ኖርወይ: ኤርትራዊ  ሰላማዊ  ሰልፊ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ

2016-09-30 21:22:33 Written by  ወኪል ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 3515 times

ካብ ርሑቅን ቀረባን ኩርናዓት ሃገረ ኖርወይ ብብዝሒ ኤርትራውያን ኖርወጃውያንን ዝተሳተፍዎ ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ብዕለት 28  መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተኻዪዱ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ  ብደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኤርትራውያን ኣደታት ንሰላም ተቀማጦ ኦስሎ ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ምልካዊ ስሮዓት  ኣብ ኤርትራ ዝውግድን፣ ነቲ ብወኪል ቁንስላዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኦስሎ ኣቢሉ ዝኽፈል ሕጋውነት ዘይብሉ 2% ብትሪ ዝቃወምን እዩ።

ብመሳሪዕ ተወዲቦም ኣብ ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ካብ ማእከል ከተማ ኦስሎ ዝነቀሉ ሰልፈኛታት፣ ብቀዳምነት ኣብ ኣፍደገ ናይ ረብሓ ቤት ጽሕፈት ቁንስላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብምቋም፣ እዚ ቤት ጽሕፈትዚ ይተዓጾ! ክብሉ ንገለ ደቃይቅ ተቃውሞኦም ኣስሚዖም። ሰልፈኛታት ብምቅጻል፣ ልክዕ ሰዓት ክልተን ፈረቃን ኣብ ቅርዓት ቤት መንግስቲ ኖርወይ በጺሖም። ኣብኡውን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብክብ ዝበለ ድምጺ ተቃውሞኦም ንስርዓት ህግደፍን፣ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ዝኾነ 2% ንስርዓት ኣስመራን ኣስሚዕም፣ መንግስቲ ኖርወይ ሓቀኛ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎውን ኣተሓሳሲቦም። ብርክት ዝበሉ መደረታትን ኣስተምህሮታትን ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተዋሂቦም።N5

 

መደረ ካብ ዘስምዑ ሓያለይ ሰባት ሓደ፣ ፊን ቮገ (FINN VAAGE) ዝተባህለ ኖርወጃዊ ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን ኖርወጃውያንን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ኮይኑ፣ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፍ ኣስታት 7 ሰዓታት ብባቡር ተሳፊሩ ዝመጸ ነበረ። ፊን ቮገ ኣብ መደረኡ፣ ኤርትራውያን ጥዑማትን ሕያዎትን ኢኹም። እንተኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ሃገርኩም ብሓደ መላኽን ጨቋንን ዝኾነ ስርዓት ስለዝተገበተ እዚ እንርእዩ ዘሎና መከራ ክበጽሓኩም ኪኢሉ ከምዘሎ እፈልጥ ክብል ጀሚሩ ሰፊሕ መደረ ኣስሚዑ። ኣብ መወዳእታ ዘረብኡ ኣቶ ፊን ንሕና ኣብ ከተማ ስታቫንገር ዘሎና ኤርትራውያንን ኖርወጃውያንን ኣብ ማሕበር ተጠርኒፍና ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ንምክቶ ኣሎና፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ጥርናፈ ድማ ብቀዳምነት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይ ተመስሪቱ ክምዕብል ኣለዎ፣ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ክላሓም ሓቢርና ክንሰርሕ የድልየና ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ንመንግስቲ ኖርወይን ንሰልፉን ወኪሉ ናይቲ ሰልፊ መልእኽቲ ዝተቀበለን ንሰልፈኛታት መደረ ዘስመዐን ሓደ ካልእ ወኪል መድደረ። ንሱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኤርትራውያን ከምዚ ተወዲብኩም ክትሰርሑን ተኣኪብኩም ክትመጹናን ደስ ይብለና፣ ቀጽሉ። ኣአውን ንመንግስቲ ኖርወይ ወኪለ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓዛቢ ስለዝኾንኩ ንጉዳይኩም ኣብ ባይቶ መንግስቲ ኖርወይን ባይቶ ህቡራት ሃገራትን ከምዝለጳልን ከምዝዝረበሉን ክገብር ብዝከኣለኒ ዓቅሚ ክጽዕር እየ ኢሉ።

N7

ብተወሳኺ፣ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ኣብ መድያታት ኖርወይ ንምቅላሕ ወከልቲ ዝተፈላለዩ መድያታት ከምዝተሳተፉን ንከይዲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝቀረጹን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ወኪል ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Friday, 30 September 2016 23:37