ህዝብና ብክብ ዝበለ ደረጃ ዝጽንብለን ክልተ ዓበይትን ኣገደስትን በዓላት ኣብ ሓደ ዕለት ወይ ኣብ እተቓራረበ ዕለት ይውዕላ ኣለዋ። እታ ሓንቲ ቅዱስ ዮውሃንስ ወይ ድማ ሓድሽ ዓመት ክትከውን ከላ፤ እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣልሙባረክ ኢያ።
በዚ ኣጋጣሚታት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብስመይን ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን እንቋዕ ሓጐሰካ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ከመሓላልፍ እደሊ።
ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይኸይድ ስለዘሎ ግን፡ ህዝብና ነዘን ዕለታት እዚኣተን በቲ ዝምነዮ ኣገባብ ከብዕለን ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ስድራ ቤታት ኣብ ዝተበታተናሉ፤ መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ባርነት ህይወት ኣብ ዝተጸምድሉ፤ ማይ፡ ባኒ፡ ጽዓት ብራሽን ኣብ ዝዕደለሉ፡ ብልሽውና ኣብ ዝነገሰሉ . . .ወዘተ ዝጽንበል በዓላት ምሉእ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ።
መንግስቲ ኢሳያስ፡ ንዅሉ ናይ ቍጠባ ማሕውራት፡ ንግድ፡ ትራንስፖርት፡ ሕርሻ፡ ቱሪዝም፡ ማዕድን፡ ፋብሪካ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ብምእታው፡ ህዝቢ ወስ ቀስ ከይብል ቀይዱ ሒዝዎ ይርከብ። ብስም ብሕታዊ ጽላት ዝንቀሳቐሱ እንተልዮም ውን፡ ብድሕሪኦም ኢድ መንግስቲ ዘለዎ ኢዩ (ንኣብነት ሓዋላ)።
ብስም ምቕያር ባጤራ፡ ህዝቢ ኣብ ኢዱ ክሕዞን ከንቀሳቕሶን ዝኽእል ገንዘብ ስለእተደረተ ድማ፡ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክን በዓል ሓድሽ ዓመትን በዚ ብኣሉታ ክጽለዉ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኰነን።
ወዲሰብ ብተስፋ ስለዝነበር ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ሓሳረ-መከራ ዝናገፈሉ፤ ካብ ፋሕ ኢልዎ ዘሎ ቦታታት ኣብ ሃገሩ ዝእከበሉ፤ ሰላም፡ ስኒት፡ ፍቕሪ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉ ዝሓሸ ዘመን ክመጸሉ እምነ።
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክን ይግበረልና
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
10 መስከረም 2016
Eritrea Liberty Magazine Issue No. 40
Written by EPDP Information OfficeEritrea Liberty Magazine Issue No. 40
Written by EPDP Information OfficeGood afternoon,
Please find below an update from the APPG on Eritrea.
The recent APPG meeting discussed the economic impact of indefinite national service in Eritrea. Daniel Nelson, News and Special Reports Editor at One World, who was in attendance at the meeting, wrote a summary outlining the contributions of the speakers and the dire economic and social impact of indefinite national service in Eritrea. The full article is available here
Charlotte King, senior analyst at the Economist Intelligence Unit, provided an analysis of the Eritrean economy, highlighting the dominance of party-controlled, State led firms, stifling any private sector enterprise. Professor Gaim Kibreab, research professor and course director of the MSc Refugee Studies at London South Bank University, discussed how the initially useful nation-building policy of national service was now producing terrible economic and social effects and is the prime reason for many Eritreans fleeing their homeland.
In other news, this August, the Home Office updated its guidance on asylum seekers from Eritrea -including those fleeing indefinite national service- following mounting pressure and criticism from various human rights groups and the Home Affairs select committee. The full guidance report is available here
Jim Shannon MP asked the Secretary of State for Foreign and Commonwealth affairs what discussions he has had with the governments of Ethiopia and Eritrea in reducing conflict in border areas between those countries, availablehere
Lord Hylton asked what action the Government and the UNHCR planned to take to protect Eritrean and Somali families now in Ethiopia, the Sudan, or South Sudan without legal status, availablehere
The APPG is currently planning its next meeting, and will be in touch soon with more information.
Thank you all for your continued support.
ራዲዮ ድምጺ ሓርነት 27/08/2016 إذاعة صوت الحرية
Written by Radio Voice of Liberty Swedenርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሰባት ኣብ ህይወቶም ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ዕማማት እዮም ዘሰላስሉ። ኣብ ኩሉ’ቲ ዕማማቶም ዕዉታት ዝኾኑ ከኣ እቶም ነቲ ዘለዎም ጸጋን ዓቕምን ናብቲ ዕማማቶም ብግቡእ ሰሊዖም ዝንቀሳቐሱ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ዕማማት እቶም ቀንዲ መነባብሮኻ ምምራሕን፡ ምእንቲ ራህዋን ፍትሕን ኤርትራን ህዝባን ምቅላስን እዮም። እዞም ክልተ ዕማማት ነናቶም ዝርዝር ትሕዝቶ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት መነባብሮ ምምራሕ ክበሃል እንከሎ ዝርዝሩን ምትእስሳሩን ሰፊሕ እዩ።
እዞም ዓበይቲ ማሕበራውን ሃገራውን ዕማማት ነቲ ሓደ ገዲፍካ ነቲ ሓደ ብምሓዝ ኣይኮኑን ዝሳለጡ። ሓዲኡ ሒዝካ ነቲ ሓደ ጥራይ ምሓዝ፡ ኣብቲ ዝሓዝካዮ’ኳ ተድማዕካ ኣብቲ ሓደ ዝፈጥሮ ብኩራትን ሃጓፍን ሃሳዪ እዩ። ስለዚ ክልቲኦም ኣሳንዮም ዝኸድሉ ኩነታት ምጥጣሕ ናይ ግድን ይኸውን። ኣብዚ ከኣ እዩ እቲ ውሕልነትን ሓላፍነትን ዘድሊ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓፈሻዊ ምምጥጣን ሓንሳብ ምስ ተሳእለ ከም ዘለዎ ዝነብር ዘይኮነ ምስ ባዕላዊ ኩነታት ኮነ ግዳማዊ ሓጐጽጐጽ ወይ እውን ከባብያዊ ኩነታት እንዳተኸለሰ ዝቕጽል እዩ። ንእብነት ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራ ዝነበረን ሎሚ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ነናቶም ኣሰራርዓን ኣተሓሕዛን ዘለዎም እዮም። ሎሚ በቲ ናይ ቀደም ናይ ተሳትፎ ኣብ ቃልሲ ኣተሓሕዛ ቀጥዒ ንኺድ እንተንብል ኣጸጋሚ መኾነ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ቃልሲ ቀደም ይኹን ሎሚ፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ህዝባዊ ወገናውነት፡ ሓልዮትን ኣብ ዝሓዝካዮ ቀጻልነትን ዝሓትት እዩ።
ኣብ ቃልሲ ኮነ ኣብ ምምራሕ መነባብሮ ዓቕምና ኣካዊንና ክልቲኡ ከነዕውት ክንጽዕር ኣለና ክንብል እንከለና፡ እቲ ዓቕሚ፡ ፍልጠት ተመኩሮን፡ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ከምኡ’ውን ግዜ ዘጠቓልል ምዃኑ ግንዛበ የድሊ። እዚ ዓቕሚ’ዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ዕምቆት ትምህርቲ፡ ውህሉል ተመኩሮን ንዋታዊ ሃብትን ነቲ ፍልልይ ካብ ዘጉልሑ ረቛሕታት እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ብሓባር እነካይዶ ቃልሲ ከነድምዕ እንኽእል ብናይ ውሱናት ሰብ በሪኽ ጸጋን ዓቕምን ተሳትፎ ጥራይን ዘይኮነ፡ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ናይ ኩሉ ኣብቲ ውጽኢት ረብሓ ዘለዎ ግዱስ ዓቕምታት ብሓባር ክዋሳእ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። ንናይ ካልኦት ዓቕሚ ኣነኣኢስካ ”በይነይ” ኢልካ ምንያት ግና በይንኻ እዩ ዘትርፍ። ብሓባር ማለት በበይኑ ኩለመዳያዊ ባህርያት ምስ ዘለዎም ብዙሓት ኮይንካ ምቅላስ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ በይንኻ ኮይንካ መነባብሮኻ ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ ዝኸበደ እዩ። ንብዙሕ ድሌታት፡ ትጽቢታትን ዓቕምታትን ከም ዘሳኒ ጌርካ ምውዳዱ ስለ ዘድሊ። እቲ ኣጀንዳ’ውን ቤተሰባዊ ዘይኮነስ ገዚፍን ሃገራውን ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ተገቲሩ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓንን ቀጻልነቶም ናይ ምዕቃብን ወሳኒ መድረኽ፡ ሓደን ናብ ቃልሲ ክስሕብ ሓደ ድማ ናቱ ምኽንያታት እንዳቕረበ ካብቲ ቃልሲ ክርሕቕ ምውጣጥ ዝውቱር እዩ። እቲ ናብዚ ቃልሲ ዝውጥጥ ዕላምኡን ድሌቱን ፍሉጥ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ምዝርዛር ኣድላይ ኣይመስለናን። እቲ ጸገም ናይ ኩልና፡ እቲ ዕማም ብኹልና፡ እቲ ውጽኢቱ ድማ ንረብሓ ኩልና፡ ኣብ ዝብል ዝጠቓለል እዩ። እቲ ናብቲ ካልእ ገጽ ዝሃድም ወገን ግና ምኽንያታቱ ብዙሕ እዩ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ትስፉው ዘይምዃን፡ ኣብቲ ውዱብ ቃልሲ ምስ ዘለዉ ወገናት ዘይምስናይ፡ ብዓብይኡ ድማ ንመነባብሮኻ ምቕዳም ካብቶም ዝረኣዩ ልሙዳት ምኽንያታት እዮም። እቲ ”ኤርትራ ጽቡቕ ስለ ዘላ ምእንቲ ለውጢ ቃልሲ ኣየድልን’ዩ” ዝብል ዕባራ ምኽንያት’ኳ ሎምስ ካብ ዕዳጋ ወጺኡ እዩ። እዞም ምኽንያታት ስለምንታይ ከም ምኽንያት መርሓቒ ካብ ቃልሲ ይቐርቡ’ኳ ተዘይተባህለ፡ ቅሩብነትን ሓልዮትን እንተሃልዩ ግና ክስገሩ ዘይክእሉ ኣይኮኑን። ምናዳ፡ ምናዳ “ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ክኽእል እየ” ኢሉ ዘንቀደ ኒሕ እንተልዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ነቲ ዘለካ ካብ ጉልበትን ፍልጠትን ጀሚሩ ክሳብ ንዋትን ግዜን ዝምጠጥ ጸጋታትካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትስለዖ ምብቃዕ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ካብቲ ትብህጎ፡ ኣዝዩ ጥጡሕ መነባብሮ፡ ካብቲ ዘገላብጥ ሰፊሕ ግዜ፡ ካብቲ “ከምዚ ጥራይ ክኸውን ነይርዎ” እትብሎ ውልቃዊ ስምዒት ቁሩብ ኣይውሰደካን’ዩ ማለት ኣይኮነን።
ሃገርን ህዝብን ብጸርፍን ቆይቅን ዘይኰነስ ብምድምማጽን ብፍልጠትን ኢዮም ዝድሕኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰባት፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ነፍሶም ዘለዎም ገምጋም ሚዛናዊ ክኸውን ይግባእ። ናይ ሰባት ብቕዓታት ካብ ሰብ ናብ ሰብን፡ ካብ መዳይ ናብ መዳይን ይፈላለ ኢዩ። ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ’ቲ እፈልጦ ኢየ ወይ እበቕዖ ኢየ ዝብሎ መዳይ እውን፡ ካብኡ ንታሕቲ፡ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ክፈልጥን ክኣምንን ይግባእ። ሓደ ሓረስታይ፡ ሓደ መካኒክ፡ ሓደ ሓኪምን ሓደ ወተሃደርን እውን ኣብ ነናቶም መዳይ ካብ ሕድሕዶም ዝበላለጽሉ ኵነታት ከምዘሎ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይመስለንን። ሕርሻ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ መካኒክ ወይ እቲ ሓኪም ማዕረ’ቲ ሓረስታይ ብቕዓት ወይ ፍልጠት ክህልዎ ኣይንጽበን ኢና። ንጥዕና ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ሓረስታይን መካኒክን ማዕረ’ቲ ዶክተር ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። መኪና ምዕራይ እንተዀይኑ ከኣ፡ እቲ ሓረስታይን ሓኪምን ነቲ መካኒክ ኣይዳረግዎን ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ኵሉ በብዝፈልጦ መዳይ ክዛረብን ብዛዕባ ዘይፈልጦም ነገራት ድማ ካብ ዝፈልጥዎም ሰባት ክሰምዕን ከሎ ኢዩ ነገራት ብምርድዳእን ብምድግጋፍን ክሰላሰሉ ዝኽእሉ።
ሰባት ንነብሶም ብግቡእ ክግምግሙ ዝኽእሉ ፍልጠት ምስ ዝቐስሙ ጥራሕ ኢዮም። ፍልጠት ግን ዘይነጽፍ ባሕሪ ስለዝዀነ፡ ፍልጠትካ ወይ ብቕዓትካ ደረት ዘለዎ ምዃኑ ወይ ድማ ሕጽረት ዘለካ ሰብ ምዃንካ ክትርዳእ ይግብኣካ። ስለዝዀነ ድማ፡ ዘይትፈልጦም ነገራት ንምፍላጥ ናይ ካልኦት ርእይቶ ምስማዕ/ምድማጽ ወይ መጽናዕቲ ምክያድ ወይ ከኣ ካልኦት ዘጽንዕዎ ነገራት ምንባብ የድልየካ። እዚ ምስ እትገብር ብቕዓትካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ኢዩ ዝኸይድ። ፍልጠትካን ብቕዓትካ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ድማ ውሳኔኻ ካብ ቅኑዕ ንባብ ናይ ነገራት ዝተበገሰ ይኸውን። ክፈልጥን ክመሃርን ዝደሊ ሰብ ኵሉ ግዜ ሓታታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ኵሉ እፈልጥ’የ በሃላይ እንተዀይኑ ግን፡ ስለዘይሓትትን ዘየዳምጽን ካብ ካልኦት ክመሃር ኣይክእልን ኢዩ።
ሓድሽ እንተደኣኰንካ ወይ ሓድሽ ነገር ክትገብር እንተደኣ ደሊኻ፡ ምቕሉል ክትከውን ይግብኣካ። ትፈልጦን ዘይትፈልጦን ነገራት ከምዘሎ ክትኣምንን ክትቕበልን የድልየካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ካብ ካልኦት ሰባት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንዘላካ ፍልጠት፡ ፍልጠት ትውስኸሉ ማለት ኢዩ።
ንኣብነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኤርትራ ናጻ ድሕሪ ምዃና ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተኻፊሉ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ እንታይ ኢዩ ጸገምኩም ኢሉ ከይሓተተ፤ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ይኹን ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብኣልማማ ዘዝነበሎም ነቐፌታ መዳርግቲ ኣይነበሮን። . . .ንብዙሕ ዓመታት መራሕቲ መንግስታት ኰይንኩም ዘፍረኽምዎ ዝዀነ ነገር የለን። . . .ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ዝፈትሖ ሽግር የለን . . .ወዘተ ክብል ኢዩ ኣቆናጺብዎም።
ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሽዑ ሓድሽ ስለዝነበረ፡ ብዛዕባ መንግስትን ምምሕዳርን እኹል ፍልጠትን ተመኵሮን ኣይነበሮን። ምናልባት እውን፡ ህዝብን ሃገርን ምምሕዳር፡ ካብ’ቲ ናይ በረኻ ምሕደርኡ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ግብሪ ምስ መጸ ግን፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ካብ 6 ሚልዮን ዘይበዝሕ ህዝቡ ከምሓድር ኣይከኣለን። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ኣደዳ ድንቍርና፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ ስደት፡ ውግእን ወረ ውግእን ገይርዎ ይርከብ። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ጕድኣት ካብ’ቶም ሽዑ ዘቆናጸቦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘውረድዎ ጕድኣታት ዝበኣሰ እንተዘይኰይኑ ዝሓሸ ከምዘይኰነ ብግብሪ ኣመስኪርዎ ኢዩ። ዋላ’ቲ ኣብ’ቲ ናይ 1998 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ፡ ዘጋጠሞ ስዕረትን ውርደትን ንነብሱን ንጸላእቱን ብግቡእ ክግምግም ካብ ዘይምኽኣሉ ዝነቅል ኢዩ ነይሩ። ናይ ምግምጋም ዓቕሙ ተመዛቢሉ ወይ ድማ ትዕቢቱ ሰማይ ዓሪጉ ነይሩ ተባሂሉ ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር እኹል ኣፍልጦ ዘለዎ መራሒ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ስለ’ዚ ኢዩ’ውን፡ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-መሓትት ይኹን ኣብ ዝገብሮም መደረታት፡ ከም መምህር ናይ ፖለቲካ፡ ቍጠባ፡ ፍልስፍና፡ ስነ-ልቦና፡ ሕክምና፡ ናይ ጠፈር ምርምር፡ ኢንጅኔር፡ . . .ወዘተ ኰይኑ ዝቐርብ። እቶም ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም ምሁራትን ሚኒስተራትን ድማ ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ተምሃሮ ይዀኑ። ባህርያቱ ስለዝፈልጡ ከኣ፡ ክእርምዎ ይኹን ክሓትዎ ኣይፍትኑን ኢዮም። እዚ ድማ መሊሱ ነቲ ትዕቢቱ ከምዝዛይድ ይገብሮ። በዚ ኣነ’የ ዝፈልጠልካ ዝብል ሕማም’ዚ ዝልከፍ ዘሎ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኰነን።
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ክኢላታትን ፈላጣትን ክነሶም ብኽቱር ምቅሉልነት ይኹን ብሸለልትነት ወይ ካልእ ምኽንያታት ነታ ዘላቶም ኣፍልጦ እውን ከንጸባርቕዋ ዘይክእሉ ሰባት ኣለዉ። ፍልጠቶም ወይ ብቕዓቶም ድሩት ምዃኑ ስለዝኣምኑ፡ ነብሶም ኣትሒቶም ይርእዩ። ንነብስኻ ካብ’ቲ ዝግብኣ ንላዕሊ ኣትሒትካ እንተደኣ ገምጊምካያ ድማ፡ ፍርሒ ተሐድር እሞ ነቲ እትኽእሎ እውን ኣብ ግብሪ ክትርጕም ናብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ትወድቕ። ብኻልእ ኣገላልጻ ከም ክኢላ ክትጻወቶ ዘሎካ ተራ ይበኵር ማለት ኢዩ። ብኽእለትካን ፍልጠትካን ክጥቀሙ ዘለዎም ኣካላት ድማ ከይተረብሑ ይተርፉ። ንዘለዎም ፍልጠት ምስ ህዝቦም ከይተኻፈልዎ ሓቝፎሞ ዝሓልፉ ምሁራትን ክኢላታትን ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን። ከም ኣብ ውሽጢ ዕትሮ እትበርህ ዘላ ሽምዓ ንኸባቢኦም ከየብርሁ ይሓልፉ ማለት ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ መራሕቲ/ክኢላታት ሚዛናዊ ዝዀነ ገምጋም ብዛዕባ ነብሶም ክህልዎ፤ ኵሉ ክፈልጡ ከምዘይክእሉ ተረዲኦም፡ ናይ ካልኦት ርእይቶን ምኽርን ከድምጹን ብኣገዳስነት መጽናዕቲ ክኣምኑን ብሓደ ሸነኽ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ንዘላቶም ፍልጠት ወይ ብቕዓት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣብ ረብሓ ህዝቦም ከውዕልዋ ክብገሱ ይግባእ። ናይ ህዝቡ ርእይቶ ዘይሰምዕ መንግስቲ፡ ንሽግራት ክፈትሕ ይኹን ንሃገሩ ንቕድሚት ከስጕም ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ሽግራት ምስ ህዝብኻ ብምምኽኻርን ምድምማጽን ጥራሕ ኢዮም ዘላቒ መፍትሒታት ክረኽቡ ዝኽእሉ።
ናይ ደምበ ተቓውሞ ጸገም እውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ነፍስወከፍ ውድብ ይኹን መራሒ፡ ንነብሱ ከም ኵሉ ዝፈልጥን ዝኽእልን ብምቕጻር፡ ካልእ ኵሉ ክሰምዖን ክስዕቦን ጥራሕ ይደሊ። ናይ ካልኦት ርእይቶን ድሌትን ከኽብርን ክሰምዕን ከምዘለዎ ኣብ ግምት ኣየእቱን። ገለ ድማ፡ ንተመኵሮታቶም ምግምጋምን መጽናዕቲ ምግባርን ከም ግዜ ምጥፋእ ገይሮም ይቖጽሮዎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ እቲ ሃዋህው ይጕድፍ እሞ ምድምማጽ ይኹን ምጽውዋር ይበኵር፤ ኣብ ህልኽ፡ ምጥምማትን ወጥርን ድማ ይእቶ። መፍትሒ ዘይርከቦ ዕንክሊል ኰይኑ ድማ ይቕጽል።
ፓልቶክ ሩማት፡ ከም ናይ ርእይቶታትን ሓሳባትን እንለዋወጠሎም መድረኻት ምዃን ተሪፎም፡ ናብ መታዀሲ ድፍዓት ወይ መዛግብቲ ኢዮም ተቐይሮም ዘለዉ። ገለገለ ሰባት ከኣ’ሞ ብዛዕባ ኤርትራ ኵሉ ዝፈልጡ፡ ናይ ዝዀነ ሽግር መፍትሒ ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ኰይኑ ዝስምዖም፡ ዘምጻእካ ኣርእስቲ እንተምጻእካ ከየስተንፈሱ ኣድራጋ ዝትኵሱ ኣለዉ። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዝተላዕለ ኣርእስቲ 100% ርግጸኛታት ኰይኖም ይዛረቡ፡ ካብ ናቶም ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎም ክሰምዑ ድማ ኣይደልዩን። ኣብ ክንዲ ዝፈልጥዎን ተመኵሮኦምን ጥራሕ ዝገልጹ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ይኹን ብዛዕባ ውድባት ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ታሪኻት ሓዋዊሶም ከዘንትዉ ይስምዑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እናበዝሑ ስለዝኸዱ ድማ፡ ሓቅን ሓሶትን ምፍልላይ ጸገም ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ምድምማጽን ምጽውዋርን ይበኵር፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ጸርፍን ቆይቍን ይሰፍን፡ ሃገርን ህዝብን ድማ ንሓደጋ ብርሰት ይቃልዑ።
ብዙሕ ግዜ “እዞም ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይ ውድባት እንታይ ዕላማ’ዩ ዘለዎም” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። እቲ ሕቶ ከም ሕቶ ዝጽላእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ እንታይ ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ እዮም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ ዝብል’ዩ ክምለስ ዘለዎ። ካብዚ ነቒልና እምበኣር እቲ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝደልዮ ክፈላለ ከምዝኽእል ግምት ክንረክብ ይከኣል እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ዝሓትት ገሊኡ ድሌታት ንብሄር፥ ንሃይማኖት፥ ንኣውራጃ ወይ ኣውን ንትሒዘ-ጸኒሕ (conservative) ዝሓስቡን ዝውክሉን ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኡ ከኣ ንህዝቢ ኣተሓቛቚፉ ዘተሓባብር ግዝኣተ ሕግን ቅኑዕ ምሕደራን ዝኣምን እዩ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶ ዝሓትት ነፍሲ ወክፉ ነናቱ ዕላማን ኣተሓሳስባን ክህልዎ ዝኽልክሎ የለን። ግንከ እቲ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይናይ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ዝፈላሊ ወይ ዝተሓቛቚፍን፥ ዘሳንን ምምማይ ናይ ብልህነት ባህሪ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ነቲ ካብ ስኒት፡ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ኣርሒቑ ዝምርሽ ሓሳብ ወይ ዕላማ ነቲ ቀዳማይ ክኸውን ዝግበኦ ንድሕሪት ይጎቶ’ሞ ነቲ ዓወት ኣብ ክንዲ ዘቀላጥፍ የዛሕትል ወይ ከኣ ናይ ሓባር ዓወት ንምርግጋጽ ዘሎ ተኽእሎ የዳኽሞ።
ብካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ስልጣንን ሓላፍነትን ምውሳን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብምስሓት ባዕሉ እንተስ ብውልቀ እንተስ ብእኩብ እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ብምባል፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ተጐስዩ ከምዝሕለፍ ይገብሮ። ብዘይካ’ዚ ነተን ሰልፍታት ብግቡእ ከለልየንን ክፈልጠንን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እሞ፡ ንኹሉ ብኣልማማ ክርቢት ሸርጢጡ የንድድ። እቲ ቀዳማይ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክሕዝ ዝግበኦ ጉዳያት ብምድውዋስ ዝስዕብ ፍልልያትን ምግርጫዋትን ከኣ ነቲ ሃገራዊ ስምዒት ይኹን ነቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ንኽቃለስ ዝተወደበ ዘዕንቅፍን ዝሃስን ይኸውን።
ንኣብነት ገሊኡ ኣብ ዲያስፖራ ወይ ወጻኢ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ኣየነይተን ሰልፊ ወይ ውድብ እያ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማኣ ሓንጺጻ ዘነጸረት ንምፍላጥ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ንኹለን ከነኣእስን ክቆናጽብን እዩ ዝህንደድ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ንሓንሳብ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ፥ ሃገርና ልኡላውነት የብላን፥ ሓንሳብ ሰማያዊትዶ ወላ ሕብርታት ዝበዝሓ ባንደራ፡ ዝብሉ ወረታት ኣብ ዝነዝሓሉ እንተዘይርዒምካል ንዓኡ በዓል ዕላማን ራኢን ኣይኮንካን። በዚ ኣካይዳ ካብቲ ብሓባር ኰይንና ክንቃልሶ ዝግበኣና መላኺ ኣተሓሳስባ ስርዓት ህግደፍ ወጺእና ኣብ ጓል ነገር ስለ ዘህውትተና፡ እቲ መላኺ ስርዓት ብኮራርምቱ ክስሕቕን ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ከናውሕን ዕድል ንኸፍተሉ ከም ዘለናን ከነስተብህል ይግበኣና።
ኣብዚ ግዜ እዚ ብፍላይ እቶም ምስ ህዝባዊ ግምባር ዝቃለሱ ዝነበሩ’ሞ ነቲ ውድብ ብግቡእ ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ዱድ ክብሉ ከለዉ እቲ ሰማዒ ከኣ ቃልሱ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ገዲፉ ሓዲሽ ዘይተሰሞዐ ታሪኽን ተግባርን ግዲ መሲልዎ፥ ነቲ ንሎሚ መሰረታዊ ዘይኮነ ክሰምዕ ግዜኡን ጉልበቱን የባኽን። እዚ ከኣ ንረብሓ እቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ እዩ ዝውዕል።
ሎሚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዓታትን ጌጋታትን ክዝንቶ እንከሎ ንብድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ከይድገም ክንመሃረሉ እምበር፡ ንሕሉፍ ክንፈርድን ክንቀጽዕን እንተዀንና እቲ ሕሉፍ ፈጺሙ ኣይቅየርን እዩ። ‘’ርእሲ ዝነኸሰካ ተመን ብምቕጥቃጥ ቁስሊ ኣይሓውን እዩ’’ ከም ማለት እዩ። ባንደራ ትንደድ ትቀደድ፥ ግፍዕታት ይዘርዘር ኣይዘርዘር፥ ናይ ፈደረሽንዶ ናይ ህግዲፍ ባንደራ ምውድዳር፡ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነትዶ ነይሩ ኣይነበረን፥ ስውኣትዶ ኣገልገልቲ ኢሰያስ ንበሎም ኣይንበሎም፡ ዝብል ኮለል ነቲ ስርዓት ብምንም ዓይነት ዘዳኽሞ ዘይኮነስ መሊሱ ዘፈርዝኖ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓና ካብቲ ቀዳማይ ዕላማና ዘስሕተና ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ምዃኑ ኣሚንና፡ ቀዳማይ ኣድህቦና ኣንጻር’ቲ ወግሐ ጸብሐ ህዝብና ንምጽናት ተዓጢቑ ዘሉ መላኺ ስርዓት ምውዳቕ ክኸውን ይግበኦ።
ነዚ መላኺ ስርዓት ከመይ ነልግሶን ኣብ ክንድኡ ከመይ ዝበለ ምሕደራን ፍትሕን ክነንግስ ኢና ኣብ ዝብል ፍልጠትና ክነዕሙቚን ዓቕምና ክንድልብን እዩ ዝግበኣና። ነተን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሓደ ብሓደ ብዘለወን ዘለወን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ግብራዊ ምንቅስቓሰንን ክነጽንዐንን ኣካል’ተን ዝመረጽናየን ኮይና ክንስለፍን ይግበኣና።
Germany and Eritrea: defending human rights or curbing migration?
Written by DWeRITrea
Eritrea is often called the North Korea of Africa. Tens of thousands of people flee the country each year. This week an Eritrean delegation is set to visit Berlin for political talks.
The trip to Germany is important to Eritrea's government. Two ministers and the influential presidential advisor, Yemane Gebreab, are part of the delegation. The agenda: an economic forum, a panel discussion and a meeting with German parliamentarians.
"The visit is the result of talks that were held in December 2015 when a delegation from the German development ministry, headed by minister Gerd Muller, visited Asmara," a spokesperson from the German Ministry of Economic Cooperation and Development told DW.
Eritrea has been politically isolated for years. The small state was once a beacon of hope in the Horn of Africa. In the early 1990s, after a 30-year-long war, it declared itself independent from Ethiopia. In 2007, Germany stopped its remaining development aid to Eritrea. The United Nations have repeatedly accused Eritrea's government of committing crimes against humanity in its detention camps and military facilities, including torture, enslavement, rape and murder. "Eritrea is an authoritarian State. There is no independent judiciary, no national assembly and there are no other democratic institutions," said Mike Smith, chair of the UN's Commission of Inquiry, in June.
Stopping the exodus
All that has, however, not deterred Germany from extending its feelers towards the north African country. In December 2015, development minister Muller set the ground for political dialogue. The Eritrean government needs to improve its human rights situation and start political reforms, Muller said during his visit. "We can support Eritrea in stopping the exodus of its youths, by improving living conditions for the people on the ground," he added.
Germany has felt the consequences of the mass exodus from Eritrea. Just last year, 25,000 Eritreans sought aslyum in Germany. Approximately 200,000 refugees are currently estimated to be in neighboring Sudan and Ethiopia. Many young people flee because of the infamous compulsory "national service". Officially, the service is branded a military service, but human rights organizations have compared it to forced labor because the recruits have to work in state run companies for several years.
"We have to take care that the talks between Germany and Eritrea don't just prevent the migration to Europe and change nothing about the human rights situation in Eritrea, warned the German Green Party parliamentarian, Kordula Schulz-Asche. The German government needs to be clear about that, added the lawmaker who is also the deputy chairperson of the German-East African group in the Bundestag.
"What is important, is that the Eritrean government allows an investigation into the human rights situation before the two governments speak to each other," argued Schulz-Asche. To date, Eritrea has not let independent observers into the country. The UN report, for instance, relies on testimonies from Eritreans who have fled the country.

Ethiopia and Sudan receive many of Eritrea's refugees. Human rights groups have, however, also complained about the deplorable conditions in some of the camps
'The approach is naive'
Experts, however, fear that precisely this issue could be undermined in the current talks between Europe and Eritrea. "From the European side, there is the hope that if they invest money in the country, people will no longer be forced into this long military service and as a result, will not want to flee. That is simply naive," argued Nicole Hirt, an expert on Eritrea at the GIGA institute in Hamburg. "I don't see any motivation from the Eritrean side to change their policies. I think that Europe should rather put more pressure on Eritrea before putting money into it."
The European Union's recent actions, however, point to a different approach. In May and June, media reports suggested that the EU was seeking a stronger "border protection" cooperation with eight African states. Eritrea was one of them. Additionally, Brussels promised to pour 40 million euros ($44.9 million) over the next three years into itsTrust Fund for Africa.
In Eritrea itself, a policy change in its national service sector has not been a topic of discussion. And the most recent tension between Eritrea and Ethiopia, make a change in Asmara's forced recruitment policy very unlikely.
Source=http://www.dw.com/en/germany-and-eritrea-defending-human-rights-or-curbing-migration/a-19532224
DW RECOMMENDS
http://www.dw.com/cssi/i-solo-dwblue.png) 0px -7400px no-repeat;">Refugees in Libya 'traumatized'
The bodies of 41 presumed migrants were found washed up on a Libyan beach on Sunday in another tragic reminder that a refugee crisis remains unresolved. DW talks to the UN's senior diplomat in Libya, Martin Kobler. (26.07.2016)
http://www.dw.com/cssi/i-solo-dwblue.png) 0px -7400px no-repeat;">Attacks at Ethiopian - Eritrean border just a 'skirmish'
The Ethiopian government has blamed Eritrea for what it calls provocation, which led to two days of fighting between the two countries. Political analyst Jason Mosley says the recent tension is not a significant upsurge. (14.06.2016)
http://www.dw.com/cssi/i-solo-dwblue.png) 0px -7400px no-repeat;">Eritrean government systematically committed crimes against humanity
The Eritrean government has systematically committed crimes against humanity over the last 25 years. Only three weeks after Eritrea marked 25 years of independence from Ethiopia, a UN report has pulled no punches. (08.06.2016)
http://www.dw.com/cssi/i-solo-dwblue.png) 0px -7400px no-repeat;">Carrot and stick: EU refugee policy in Africa
The European Commission is seeking to stem the tide of refugees from Africa. Pressure and incentives are designed to entice African nations to close their borders and to take back migrants. (07.06.2016)
Repression, resistance and poverty: Secretly filmed photos and video smuggled out of Eritrea
Written by Martin PlautEritrea remains one of the most repressive countries on earth, but the government of President Isaias Afewerki has attempted to downplay this reality.
No international media are allowed to have a correspondent based inside the country.
But in the run-up to the 25th anniversary in May this year the international media were invited in for carefully staged tours. Eritreans from the diaspora came to join the celebrations.
But the image of a country celebrating its freedom, happy and contented with its government is in sharp contrast to the tens of thousands who flee – only to have to be rescued in the Mediterranean.
Now photographs and film have been smuggled out of Eritrea by the Freedom Friday network, which is encouraging resistance to the regime.
The material portrays a much stacker reality.
They also show underground opposition, with resistance graffiti sprayed on walls – only to be covered up by government agents.
These are translations from Tigrigna, from the top. Most refer to the May celebrations.
- 25 years of suffering and anxiety [from May]
- 25 years – a lot of deceptive words through zero-three (the government’s rumour-mill). Many heroes in prison – we are being wiped out because of the Isaias administration
- The government of Eritrea dwells on past history, while the Europeans discover new technology
- The seas of Libya are filled with Eritrean youth, while the foolish people are laughing and dancing
This writer simply asks: “Isaias please step down”
The video that has been secretly sent out reinforces the message of poverty and repression.
Here are two stills showing undercover police (security agents) stopping and searching cars in Asmara. Freedom Friday’s network says they now routinely do this – looking for resistance material: posters, paint, printing equipment and even arms. They also look for currency.
There is also video showing how people – mostly women – have to sit for hours, waiting to buy everyday goods.
Here they are waiting to purchase fuel for cooking.
The Freedom Friday activists comment: ‘This was a good day! People were hopeful for getting some lamba [cooking fuel].’
Children are used to stake a family’s place in a queue.
But this is a long, arduous and entirely wasteful process.
No wonder productivity is so low and the economy relies so heavily on the mine at Bisha and the remittances from the diaspora!
Indefinite National Service has left many families desperately poor.
This has been exacerbated by drought and by the change in the currency (the Nakfa) and requirements that withdrawals from bank accounts are severely restricted.
A permanent ‘no-war, no-peace’ confrontation with Ethiopia over their disputed border has only made matters worse.
Little surprise that there is growing discontent and – as the graffiti shows – growing resistance.
More...
ጽንብል ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዙሪኽ፡ ስዊዘርላንድ ተኻይዱ፤ ሓው ተስፋይ ደጊጋ መደረ ኣቕሪቡ
Written by EPDP Information Officeዝኽሪ መበል 55 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ ብ3 መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ዙሪኽ ስዊዘልርላንድ ከቢሩ ውዒሉ።
ነዚ ጽንብል ዘዳለወ ኣካል፡ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ። እቲ በዓል ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 9 ድ.ቀ. ዝተፈላለየ ንጥፈታት መንእሰያት ዘስተናገደ ነበረ። ሓያሎ መንእሰያት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስዊስ ዝተሳተፍዎ ውድድራት ስፖርት ሓደ ካብቲ ነቲ በዓል ምርኡይ ዝገበሮ ተረኽቦ ነበረ። ኣብ መደባት ንግሆ ዝተሰላለሰሉ መደባት ስፖርት፡ ውድድር ኩዕሶ እግርን ቅድድምን ነይሮም። እዚ ድማ ንንያት መንእስያት ኣበሪኹ ንድምቀት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣማዕሪጉዎ ውዒሉ።
ድሕሪ ቀትሪ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብ ኣደራሽ ኣኼባ ተረኺቦም ፖሊቲካዊ መደረታት ተሰሚዑ። ቃል ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ስዊስ ብኣቦ መንበር ዓሊ ገሽራ ድሕሪ ምስምዑ፡ ሓው ተስፋይ ወልዲሚካኤል ደጊጋ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤን፡ ኣባል ግዜያዊ ኣካል ዋዕላ ናይሮቢን፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣኽቢሩ ኣብ’ቲ በዓል ብምርካብ ብዛዕባ ምጅማር ብረታዊ ሰውራን፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርን፡ ኣውራ ድማ ብዛዕባ ንጥፈታት ገዜያዊ ኣካል ርኽክብን፡ ዳግማይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን ሓው ዩሱፍ ኢብራሂም ቦሊሲ፡ ኣባል ረድዮ መድረኽ፡ ብዛዕባ ተራ መድያ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ’ዚ ነቶም ኣብ ንጥፈታት ስፖርት ዝተዓወቱ ስልማታት ተዓዲሉ። ኣሕዋት ተስፋይ ደጊጋን ዩሱፍ ቦሊሲን እውን፡ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ዘንጸባርቕ፡ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት፡ ካብ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተቐቢሎም።
ካብ’ዚ ኣስዒብና እቲ ብሓው ተስፋይ ደጊጋ ዝቐረበ መደረ ንኣንበብቲ ነቕርብ
ሰላምታ: ኣቦ መንበርን ኣባላትን ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዘርላንድ
ምስጋና: ኣብ’ዚ በዓል’ዚ ንምስታፍን፡ ቃል ንምሃብን ዝዓደሙ ኣሰናደውቲ
ክቡራትን ክቡራንን!
ዝኽሪ ሓደ መስከረም እነብዕለሉ ዘሎና መዓልቲ፡ ምንጪ ክብርን ኩርዓትን ኤርትራና ኰይኑ ንውሉድ ወለዶ ዝሓልፍ ህያው ኤርትራዊ ታሪኽ’ዩ። ንክብሪ’ዚ ዕለት’ዚ መደረ ከስምዕ ዕድል ምርካበይ ድማ ልዑል ሓበን ከም ዝስመዓኒ ክገልጽ እፈቱ።
ቅድሚ 55 ዓመታት ብባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ንሃገራዊ ናጽነትን ሃገራዊ ሓድነትን ዘማዕደወ ብረታዊ ተጋድሎ ተኣዊጁ። እወ: ክጅምር ከሎ፡ መጠን ሰብኣዊ ሓይሊ ክሳብ 11 ኣባላት፡ ኣጽዋር ድማ ሓሙሽተ ጠያይት ጥራይ ዝልጐም ኣቡ ኻምሳ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። እቲ ራእይን ፖሊቲካዊ መልእኽትን ግን ንምልዮናት ኤርትራውያን ከውክል ዝኽእል እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ እዩ ድማ ዝተባርዐ ሰውራ፡ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ እናዓበየ ኣብ ውሽጢን ግዳምን ንኩሎም ኤርትራውያን ኣተሓባቢሩ፡ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጊጹ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ብወርሒ ግንቦት 1991 መግዛእቲ ክስዕር ዝኸኣለ።
ዋጋ ናጽነት ቀሊል ኣይነበረን። ብዓወታት ጥራይ ዝተኸለለ መስርሕ እውን ኣይነበረን፡ ህይወት ብሉጻት ደቂ ኤርትራ ወሲዱ እዩ። መሪር ተምክሮ ኲናት ሓድሕድን ግዳማዊ ምትእትታውን ርእዩ እዩ። ሳላ ጽንዓትን ኣብ ሓደ ዕላማ ዘትኰረ ተሳትፎ መላእ ህዝብናን ግን ኣብ ልዕሊቲ ብዕጥቂን ብዝሒ ሰብኣዊ ሓይሊን ግዳማዊ ደገፍን ዘይመጣጠኖ ሓይሊ መግዛእቲ ጭቡጥ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ። ካብቲ ታሪኽ እንቐስሞ እንተሎ፡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንናጽነት ሃይማኖታዊ ፍልልያት ተሰጊሩ እዩ። ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ቀቢላዊ ፍልልያት እውን ክስገር ተበቒዑ እዩ። ኩልና ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ኣትኲርና ኢና ተዋዲቕና። ጸላኢና ዝፈተኖ ፍልልያት ነይሩ እዩ፣ ግንከ እዚ’ውን ተሳዒሩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ነጭ-ለባሽ፡ ሓይልታት ፖሊስ፡ ኮማንዶስ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ስለያን ጦር ሰራዊትን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ንሓይሊ መግዛእቲ ራሕሪሖም ሓይሊ ሰውራ ክዀኑ ዝገበረ ታሪኽ ተጋድሎ እዩ ዘሎና። እንቋዕ ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እታ ፈላሚት ጥይት ተኲሶም ሰውራ ከም ዝባርዕ ገበሩ። ባሕቲ መስከረም ብኽብሪ ትንበር።
ሕጂ መዓልቲ ምጅማር ሰውራ ክንጽብል ከለና፡ ታሪኽ ናጽነታዊ ተጋድሎና እንዝክረሉ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሓባሪ ምዕ
ራፍ ኣተሃላልዋናን መጻኢናን ክንገብሮ ሓላፍነትና እዩ። እቲ ሃልሃልታ ቃልሲ ናጽነት ዘረጋገጸ ቁልዒ፡ ኣይቀሃመን። ሕጂ ሃልሃልታ ሓርነታዊ ቃልሲ ከረጋግጽ ከም መነሃርያ ክንወስዶ የድልየና። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እምበኣር ስለስተ ሕቶታት ከንልዕል እዋናዊ ይመስለኒ።
- ኣበይ ኣሎና?
- እንታይ ንደሊን ንገብርን ኣሎና?
- ኣበይ ክንበጽሕ ኢና?
ኣበይ ኣሎና?
- ሃገርና እትነብረሉ ዘላ ኣሕዛኒ ኩነታት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍና ስዉር ኣይኰነን ኣብኡ ግዜኹም ክበልዕ ኣይደልን። ብሓጺሩ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ናጽነት ተጠሊሙ እዩ። ሃገርና ምልኪ ብዘምጽኦ መዘዝ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል ዝበዀረላ ዝወደቕት ሃገር ከይና ኣላ። ግፍዒ ሳዕሪሩ፡ ደቃ ካብ ምንባር ንሓደጋ ጥፍኣት መሪጾም ዝባረሩላ ሃገር ከይና፡ ዓዲ ጠላማት ሰበ ስልጣን፡ ደቃ ዝገፍዕዋ፡ ዘድከይዋን ማሕበራዊ ክውንነታ ዘፍረስዋን ሃገር ክብል ይቐለኒ።
- ኣተሃላልዋና ምስ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ብምዝማድ ድማ ኣብ ሃለዋት ሓይልታት ተቓውሞ ከነስተብህለሉ ዘሎና ሽግራት ብነጥብታት ከቐምጥ እፈቱ፥
- ድኽመት ፖሊቲካዊ ውድባት ተቓውሞ
- ብሰንኪ ብኩራት ሃገራዊ ሓባራዊ ማእከላዊ ስልጣን ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻባት ሚዛን ይረክብ ምህላዉ
- ጽበት መቃለሲ ሜዳ
- ብኩራት ጥዑይ ዝምድና ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸረ-ምልኪ
- ድኽነት (ሕጽረት ሰብኣውን ንዋታውን ምንጭታት)
- ብኩራት ልዑል ኣህጉራዊ ደገፍ
- እዚ እቲ ሽግራትና ኰይኑ ገሊኡ ባዕላዊ ገሊኡ ድማ ወድዓዊ እዩ። ይኹን’ምበር ኩልና ከም ተቓውሞ ነዚ ኣስተብሂልና ፍታሓት ኣብ እነናድየሉ እዋን ኢና ዘለና ክብል እደፍር። ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ለውጢ ከረጋግጽ ይደሊ ኣሎ። ብዘይ ሓደ ጐደል። ለውጢ ከነምጽእ ነቲ ስርዓት ክንቀብጾ ነይሩና። ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ኣብ ልዕሊቲ ስርዓት ቅብጸት እምበር እምነት የለን። ቅብጸት ድማ ንቃልሲ ይዕድም’ዩ።
- ንፍርሒ ክንስዕር ነይሩና፡ ገዚኡና ዝነበረ ፍርሒ ተሳዒሩ እዩ። ዘይነዓቕ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣሎ፡ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምትእኽካባትን ዝግልጽ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ህያው ምስክር እዩ።
- ብኣህጉራዊ ደረጃ እውን ኤርትራዊ ስርዓተ-ምልኪ ዝንጸገሉ፡ ወጽዓታት ህዝብና ድማ ዝፍለጠሉ ልዳት ረጊጽና ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ሓይልታት እውን ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝምድናታት ይምዕብል ኣሎ። በዚ ነቲ ጽበት መቃለሲ ባይታና ከም ዝርሕብ ንገብር ኣሎና
- ዘድልየና ዘሎ እዋናዊ ጉዳይ እምበኣር፡ ንብኩራት ጥዑይ ዝምድና ኣብ መንጎ ተቓውምቲ ውድባትን፡ ሲቪል ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ንምእራም ክንንቀሳቐስ: ንዝምድናታትና ዝገዝእ ሓባራዊ ስምምዕ ክንህንድስን ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ኣትኲርና ብተወፋይነት ክንዋሳእን እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ሕዳር 2015 ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢን፡ ናይ ነሓሰ 2016 ፍራንክፈርት ኮንፈረንስ ህንጸት ምትእምማንን፡ ካልእ ከምኡ ዝበለ ንጥፈታት ደለይቲ ፍትሕን ኣወንታዊ ባይታ ኣንጺፉልና ኣሎ።
እዚ ተስፋታት’ዚ እንከሎ ግን ዕሽሽ ኢልና ክንሰግሮ ዘይንኽእል ምዕባሌታት ምጥቃስ የድልየና። ብፍላይ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝምዕብል ዘሎ፡ ታሪኽ ተጋድሎና ከም ታሪኽ ሸፋቱ ዝገልጽ፡ ንሃገራዊ ናጽነታዊ ቃልሲ ኤርትራውያንን መስዋእቶምን ዘቈናጽብ ዝንባሌታት ክገሃድ ተራእዩ እዩ። ገለ ምድንጋር ንምፍጣር ፡ ወይ ንሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ መኣዝኑ ንምስሓት ዝሃቀነ ፈተነ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ግን ታሪኽ ቦታኡ ሕሉፍ እዩ። ተሰሪሑ ስለ ዝዀነ ድማ ክትቅይሮ ኣይከኣልን’ዩ። ኤርትራዊ ታሪኽ ድማ፡ በሃሊ ዝበለ ይበል፡ ታሪኽ ህዝቢን ታሪኽ ናጽነታዊ ተጋድሎን ምዃኑ ኣይቅየርን እዩ። እቲ ሓደጋ ነቲ ታሪኽ ካብ ሕሉፍ ቦታኡ ናብ ህልዊ ኣምጺኻ ትርጉሙ ክትጠዋውዮን ምዕባሌ ክትጋርደሉን ምስ እትፍትን እዩ። ናይዚ ኣንፈት’ዚ ኣበሃህላ ድማ ንመጻኢ ዝኣመተን ኣብ መጻኢ መንነት ኤርትራን ሃገራዊ ድሕረ ባይታኣን ንምብራዝ ዝሃቀነን እዩ። መኸተና እምበኣር ከምቲ ቀደም፡ ሕጂ ውን ንኤርትራዊ መንነት ምክልኻልን፡ ካብ’ቲ ክበታትኖ ዝህቅን ፈተነታት ምድሓኑን እዩ።
በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ብሕባር ክቃለስ ዝግብኦ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ብዛዕባ ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ምርካቡን፡ ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ዕንቅፋታት ክቕርብ ምጅማሩን እዩ። ብርእይቶይ ነዚ ሕቶ’ዚ ብህድእትን ብልዝብን ክነፍትሖ ኣሎና ብሃላይ እየ። ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝመርሐ ኤርትራዊ ጅግና ምዃኑ ዝቕየር ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ከነኽብሮን ብሓወልቲ ከነማዕርጎን ይግበኣና። ንሕና ከም ኤርትራውያን ጥራይ ዘይከነስ፡ ወጻእተኛታት እኳ ከም ጀግና የኽብርዎ ኣለዉ። ኣብ ሃገር ኢጣልያ፡ ኣብ ኮሎኞ ሞንተዘ ኣብ ዘተባህለ ከተማ ከባቢ ሚላኖ ንዝኽሪ ጅግንነቱ ምስ 8 ጀጋኑ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰሪዖም ኣብ ሓደ ”Garden of the just of the world” ጀርዲን ናይ ዓለም ቅኑዓት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ገረብ ተኺሎምሉ ኣለዉ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገፍዕ ኤርትራዊ ምልካዊ ስልጣን እውን ኣብ ሃይኮታ ሓወልቲ ተኺሉሉ ኣሎ። እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ኩልና ኤርትራውያን እዚ ጅግና’ዚ ከማና ሰብ ምኳኑ ከም ሰብ ድማ ኣብ ህይወቱ ጌጋታት ፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ሃገራውያን ጀጋኑ ዝዀነ ይኹን ጌጋታት ከይፈጸሙ እዮም ጀጋኑ ከይኖም ዝብል ተረድኦ የብልናን። ንኣብነት ጆርጅ ዋሽንግተን ናይ ባራዩ ወናኒ ነይሩ፡ ክሳብ ሕጂ ጅግንነቱ ዘይእምኑ ሸነኻት ይርከቡ እዮም። ግን ናይ ቃልሲ ኣመሪካዊ ናጽነት ጅግና ምኳኑ ኣይተሓድገን። ኤሚልያኖ ዛፓታ ናይ መክሲኮ ብገበናት ዝልለ ክስታት ኣብ ታሪኽ ኣለዎ ይበሃል እዩ። ግን ናይ መክሲኮ ጅግና እዩ፡። ከይረሓቕና ኣብ ከባቢና እንተተመልከትና እውን፡ መሓመድ ኣሕመድ ኣልማህዲ ጭካነ ዘለዎ ገበናት ከም ዝፈጸመ ይፍለጥ እዩ። ግን ሱዳናዊ ጅግና ምዃኑ ኣይተረፎን። ናይ ኢቶጵያ ሚኒሊክ እውን ክሳብ ሕጂ ብጅግንነቱ ዘይኣምኑ ኣለዉ፡ ግን ወግዓዊ ኢትዮጵያዊ ጅግና ምዃኑ ኣይተሓድገን።
ሕጂ ናብ ስዉእ ኢድሪስ ሓምድ ዓዋተ፡ ክንምለስ ከሎና፡ ከማና ሰብ ከይኑ፡ ዝዓበየ፡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ካብ ንእስነቱ ብረት ክጥቀም ዝኸኣለ፡ መንእሰይ ነይሩ። ኣብ 25 ዕድሜኡ ናይ ጥልያን ዓስከር ከይኑ ከም እተኸትበ፡ ጥልያን ብእንግሊዝ ምስ ተሳዕረ ድማ፡ ንመንግስቲ እንግሊዝ ተቓዊሙ፡ ዓዲ ገዲፉ ንበረኻ ከም ዝወጸ ይትረኸሉ እዩ። ተሓኤ እውን ኣብ ካይሮ ብዝነበሩ ተመሃሮን ፈሊጣውያንን ከም ፖሊቲካዊ ውድብ 1960 ቆይሙ ነይሩ እዩ። ግን’ከ እቲ ዝዀነ ካልእ ሰብ ክገብሮ ዘይከኣለ፡ ንሱ ግን ዝገብሮ፡ ብባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓኡ ብረታዊ ሰውራ ምብራዕ እዩ። እዚ ታሪኽን ጅግንነትን ኣይቅየርን እዩ። ናይ ኩልና እዩ። ስለዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልትት ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ብሓደ ሸነኽ ታሪኻዊ ጅግንነት እናኽበርካ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መሰል ሰባት ኣብ ምሕሳብን ታሪኽ ምምርማርን እናኽበርካ ብልዙብ መንገዲ ክስገርን፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ክንኣቱን ዝኽልክል ኣይኰነን ዝብል ተረድኦ ኣለኒ።
ናብቲ ካልኣይ ሕቶ ክንሰግር እንታይ ንደልን እንታይ ንገብርን ኣሎና።
ከም ሓይልታት ጸረ-ምልኪ ዘይንደልዮ ንፈልጦ ኢና። እቲ ሕቶ ነቲ እንደልዮ ኣነጺርና መደባት ከመይ ንሰርዓሉ እዩ። እቲ ንሓዋሩ እንደልዮ እምበኣር ንምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕኻ፡ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ቅዋማዊ ስርዓት ስርዓት ምትካል፡ ንሓድሕዱ ዝቈጽጸር ትካላት መንግስቲ ምቛም፡ ማሕበራውን ቑጠባውን ዕቤት ምርግጋጽ፡ ሰላማዊ ውድድርን ምስግጋር ስልጣንን ዘፍቅድ ስርዓት ምህናጽ’ዩ። ነዚ ድሌት’ዚ ንምርግጋጽ መጀመርያ ዝመጽእ ዕማም ንምልኪ ምስዓር’ዩ። ኩልና ኣብ ምልጋስ ምልኪ እንሰማማዕ ብሓባር እንግዘኣሉ ጐደና ክንጸርግን ክንምድምዶን ብህጹጽ የድልየና’ሎ።
ሕራይ፡ ብዙሕ ዝተገብረ ፈተነታት ኣሎ’ዩ። ቀጻሊ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ዘተታት ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን። በብወገኑ ናይ ዕርቂ ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ዘመዝገቦ ዓወት ንዕርድታት ህግደፍ ኣብ ምፍራስ ክሳብ ክንደይ ተራ ከም ዝነበሮ ኩልና ናይ ዓይኒ ምስክር ኢና። ሕጂ ንጀምሮ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ብዕቱብነት ንቐጽሎን ንወፈየሉን እዩ’ቲ ጠለብ። ውደባ ሓባራዊ ስራሕ የድልየና ኣሎ’ሞ ከመይ ጌርና ኢና ናብ ጸረ ምልካዊ ስሩዕ ውደባ እንሰጋገር ንመርምር ወጽኢት ምርመራና ድማ ነተግብር።
ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኩልና ዘሎ ዓቢ ዕማም ጉዳይ ምምኽራዊ ዋዕላ ናይሮቢን ናይ መጻኢ መደባትን ከልዕል ኣፍቅዱለይ።
ናይ ናይሮቢ ዋዕላ ምምጻኡን፡ ከም መጀመሪ 11 ውድባት ተራኺበን ሓባራዊ ውዕል ክኽትማ ምኽኣለንን ዓቢ ስጉምቲ ኣብ ጉዕዞ ጸረ ምልካዊ ቃልሲ እዩ። ኣብዚ ውዕል’ዚ ብዝጸደቐ ስምምዕ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ብሽድሽተ ኣባላት ቆይሙ ስራሑ ብወርሒ ለካቲት 2016 ጀሚሩ።
መሰረታዊ ዓማሙ ድማ
- ኩሉ ሓቆፍ ዳግማይ ዋዕላ ንምክያድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር
- ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር ንድፊ ሓባራዊ ራእይን ናይ ትግባረ መደባትን ምቕራብ
R ክሳብ ካልኣይ ሃገራዊ ምምኽራዊ ዋዕላ፡ ንጥፈታት ኣካላት ዋዕላ፡ ንምውህሃድን ንምውጋንን ዘኽእል ስትራተጅያዊ ኣንፈት ምትሓዝ።
ውድባዊ ቅርጻን ስራሓት ኣካላቱን ምንጻርን፡ ናይ ግዜያዊ ኣካል መደብ ዕዮ፡ ምሕንጻጽን
R ናይ ኩሉ ንጥፈታት ውጽኢታት ከም ዝዕቀን ንምግባር መሳርሒታት ምምዕባል። (ነፍሲ ወከፍ ኣባል ተመዲቡሉ ዘሎ ዓውደ ስራሕ፡ እንታይ ተግባራዊ ትጽቢታት ከም ዝንበረሉ ምውሳን)
R ናብ ኣባላት ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላን ናብ መድረኽን ስሩዕ ጸብጻባት ምቕራብ። ከም ኣድላይነቱ በብግዜኡ መብርህታት ምሃብ።
- ነቶም ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዘይተሳተፉ፡ ብምልኣት ንክሳተፉ ጽዑቕ ርኽክባትን ጻዕርታትን ምክያድ ይርከቦ።
በዚ መሰረት እዚ ኣካልዚ ቀጻሊ ርክባት ብምክያድ ነዚ ከቢድ ዕማም ኣብ ሓጺር እዋን ( ብዝምድናዊ ኣዘራኣርባ) ከብጽሖ ክጽዕር ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ።
ንብስራት፡ እዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ኣተኣማማኒ ክበሃል ዝከኣል መድረኽ በጺሑ ከም ዘሎ ድማ ነዚ ኣኼበኛ ክሕብር፡ ተስፋታት እናኸለለኒ እዩ። ኩለን እተን ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዝረኸበን ውድባት፡ ኣብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ከም ዝሳተፋን፡ ስራሕ ግዜያዊ ኣካል ንኽዕወት ክተሓባባአራን ምዃነን ኣመዝጊበን ኣለዋ። መፈለምታዊ ንድፊ ሰነዳት ሓባራዊ ራእይን፡ ናይ ትግባረ መደባትን ናብ ምዝዛም ገጹ እዩ። ናብ ኩለን ውድባት ክመሓላለፍን እተን ውድባት ብዘቕርባኦ ርእይቶታት ክህብትምን ተአሪዑሉ ኣሎ። ዳግማይ ዋዕላ ናይሮቢ ድማ ቅድሚ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክትግበር እዩ፡ ዝብል መደብን ትጽቢትን ኣሎና። ምትሕብባርኩም ኣይፈለየና።
ኣብ መደምደምታ ነቲ ኣበይ ክንበጽሕ ኢና ዝብል ሕቶ ከልዕል
እቲ ጻዕሪ ናይ ኩልና፡ እቲ ዕላማ ድማ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር ዘብቆዓና ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ’ዚ ክንበጽሖ እንደሊ ኣብ መንጎ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ዕርቅን ሓባራዊ ናይ ስራሕ መደብን ምርግጋጽ እዩ።
- ነዚ ንምትግባር ብቐዳምነት እነልዕሎ ሕቶ ከመይ ጌርና ንኽበታትነና ዝኽእል ሽግራት ንውግድ? ከመይ ጌርናኸ ነቲ ዝሓልፍናዮ ትራጀዲ ኣይንደግምን ዝብል እዩ።
- ንሕና ደቂ ሓንቲ ኤርትራ ኢና። ስለ ዝዀንና ኣካላት ናይ’ቲ ሽግር ንሕና ኢና። ብሓባር ንስከሞ። ኣካላት ናይቲ ፍታሕ እውን ንሕና ኢና። ብሓባር ኣብ ሃገራዊ ውዕል፡ ብሓባር ኣብ ሃገራዊ ቃል ኪዳን ንእቶ።
- ኣብ መስርሕ ጸረ ምልካዊ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ኣይንጋገ፡ ወይ ጌጋታትና ኣይንድገም። ምስ ኩሉ ናይ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ናጽነትና፡ ምስ ክብርታት ክውንነትናን ኣተሃላልዋናን ናብቲ መስርሕ ንእቶ። መስርሕ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ንባዕሉ ድማ ሓደ ኣወንታዊ መካኒዝም ክፈጥረልና ኣዩ።
- እዚ መካኒዝም እዚ ድማ ንሕግታት ፖሊቲካዊ ናብራና ወይ ንስርዓት ፖሊቲካዊ ቃርሳ ኤርትራ (ፖሊቲካዊ ጌም) ክሰርዖ እዩ። ኣብኡ ሃገራዊ ውዕል ይህልወና። ዘተ መሳርሒና ዘተ’ውን መቃለሲና ይኸውን። ዘተን ልዝብን ድማ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ንዲሞክራሲ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ። ማለት፡
- ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ይሃንጽ (confidence building device)
- ቀንዲ ረቛሒ ርግኣትን ሰላምን እዩ
- ፖሊቲካዊ ሕጋውነት (political legitimacy) ናይ ምንቅስቓሳትና: ወይ ናይ ኩሎም’ቶም ሓቢርና እንልእኮም ኣካላትና ይፈጥር
- ነቲ ኣብ መንጎ ውድባት ወይ ፖሊቲካውን ማህበራን ውደባታት ዘሎ ፍልልያት የጻብብ። ናይ ቀደም ጸላእቲ ናይ ሕጂ ኣዕሩኽ፡ ናይ ቀደም ተጻባኣቲ ናይ ሕጂ መዋስብቲ ወይ መላፍንቲ ክገብር ይኽእል።
- ኣብ መወዳኣታኡ ድማ ናይ ሓድሕድ ምፍልላጥ ኣረጋጊጹ፡ ሓባራዊ ተሳትፎ የሰስን እሞ፡ ነቲ ኩልና ዝደመናሉ ቁስልታትና ከሕዊ ይኽእል፡ ነቲ ኩልና ከነመዝግቦ እንደሊ ለውጢ ድማ ከቀላጥፈልናን ከመዝግበልናን ይኽእል።
እወ ፍልልያት ጸኒሑና እዩ ኣሎና እውን። ገሊኡ፡ ብሱሩ ክንቅበሎ’ምበር ክንሰግሮ ዘይንኽእል እዩ። በብዘሎና እምነት ነቲ ፍልልያት ከም ዘለዎ ተቐቢልና፡ ኣብቲ ብሓባር ክንሰርሓሉ ዘሎና መዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ምብቃዕ እዩ’ቲ ፍታሕ። ክንዛተ ከሎና ነቲ ካባና ዝፍለ ካልእ ርእይቶ ዘለዎ ሸነኽ፡ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባኣኡ፡ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ መበቆላዊ መንንቱ ንምቕያር ኣይኰነን ክኸውን ዘለዎ። ናይ ሓባር ባይታ ንምድህሳስን ምርትግባሩን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ዕላማይ መንነትካ ወይ ኣተሓሳስባኻ ምቕያር ኣይኰነን፡ ከምታ ዘለኻያ እንከለኻ፡ ምሳኻ ንኸሰርሕ ናይ ሓባር ባይታ ምንዳይ እዩ ካብ ዝብል ዕግበት ክንብገስ ኣሎና። ምረት ምፍልላያት ኣብ መትንታት ደምና ዘይሩ እዩ። መትንታት ደምና ብስሪንጋ ናይ ለውጢን፡ ምክብባርን ክንወግኦ ንሕተተሉ መድረኽ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ ናይ መንነትካ ክቕይር ድልየትን ባህግን የብለይን፡ ከም ዘለካዮ ምስ ኩሉ እምነትካ ከሎኻ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ዕማም ብሓባር ንኽንቃልስን ንኽንጐዓዝን መንገድታት ንሃንድስ እየ ዝብል ዘለኹ ክንብል የድልየና። ንሱ’ዩ እቲ ጸዋዒት።
ዋዕላ ናይሮቢ፡ ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምውሳእ፡ ናይ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ሓይልታት መኣዲ ዘተ ከፊቱ ምህላዉ እዩ እቲ ኣወንታዊ ተበግሶ ዝገብሮ። ናይ ሕጂ ጸላኣቲ ወይ ተወዳድርቲ ናይ ጽባሕ መላፍንቲ ክንከውን ባይታ ከፊቱልና ኣሎ። ነዚ ዕድል’ዚ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ይግበኣና።
እዚ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም እነካይዶ ዘሎና ኣኼባ ድማ ኣካል ናይ’ዚ ጉዕዞ’ዚ እዩ። ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ነቲ ጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ከተደልድል፡ ነቲ በኺሩ ዘሎ ሓይልታት ድማ ከተሳትፍ እዩ ዕላማኣ። ኣቦታት ክምስሉስ “መረብሲ በለሳ ሒዛ ትኾርዕ” ይብሉ። መረብ ንውሕጅ በለሳ ሒዛ ፈለግ ትኸውን። እቲ ሞራል ዓቢ ነገርሲ ብነኣሽቱ ምትእኽኻብ’ዩ ዝቐውም እዩ። ሕጂ ውን ናብ ዓቢ ናይ ለውጢ ፈለግ ክንበጽሕ ኣሎና። እቲ ዓቢ ፈለግ ድማ ናይ ኩሉ ጸረምልኪ ሓይልታት ምትእኽኻብ ብምርግጋጽ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምጥጣሕ እዩ። እቲ ወሓዚ ምንጪ ድማ ከምዚ ዝበለ እኼባታትን ቦታዊ ንጥፈታትን እዩ። ኩሉ እቲ ዋሕዚ በብኽእለቱ እጃሙ እናልዓለ ናብ ሓደ ዕላማ ንኸፍስስ ኩልና ክንጽዕረሉ እጽውዕ። እቲ ዝተኣከበ ዓቢ ፈለግ ድማ፡ ንሰረታት ምልኪ ኣፍርሱ፡ ንጨቋኒ ትካላት ደምሲሱ፡ ነታ ክንበጽሓ እንብህግ ዘሎና ሓዳስ ኤርትራ ብናይ ህይወት ማያቱ ከርዊ እዩ።
ሕጂ ንተሓባበር! ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ብሓባር ንእቶ!
ጽባሕ ግድን ናብቲ እንደልዮ ምዕራፍ ክንበጽሕ ኢና!
ዝኽሪ መስከረም ትንበር ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና!
ደጊመ ንዕድሜኹም አመስግን። የቐንየለይ!
ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
3 መስከረም 2016
እንታይ በልኩም? “እወ ናብራኻ ዘይትገብር እንታይ ገደሰካ ኔው በሎ ፖለቲካ። እዚ ህዝቢ’ዚ ኢሰያስ ከማን ክውሕዶ።” ይብሉኻ ወይ እቶም ንነገራት ከመዛዝኑ ዘይከኣሉ ናይ ልቢ ፈተውትኻ ወይ ድማ እቶም ኮሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ ከባኹሩኻ ዝደለዩ ሰብ ዕላማ። ኣየናይ ፖለቲካ’ዩ ምስ እትብሎም እዚ ንስለ ወጽዓን ምረትን ህዝብኻ ዓው ኢልካ ይአክል ባርነት ቅዋማዊ ስርዓት ይተኸል ኢልካ እተስምዖ ድምጺ ምዃኑ’ዩ እቲ ፖለቲካ። እቲ ግደፎ ፖለቲካ ናብራኻ ግበር እናበልካ ንደቂ ሰባት ካብ ቁኑዕ ሕልናዊ መስመር ዘልሓጥ ንኽብሉን ቃልሲ ውጹዓት ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ዞርሞ ዞርሞ ክተርፍ ምቅላስ ግና ዝገደደ መርዛም ናይ ዕንወት ፖለቲካ ምዃኑ ዝነግሮም ዝሰኣኑ እዮም ዝመስሉ እዞም ውዲት ኣዋዲዶም ቃላስን ተቓለስትን ከባትኹ ህርዲግ በሃልቲ። እዞም ሰባት መን’ዮም ኢልካ ብደቂቕ እንተመርሚርካዮም ገሊኦም ካብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ህግደፋዊ ሰንሰለት ሓራ ዘይወጹ ንነብሶም ቦኺሮም ንተቓላሳይ ዘባኹሩ ክኾኑ ከለው፤ ገሊኦም ድማ ብውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ከበሮ ሓምሓሞም ዝወቕዑ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ክብሩ ከየምልስ ኩሉ ጊዜ ክሳዱ አድኒኑ ክነብር ዝምነዩ ኣብዚ ተዳኺምናሉ ዘለና እዋን ኣብ ሞንጎና ኣትዮም ፋሕ ብትን ዘእትውልና ዘለው ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሕመሱ ኮይኖም ይጸንሑኻ።
ሓደ ሰብ ናብ ቃልሲ ዝጽምበር ንነብሱ ኮይኑ ናብርኡ ገጥ አቢሉ እዩ ንህዝቡን ሃገሩን ዝቃለስ። እሞ ንሓደ ንናብራ ዓለም ሲዒሩ ንህዝቡ ከማን ዝተረፈ በዓል ሕልና ናብራኻ ግበር ምባልሲ ጸርፊ ዶ ዋላስ ሓልዮት። እቶም ናብራኻ ግበር እንታይ ገደሰካ ዝብሉ ሰባት እንታይ ፉሉይ ዓይነት እዮም ዝነብሩ ንነብሶም እንተተባህለኸ እንታይ ክኸውን እዩ እቲ መልሲ። ኣብዚ ቃልሲ ንፍትሕን ዲሞክራስን እኮ ክንደይ ሊቀ ሊቃውንቲ ሙሁራት፡ ጻዕረኛታት ሸቃሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተመሃሮ ብሓፈሽኡ ኮታስ ስድራ ዘመሓድሩን ዘመሓድራን ብሉጻት ዜጋታት ዝመልኤ እዩ። እሞ እዞም ኩሎም ምሩጻትን ብሉጻትን ዜጋታትናኸ ናብራኦም ኣይገብሩን እዮም ዘለው ማለት ዲዩ? ዶስ እዞም ናብራኻ ግበር እንታይ ገደሰካ ኢሎም ዝጉስጉሱ ናይ ዘመና ካድራት ንሕና ዘይንፈልጦ ብዓይንና ዘይንርእዮ ብእዝንና ዘይንሰምዖ ኣብ ገነት እዮም ዝቕመጡ ዘለው። ፍትሓዊ ቃልስና ክንደይ ናይ ናብራን ህይወትን ዕውታት ሓላፍነት ህዝቢ ዝተሰከሙ ባህራት ዝሓቖፈ ክንሱ ማንም ኣፉ ዝሃቦ ንናብርኡ ኣብ መስትያት ክርኢ ዘይክእል ግደፎ ንህዝቡ ክተርፍ ንነብሱ ከመሓድር ዘይክእል ሰብ ክወራዘየሎምሲ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከአል።
ሓደ እዋን’ዩ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ይረኽበኒ እሞ ጎሮሮና እንዳተርከስና ዕላል ንጅምር። ወዮ መተርከሲ ምስ በዝሐ ዓቃብ ዓቕሊ ሰራዊት ካብ ነብስና እንዳወጸ ምስ ከደ ወያ ሰበይ “ንስኻ ናብራኻ ዘይትገብር ካብዚ ፖለቲካ ዘይትወጽእ” ዝብል ድቦላ ዘረባ ሰንደወለይ። ናብራይ በልክዎ ብምግራም? እወ በለኒ ቁልቁል ዝኣፉ። ናብራይ ደአ ንስኻ ዲኻ ትነብረለይ ዘለኻ? ገለ ናይ ገዛ ኽራይ፡ ቀለበይን ቀለብ ስድራይን ዝተረፈ ወጻኢታተይ ኣዲኡ ትቑጸሮ ንስኻ ዲኻ ትሽፍነለይ ዘለኻ በልክዎ ኩነታቱ ኣግሪሙለይ። “እንታይከ ገደሰኒ፡ ኣነስ ሓልየልካ እየ እምበር” በለኒ ወልደፍደፍ እንዳበልው ሓውሲ ምንስሓብ ብዝዓይነቱ። ነገር ኣጉዱ ናበይ’ሞ ክኸይድ። ኣስዓብኩሉ ደአ እንድሕር ብዛዕባ ናብራይ ክንድዚ ትግደስ ኮይንካ እተን ሸጊሩኒ ኢልካ ካባይን ካብ እገለ ሓወይን ዝወሰድካየን እሞ ዓመተን ኣሕሊፈን ዘለዋ ልቓሕ ዘይትህበኒ በልክዎ ንወዮ ብጻይ ካድር ናብራኻ ዘይትገብር። ወይለይ ባዕለይ ሽግር ኣምጺኤ ኢሉ ነታ ባዕሉ ዝወልዓ ባርዕ ከጥፍእ ቀባሕባሕ ኮነ። ኣነ’ውን እዛ ዝሃብክዎ መርፍእ ትኣኽሎ እያ ኢለ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ሰገርና። እንተታ ከርፋሕ ናብራ እስካፑሊ ኣብ ክልተ ብ ክልተ ሜትሮ ስቱድዮ ምስ ተረንሽዋ ምሉእ ልቓሕ ናይዚ ካድር ናብራኻ ዘይትገብር ግና ሰይጣን ከይሕጎስ ምስ ናብራ ቆጺረያ ክሓልፍ ይመርጽ።
እሞ አንቱም ሰብ ሕልና እዞም ናብራኻ ግበር፡ እንታይ ገደሰካ፡ ፖለቲካ ኔው በሎ ወዘተ እንዳበሉ ካብ ሕልናኹም ከህድምኹም ዝፍትኑ ሰባት ንባዕሎም እንታይ ናብራ’ዩ ዘለዎም ኢልኩም ተዓዘብዎም። ሰብ ንስለ ሕልና’ዩ ዝነብር እምበር ዓለም ደአ እንታይ ካልእ ትርጉም ኣለዋ። ደረፍቲ ዓድና ከማን ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር ዝበሉ ቀደም ኣብ ዘመነ እንእኒ ከምዚ ሎሚ ሕልና ኣገዳስነቱ ከይዓዘዘ። በዓል ኣንጆሊና ጆሊ፡ ብራድ ፒት፡ ጆርጅ ኩሉኒ፡ ሊዮናርዶ ዲ ካፕርዮ ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣክተራት ሆሊውድ ጻዕዳ ኣሜሪካውያን ክንሶም መሰል ደቂ ሰባት ክኽበርን ህልቂት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደው ክብልን ግዜኦም፡ ጉልበቶምን ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ንዋቶምን የጥፍኡ ኣለው። እዞም መባኾርቲ ካድራት ኣብ ጥቓ’ዞም ኣክተራት ክጽግዑ ዕድል እንተዝረኽቡ እንታይ ገደሰኩም ናብራኹም ግበሩ ዶ ምስ በሉዎም ነዞም ብናይ ግሊ ነፋሪት ዝገሹ አብ ምድራዊ ገነት ዝዓይነቱ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ኣክተራት? ኣይምገደፉን ኣይታ መሕፈሪቶም እንዲያ ስፓናቶ ኮይና ኣሸጊራትና ዘላ።
በሉ እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ነዞም ካድራት ናብራኻ ግበር ካብ ትሰምዑ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ነዚ ካብ በረኻታት ሰሃራ ዘቃልሕ ዘሎ ኣውያት ዕሸላት ኤርትራውያን ምስማዕ ቀጽልዎ። እዞም ኣብዚ ሓድሽ ዜና ካብ ሊብያ ናብ ሜዲተራንያን ክሰግሩ በቶም ዘይንታዮም ገበርቲ ሰናይ ኢጣልያውያንን ስጳኛውያንን ዝደሓኑ ዕምባባ ዝመስሉ ህጻውንቲ፡ ኣዴታትን መንእሰያትን ከመይ ዘየሕዝንኹም። ጠሊቖም እንተዝኾኑ ኔሮም ናይ ሓሶት ንብዓት ምንባዕ ስእልታቶም ኣብ ገጻት ፌይስ ቡክ ምልጣፍ እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ነዛ ቁሩብ ቁራቦ ንገብራ ነዛ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ሓገዝ ብዙሕ ምስምስ አይንድለየላ። ማዕረ ሂወቶም ኣሰናኺሎም ምሉእ ናብርኦም ረሲዖም ዝቃለሱ ሰባት እንተዝህልውና ኔሮም ህግደፍ ቀደም ተዓዚሩ ምስ ሃለወ ኔሩ። እቶም አብዚ ቃልሲ ብምሉእ ዓቕሞም ዝቃለሱ ዘለው ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ንሱ’ውን ነቶም ካብ ህዝቢ ተዓሪፋ እንዳተሸረፉ ዝቃለሱ ሓዊስካ። ኣብ ፈቖዶ መዘናግዒ ቦታታት ክንደይ ኣሽሓት ዶላራት ነጥፍእ ንሽንቲ ንቢራ፤ እንድሕር ንፍትሕን ንመሰልን ንእሽቶይ ገንዘብ ኣዋጽኡ ተባሂልና ድማ ንምንታይ እዩ ጸላዕላዕ ዝብለና።
ዘመኑ ዘመን ህዝብን ሃገርን ኣድሕን እምበር ዘመን ፖለቲካ ኣይኮነን። ፖለቲካ ገና ዘይበጻሕናዮ። ዋላ እንተደለናዮ እኮ ኩልና ፖለቲከኛታት ክንከውን ኢና ማለት ኣይኮነን። ነዚ ፍቖዶ ሰሃራን ባሕርን ዝጸንት ዘሎ ጽባሕ መተካእታ ዘይብሉ ህዝቢ ነድሕን። ህዝቢ ድራር እለት ሲኢኑ ብልመና እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ጎራዙት ዓድና ብሰንኪ ስእነት ዕለታዊ እንጀራ እቲ ኣብ ባህልና ጹዩፍ ዝራሕ ምንዝርና ክሰርሓ እንዳረኣና ቁልፍና ሸጥ ከንብሎ እምበር ከነዝልቖስ ኣይግብርን።፡ዳሕራይ ፖለቲካን ምሕደራን ምስ ተጀመረ ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ተተኸለ ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን ኢልና ጸግዕና ንሕዝ ምርጫና እንድሕር ኮይኑ። ፖለቲካን ሕልናን በበይኑ ምዃኑ ኣይንስሓቶ። ሕልና ዘለዎ ሰብ እቲ ዕድለኛን ቅንዑን ሰብ ጥራይ እዩ። ጉዳይ ህዝብና የገድሰና ፈረቓን’ዩ ንበል። እቶም ብዛዕባ ናብራ ናይቶም ሰብ ሕልና ተቓለስቲ ትሻቐሉ የቐንየልና የግዳስ ናብራኹም እንተገበርኩም ይሓይሽ።
ሰሎ ሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ
Eritrea: Oldest Homo erectus footprints ever discovered adds piece to the puzzle of human evolution
Written by Léa Surugue The footprints were found by the team's local guide in sediment.Courtesy of Pr Coppa
The discovery of the oldest Homo erectus footprints in the world, alongside fragments of fossilised skulls, could advance palaeontologists' knowledge of the stature and anatomy of modern man's closest ancestors. The fossils were unearthed in a region known as Buia in the heart of the Semi-arid Danakil Depression in eastern Eritrea, during an expedition led by researchers from the Italian university of Sapienza and the National Museum of Eritrea.
Their latest research started in late 2015, in an area constituted by many geological layers spanning several hundred thousand years. One day, the team's local guide made a surprising discovery: he came across a 26-square-metre foot-printed sediment surface.
Due to their ephemeral nature in soft sediments, footprints tend to be altered and eroded very quickly, so their preservation is an exceptional phenomenon. Analysing the different sediment layers, researchers found out the prints were approximately 800 000 years old. At this time, the only member of the human family tree to live in the region was Homo erectus.
The researchers thus say the prints are the oldest known to belong to Homo erectus and this is a rare occasion to get a glimpse of the lives of Homo erectus individuals in motion in their ecosystem hundreds of thousand years ago.
The footprints were found in the Danakil desert, EritreaStephan Gladieu/Getty Images
The sediments and the shape of the prints as well as their location alongside an extinct species of antelopes' footprints suggest the environment in which these early humans lived in was very different that it is today. Instead of a desert, it would probably have been a lakeside buffered by grassland.
Significance of the footprints
The discovery is significant because ancient fossilised footprints are very rare, but also because it has the potential to improve scientists' understanding of Homo erectus.
"The importance of the footprints is due to their extreme rarity. In Africa, archaeological sites with human fossils in Africa are not very numerous, but are still in the hundreds. The footprints of our ancestors however have so far only come from three locations but they can provide us with information that is not deductible by skeletal or dental fossils", lead researcher Alfredo Coppa told IBTimes UK.
Probable adult footprints of Homo erectusCourtesy of Pr Coppa
Here, the footprints appear very similar to that of modern men. They show details of the toes, and the foot shape includes a prominent arch and big toe in line with the others - features that make human feet distinctive and efficient when walking and running.
A more detailed study of these footprints will now take place and may reveal unique information about foot anatomy, stature, body mass, and locomotor biomechanics - including gait and walking speed of H erectus. Scientists may gain critical clues to better understand how hominins behaved and fared in their environment some 800 000 years ago.
Significance of the skulls fragments
In addition to the footprints, the skull fragments offer useful perspectives on the evolution of Homo erectus over thousands of years.
The Pleistocene (between around 2.588 million to 11,700 years) era represents a period of major transition in human evolution, when some of our primitive H erectus ancestors evolved into species with larger brains and more modern bodies.
Detail of the Homo erectus footprints found at the site.Courtesy of Pr Coppa
The problem is human fossils from that time are fragmentary between 1.3 and 0.5 million years ago, especially when it comes to the postcranial area of the skull. These new fossils in Buia could therefore help to fill the gap.
The Buia fossils have an intriguing blend of primitive and more modern characteristics, combining more primitive H. erectus traits with an increase in brain size and some modern aspects of hip structure.
"In this way, the Buia fossils link H erectus with anatomy seen in later species such as H. heidelbergensis", the authors explain. The fossils and the prints thus add a new piece to the puzzle of human evolution.
ትርጉም ናብ ትግርኛ ብመም/ተኽለ ስብሃቱ
ግዜ ይሓልፍ ኣሎ፣እታ ሰዓት ብዘይ ምቁራጽ ቂም ቂም ትብል ኣላ፣ንሕና ግን ክንቆጻጸራ ኣይከኣልናን. ከምቲ “ግዜን ማዕበልን ንዝጽበይዎ የብሎምን”ዝበሃል ግዜ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኢያ።ግዜ ክትመሓደር ኣይትኽእልን’ያ፣ንሕና ጥራሕ ኢና ንገዛእ ርእስናን ንጠቕሚ ናይ ግዜን ከነማሓድር እንኽእል።ብቀጻሊ ዝኣክል ግዜ ከም ዘሎና ከም ጭቡጥ ወይ ርግጸኛ ጌርና ንወስዶ።ንኹሉ ንጹር ከም ዝኾነ፣ንኣጠቓቕማ ናይ ግዜ ብግቡእ እንተድኣ ተረዲእናዮን ንጠቕሚ ናይ ግዜ ድማ ብግቡእ እንተድኣ ኣመሓዲርናዮ ዝኾነ ነገር ንምስራሕ ዝኣክል ግዜ ኣሎ።ምምሕዳር ጠቕሚ ግዜ ኣብ ዓወትን ሓጎስን ናይ ዝኾነ ሰብን ኣብ ሞያዊ ዕብየትናን ውልቃዊ ህይወትናን ኣዚዩ ወሳኒ’ዩ።
ምሕደራ ጠቕሚ ግዜ ማለት ብልክዕ ከም ርእሰ-ምሕደራ ማለት ኢዩ።እቲ ንካልኦት ከነማሓድር እንጥቀሞ ጥበብ ወይ ሜላ ልክዕ ከምቲ ንነብስናን ስድራ-ቤትናን ከነማሓድር እንጥቀሞ ሜላ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣገዳሲ’ ዘዩ። ኣብዛ ብናይ ግዜ ንቕሓት ብፍጥነት እትልወጥ ዘላ ዓለምና፣ኣጠቓቕማ ግዜ ብግቡእ እንተድኣ ኣመሓዲርና ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ነገር ከነሳልጥ ከም እንኽእል ዘታባብዓና ኢዩ።ከነረጋግጾ ዝግበኣና ግን ዝያዳ ወይ ብዝሒ ግዜ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ኢዩ፣ምኽንያቱ እቲ ብዝሒ ግዜ ብልዑል ፈጣሪ ስለ ዝተወሰነ ንክልወጥ ፈጺሙ ዘይከኣል’ዩ።ኣብ ሓንቲ ደቕቕ ስሳ ክልኢት፣ኣብ ሓደ ሰዓት ስሳ ደቓይቕ፣ኣብ ሓደ መዓልቲ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት፣ኣብ ሓደ ሰሙን ሾውዓተ መዓልታት፣ኣብ ሓደ ዓመት ሓሙሳን ክልተን ሰሙናት ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ኣብ ህይወትና ክንጥቀመሎም ዝግበኣና ስለ ዘለዉና ኢዩ።ካብ “ገንዘብ” “ግዜ” ኣዚዩ ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ።ምኽንያቱ ብዝሒ ገንዘብ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ብዝሒ ግዜ ግን ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና።
ግዜ እቲ ኣዚዩ ክቡርን ጠቓምን መሰረታዊ ነገር መዓልታዊ ክንጥቀመሉ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ክነሱ፣ነዚ መለኮታዊ ህያብ እናፈለጥና ኣይነመስግንን።ኣድላይነት ጠቕሚ ናይ ግዜ ብዝያዳ ንምብራህን ግሉጽ ምግባርን ከም ኣብነት ናይ ባንክ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ንውሰድ፣መበገሲ ሕሳብና ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንጉሆ $86,400 ኮይኑ፣ናብ’ቲ ዝቕጽል መዓልቲ እቲ ባንክ ዘዛውሮ ሚዛን የልቦን፣ኣብ ነብሲ-ወከፍ ምሸት ነቲ ኣብ መዓልቲ ዘይተጠቐምናሉ ሚዛን ንኸስሮ።ስለዚ እንታይ ክንገብር ምተገባኣና፣ብልክዕ ሳንቲም ከይተረፈት ስሒብና መዓልታዊ ክንጥቀመሉ ይግበኣና።ብንጹር ኣብቲ መወዳእታ ግዜ ናይ መዓልቲ ሚዛን ሕሳብና ዘሮ ምእንቲ ከርኢ፣ ዘሎና ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከነውዕሎ ከም ዝግባእ ናይ ምምሕዳር ክእለት የድሊ።
ማዕረ-ማዕረ ወይ ተማሳሳሊነት ናይዚ ኣብነት’ዚ ነብሲ-ወከፍና ባንክ ኣሎና፣ ስሙ ከኣ “ግዜ”ኢዩ።ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንጉሆ ባንክና 86,400 ክልኢታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝኽፈል የልቅሓና።ኣብታ መዋደእታ ግዜ ናይ’ታ መዓልቲ ሚዛን ሕሳብና ዘሮ ከመልክት ኣለዎ።ኣብ ነብሲ-ወከፍ ለይቲ ነቲ ዘይተጠቐምናሉ ወይ ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ግዜ ይቑረጽ።ነቲ ኣብ መዓልቲ ዝተቐመጠ እንተ ዘይተጠቒምናሉ፣ ግዜ ኣጥፊእና ስለ ዘሎና፣ተመሊስና ነቲ ዝጠፍአ ግዜ ክትካእ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን ።ግዜ ነጻ ኮይኑ ኣዚዩ ክቡር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባኣና።ንግዜ ክንጥቀመሉ እምበር ክንውንኖ ኣይንኽእልን ኢና።ኣብ ጠቕሚ ከነውዕሎ ደኣ’ምበር፣ ይጽንሓለይ ብማለት ክንሕዞ ኣይንኽእልን ኢና።ሓንሳእ ምስ ኣጥፋእናዮ፣ተመሊስና ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ሰለስተ ነገራት ምስ ተፈጸሙ ዘይምለሱ ዝብል ብሂል ኣሎ።ንሱ ከኣ “ቃል” ካብ ኣፍ ምስ ወጸት “ህሞት ወይ ሓጻር እዋን” ምስ ተሳሕተት ከምኡ’ውን “ግዜ” ምስ ሓለፈት ልክዕ’ዩ ኩልና ንግዜ ኣዚና ንደልዮ’ኳ እንተኮና፣ንግዜ ብሕማቕ ኣጠቓቕማ ኢና እንጥቀመሉ።እዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ሓጸርቲ ታሪኻት ንምምሕዳር ጠቕሚ ግዜ ዘዘንትዋ ስለ ዝኾና ብምሉእ ኣቓልቦና ንከታተለን።
ሓደ ግዜ ንጉስ ማሕፉዝን ሓደ ማህቡል ዝበሃል ህኩይ ሰብኣይን ኣዕሩኽ ነበሩ።ሓደ ንጉሆ ንጉስ ማሕፉዝ ንማህቡል ገንዘብ ክትረክብ ንምንታይ ዘይትሰርሕ በሎ።ማህቡል ድማ ዋላ ሓደ ዘስራሓኒ የብለይን፣ምኽንያቱ ጸላእተይ ኣነ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ግዚኡ ከም ዘይውድእ ንኹሉ ሰብ ስለ ዝነገሩለይ። እቲ ሕያዋይ ንጉስ ንማህቡል ጸዊዑ ናብቲ ንብረተይ ዘለዎ መኽዘን ኪድ’ሞ ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ዘድልየካ ሃብቲ ኣክብ በሎ።
ማህቡል እቲ ዘጋጠሞ ዕድል ንሰበይቱ ክነግራ ብጉያ ከደ። ሰበይቱ ድማ በል ኪድ’ሞ ናይ ወርቂ ገንዘብን ካልእ ክቡራት ኣዕናቑን ኣምጽእ በለቶ። ናቱ መልሲ ግን፣ሕጂ ክኸይድ ኣይክእልን’የ፣ ቅድም ምሰሐይ ሃብኒ በላ። ድሕሪ ምሳሕ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ደቀሰ። ኣብቲ መወዳእታ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ቦርሳኡ ኣልዒሉ ናብ ኣዳራሽ ናይ’ቲ ንጉስ ክኸይድ ተበገሰ፣ ኣብ መንገዱ ሃሩር ስለ ዝተሰምዖ ኣብ ጽላል ሓንቲ ኦም ኣዕረፈ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት ዕረፍቲ ናብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ክኸይድ ምስ ተበገሰ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንገዱ ናይ ምትላል ጥንቆላ የርኢ ስለ ዝነበረ ንምዕዛብ ሓደ ሰዓት ኣጥፍኤ። ብድሕር’ዚ ናብቲ ኣዳራሽ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዘኪሩ ጎይዩ ከደ። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ በጽሐ ግን ጸሓይ ዕራብ ኮይኑ ማዕጾ ናይቲ ኣዳራሽ ተዓጽወ፣ ማህቡል ድማ ካብቲ ናይ’ቲ ንጉስ መኽዘን ክእክበሉ ዝነበሮ ሃብቲ ወርቃዊ ዕድል ኣጥፈኤ። ነቶም ጠቕሚ ናይ ግዜ ዝፈልጡ ክቡራት ሰባት ግዜ ሓጻር’ውን ትኹን ክብርቲ’ያ። ማህቡል ምምሕዳር ጠቕሚ ናይ ግዜ ስለ ዘይፈለጠ፣ግዜ ቀስ ኢላ ዘሊላቶ ሓሊፋ፣ድሓር ግን ናይ ስቅያት ተዘክሮ ከም ዝሓደገትሉ ተዓዚቡ። ብካልእ ኣበሃህላ እቲ ጠቃሚ ግዜ ንሓዋሩ ምስ ጠፍኣና ኣብ ክንዲ ንጠዓስን ንሓዝንን ምሳና ከሎ ብክብሪ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። በንጃሚን ፍራንክሊን ከም ዝበሎ “ዝጠፍኤ ግዜ እንደጌና ኣይርከብን’ዩ” ማህቡል ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራኡን ብዘይምፍላጡ ነቲ ጠቓሚ ንብረት ኣጥፊኡዎ። ክርደኣና ዘለዎ ንጠቓሚ ግዜና ዝያዳ ክብሪ ምስ እንህብ ብዝያዳ ንነብስና ነኽብር፣ ግዜና ድማ ክቡራት ነገራት ከምጽኣልና ይኽእል። ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ወይ ዝመሳሰል ታሪኽ ኣብ ብዙሕ ባህልታት ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርና ብባህሊ ትግሪኛ ዝትረኾ ንጠቓሚ ምምሕዳር ናይ ክቡር ግዜ ምጥቃም ዝምልከት ንከታተል።
ሓደ ግዜ ሓንቲ ፈጣን ማንቲለ ብጉያኣ እትምካሕ ነበረት። እቲ ብዘገምታን ብስሩዕን ዝጎዪ ኣባ-ጎብየ ናይ ማንቲለ ጉራ ብምስማዕ ስለ ዝሰልቸዎ፣ናይ ጉያ ቅድድም ምስ ማንቲለ ክገብር ወሰነ። ኩሎም እንስሳ በረኻ ነቲ ኣገዳሲ ቅድድም ክዕዘቡ ተኣከቡ፣ ናይ ምብጋስ ብረት ምስ ተተኮሰ ድማ እቲ ቅድድም ብፍጥነት ተጀመረ። ማንቲለ ንውሱን ግዜ ምስ ጎየየት፣ ንድሓር ገጻ ቁሊሕ ብምባል ድማ ዓው ኢላ ጨረሐት፣ በዚ ጎታት ኣካይዳን ኣሳጉማን ኣባ-ጎብየ ከመይ ኢሉ ኣብዚ ቅድድም ክዕወት’የ ኢሉ ትጽቢት ይገብር ብማለት ኣብቲ ቅድድም ከም እትስዕር ብምትእምማን ንምዕራፍ ዝኣክል ግዜ ኣሎኒ ብማለት ማንቲለ ኣብቲ ወሰን መንገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ኣካላታ ዘርጊሓ ተጋደመት፣ ቀልጢፉ’ውን ድቃስ ወሰዳ። እታ ማንቲለ ደቂሳ እናሓለመት ከላ፣ኣባ-ጎብየ ተስፋ ከይቆረጸ ርግእ ኢሉ ብዘይምቁራጽ መንገዱ ብምቕጻል ነታ ማንቲለ ሓሊፉዋ ከደ። ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ መስመር ወይ ሕንጻጽ ዝበጽሕ ዋላ ሓንቲ ደቒቕ ጠጠው ከይበለ ኣብ ቦትኡ በጽሐ። እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ እንስሳታት ንኣባ-ጎብየ ብዓውታ ሓጎሶም ገለጹሉ። ናይ ዓውታ ድምጾም ንማንቲለ ካብ ምድቃሳ ምስ ኣበራበራ፣ ታ ማንቲለ ኣካላታ እንዳ ዘርግሐትን እንዳ ኣምባሃቖትን ተንሲኣ ክትጎዪ ጀመረት፣ እንተኾነ ግን ኣዚያ ደንጕያ ስለ ዝነበረት፣ኣባ-ጎብየ ኣብቲ መወዳእታ ናይ ውድድር መስመር ቀዲሙ ብምብጻሕ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮነ። ካብዚ ታሪኽ’ዚ እንመሃሮ፣ኣባ-ጎብየ ዋላ’ኳ ቀስ ኢሉ እንተ ተጓዕዘ፣ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮይኑ፣ምኽንያቱ ንግዚኡ ብግቡእ ተጠቒሙ ብቆራጽነት ስለ ዝተቐዳደመ ኢዩ። ማንቲለ ግን ሽሕ’ኳ ፈጣን ጎያይት እንተ ኮነት ንግዚኣ ብግቡእን ብብልሓትን ስለ ዘይተጠቕመትሉን ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ስለ ዝነበራን ኣብቲ ውድድር ክትሰዓር ክኢላ። ማንቲለ ኣብቲ ውድድር ከም እትዕወት ፍጹም እምነት’ኳ እንተነበራ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ግን ተሳዒራ።
ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ፣ ኣብቲ ኣከባቢና ምስ ዘለዉ ካልኦት ሰባት እንምስርቶ ዓይነት ዝምድና”ውን የንጸባርቕ’ዩ። ምስ ህዝቢ ኢና እንነብር፣ግዜ ከኣ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣብ መንጎና ንዘሎና ዝምድና ዘቃራርብ’ዩ። ንጹር ኣብነት ክኾነና ዝኽእል፣ንሕና ኤርትራዊያን እንኽተሎ ኣከባብራ ቆጸራና ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያትና ከም ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት፣ ኣገልግሎት ቀብሪ፣ ፈስቲቫልን ካልእን ብቀጻሊ ከም እንዕዘቦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ናይ ማሕበረ-ሰብ ማእከልን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት መኤከቢ ቦታን ኣብ ግዜና ኣይንርከብን ኢና። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራዊያን ቆጸራ ዘይምኽባርን ናብ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ደንጕኻ ምምጻእን “ቆጸራ ሓበሻ “ ዝብል ልሙድ ኣበሃህላ ከም ቅቡል ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ማእከል ስብከት ንመጽእ፣መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናተኻየደ ከሎ ድማ ገዲፍናዮ ንኸይድ። መርዓ ተዓዲምና ዝተዳለወ መግቢ ክብላዕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ብቁሪ ምስ ጠምበወ ወይ መግቢ ምስ ተዓጽወ ደንጕና ንመጽእ። ኣብ ዝተፋላለዩ ዓይነት ማሕበራዊ ስራሓት ደንጕና ንመጽእ።
ኤርትራዊያን ዘይኮኑ ኣጋይሽ ነቲ ናይ ግዜ ምድንጓይ ልምድና ዘይፈልጡ ፣ዘምጸኦም ጉዳይ ከይፈጸሙ ቅድሚ’ቲ ጉዳይ ምጅማሩ ሓዲጎሞ ይኸዱ። ዊልያም ሸክስፔር “ሓንቲ ደቒቕ ካብ ምድንጓይ ሰለስተ ሰዓት ኣቐዲምካ ክትመጽእ ይምረጽ”ይብል ካብ ፈጺምካ ምትራፍ ደንጕኻ ምኻድ ዝሓይሽ’ኳ እንተኾነ፣ግዜኻ ኣኽቢርካ ምኻድ ግን ዝበለጸ ኢዩ። ምኽንያቱ ግዜኻ ኣኽቢርካ ኣብ ቆጸራኻ ምርካብ ናይ ዝኣቶኻሉ ቃል ልቦናዊ ርድኢትን ብስለትን ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣብ መንጎና ድማ ክብርን ኩርዓትን የስዕብ። ብተወሳኺ ገሌና ጨሪሽና ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣይንኸይድን ወይ ድማ ናብ ካልእ ቤተ-ክርስትያን ንኸይድ ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን እቲ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ’ዩ። ስለ’ዚ እታ ቤተ-ክርስትያን ቁጽሪ ኣባላታ ክውስኽን ሓገዝ ክትረክብን ከምኡ’ውን ንጡፍ ተሳታፍነት ናይ ኤርትራዊያን ምሁራትን ሰብ ሞያን ንኽህሉዉ፣ እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ርትዓዊ ብዝኾነ ንኹሉ ዝሰማማዕ ውሱን ግዜ ክመሓየሽ ኣለዎ።እቲ ናይ ግዜ ምውሳን ንኹሉ ዝሰማማዕ ኮይኑ ድሌት ሰዓብቲ ወይ ኣመንቲ ድማ ይማላእ። ካህናት ድሌትን ጠለብን ናይ ደቂ ማሕበሮም ንምምላእን ኣድላዪ ምምሕያሽ ንኽገብሩን ናይ ግዜ ንቕሓት ክህልዎም ኣለዎ። ምኽንያቱ መብዝሕትና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እንነብር ኣብ ሰንበት ክፍጸም ዝግበኦ ማሕበራዊ ግዴታና ንምምላእ ኩሉ ንምዕማምን ግዜና ከም ዝጥዕም እናኣመዓራኣረና ኢና ንነብር ዘሎና። ስለዚ ጠቕሚ ናይ ግዜ ብትኽክል እንተ ዘይተረዲእናን፣ንክቡር ግዜና ብዝግባእ ከነማሓድር እንተ ዘይከኢልናን ካብ ዓርክና ማህቡል ኣይንሓይሽን ኢና። ማህቡል ግዜኡ ብከንቱ ኣባኺኑ ዕድል ከለዎ ነቲ ካብ መኽዘን ናይ’ቲ ንጉስ ክእኽቦ ዝነበሮ ጠቓሚ ሃብቲ ማለት ወርቂ ገንዘብ ኣብ ግዜኡ ክእክብ ብዘይምኽኣሉ ድሌቱ ከማልእ ኣይከኣለን። ብተማሳሳልነት ንኹሉ ንጹር ከም ዝኾነ ንሕና’ውን ናይ ብሓቂ ጠቕሚ ናይ ግዜና ኣይነኽብርን ኢና። ኩነታትና እንተ ንልውጥ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ኣረኣእያ ኣብ ክብሩን ጠቕሙን ናይ ክቡር ግዜና እንተ ዝህልወና፣ ኣጠቓቕማ ግዜና ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ብዙሕ ውጽኢታዊ ምኾነ።
ግዜ ፍቱን መምህር ኢዩ። ግዜ ኣብ ህይወት ዘገድስ ነገር ንዓና እተርእየሉ ዘደንቕ መንገዲ ኣሎ። ነልሶን ማንዴላ ከም ዝበሎ “ንግዜ ኩሉ-ሳዕ ብብልሃት ክንጥቀማ ኣሎና፣ግዜ ቅኑዕ ነገር ክትገብር ኩሉሳዕ ድልውቲ ምዃና ርግጸኛ ኩን” ንኣጠቓቕማ ግዜ ብትኽክል እንተድኣ ኣመሓዲርናዮ፣ ብርግጽ ፡ውጽኢታዊ ስራሕ ክንሰርሕ እኹል ግዜ ኣሎና።ንኣጠቓቕማ ግዜ ብግቡእ አንተድኣ ኣመሓዲርናዮ ንዘሎና ስድራ-ቤታዊ ግዴታ ተረዲእና፣ግዜና ሰሪዕና ምስቶም ዝዓብዩ ዘለዉ ደቅና ዝኣክል ግዜ ከነሕልፍ ንኽእል። ኣስገለን ዓርኩን ድሕሪ ስራሕ ናይ ምሸት ብዝሕ ግዜ ኣብ ወረ፣ብዛዕባ ፖሊቲካ ኣብ ምዝርራብን ናብ ዶናትን ስታር-ባክስን ብምኻድ ግዜኦም የሕልፍዎ። ብልክዕ እንታይ ማለት’ዩ ምስ ፍትዋት ስድራ-ቤቶም ዘሕልፍዋ ሓጻር ግዜ’ያ ወይ’ውን የብሎምን። ኣሴር ወዲ 10 ዓመት ዝኾነ ወዲ ኣቶ ኣስገለ፣ ኣቡኡ ኩሉ ግዜ ካብ ስራሕ ብቅጥታ ናብ ገዝኡ ዝመጽእ ይመስሎ ነይሩ። ሓደ ምሸትኣሴር ንኣቡኡ ኣብ ስርሑ ኣብ ሰዓት ክንደይ ከም ዝኽፈል ምስ ሓተቶ፣ኣስገለ ኣብ ወዱ ኣዚዩ ብሕርቃን ንዓኻ ዝምልከተካ ኣይኮነን ብማለት ብነድሪ ኮረየሉ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣስገለ ወዱ ንምንታይ ከምዚ ኢሉ ከም ዝሓተቶ ክሓስብ ጀመረ፡ንወዱ ጸዊዑ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ኣብ ሰዓት ዝወስዶ $20 ኢዩ በሎ። ቀጺሉ ኣሴር ኣቡኡ ከለቆሖ ዝኽእል እንተኮይኑ $10 ሓተቶ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣስገለ ኣብ ወዱ ኣዚዩ ሓረቐ፣ ኮረየሉ ከኣ፣ኣብ ክንዲ ናይ ቤት ትምህርትኻ ምስራሕ፣ እቲ ገንዘብ እትደልዮ ዘሎኻ ንቪድዮ ጌም ዲዩ? ብማለት ናብ መደቀሲ ክፍሉ ክኸይድ ኣዘዞ። ቁሩብ ምስ ተራጋግኤ ግን ኣስገለ እዚ ወደይ ምናልባት እዚ ገንዘብ ንኣድላዪ ነገራት ኣብ ቤት ትምህርቱ የድልዮ ይኸውን ብማለት ናብ ክፍሊ ናይ ወዱ ብምኻድ ንወዱ $10 ሃቦ። ብድሕር’ዚ ኣሴር ብቅጥታ ካብታ ናይ ሓሰማ መቐመጥ ገንዘቡ $10 ቆጺሩ ነታ ኣቡኡ ዝሃቦ $10 ወሲኹ $20 ብምእካብ ንኣቡኡ ሃቦ። ባባ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ $20 ኣብ ስራሕካ ንሰዓት ትኽፈሎ ኮይኑ፣ሓደ ሰዓት ናይ ግዜኻ ምስ ስድራኻ ከተሕልፍ ኢለ ኢየ። ሽዑ ኣስገለ ዓቢ ጌጋ ይገብር ከም ዝነበረ ተረዲኡ ሕፍረት ተሰምዖ፣ ክዛረብ ኣይከኣለን ከም ሓደ ሕጻን ቆልዓ ከኣ በኸየ።ንወዱ ሓቝፉ ብክልተ ምዕጉርቱ ሰዓሞ። ስድራ-ቤት ናይ ግዜ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዘለዎ ኣሴር ወዱ ስለ ዘንቕሖ(ስለ ዘፍለጦ) ድማ ብወዱ ኩርዓት ተሰምዖ። ኣቦ ዓቢ ሚና ብምጽዋት ናይ ውላዱ ኣብነት ክኸውን ዝግበኦ፣እቲ ውላድ ኣብነት ናይ ኣቡኡ ናይ ምዃን ዓቢ ሚና ተጻወተ።
ድሕሪ’ቲ ምስ ወዱ ዘጋጠመ ኩነታት ኣስገለ ነቲ ዝጸንሖ ሕማቕ ጠባይ ጠጠው ኣቢሉ ዝተመሓየሸ ናይ ስድራ-ቤት ሰብ ኮነ። ናይ ግዜ ንቕሓትን ኣረኣእያን ኣማዕቢሉ ብዛዕባ ግዜ ኣብ ስድራ-ቤት ዘለዎ ጠቕሚ ዝግደስ ሓላፍነታዊ ክኸውን በቕዐ። ደቅና ቅኑዕ መንገዲ ክኽተሉን ናይ ግዜ ጠቕሚ ክፈልጡን ንደሊ እንተድኣ ኮይና ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርና ዝበዝሕ ግዜና ምሶኦም ከነጥፍእ ይግበኣና። ዋላ ጻዕቂ ስራሕ ይሃልወና ብዙሕ ግዜ ምስ ደቅና ከነሕልፍ ይግበኣና። ምኽንያቱ እታ ፍትንቲ ትካል ኣብ ህይወት ደቅና እወንታዊ ወይ ርግጸኛ ውጽኢት እተምጽእን ብዘየጣራጥር ኣብቶም ኣባላት ስድራ-ቤት ፍቕሪ እትፈጥርን ስድራ-ቤት ስለ ዝኾነት። ክንፈልጦ ዝግበኣና እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ግዜ ፣እቲ ዝበዝሐ ግዜ ምስ ደቅና ሓቢርና እነሕልፎ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስድራ-ቤት ዝሓልፍ ግዜ እቲ ዝዓበየ ህያብ ናይ ህይወት ኢዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ካብ ነገራዊ ሃብቲ ወይ ማሕበረ-ፖሊቲካዊ ተፈላጥነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ዝኾነ ናይ ፋናንሲያዊ ሃብቲ ብዝሒ ወይ ሞያዊ ዓወት ነቲ ኣብ ስድራ-ቤት ዝሓልፍ ግዜ ክትክኦ ኣይክእልን’ዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ከም ሓደ ሰንሰለት ንሓቀኛ ስድራ-ቤትና ዘራኽብን ንስድራ-ቤታዊ ዝምድናን ፍቕርን ዘሐይልን ኢዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ኩሉ ግዜ ብስድራና ክዕቀብን ክኽበርን ዝግበኦ ቅዱስ ግዜ ኢዩ። ስድራና ምስ ኣክበርና ኢና ንክቡር ግዜና ክብሪ እንህብ። ግዜና ምስ ስድራና ብዘይ ምሕላፍና ኣብ ግዜ ሞትና ንጠዓስ ምኽንያቱ ግዜ’ዩ እቲ ሓደ ምንጪ ናይ ህይወትና ብኣፍልጦ ብከመይ ከነሕልፎ ክንውስን ዝግበኣና።
ንጠቕሚ ናይ ግዜ ኣብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምቕማጥን ንጹር ምስትውዓልን ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ናይ ግዜ ክህልወናን ነዘን ዝስዕባ መግለጺታት ከነንብበንን ክንርድኤንን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። መግለጺታት፣ ጠቕሚ ናይ ሓደ ዓመት ንምርግጋጽ ንሓደ ኣብ ትምህርቱ ዝወደቐ ተመሃራይ፣መሊሱ ንሓደ ዓመት ክደግም ዘለዎ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ወርሒ ንምርግጋጽ ኣብ መወዳእታ ንሓደ ጽቡቕ ሕጻን ዝወለደት ኣደ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ሰሙን ንምርግጋጽ ንምድላው ዝኣክል ንዋት ዘይኣከበ ንሓደ ዝተጨነቐ ኣዳላዊ ሰሙናዊ ጋዜጣ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ሰዓት ንምፍላጥ ንኽራኸቡ ብታህዋኽ ዝጽበዩ ክልተ ፍቁራት ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓንቲ ደቕቕ ንምፍላጥ ሓደ ንስራሕ ቃለ-መሕትት ክገብር ዝተበገሰ’ሞ ባቡር ዘምለጠቶ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓንቲ ክልኢት ንምፍላጥ ካብ ናይ ሞት ሓደጋ ንዋራ ዝደሓነ ሰብ ሕተት። ከምቲ ቻርለስ ዳርዊን ዝበሎ “ሓደ ሰብ ሓንቲ ሰዓት ካብ ግዜኡ ከባኽን ዝደፈረ፣ ጠቕሚ ናይ ህይወት ኣይፈለጣን” ምኽንያቱ ህይወት ንግዜ ብግቡእ ክንጥቀም ክትምህረና ከላ ግዜ ከኣ ጠቕሚ ናይ ህይወት ትምህረና። ብዛዕባ ጠቅሚ ናይ ግዜ ብዝምልከት ብቋንቋ ዓረብኛ እውን “ኣልዓብ ቢል ኩሉ፡ላኪን ማተልዓብ ቢልወቕት”ይበሃል’ዩ። ትርጉሙ ብኹሉ ነገር ክንጻወት ንኽእል ኢና ብግዜ ግን ጸወታ የለን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ባህልታት ግዜ ዋጋ ዘለዎ ክቡር ህያብ ናይ ኣምላኽ ኢዩ። “ኣል ወቕት ደሃብ” “ግዜ ወርቂ ኢዩ” “ታይም ኢዝ ጎልድ” ንዘላትና ሓጻር ግዜ መዓልታዊ ብክብሪ ምግላጻ ወሳኒ’ዩ። ምኽንያቱ ትማሊ ታሪኽ’ዩ፣ጽባሕ ምስጢር’ዩ፣ ሎሚ ግን ውህብቶ ኢያ፣ ከምኡ ስለ ዝኾነት ከኣ ኢያ ህያብ ዝተባህለት።
ብሓፈሻ ዋላ ሓደ ጥንቆላዊ ነገር የለን ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዝሃበና ግዜ ኣብዚሕና እንተ ተጠቐምና ዘድልየና መደብ ምግባርን ምፍጻሙን ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ ምስጢር የልቦን። እቲ ክልወጥ ዝድለ ኣብ ኣረኣእያናን ብናይ ግዜ ዘሎና ኣተሓሳስባን ንኣጠቓቕማ ግዜ ድማ ብከመይ ነማሓድርን’ዩ። ይኹን እምበር ንምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ- ስነስርዓትን ነብሰ-ምቁጽጻርን የድሊ ኢዩ፣ ክሳብ ኣረኣእያናን ናይ ኣቑዋምና ለውጢ ኣብ ነብስና ዝረኤን ዝደራጆን ብመንገድና ክንሓስብን ክንሰርሕን። ብድሕር’ዚ ምምሕዳር ንኣጠቓቕማ ግዜ ከም መዓልታዊ ናይ ስራሕ ልማድ ይኸውን። መደብን ፕሮግራም ምውጻእን ንምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ ዋጋ የብሉን፣ዝኾነ ሰብ እንተድኣ ብግቡእ ዘይተኻታቲሉዎም። ኣብ ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ ንህይወትና ዝለዓለ መዋቕር ከነማዕብል ክንክእል ኣሎና። ከምኡ’ውን ስሩዕ ፕሮግራም ንተግባራትና ብምስራዕ፣ተሪፋ ንዘላ ነብሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ህይወትና ኣብቶም ንጥፈታት ክትውዕል ምውሳን። እዚ ከኣ ነቶም ግላዊ፣ሞያዊን፣ መንፈሳዊን ጻማታት ናብ ድሌትና ይልውጦም። እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ልዕሊ ምድንጓይ ከንዕወት ይሕግዘናን ካብ ጸቕጢ ይቆጻጸረልናን፡ክንውደብን ቀዳምነት ብመሃብ ዕላማና ንምስራዕን ሾቶና ንምውቃዕን ይሕግዘና። ነቲ ክቡርን ዋጋ ዘለዎን ግዜና ብግቡእን ብልቦናን ኣብ ግብሪ ከነውዕል ይሕግዘና።