ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ

2017-03-20 19:31:44 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2185 times

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ካብ ውግእ ብዘይንእስ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ድርቅን ንሱ ዘስዕቦ ጥሜትን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዝረጋገጽ ዘሎ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክንቋመት እንከለና፡ ብፍላይ እዚ ሃገርና እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብኡ ናብኡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ካብተን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዞባ ብሓያል ደርቅን ጥምየትን ተጠቒዐን ዘለዋ እየን። ኢትዮጵያ እውን ከባቢ 5 ሚልዮን ካብ ህዝባ በዚ ደርቂ ተጠቒዑ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ብደርቂ ምህሳይ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ናይ ዜና ማዕከናትን ዝተቓለሐ ኮይኑ ናይቲ መቃልሕ መሰረት ድማ ናይተን ሃገራት መንግስታት ህይወት ህዝቦም ንምድሓን ዘካየድዎ ድህሰሳን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ዘቕረብዎ ናይ ህይወት ኣድሕን መጸዋዕታ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ኣስታት 34-38 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ዝተጠቕዓሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ እትርከብ። ኤርትራ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ብዝያዳ ብደርቅን ጥሜትን ክትጥቃዕ ዝሰፈሐ ዕድል እንዳሃለዋ፡ እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብኣንጻሩ እቲ ዝስማዕ ኤርትራ “ዋላ ሓንቲ ናይ ደርቅን ጥምየትን ስግኣት የብላን ዝብል ናይ ጃህራ ድምጺ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ “ከመይ ገይራ ካብቲ ኣልማማ መጥቃዕቲ ኤልኒኖ ድሒና?፡ ኤርትራ ኣይኮነዶ ኤልኒኖ ተወሲኽዎ ብዓንተብኡ ጠልን ዝናብን ተዝርከብ እውን ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ ሰባ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሰደሉ ኩነታት ብጥምየት ዘይትጥቀዓሉ ተኣምር እንታይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይተመለሱ እዮም። በቲ ካልእ ወገን ግና ሓባኢ ባህሪ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ንእንፈልጥ ወገናት እዚ ናይ ህግደፍ ኣተሓባባእ ሓድሽ ኣይኮነናን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ስርዓት ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ኩነታት ደርቅን ጥሜትን ኣብ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይወጹ ኣለዉ። ፍርቂ ስፍሓት ኤርትራ ብኤልኒኖ ከም ዝተጠቕዐን ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣብ ኤርትራ ሓደገኛ ጥምየት ከም ዘሎን ዘቃልዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2017፡ ኣስታት 22,700 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንሓደገኛ ጥሜት ተቓሊዖም ከም ዘለዉ የረጋግጹ ኣለዉ። ካብቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ብጉዳይ ህጻናት ዝግደስ ዓለም ለኻዊ ትካል ዩነሰፍ ሓደ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ’ውን ኣይቅበሎን እዩ። ካልእ ን17 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ወሲዱ ንህልዊ ኩነታት ጥሜት ብዝምልከት መጽናዕቲ ዘካየደ ሓደ ግዱስ ኣካል ከኣ ኣብ ኤርትራ 45, 000 ህጻናት ኣብ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፎም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ካብ ሰለስተ ሰባት እቶም ክልተ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝለዉ ዝግለጸሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ምግዳድን ሓገዝ ኣብ ምዕጋትን ካብ ኤልኒኖ ብዘይንእስ እታ ሃገር ንሓበሬታ ዕጽውቲ ምዃና ዝጥቀስ እዩ። ብሲንኪ እዚ ናይ ሓበሬታ ማዕጾ ዕጽዊ ምዃኑ፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ረዲአት ትካላት  እቲ ጉዳይ ብግቡእ ተረዲኦም ሓገዝ ክልግሱ ከም ዝጽገሙ ይጠቕሱ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ሓበሬታ ካብ ዝርከበሉ መንገድታት ሓደ እቶም  ካብ ኤርትራ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት እዮም። ንሳቶም ከምቲ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝህብዎ ሓበሬታ፡ ኩነታት ጥሜትን ደርቅን ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ዝህብዎ ሓበሬታ እውን፤ ካብቲ ናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናትን ናይ ረዲአት ትካላትን ዝግምትዎን ዝስከፍዎን ዝኸፈአ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ ኣይኮነን። “ናትና ዓዲ ለቒቕካ ምውጻእከ ካልእ ኤልኒኖዶ ኣይኮነን እዩ” ዝብልዎ’ውን ኣለዉዎም። ሓቂ ከኣ እዮም። ዝናብን ጠልን ኣብ ዝሃለወሉ ውቕቲ እውን ካልእስ ይትረፍ ኣብ ቀብሪ ጉድጓድ ዝኹዕትን ኣስከሬን ዝጸውርን መንእሰይ ኣብ ዝሰኣነሉ ዓድታት ኤርትራ ጥምየት ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

እምበኣር ኩነታት ደርቅን ጥምየትን ኤርትራ ካብቲ ናይ ካልእ ሃገራት ዝተፈልየ እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዝሕባእ ምዃኑ እዩ። ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል ዝተሓብአ ጸገም መፍትሒ ክርከቦ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት ስርዓት ህግደፍ “ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙና’ሞ ሓግዙና” ምባል ጸድፍን ቀላይን ይኾኖ ይኸውን። ቀንዲ ስግኣቱ ከኣ ህይወት ከድሕኑ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ትካላት ነቲ ካልእ ገበናቱ ከይርእይሉ ይኸውን። ህዝቢ እንዳሃለቐ ማዕጾ ረጊጥካ ጸማም እዝኒ ምሃብ ተሓታትነት ኣብ ዘለዎ ምምሕዳር መሕተተ። እንተኾነ ስርዓት ኤርትራ “ተሓታትነት” ዝብል ኣምር ካብ መዝገቡ ስለ ዝተሓከ ብኸምኡ ክቕጽል እትጽበዮ እዩ። ስለዚ እቶም ናይ ህዝቢ ልሳን ክንከውን እንቃለስ ዘለና ወገናት ተቓውሞ ከምቲ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ድምጽና እነስምዕ፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዝኾነ ሜላ ተጠቒሙ ህጻናት ኤርትራ ብጥምየት ቅድሚ ምርጋፎም ከድሕኖም ኣውያትና ከነስምዕ ይግበኣና።