ባርባራዊ ጉዕዞ ዘርእስታ ፊልም ዝወረደ ግፍዕታት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተዳልያ።

2016-10-04 08:26:14 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ-ሽወደን Published in EPDP News Read 3069 times

ብዕለት 26/09/2016 ውርይቲ ኣፍራይት ኣዳላዊት ፊልም ወ/ሮ ሰሲል ኣለግራ ዝተባህለት ፈረንሳዊት ባርባራዊ ጉዕዞ ዘርእስታ ፈልም እቲ ዘካሕክሕ ግፍዕታትን ዓዘባታትን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራውያ ካብ ሱዳን ሊብያ ግብጺ ክሳብ ሲናይ ዝተጋጠመ ዝገልጽ ፍልም ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብፍሉይ ንማሕበር ፈረንሳውያን ተቀማጦ ዮተቦርግን ፡ መራሕ መደብ ራዲዮ ድምጺ ሓርነት ኣብ ሽወደን ሓው ጸሃየ ቀለታ፡ ገለ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ዝተሳተፍዎ ኣብ Le Pain Français ንሰዓትን ፈረቃን ተራእያ። ድሕሪ ምርኢት ወ/ሮ ሰስልያን ሓደ ካብቶም ተዋሳኣይ ኣብታ ፍልም ፡ ግዳይ ናይዚ ዓዘባ ህያው ምስክር ዝኾነ መንእሰይ ሮበል ቀለተ ቀሪቦም ናይ ሕቶን መልስን ተወሳኺ መብርህን ተዋሂቡ ። ኣብዚ ኣገዳሲ ምሸት ኣዳላዊት ፊልም ወ/ሮ ሰቺሊያ ኣትሪራ ዝገለጸቶ ብተመክሮይ ትብል ፡ ኣብ ሓያሎ ኩርናዓት ዓለም ማለት ኣፍጋኒስታን፡ ኢራቅ ፡ሱርያ ኩርዲስታን፡ ነፓል፡ ዳርፎርን፡ ኣብ ጽዕጹዕ ዉግእ ዝተካየደለን ሃገራት ሲኢለን ሰኒደን ግና ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ኢሰባዊ ንግዲ ደቂ ሰባትን ዓዘባታትን ከቢድ መሪር ግፍዒ ሪኤ ኣይፈልጥን ብምባል ፡ኤርትራውያን ግና ዝተጋጠሞም ዓዘባ ብድፍረት ክዛረብሉ ወይ ክገልጽዎ ጌና ኣይከኣሉን ዘሎዉ በለት። ቀጺላ ንሕና ወይ ዓለም ክንሕግዞም እንተኮናን፡ እዚ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ሕጊ ክቀርብ  እንተኮይኑ ክዛረቡሉ ኣሎዎም ኢላ ተሪር ጸዊዓታ ኣቅሪባ ። ንጽባሒቱ  ምስ ራዲዮ ድምጺ ሓርነት ኣብ ሃገር ሽወደን ብቋንቋ እንግሊዝ ሓተታ ጌራ ደጊማ ዓውታ ዘሎዎ ጸዊዒታ ኤርትራውያን ዝተጋጠመኩም ግፍዒ ንገሩ ብምባል ኣድራሻ ብምግዳፍ ተፋንያ። እዛ ኣስካሕካሒት ፊልም ኣብ ከተማ ሃልምስታድ ፡ ከተማ ኦረቡሩ፡ ርእሲ ከተማ ስቶኮልምን እውን ትርኤ ኣላ።

Last modified on Tuesday, 04 October 2016 10:30