቢ ዓለም ንምትላል ዝዓለመ እንተኾይኑ ከኣ‘ሞ ዕርቃኑ ዘግሃደ ሕሱር ሜላ ምዃኑ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምኽንያታት ምቕራብ ዘጸግም ኣይምኮነን። ብሓጺሩ ንምግላጽ ግን፡ ዓለም ብብዝሒ ስደተኛታት እሞ ክአ ብዙሓት ትሕቲ ዕዽመ ሕጻናትን ንሕርሲ ዝቀረባ መብዛትኣን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ልዑል ተራ ዘብርከታ ኣዴታትን ዝርክብኦ፡ ኣብ ሃገሮም ተስፋ ቖሪጾም፡ ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ዘሰካሕክሕ ማሕረድትን ናይ ባሕርን ስሃራን ድንገተ ሞትን ምሻጥ ክፍሊ ኣካላትን፡ ካብ ብኾፍካ ሞትስ ተስፋ እናማዕዶኻ ሞት ብዝመረጹ ዜጋታትካ ተጨኒቓን ለይትን መዓልትን ብዛዕባ ግስሩጥን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራኻ እናተገረመት ከላ፡ ሕዝቢ ምሳይ ኣሎ ምባል ጽላለ እምበር ምልክት ጥዕና ኣይኮነን ።
እንተ ነቲ ደድሕሪ ሽግ ሓርነት ተኸቲሉ ዝኽይድ ዘሎ ህዝብና ግን ተገዲዱን እምቢ ምስ ዝብል ከአ በቲ ስርዓት ክወርዶ ዝኽእል ንሕስያ ኣልቦ ጨካን ግፍዒ ተርዲኡ ንመጻኢት ሓቀኛ ብርሃን ሽግ ሓርነት ዘማዕዱ ጸዋርን ትዕግስተኛን ምዃኑ እምበር፡ ብዓይኒ‘ቲ ስርዓት ዝጽበዮ ውጽኢትን ምስጢርን ኣይኮነን ዝመዝኖ።
በንጻሩ እዚ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ‘ዚ ኣብ ዝባን ህዝቡ ዝተጻዕነ ሃገራዊ ሕልናን ሓላፍነትን ዘይስምዖ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ሕልሚ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ዓለም ብምልእታ ዝመዘነቶን ምልጋሱ፡ ወሳኒ መድሓኒት ኩሉ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ዝተበጽሓሉ እዋን ምህላውና እቲ ስርዓት ክእመነሉ‘ዃ ኣይድለ እምበር ዘይሕቶ ጉዳይ እዩ። ከም ውጽኢት እኩብ ድምር መዘና ኣልቦ ትዕግስቱን ዘይጽንቀቕ ጽንዓቱን ከኣ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሕይልን እቶም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ እናበሉ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባላቱ ኣብ ነብሶም ብምምላስ ስለ ዝሓደግዎ ዕርቃኑ እናወጸን ይኸይድ ምህላውን ነብሱ ንምድሓን ዘይአምነሉን ዘየድሕኖን ዝምድናታትን ንምፍጣር ዓጽረሞታዊ ፈንጠርጠር ክገብር ንዕዘብ ኣሎና።
ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዛ ክሳብ ሎሚ ውርደት እምበር ራህዋን ቅሳነትን ክይረኽበ ሓልዩ ዝዓቀባ መበል 25 ዓመት ክብርቲ ናጸነት ኤዮበልዩ ብዓሉ ናብ‘ታ መሰሉ ዝኸብረላ ብህይወት ቀሲኑ ደቁ ሓቑፉ ክነብረሉ` ኣብ ዝኽእል ሓድሽ ናይ ብርሃን ዓመት ከተሰጋግሮ ተስፋ እናገበረ ዘብዕላ፡ መርአያ ክብሪ ናጽነቱን ምስጋናን መጎስን ስውኣቱን ስንኩላቱን ምዃና ስለ ዝኣምን ድአ‘ምበር ምስ ጨካን ስርዓት ዝምድና ስለ ዘለዎ ኣይኮነ።
እንተ ነቲ ኣብ ክንዲ ካብ ጎቦ-ኣዳል ካብ ከተማ ናቕፋ ክትብገስ ዝተደልየሉ ምኽንያት ዝምልከት መልሲ ነንበብቲ ገዲፈ ነዚ ንርብዒ ዘመን ዘሳቐየና ጉሒፍና ኣብ‘ታ ብሃንቀውታ እንጽበያ ብሉጻት ጀጋኑ ዝኸፈልናላ ሓቀኛ ሽግ ብርሃን ሓርነት ንምብጻሕ ብሓባር ንረባረብ።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ሃገረ ጀርመን