ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ

2016-09-30 21:16:20 Written by  ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባብን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን Published in EPDP News Read 2258 times

ብዕለት 28 መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኦስሎ ብማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ዝተዳለወ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻዪዱ። እቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ክብል ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ጨሪሑን ደምጺ ተቃውሞኡ ኣስሚዑን ጥራሕ ካብ ዝሰናበት፣ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊውን ተራኹቡን ኮፍ ኢሉን፣ ብዛዕባ ሃለዋቱ ዝመኻኸረሉን ዝላዘበሉን ባይታ ክፍጠረሉ ኣለዎ ብማለት፣ ኣወሃሃዲ ሽማገለ ክልቲኡ ማሕበራት ድሕሪቲ ኣብ ዕለት 28 መስከረም ኣብ ሰዓታት 2 ክሳብ 4 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መአከቢ ኣደራሽ ብምድላ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ። ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፍውን ነዚ ዕድልዚ ብምጥቃም፣ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ናይ ምምኽኻርን ምምዕዓድን ዘተ ኣካይዶም።

N2

ኣባል ኣወሃሃዲ ሽማገለ ናይ ክልቲኡ ማሕበራት ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ድሕሪ ምዉቅ ሰላምታን ቃል ዕንቋዕ ብደሓን መጻእኩን ንተሳተፍቲ ኣኼባ፣ መአከቢ ዛዕባ ኩነታት ህዝብን ሃገርን፣ ኩነታት ደምበ ደለይቲ ፍትሕን፣ ሚዛን ሕብረት ኤውሮጳን መንግስታት ዓለምን ኣብ ሊዕሊ ደምበ ተቃውሞን ኣብ ሊዕሊ ስርዓት ህግደፍን ምድህሳስን ምግምጋም እዩ ክብል ኣብሪሁ። መብሪሂኡ ብምቅጻል ብጻይ መድሃኔ ፍትሕን ደሞክራስን ዝሰፈና ኤርትራ ብምፍጣር ህይወት ህዝብና ንምድሓን ሓያል ቃልሲ እነካይድ እኳ እንተኾና፣ ቃልስና ብመንጽር ዓወትና ክግምገም እንከሎ ግን፣ ድኻሙን ክሳራኡ ከምዝዛይድ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መብሪሂኡ ብኩራት ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ቃልሲ፣ ሊዕሊ ማንም ንዓና ነቶ ተቃለሲ ኣድኪሙና፣ ነቲ ድሕነቱ ብቃልሱ ከረጋግጽ ንዝደሊ ህዝብናውን ሃገራውነትን ሓድነትን ዝመለለይ መቃለሲ ባይታ ፈጢርና ከይነሳትፎን ከይንኸስቦውን መኸላእታ ኮይኑና። እቲ ዝገደደ ድማ መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳው ከይተረፉ፣ ንዘይመሓየሽ ድኽመታትን ፍልልያትን ደለቲ ለውጢ ንነውሕ ግዜ ድሕሪ ምዕዛብ፣ ኣብዚ እዋንዚ ምዕልቅላቅ ዋሕዚ ሰደተኛታት ዝያዳ ኹሉ ስለዝዓጠጦም፣ ካብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ለውጢ ካብ ምጽባይሲ፣ ዝከኣል እንተኾይኑ ዝኣክል ሓገዛት ብምብርካት እውን እንተኾነ ንስርዓት ህግደፍ ክተመሓይሽ ምፍታ ይሓይሽ ኣብ ዝብል መርገጺ ወሲዶም ይርከቡ ኣለዉ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፣ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንኩነታት ብግቡእ ተገንዚብና ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ናይ ምውህሃድን ሓቢርካ ምስራሕን ባህርይ ከነተኣታቱ ኣሎና ክብ ጻዊዕት ኣቅሪቡ።N3

 

ውከልቲ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾኑ ብጾት መሓረና ገብረእግዚኣብሔርን ሚካኤል ፓጋነሊን ብወገኖም፣ ኩላቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ብናይ ሓባር ስምምዕ ካብ ዘለዎም ጥርጣረታትን ስኽፍታታትን ናጻ ብምውጻእን፣ ኣወንታዊ ሓሳባት ብምውናንን ንጥርናፈን ምውህሃድን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ዘቀላጥፍ ናይ ሓባር ሽማገለ ክምዝዙ ጸዊዖም። N4

 

ሓያለይ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፣ ኣብ ዝተኸፍተ መኣዲ ዘተ፣ ኣብ ሓቀኛ ገምጋም ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን፣ ሚዛን ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ኩነታት ኤርትራን፣ ከምኡውን ብሃናጺ ለበዋታትን ምኽርታትን ነቲ ከይዲ ዘተ ኣጓሃሂሮሞ። ንጽላል ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ኖርወይ ክነሓይሎን ክነስርሖን ዘይምኽኣል፣ ንኤርትራዊ ማሕበረኮም ኣብ ኦስሎ ኣብኡ ዓሲልና ክነበርትዖን ክነስርሖን ዘይምኽኣል፣ መአከቢ ኣደራሽ ወይ ብዋንነት ወይ ብክራይ ክንውንን ዘይምኽኣልና፣ ብደረጃ ኦስሎን ከባብን ድማ ኣብ ኣድማዒን ዝተዋሃሃደ  ናይ ሓባር  ስራሕን ዝተጸምደ ሓደ ሓያል ጥርናፈ ናይ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበር ወይ ጥርናፈ ዘይምህላዉ፣ ድማ ገለ ካብቶም ኣብቲ ናይ  ከባብያዊ ገምጋም ከም ድኽመታት ዝተጠቅሱን፣ ንምፍዋሶምን ምሕያሎምን ስምምዓት ዝተገብረሎምን ነጥብታት ነበሩ።

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባብን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን

29 መስከረም 2016

Last modified on Friday, 30 September 2016 23:22