ክቡራት ኣሕዋት ኣሓት ኤትርራውያን ክቡራት ኣንበብትን፡


ኣነ ከም ገዲም ተጋዳላይ ነበር ጽብቅ ዕድል ኮይኑ ስቱር ስሪዒት ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ከተማ ኣብ ሜዳ ተሰሊፈ፡ ኣብ ወጻኢ እውን ተላኢኸ ብትሑት ዓቅመይ ገለ ንኡስ ግደ ዝገበርኩ ካብ መስዋእቲ ዲሒነ ኣብ ስደት ማዕዶ ሃገረይ ይነብር ኣሎኹ። እቲ ቦኽሪ እምነተይ ሒዘ ከኣ ጌና ይቃለስ ኣሎኹ። እዚ ንውሕ ዝበለ ተሳታፍነት ዘሎኒ ባእታ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ወጻእን ዝተፈጸሙ መስተንክር ተጋድሎን መስራሕቶምን ናይ ክልተ ወድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ክዝክሮም ከሎኹ ንክብሪ ተጋደላቲ ሓርነት ንጅግንነታዊ ታሪኽ ክዛረብ እንተኮይነ ፡ ንተወፋይነቶም ከየቋስሎ ከይጋገ ወይ ከየግድሎ ከቢድ ፍርሒ ስለ ዝጸዓነኒ ክሳብ ሎሚ ንብጭቡጥ ዝፈልጦን ዝተሳተፍኩዎን እንቢ ኣይዛረብ ኢለ ይኣቢ ነይረ ጌና እውን ኣሎኹ። ምኽንያቱ ንተቃለስቲ ሓርነት ሃገርን ህዝብን ተጋደልቲ ታሪኾም ክትነግር እንተኮንካ 1. ብኣካል ምስኡ ዝነበርካ ወይ ዝሬኤኻ ክትኸውን ኣሎካ፡ 2. ብመስርዕካ ጋንታኻ ቦጦሎኒኻ ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን 3. ኣብ ከባቢኻ እንተ ነይሩ ልክዕ ስም ቦታ ጊዜን ዉጺኢቱ ክትሕብር ይከኣል እዩ። እንተዘይኮነ ግና ኢሎሞ ወይ ሰሚዔ ኢልካ ታሪኽ ጀጋኑ ክትሕብር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዉ ኣገደስቲ እምነ ኩናዓት መረጋገጺ ኣምራት ጭብጥታት ክህልወካ ኣሎዎ። ክሳብ ሕጂ ብግቡእ ሩጡብ ብህልዋት ናይ ተሳተፍትን መራሕቱን ዝነበሩ ዉህሉል ኣፍልጦ ዘሎዎም ብሓባር ኮንካ ዝተሰነደ ታሪኽ ኣይውጻእ እምበር ፡ ገለ ገለ ዝፈተኑ ኣለዉ ፡ ግና ከም መበገሲ ወሲድና ጽቡቅ እዩ እንተተባህለ፡ ኮይኑ ግና ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ከም ዘሎዎ ኣስተብሂለ ኣሎኹ ንገሊኦም ከኣ መኣረምታን ነቀፈታን ኣቅሪበ እየ። ስለምታይ ንዝብል ከኣ ቀንዲ ኣማእከልቱን ሓለፍቱን ተግበርቱ ዝነበሩ ብሂወቶም ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ከለዉ ንስኻ ሰሚዔ ኢልካ ከተዘንትዎ እሙን ኣይከውንን ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። በዚ ምኽንያት ሎሚ እውን ወስ ዘብሎ ዘሎኹ ሓጺር ምኽርን መዘካኸርን ካብ ምዃን ሓሊፋ ዝርዝር ታሪኽ ከዘንቱ ኣይኮንኩን። ጎድኒ ጎድኑ ከኣ ሓያሎ ብጾት ኣሕዋት እናፈልጥካ ስቅ ምባል ፡ ተመሊስካ ነቲ ዕዉት መስተንክር ተጋድሎ ንወለዶ ከይመሓላልፍ ትጎድኦ ኣሎኻ ስለ ዝበሉኒ ገለ ኣነ ዝፈልጦን ዝተሳተፍኩዎ ስሪሒታትን፡ እዚ ነውሕ ዝበለ ተመክሮ ዝመሃረኒ ትዕዝብተይ ከኣ ብዘይ ንሓፍነት ሓቂ ዝብሎ ክሕንጥጥ ክፍትን ኣብ ምቅራርብ ይርከብ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ምድረ ባሕሪ ...

ንርእሱ ኣይተጥቅመሉ ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ ገድሊ ዝነበረ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ፡ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዩኒቨርስቲ እዩ በለ፡ ብልክዕ ከኣ ሓቂ እዩ ፡ ናይ 57 ዓመታት ብጽሞና ንኩሎም ተረኽቦታትን ተመክሮታትናን ዝተጋገናዮምን ኣሉታዉያን ፡ኣወታታት ዝተዓወቱ ጉዕዞታትና። ብቀዳማይ፡ ካልኣይ ከኣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዓለምና ዝተቃለሱ ምስ እንዳህስሶ ወይ እነንብቦ፡ ናይ ሽግርና ዋናታት ንሕና ምኳናን ፍታሕ ድማ ካባና’ዩ ብምባል እቲ ብሩህ ጸሓይ ቀትሪ ዝወቅዖ ሓቂ ኮይኑ፡ ዋላ ሓደ መዓንጣ ዘይቆጸረ ዕሸል ቆልዓ ክርድኦ ዝኽእል እዩ። ብተራ ቀሊል ሕቶ እዞም ሎሚ ኣሽሓት ትሕቲ ዕድመ ሃጽ ኢሎም ኣእጋሮም ኣብ ዝመርሖም ፈቀዶ በረኻታት ሰሃራ ዉቅያኖስን ዝስደዱ ዘሎዉ እንታይ ኮንኩም ምስ ትብሎም ??? ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቅሳነት ሲኢና፡ ኣቦይን ኣደይን ኣሕዋተይን ኣብ ሳዋ ኣብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ጠፊኦም እዮም ዝብሉ። እንሆ ህዝብና ካብ ዝጋደል ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን 57 ዓመታት ብቃልሲ ኣሕሊፍናስ ፡ ሽግርና ከኣ ኣብ ክንዲ እንዳ ሓሸን እናተፈትሐን እናማዕበለን ዝኸይድ እናኸፍእን እናበኣሰን ይኸይድ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣእምሮን ጥዑይ ልቦና ዘለዎ ክፈልጦን ክርደኦን ዝደልሲ ናብ ናይ ክንህሉ ዲና ወይ ክንጠፍእ ንሰግኣሉ ኩነታት የምርሕ ከም ዘሎ እዩ ዘብርሃልና። እዚ ሽግርዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ኰይኑ ብቐጻሊ ፍታሕ ተሳኢንዎ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለናዮ ደረጃ ሓአገኛብ ተሃዋሲ ህሞት ወዲቅና ንርከብ ። እቲ ናይ 57 ዓመታት ፖሊቲካውን ወተሃደራዉን ተጋድሎና ዝሓለፍናዮ ተመክሮታት ብቅኑዕ ልቢ እንተንግንጽሎም ኣበይን ከመይን ስለምታይን ተጋጊና ??? ኣበይን ከመይን መዓስን ከ ብምንታይን ከ ተዓዊትና እንተነንብቦም ሎሚ እቲ መፍትሒ ምርካብ ኣይምሸገረናን ይብል። ንሱ ከኣ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራና ብሓባር ብስኒት ብምክባርን ንጌጋታት ነቀፈታዊ ሕድገታት፡ ንዓወታትን መክሰባትን ዓቂብካ ንሓባራዊ ጥቅሚ ምምዕባል ፡ ጹጹይ መገዲ ሓርነት ንምሓዝ ኣይምጸገምን ይብል ። እዚ ኩሉ ግና ለባምን መስተውዓልን ጎዱፍ ህዝቢ ዝኾነ መራሒ የድሊ። ብኩራት ናይዚ ከኣ እዚ ሎሚ ዘሎናዮ ተሃዋሲ ሕልኽልኻት ኣብ ዓዘቅቲ ዝተደራረቡ ሽግራት ተዋሒጥና ንርከብ እኔና። እቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከአ ከም ድላዩ ንህዝብናን ሃገርናን ዲሂኩ ንጽልቲ ሃገር ሒዙ ክዕንድረላ ይርከብ። ንሕና ኤርትራውያን ዝፈጠርናዮን ጌናውን ንቕጽሎን ዘሎና ሕድሕድ ምትኹታኽ ጠንቃም ዝኾነ ትሕቲ ሃገራውነትን ብሃይማኖታዊ ብኣውራጃዊ ብቢሄራዊ ምትእኽኻባት ፈጢርና ፡ ብድሑር ዘይምዕቡል ናይ ዓቅሊ ጽበት ደምበርበር ባህሪያት ሰጢምና ንፋላለን፡ ገለ እውን ክሳብ መሳርሒ ጓኖት ኮና ንርከብ። እንሆ እምበኣር ተመክሮና ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ሰውራን ድሕሪ ሰውራን ቀጺሉ ዋላ ንስሙ ነጻነት ክቡር ከበድቲ መስዋእቲ ከፊልና ኣምጺእና ኢልና ንሕበነሉ እኳ እንተኾነ ግን ከኣ ናብ ሕሱም ባርነት ስለ ዝተቐየረ ባህግታትና ትጽቢትናን ተጥሊሙ ናብ ዘይውዳእ ህልኽን ሕድሕድ ዘይምትእምማን ፈጢሩልና ብ ዉሽጣዊ ጸገማትን ዘይምቅዳውን እነሆ ክሳብ ሕጂ ደም ክንነብዕን ዳርጋ ንብርሰት ኣሳጢሑና ይርከብ። ብርዱእ ጀመርቲ ፖለቲካዊ ብረታውን ቃልስና ብትሑት ንቕሓት ንጹሓት ሃገራውያን ሓረስቶትን ጓሶትን ንኡስ ተሞክሮ ወተደሃደራት ባዕዲ ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብርሱን ሃገራዊ ኒሕን ሓቦን ስሚዒት ሓልዮትን ተበጃውነትን እዮም ተበጊሶም፡ ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ክሳብ ጨካን ሕድሕድ ዉግእን ተባዕ ብረታዊ ጥምጥም ብመስተንክር ጅግንነት ንባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒርና ነጻነት እንተ ኣምጻእና እቲ ዝፈላልየና ዝምባሌታትን ጸገማትን ጌና ከይተፈትሑ ስለ ዘሎዉ እዩ። ጨቋኒ ዉልቀ መራሒ ህግደፍ ሰብ ዝበልዕ ኣራዊት ፡ ካብ ሳሕል ጀሚሩ እናበልዓና ዝመጸ እነሆ ሃገርን መተካእታ ዘይርከቦም በላሕቲ ለባማትን ደቃን እናቀንጸለ ናብ ሕሱም ባርነትን ጭቆናን ወዲቕና ንርክርብ። ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ጥፍኣት ብቐጥታ ዝዋስኡ ዝነበሩ ዉልቀ ሰባት ጉጅለታት ላዕለዎት መራሕቲ ሰውራ ምሁራት ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ኣለዉ፤ ኣሉታዊ ተረኦም ብዕግበት ተቐቢሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተጋጊና ይቅረ ክብሉ ነብሰ ነቀፈታ ክቅበሉ ኣይበቖዑን ፣

ክሳብ ሎሚ ኣነ 3ተ ለባማት ኣሕዋት ጥራሕ ተጋጊና ብጌጋ ተረዲኡና ኢሎም ንህዝቢ ይቅረታ ዝሓተተቱ ሰሚዔ ኣሎኹ ።

1. ለባም ሓው ዳዊት መስፍን ዓዲ እንግሊዝ፡

2. ለባምን ንቁሕን ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ሽወደን፡

3. ...................... ።

ብግልባጡ ህዝብና ዘሎዎ ጽምኣት ስምረትን ሰላምን ፈሊጦም ከምስሉ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ኢሎም ፡ ወዳጀ ሙቁር ኣስማት እና መረጹ ዉድባት ክምስርቱን ንጽባሒቱ ከኣ በቲ ናይ ሳሕል ጠባዮም መርዛም ግናይ ብኽፋኣትን ጭከናን ዝተላዕጠጠ ትምክሕትን ብድዔን ባህርያቶም ጌና ክፍንጨሉን ክፋናጨሉን ይርከቡ እኔዉ። ዘገርም ዘሎ ካልኣይ ከኣ ዋላ እውን እቶም ኣብ ዲሞክራስያዊ ዉድብ ወይ መስመር ተሓኤ ዝዓበና ኢና ንብል ተቋወምቲ ከኣ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ምድሓን” ዝብል ጭርሖ እናልዓልካ ብተግባር ግን ዘይትሰርሓሉ እቲ ዝገደደ ካልእ ዓቢ ጸገም እዩ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ፕሮፖጋንዳ እዩ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ንክትበጽሕ ብግብሪ ኣብ ሜዳ መዓልታዊ ቁርቁስ መደረኦም ትረኽቦ ። ካብዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣውንታውን ኣሉታዊ ተሞክሮታትና ቍሩብ ተማሂርና ልቦናን ብስለትን ጌርና ብሓባር ሽግርና ኣብ ክንዲ ክንፈትሕ ንፍትን መሊስና ንረሓሓቕ ፡ ንፈናጣሕ ፤ ካብ ጌጋታትና ምምሃር ዘይኮነ ሕድሕድ ምክሳስ ምጽልላም፡ ዓቅሚ ድኣ የለን እምበር ክሳብ ኣእዳውና ናብ ካልኦት ምዉጥዋጥ ትርእን ትሰምዕን ተንብብን። ነቲ ሽግር ንኩልና ዝብጻሓና ከሎ ንኻልእ ክንህቦ ምጽዓርና እዩ ዘሕዝን። ምኽንያቱ እታ ሓቂ ኩልና ኣብ ሕቁፊ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ዓለምን ስለ ዝተቃለስና ፡ ይትረፍ ህዝብናን ዓለምናንስ እቶም ጎቦታትን ስንጭሮታትን ዝምስክርዎ ታሪኽ ኣሎ፡ ታሪኽ ከኣ ኣይምሕርን እዩ ። ንኣብነት ኩሎም ጎባታትና ሃገርና ኣስማቶም ትርጉም ኣሎዎም... ካብ ጎቦ ኣዳል ጀሚርካ ክሳብ ፈንቅል ገደም ኣሽሓት ኣሎዉ፡ ስለምታይ ተባሂሎም ኩሎም ሰፊሕ ዓቢ ትርጉም ሓዘል መግለጺ ዘሎዎም ኮይኖም፡ ምስ እነልዕሎም ወይ እንሰምዮም እዋእ ስለምታይ ተብሂሉ መን ኢልዎ ብከመይ ብዓል መን መዓስ ...ወዘተ ዝብሉ ባዕሎም ዝምልሹ ሕቶታት ከም ዘሎዉ ኣይንዘግዕ፡ ኩሉ በብመዓልቱ ሓቅን ታሪኽን ክወጽእ እዩ። እቶም ዝርካቦም ምሁራትና እውን ብገንዘብን ብስም ህዝብን ዝተማህሩ ክነሶምን ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሎሚ ግን ህዝብን ሃገርን ብሕሰም እናተበደለ ኣብ ክንዲ ዝመርሑን ዝምህሩን ንዘሎ ሕጽረታ ንምእራም ኣብተን ቅኑዓት ስሪዒታት ኣትዮም ዝቃለሱን ፡ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ድምጺ ኣፈኛታት ኰይኖም ዝጣበቕሉ ንሕናን ንሶምን ተባሂልና ተዓዘብትን ንሓንሳ ከኣ ፈረድቲ ይኾኑ። ነቲ ጉዳዮምን ጉዳይ ሃገሮምስ ዉድባት ከምዚ ዘይገበራ ከምዚ ዘይተጥቅማ ብማዕዶ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ ነቲ ፍንቲሊኽ እናበለ ኣስናኑ ነኺሱ ኣንጻር ህግደፍን ምልክን ንፍትሕን ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ይቃለስ ኣሎኹ ዝብል ወገን ሞራልን ኒሕን ይጎድእዎ ስለ ዘሎዉ ብታሪኽ ክሕተቱ ምኻኖም ክዝንግዑ ኣይግባእን ይብል። ንሳቶምውን መብዛሕትኦም ኣብነት ክዀኑ ኣይበቕዑን ። እቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይና እውን እንተዀነ እቲ ኩሉ ዘሕለፎ መሪር ስቓይን መከራን ኣብ ትሕቲ ጨካን ኢሰብኣዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘንጊዑ ኣብ ዓዲ ሰላም ምስ ኣተዉ፡ መብዛሕትኣኦም ተመሊሶም ምስ ህግደፍ ይደናገጽ፤ ገለውን ብሕቡእ 2% ይኸፍል፣ ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊኡ’ውን ንዓዲ ይኸይድ እዚ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ንዕዘቦ ዘሎና ባህሪያት እዩ። ንፍትሒ ዝቃለስ የሎን ንምባል ዘይኮነስ እቲ ሽግርና ንምግላጽ ተባሂሉ’ዩ እምበር ብዙሓት ተስፋ ዘለዎም መንእሰያት ኣለዉና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይዚ ኩሉ ዘሕለፍናዮን ነሕልፎ ዘሎናን ከቢድ ሽግር ዋናታቱ ቀደም ንሕና ሕጂውን ንሕና ኢና ፤ ፍታሕ ድማ ካባና ጥራይ’ዩ ዝመጽእ። ብተናጽል ዝዕወት ንዝስራሕ ቁምነገር ንሃገር ዘድሕን ወይ ዘልምዕ ጨሪሹ የሎን። ከም ህዝቢ ውራይና ብሓባር ኮፍ ኤልና ተላዚብና ክንፈትሕ የድልየና ኣሎ ። እዚ እንተዘይጌርና ንጥፋኣት’ምበር ንድሕነት ኣይነምርሕን ኢና ። ኣማእከልትን መራትን ከኣ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ተኻኣኢሎም ብልዝብ ንኩሉ ተቋዋማይ ክጥርኑፉ ግድን ምኳኑ የስምረሉ።


ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና

ዕንወት ንጨቋኒ መላኺ ስርዓት ኤርትራና።

ጸሃየ ቀለታ ሽወደን

20180308

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝልለየሉ ፖለቲካዊ መምዘኒታት ነዊሕ ዝርዝር ምስፋር ይከኣል። ፖለቲካዊ ባህሪኡ፡ ንሕቶ ህዝቢ ዘለዎ ምላሽ፡ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ኩሉ መሰል ዜጋታት፡ ቁጠባዊ ፖሊሲኡ፡ ዝምድናታቱ ምስ ጐረባብትን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ፍልልይ ዘይጸውር ፖለቲካዊ መኣገሩ … ወዘተ እንዳበልካ እንተዘርዘርካ፡ “ እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝብን ኩሉ መሰላቱን እዩ” ናብ ዝብል ሓጺር መደምደምታ እዩ ዝወስደካ። ብመጽር’ዚ ሕቶ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ንጹርን ንተግባራት እቲ ኣብ ሃገርና ዝዕንድር ዘሎ ስርዓት ዝጻረርን እዩ። ዕላምኡም ድማ ንህግደፍን ባህርያቱን ጸራሪግካ ብዲሞክራስያዊ፡ ፍትሓውን ቅዋማውን ምምሕዳር ምትክኡ እዩ። ብእምንቶይ ኣካላት ሓይልታት ለውጢ ክሳብ ዝኾና ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ሕቶን ኣተኻኽኣ ስርዓት ህግደፍ የብልናን።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብሳላ ቅሉዕ ተግባራቱ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ፍልልይ የለን። እቲ ጸገምን ፍልልይን ጐሊሑ ዝረአ ኣብ ደንበ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ዘይንጹርነት እዩ። ሕቶና ኣብ ክሊ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ዘኹድድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣተገባብርኡ ግና ዘይምስምማዕ ብንጹር ይረኣ። እቲ ብንጹር ዝረኣ ፍልልያት ገሊኡ ብድኽመትና ዝፈጠርናዮ፡ ገሊኡ ግና ከጋጥም ባህርያዊ ዝኾነ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ኣብ ኣመላልሳ እቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶና ዝረአ ነጸብራቕ፡ ናይቲ ኣብቲ መሰረታዊ ሕቶ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሕዛኡን ዘሎ ዘይንጹርነት እዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ካብዚ ነቒሎም ድማ ኣብቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንሕቶ ሃይማኖት ዘምርሕ፡ ኣብ ባህርያት ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ካብ ዘለዎ ቅኒት እዩ። እቲ ንሕቶ ብሄራት መሪሕ ጭረሖኡ ዝግበር እውን ከምኡ። እቲ ነዚ ክልተ ጫፋት ቅድሚት ዘይሰርዕ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነታዊ ዋልትኡ ገይሩ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ክምልስ ዝቃለስ ከኣ ኣብ ኣገላልጻ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናቱ ዝተፈልየ ቅኒት ዘለዎ እዩ።

እቲ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ “ቅዋማዊት” ንዝብል ሓረግ ምጉላሕ፡ ቅዋማውነት ካብ ሕጂ ጀሚሩ እግሪ ክተክል ኣለዎ ካብ ዝብል ኣርሒቑ ዝርኢ ኣተሓሳስባ ዝነቅል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ካልእ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትና እነስፍሮ ፖሊሲታት እውን ኣብ መጻኢ ናይ እንምረሓሉ ቅዋም መሰረት ንኽከውን እነማዕድወሉ መምዘኒና እዩ። ስለዚ ሎሚ ናይቲ እንቃለሰሉ መደብ ዕዮ ኮነ ንምረሓሉ ውድባዊ ይኹን ሰልፋዊ ቅዋም ምእዙዛት ምዃንን ዘይምዃንን ነቲ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዝምስረት ስርዓት “ቅዋማዊ ክኸውን እዩ” እንብሎ ዘለና ትብዓትን ድሉውነትን ዘመልክት እዩ። “እተጽግበኒ ቅጫ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ከም ዝበሃል ምስላ ቀዳሞት። ቅዋማዊ ምዃን ከኣ ብዛዕባኡ ደጋጊምካ ብምጽሓፍን ቅዋም ከተግብሩ ሓላፍነት ንዝተዋህቦም እሞ በቲ ንስኻ እትደልዮ ንዘይከዱ ኣካላት ብምንቃፍን ምንእኣስን ዝረጋገጽ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ናይዚ እዋን ፖለቲካዊ ሕቶናን ኣተሓሕዝኡን ዝንጸባረቕ ፍልልይ መንቀሊኡ ብዘየገድስ ምኽሳቱ እምብዛ ዘግርምን ዘሻቕልን ኣይመኾነን። ንቕድሚት ከይንጐዓዝ በዚ ፍልልያትዚ ምዕጋትና ግና ዘገርምን መመሊስና ነንውሽጥና ክንምርምር ዘገድድን እዩ። ከምቲ ግቡእ ነዚ ፍልልያት ፈጺምና ከነወግዶ’ኳ እንተዘይከኣልናን እንተዘይተገደድናን ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚት ከይንስጉም ቀፊዱ ዝሕዘና ክኸውን ግና ኣይመተገብኦን። እቲ ሕቶኻ እንታይ ምዃኑ ከተነጽር ምብቃዕ ፍርቂ ፍታሕዩ” ዝበሃል ብሂል ከኣ ኣባና ዝረአ ዘሎ ይመስል።

ብመንጽር እቲ ክትግበረልካ እትጽበዮ ኣተሓሳስባ ኣብ መስርሕ ፍልልያት ከጋጥም ባህርያውን ዘየሰንብድን እዩ። እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ግና ዝፈላሊ ጥራይ ዘይኮነ እንትላይ ዘሰማምዕ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ካብቲ ዝፈላልን ዘሰማምዕን ነቲ ምስ ዕላማኻ ዝሰማማዕ ኢኻ እትመርጽን እተዕኩኽን። ስለዚ እቶም ሓይልናን ተዓዋትነትናን ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ምዃኑ ሃብታም ተመኩሮ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ እቲ ከነዕብዮ ዝግበኣና እቲ ዘመሳስለናን ብሓባር ዘጓዕዘናን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ነቲ ዝሰፍሐ፡ ብሓባር ዘጓዕዘናን ምስጢር ሓይልና ምዃኑ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸን ኣነኣኢስካ፡ ኣብ ናይ “ፍልልይ ዕበይለይ ዕበይለይ” ሓሸውየ ምእታው ግና ዝኾነ ሕብርን ቅጽልን እንተተወሰኾ፡ ካብ ንረብሓ እቲ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘየብሉ ጨቋኒ ስርዓት ግዳይ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ነናቶም ኣተሓሳስባ ብዘለዎምን ኣብ ቃልሲ ዝተሰለፉን ሰባት እየን ዝቖማ። እዞም ዘቑምወን ሰባት ነናቶም ዝሕበንሉ ክብደትን ክብርን ኣለዎም። ከም ኣካል ብሓባር ክቃለሱ ምስ ፈቐዱ ከኣ በቲ እኩብ ናይ ሓባሮምን ብሕጊ ዘጸንበልዎን ኣተሓሳስባ እምበር ብውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ኣነነት ኣይኮኑን ዝንየቱ። ብተግባር ከም እንርእዮ ግና ኣብ መንጎ እቲ ካብ ውልቃዊ ኣነነት ዝነቅል ኒሕን ኣብ ጹረትን ምክእኣልን ዝምስረት ናይ ሓባር ኣተሃላልዋን ምድውዋሳት ይረአ እዩ። እቲ ብሰንኪ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት፡ ናብ ምፍንጫል ዝመጣጠር ፍልልያትን ምርሕሓቕን ክፍጠር እንከሎ፡ ብዛዕባ ጠንቁ ክንዛረብ እንከለና “ብሰንኪ ናይ ሰባት ባህሪ ዘይምቅዳውን ንኡስ ምምሕዳርዊ ሕጽረትን ዘጋጠመ እዩ” እንብሎ ከኣ ነዚ ዘነጽር እዩ። ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ኰርኳሕ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ጸገማት ክፍጠር እንከሎ እቲ ፍታሕ ካብቲ ጸገም ምርሓቕ ከምዘይኮነ ምርዳኡ ዘጸግመና ኣይመስልንን። ብመሰረቱ እውን ንጸገም ናተይ ኢልካ ተቐቢልካ እምበር ካብኡ ብምህዳም ኣይኮነን እትፈትሖ። ምኽንያቱ ጸገም ስንኻ ነኺስካን ተጸሚምካን ምስኡ እንዳነበርካ እንተዘይፈቲሕካዮ፡ ኣብቲ ዝኸድካዮ’ውን ክስዕበካ ናይ ግድን እዩ። ንስኻ ክትሃድም እቲ ጸገም ክስዕበካ ምንባር ከኣ ኣጸጋሚ እዩ። ናብቲ ቀንዲ ርእሰ ነገርና ክንምለስ ጸገምና ኣብ ውህደት ፖለቲካዊ ሕቶና ከይከውን ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ።

رسالة المناضل القديم إبراهيم محمد علي لرفاقه عبر إتصال هاتفي

بخصوص رأس السنة الجديدة 2018

بمناسبة رأس السنة الجديدة 2018 قال المناضل الشهم الشجاع ابراهيم محمد على رسالة لرفاق دربه حيث قال، نواصل الكفاح بسبب عدم وجود خيار آخر ". وكانت هذه إحدى الرسائل القوية التي أطلقها إبراهيم محمد علي وهو أحد من مقاتلي جبهة التحرير الإريترية المحترمين، وأراد أن ينقل إلى الرفاق القدامى في النضال والباحثين عن العدالة، كبار السن والشباب.
وقال مقاتل من قدامى المحاربين في اتصال هاتفي معه في بورتسودان يوم الاثنين 5 فبراير / شباط 2018 إنه يتابع بقلب شديد معظم ما يجري في المشهد السياسي الإريتري. ومع ذلك، أراد أن يشجع الجميع في النضال الحالي من أجل التغيير الديمقراطي على "عدم التخلي عن أو الاستقالة" (شيدو حيلكم ) لأن الشعب الإريتري يستحق الحكم الرشيد "بعد كل هذه السنوات الطويلة من النضال".
عندما قال بعض التفاصيل في كتاب جديد نشر مؤخرا في التغرينية من قبل زملائه في الشؤون الاجتماعية السابقة في عصر النضال التحرري، قال إبراهيم إن جهدهم يستحق الثناء جدا لأن ما تم خلال نضال التحرير لزرع بذور لتعزيز الاجتماعية كانت العدالة في مستقبل إريتريا كبيرة وتستحق أن تسجل في التاريخ.
كما أراد إبراهيم محمد علي من جميع الأصدقاء أن يعرفوا أن مرضه أصبح قابلا للشفاء على الرغم من أنه لا يستطيع التجول في بورتسودان، وهي مدينة نما فيها ويعيش الآن مع أفراد عائلته.

ولصالح من عرف القليل عنه، انضم إبراهيم محمد علي إلى النضال في منتصف الستينيات، ثم شغل منصب عضو اللجنة التنفيذية ومسؤول شؤون إجتماعية لجبهة التحرير الإريترية بين عام 1975 و 1981تنقل بين عدة مواقع ادارية .

حيث المناضل يتمتع بذكاء وملم بالأسس الديمقراطي للإدارة الرشيدة مما أمكنه ان يرأس قسم التعليم والصحة وتوعية المجتمع وأضافتا لذالك البيطرة. وأسس الهلال والصليب الأحمر حيث لا يوجد له مثيل ليومنا هذا كما كان مشكورا من قبل المجتمع فى ذاك الوقت بفارق كبير من الخدمات التى يقدمها النظام فى ارتريا فى هذا الجانب فى ارتريا "المحررة" .

Ibrahim Mohammod Ali 09.03.2018

وفى نفس السياق هو مؤسس المنهج التعليمى المتبع فى كل مدارس اللاجئين التى توجد فى ودشريفى، حيث تخرج من هذه المدارس عدد كبير من الشباب ويعملون الان فى الداخل والدول العربية وحتى أوروبا .

بعد ذلك فى سنة 1981 وبعد عمليات الغدر التى واجهت الجبهة خروجها من الميدان وعندما حصل الانشقاق هو احد الذين قاموا ترميم جبهة التحرير الإريترية – المجلس الثوري.

من عام 1995 حتى عام 2001 ترأس جبهة التحريرالإرترية – المجلس الثوري ومن عام 2002 حتى 2008 وكان هو رئيس المجلس الثوري.

وكان إبراهيم من بين المؤسسين الرئيسيين لتحالف القوى الوطنية الإريترية في آذار / مارس 1999، الذي تولى رئاسته في الفترة 2000-2001.

كان لديه مشاكل صحية منذ عام 2005 لكنه لم يستقيل تقديم خدماته الاستشارية غير الرسمية، بما في ذلكحزب الشعب الديمقراطي الإرتري اليوم.

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ እናርኣይዎን እናፈለጥዎን፡ እንተስ ጸላእትና ከይሕጐሱ ካብ ዝብል ሕማቕ ኒሕ (ናይ ቲፎዝያ መርገጽ) ወይ ድማ ንሰላም ካብ ዘለዎም ዘይቅኑዕ ተረድኦ፡ ኤርትራ እኳ ደሴት ናይ ሰላም ኢያ ዝብል ናይ መላኺ መራሒኦም ጭርሖ ክደጋግሙ ኢዮም ዝስምዑ።

ጸላኢና ከይስሕቀና ወይ መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን ካብ ዝብል ስምዒት ወይ ኣረዳድኣ፡ ንጌጋኻ ከይኣረምካን ንድኽመታትካ ሸፋፊንካን ምቕጻል ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ውድቀት ዘምርሕ ጐደና ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ ሓቂ ኢዩ። ብኣንጻሩ፥ ብጌጋታቱ ዝእመንን ብግሉጽነት ዝሰርሕን፡ ናይ ህዝቢ እምነትን ደገፍን ከሲቡ፡ ንዘጋጥሞ ብድሆታት ስዒሩ ንቕድሚት ኢዩ ዝስጉም። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብሃል።

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ርእይቶኡን ስምዒቱን ብናጻ ክገልጽን ክጽሕፍን፡ ንዝደልዮ መራሒ ክመርጽን ከውርድን፡ ኣብ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪላዊ ማሕበር ክውደብ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ይኹን ኣብ ወጻኢ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ደገፉን ተቓውሞኡን ክገልጽ፡ ካብ ዝደለዮ ምንጪ (መንግስታዊ ይኹን ካልእ) ሓበሬታ ክረክብ፡ ንስራሕን ንሓላፍነትን ክወዳደር፡ “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ” ብዝብል መርሆ ክሰርሕን ክመሃርን . . . ወዘተ ኣብ ዘይፍቀደሉ ኩነታት ሰላም ነጊሱ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ንነብስኻ ምትላል እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ዝበዀረላ፡ ፍትሒ ኣብ ዝጠፍኣላ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይብላ ብድሌትን ፍቓድን ናይ ሓደ ውልቀ መራሒ ኣብ እትካየድ ሃገር ህዝባ ረድዩ ዘይኰነስ ፈሪሑ ርእሱ ኣድኒኑ እንተኸደ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ እናበኣልካ ምምኽናይን ምጅሃርን መኽዓቢኻን መንዓቒኻን ኢዩ። ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፍአ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ናይ ብሓቂ የውሃት ኢዮም። ዝተደጐለ ሓዊ ዘንበድብዶ ክረክብ እንከሎ ምጉሃሩን ቃልቃል ምባሉን ከምዘይተርፎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን ኢዩ።

ህዝቢ እውን ከምኡ፡ ንዘልኣለም ተዓፊኑ ኣይነብርን ኢዩ። ጭቆና ምስ መረሮን ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐን ክቃወም (ክነቱግ) ናይ ግድን ኢዩ። ናይ ተጋደልቲ ኣድማ፡ ናይ ወዲ ዓሊ፡ ጉጅለ 15ን ናይ መምህራንን ተምሃርን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያን ሰላማዊ ተቓውሞታት እንታይ ድዩ? ስእነት ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዘበገሶ ተቓውሞታት’ዶ ኣይኰነን? እትረፍዶ ሰብሲ እንስሳ እውን እንተደኣ ኣጻቢብካላ ነብሳ ንምድሓን፡ ተጻይ መልሲ ትህብ ኢያ።

ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዝእሰረሉ፡ ጠበቓ ቆጺሩ ክምጉት ኣብ ዘይክእለሉ፡ ቤተሰቡ ክበጽሕዎን ከዛርብዎን ኣብ ዘይክእልሉ፡ ብዘስካሕክሕ ናይ ዓዛብን (torture) ማእሰርትን ኣገባብ ክብረ-ሰብእነቱ ኣብ ዝቕንጠጠሉ፡ ምህላዉን ምሟቱን ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነት፡ “ሃገር ሰላም ኣሎ” ኢልካ ምዝራብ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ሰላም ማለት’ኮ፡ ውግእ ዘይምህላው ማለት ኣይኰነን።

እወ፡ ውግእ ዝለዓለ መግለጺ ናይ ስእነት ሰላም ምዃኑ ኩልና እንሰማምዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ኣብከምበዓልኤርትራዝኣመሰላ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽበረለን ሃገራት፡ ህዝቢ ፈሪሑ እንተዘይተዛረበን ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይገበረን፡ ፈትዩን ረድዩን ይመሓደር ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፍአ ይመስል ተባሂሉ ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል። ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ግብጺ . . .ወዘተ ትማሊ ሰላም ዝሰፈነን ሃገራት ተባሂለን ይዝረበለን ነይሩ ኢዩ። ሎሚ’ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዋ?

እዚ ኩሉ ዝፈትዋ ሃገሩን ዝፈትዎም ቤተሰቡን ገዲፉ፡ ስሓራን ጥሓራን ኣቋሪጹ፡ ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ግዳይ ጽምእን ኣራዊትን ኰይኑ ዘሎ መንእሰይ ሰላም ጸሊኡ ድዩ ዝስደድ ዘሎ?!!!!! ካብ ግሃነም እሳት ዝዀኖ መነባብሮ ሃዲሙ፡ ሰላም ንምርካብ’ዶ ኣይኰነን እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ? ኮታ ሰላም፡ ቅሳነት፥ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ማዕርነትን ፍቕርን ኣብ ዝሰፈነሉ ቦታ ኢዩ ዝርከብ።

ጨንፈር ርያድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤትራ (ሰዲህኤ) ብመስዋእቲ ሓርበኛ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ገሹ) ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ። እቲ ጨንፈር ኣብቲ ዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን ተኻፋልነት ቃል፡ ስዉእ ብርሃነ ተስፋማርያም ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ኩሉ ዝከኣሎ ዋጋ ዝኸፈለ ሓርበኛ ክነሱ፡ ነታ ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገር ድሕሪ ናጽነት ከይርኣያ ምሕላፉ ነቲ ሓዘን ተደራራቢ ከም ዝግበሮ ገሊጹ። ጨንፈር ርያድ፡ ብመስዋእቲ ወዲ ገሹ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ንበዓልቲ ቤቱ፡ ደቁን ቤተሰቡን ጽንዓት ክህቦም ተመንዩ ንስዉእ ድማ መንግስተሰማይ የዋርሶ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጨንፈር ርያድን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኦኣለም ዝርከቡ ኣባላትን ኣባላት መሪሕነትን ሰዲህኤ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃኖም ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ4 መጋቢት 2018 ብደረጃ ሰልፊ ብምኽንያት ሓርበኛ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ገሹ) ናይ ሓዘን መግለጽን ተኻፈልነትን መልእኽቲ ከም ዘውጸአ ዝዝከር እዩ።

(ብእንግሊዝኛ ብወልደሱስ ዓማር ተጻሒፉ ብነጋሽ ኣስፍሃ እተተርጐመ)

Remembering Patriot Haile DuruE 1

ካብ ኤርትራ ጽቡቕ ወረ ካብ ዘይንሰምዕ ነዊሕ ገይሩ`ሎ። ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ ብመሰረት እቲ ናብ ኣሰና ቅርበት ዘለዎ ውሽጣዊ ምንጪ:ውፉይ ሃገራዊ ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ ወይ ብዘጉሂ መጸውዒ "እሱር ዒራ ዔሮ ቁጽሪ 4" ሞይቱ ለይቲ 25 ጥሪ 2018 ከም እተቐብረ ተገሊጹ።እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣስማት ናይቶም ንድሩዕ ዝቐበሩ ኣርባዕተ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲማለት ሚኪኤል ወረደ: ትንሱእ ተወልደ: ዑስማን ዑመርን መድሃኔ መሓሪን ምንባሮም ዘርዚሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሳክቲዝም ዝፍለጥ ምንጪ ኣሰና ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ተወሳኺ ዝርዝር ክህብ ቃል ኣትዩ። እዚ እንተደኣተረጋጊጹ: ኣካላት ሃይለ ኣብ ዓሚቚ ጸልማት ካብ ፍጥረት ኩሉ ተነጺሉ 16 ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ሸውዓተ መዓልቲን ድሕሪ ምስቓይ ካልእ መዓልቲ ንምርኣይ ዝነበሮ ናይ ህይወት ቃልሱ ኣብ መወዳእታ ተሸኒፉ።

ሒደት ሰሙናት ብ18 መስከረም 2001 ቅድሚምእሳሩ: ሃይለ ንዘይጽወር ኩነታት ኤርትራ ኣብ ምቕያር ዝግበር ቃልሲ ህይወቱ ንምኽፋል ድልው ምዃኑ ጽሓፈ። እዚ ናይዚ ሰሙንዚ ዘጉሂ ዜና እንተደኣ ተረጋጊጹ: እቲ ዝበሎ ሓቂ ኮይኑ። ስለ`ዚ ድማ እታ እንኮ ክንብላ እንኽእል ”ደሓን ኩን ሓርበኛ ሃይለ!" ድሕሪ ምባል "ሕልምኻን ሕልሚ ኩሎም ሃገራዊያን ሓርበኛታትን ንምትግባር መብጽዓና ነሐድስ” ምባል ኢዩ።

ኣብዚ ዘጉሂ ኣጋጣሚ ክዝክሮ ዝደሊ ቅድሚ ሕጂ ናብ እሱር ሃይለ ድሩዕ ካብ ዘቕንዐ ክልተ ”ክፉት መልእኽትታት” ኢዩ። ሓንቲ እታ ብ2010 ሓለዋ እሱራት ዒራ-ዒሮ ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ እተበገሰትን ካልኣይቲ እታ ብመስከረም 2005 እተጻሕፈትን ክጥቀሳ እፈቱ። እታ ናይ 2010 ቅልዕቲ ደብዳቤ "ንድፊ" ቃል ሓዘን መሳሊት ነይራ፤ ትሕዝቶኣ ከእ "እንተሎኻ ብድሓን የራኽበና እንተሞትካ ከኣ ብኽብሪ ትዝከር" ትብል። እታ ኣብዚ ድሒራ እትጥቀስ ካልኣይቲ ደብዳቤ ከኣ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ”ብራቮ ድሩዕ ኣገናዕ ስዩም” ዘርእስቱ ጽሑፋተይ ኢዩ። ሎሚ ክልቲኡ ጽሑፋት ንክብሪን ዝኽርን ንናይ ቀደም ዓርከይ ድሩዕ ዝዳረግ ኢዩ።

ሰናይ ንባብ። ኣብ ምንባብን ዳግም ምንባብን (ማለት ነቶም ቀደም ንዘንበኩምዎን ከይተረፈ) እዚ ስዒቡ ዘሎ ገጻት ከገድሰኩም ዝኽእል ኢዩ። እቲ ምንታይሲ ንኡስ ዝመስል ግን ኣገዳሲ ዝርዝራት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ገለ ነቲ ካብ 1960 ኣትሒዙ ንታሪኽ ኤርትራ ዘቖመ ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት`ዩ።

ንድፊ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ሂወትን ናብ እሱር ዒራዔሮ ቁጽሪ 4

(18 መስከረም 2010)ክቡር ሃይለ:-እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም ብጥሪ 2010 ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ ዝገድፈካ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ሽዑ ብርሃን ኣዒንቲኻ ጠፊኡ ኣካላትካ ረቒቑ ኣብ ነዊሕ መስርዕ መልኣከ ሞት ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ከሰንየካ ተቐሪቡ ነበረ። መይትካ እውን ትኸውን ሃይለ: ንፈልጠሉ መንገዲ የብልናን። ወይ እውን ብሂወት ትህሉ ዋላ እኳ ኩነታትካን ኩነታት ብጾትካን ብመሰረት እቲ ኢዮብ ዝገለጾ ከም ሂወት ክግለጽ ዘይክኣል እንተኾነ።

ሎሚ ምስቶም ብትብዓት ንምሉእ ናጽነት ሓዲሽ ቃልሲ ዝጸውዑ ብጾትካ ታሽዓይ ዓመት ማእሰርትኻ ኣብ ዝዝከረሉ መዓልቲ: ነዚ ዝስዕብ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ስውእን ከም ንድፊ ከቐምጥ መሪጸ። እዚ ጽሑፍ ክልተ ዕላማታት ኣለዎ።

-   (ደሓን ሃሊኻ ነጻ እንተወጺእካ) ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናጽነትካ ከም ሓበሬታ ይኾነካ። ካብታ እተኸወልካላ ዕለት 18 መስከረም 2001 ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ነገራት ብሓጺሩ ትርዳእ።

-   ወይ (ሓሊፍካ እንተዀንካ) ናይ ስንብታ መልእኽቲ ንዓኻ ኰይና፣ ነቲ ብ2005 እተጻሕፈ እውን ኣብ ታሕቲ ብምድጋም ንሓዲሽ ወለዶ ብኣኻ ንዘይፈለጥዎ መፍለጢት ትኸውን። እታ ናይ 2005 ጽሕፍቲ ኣብ ራብዓይ ዓመት ማእሰርትኻ እተጻሕፈት ኰይና ካብቲ ኣነን ንስኻን እንፈልጦ ንኡስ ጒዳያት ትጠቓቕስ ነይራ።

ክቡር-ዓርከይ ብዛዕባ ዘሎናዮ ሃለዋት ምጥቃሰይ ህዝብና ብዛዕባኻ ብዙሕ ነገራት ከም ዝዝክር እገልጸልካ። ንኣብነት: እቲ ኣብ 2000ን 2001ን ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካዮ ኣዝዩ ረዚን መልእኽትታት ኣሎ። ሓምለ 2000 ኣብ ፍራንክፈርት ፈስቲቫል ህግደፍ ዘቕረብካዮን ኣነ ብዛዕባኡ ፈለማ ኣብ ኢንተርነት ብምጽሓፈይ ሓለፋ ይስመዓኒ።ውሑዳት ኮነ ኢሎም ብጥምዙዝ ትርጉም ”ተጠላቒና” እትብል ቃል ተዓሽዮም ዘለው ገዲፍካ: መልእኽትኻ ዛጊት ኣብ ሃምን ቀልብን ብዙሓት ኤርትራውያን ይድውል ኣሎ። ሽዑ`ዩ ንስኻ "ኤርትራ ትካል ኣልቦ" ሃገር ክትከውን የብላን ካብ ዓለም ተነጺላ ምንባር እውን ኣየርብሓን`ዩ ዝበልካ። ናይ 2001 ቃለ-መጠይቓትካን መግለጺታትካን እውን ነቲ ኢሳያስ ዘስረጾ ኣግላልነትን ትምክሕትን ዘሎካ ናይ ቀደም ጽኑዕ ተቓውሞ ደጊምካ ጥራይ ዘይኮነ: ንኤርትራውያን ኣብ መንጎኦም ዕርቂ ከስፍኑን ድሕሪ ኲናት ዶብ ሓዳስ ኤርትራ ክሃንጹ ኣዘኻኺርካ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ባህግኻ ዝተፈጸመ የልቦን። ክኔው እታ 3x4 ሜትሮ ሸላ ዒራዔሮ ሓሊፍካ እትፈልጦ ነገር ከምዘየልቦ ንግንዘብ ኢና። ዘይምፍላጡ ከኣ ይሕሸካ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዓለም በቲ ዝኸፍአ መግለጺታት እትልለ ተሕንኽ ሃገር ኰይና ኣላ። ኣስዒበ ንገለ ገሊኡ ክጠቕሰልካ፤

Remembering Patriot Haile DuruE 2

                              ካብ ዒራዔሮ እንተወጻእኻ መብርሂ ንዓኻ ሃይለ:-

  1. ሃገርና ሎሚ ግዝኣተ-ሕጊን ዝሰርሕ ትካላትን ዘይብላ ኣዝያ ጨቋኒት ተባሂላ ትግለጽ። ብዙሓት ጸሓፍቲ "ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ" ይብሉዋ።
  2. ኤርትራ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳመይቲ ኣላ። ናጻ ፕረስ ዘይተፍቅድ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሳያ።
  3. ባይቶ ኤርትራ ኣንጻርኩም ኩነነ ንምውጻእ ብለካቲት 2002 ተኣኪቡ። ድሕሪኡ ብፍጹም ኣይተኣከበን። ብኣንጻር እቲ ንስኻትኩም ንዲሞክራሲ ዝገበርኩሞ መጸዋዕታ: ኢሳያስን ንኡስ ዓንኬል ጉጅለኡን ኤርትራ ንኣርብዓ ዓመትን ክኔኡን ሃገራዊ ምርጫ ከም ዘይትገብር ንህዝቢ ይገልጹ ኣለው።                                              
  4. ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሻድሻይ ዝኸፍአ መላኺ ኣብ ዓለም ተባሂሉ ተረቚሑ። ኤርትራ ምስተን ውሑዳት ብኲናት ዝተሓመሳ ኰይና ሻብዓይቲ ዝደኸየት ሃገር ኣብ ዓለም ተባሂላ ተሰሪዓ።                                                                      
  5. ሃይለ-- እቲ ንስኻ ዝኸተምካሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን። ነገራት ዝያዳ ንምብልሻው እዚ ኣብ ዞባና ደጋፊ ዝብሃል ዘይብሉ ተናኻሲ ኢሳያይ ሕጂ ከኣ ንመጥቃዕቲ ጂቡቲ ኣዚዙ።
  6. ብኣንጻር እቲ ኣብ ፍራንክፈርት ብ2000 ዓ.ም. ተነጽሎ ኤርትራ ከብቅዕ ዝገበርካዮ መደረ: ንህዝቢና ዝውጽዕ ተነጽሎ ብዕጽፊታት ወሲኹ። ኤርትራ ንጽልቲ ሃገርን ናብቲ ዘስካሕክሕ ደረጃ ውዱቓት መንግስታት ገጻ ትድፋእ ኣላ። ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሓን ኢየን፤ ኩለን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ካብ ሃገር ተባሪረን። ኤርትራ ሎሚ ምስ`ታ ናይ መወዳእታ 70ታት ካምቦድያን ፖልፖትን እቲ ጽሉእ ጒጅለ "ክመር ሩጅን ከተመሳስላ ትኽእል።
  7. እቲ ኣብ ትሕቲ ደረት ዘይብሉ ”ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝካየድ ዓመጽ: ድሕሪ ምስዋርካ ብዝተሃንደሰ ሓዲሽ መደብ ተደሪዑ። ”ዋርሳይ ይከኣሎ” ዝበሃል መደብ ኢሳያስ ንሓዲሽ ወለዶ ካብ ግቡእ ትምህርቲ ምቕሳም፣ ንመንእሰይ ነብሶምን ስድራቤቶምን ንክሕግዙ ዝነበሮም ዕድል ብምንፋግን ብከንቱ ኣባኺንዎም ይርከብ። ንልዕሊ 300,000 ወተሃደር ኣብ ትርጉም-ኣልቦ ዕርድታት ብምስፋር ኤርትራ (ንብዝሒ ህዝባን ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሰብን ብምንጽጻር) ካልኣይቲ ሰሜን ኮረያ ኰይና ተባሂሉ።
  8. እቲ ዓብይ ትራጀዲ ሃገርና ሎሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓሰርተታት ኣሽሓት እሱራት ኣብ ልዕሊ 300 ኣብያተ ማእሰርትታን ኮንተይነራትን ዒራዒሮን ምድጓንን፣ ውድቀት ቁጠባን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዓቢ ትራጀዲ እቲ ብጅምላን በብዕለቱን ሃገር ዝገድፍ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።ሃገር ትጸንት ኣላ። መደበራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና መሊኦመን። ካልኦት ኤርትራ ገሀነም ምስ ኮነቶም ዝዕቆቡሉ ንምንዳይ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ይሞቱ`ለው።
  9. ሃይለ:- ኣብታ ናባኻ ልክዕ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝለኣኽክዋ ራብዓይቲ ቅልዕቲ ደብዳቤ: "ክትመውት ኣይፍቀደካን`ዩ” ኢለካ ነይረ። ሕጂ'ውን ወላ'ኳ እቲ ዘሎ ሓበሬታ ዘየተባብዕ እንተመሰለ ነታ ቃል ክደግማ ምደለኹ። ኣይትፈልጥን ትኸውን እንበር 50% ካብቶም ኣብ ዒራዔሮ ምሳኻ ዝተኣስሩ ማሕሙድ ሸሪፎን ዑቕበ ኣብርሃን ሓዊስካ ብመደብ ብዝተኻየደ ፕሮጀክት ቅትለት ኣብዚ ትሽዓተ ዓመት ሞይቶም ይብሃል ኣሎ። ናይ ቀደም ብጻይካን ብጻየይን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል እውን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብዛ ዓለም ከም እተፈልየ ንዓኻ ውዑይ ዜና ከምዝኾነ ርግጸኛ ኢዩ።
  10. ሎሚ ብዝከኣለና ነቲ ንስኻን ስዩም ሓረስታይን በብመንገድኹም ብ2001 ዘበገስኩሞ መስርሕ ዕርቂ ከነሰጉሞ ንጽዕር ኣሎና። ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ነቲ ዝነበረ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን መዝገብ-ቅርሕንትታት ኣብ ታሪኽ ኣቐሚጥና: ነዘን ንሕልሚ ናጽነት ሃገርና ዘተግበራ ክልተ ኣካላት ሃገራዊ ቃልስና ናብ ዕርቂ ወጂህና ንሰርሕ ኣሎና።ብኢሳያስ ዝተዘርአ ሕማም ቅርሕንቲ ክንስዕር ብቐጻሊ ጽንዓት ናይ ህዝብና ክንፍውሶ ከም ዝከኣል ንተኣማመን ኢና። ጅግና ህዝብና ካብዛ ናይ ሎሚ ዝሓሸት ኤርትራ ኢያ እትግብኦ። ምሉእ ፖለቲካዊ ሓርነት ክጎናጸፍ ከኣ: ነዚ ዝከይድ ዘሎ ኣተፋናኒ ንፋስ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ጊዜ ክንቅይሮ ዕጥቅና ኣትሪርና ንርከብ።

(ቀጺሉ ዘሎ ንባብ ከኣ እቲ ብመስከርረም 2005 ኣብ ትሕቲ ብራቮ ድሩዕ: ኣገናዕ ስዩም (4ይ ክፋል) ዝብል ጽሑፍ ኢዩ።)

            

ናብ: ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)

እሱር ቁ. --- ቦታ: --- (ብ2005 ዘይተፈልጠ ነይሩ)

ኤርትራ ምብራቕ ኣፍሪቃ

ቅዳሕ ናብ: ስዩም ዑቕባሚካኤል(ሓረስታይ)

መስከረም 18, 2005

ክቡር ሃይለ:-

ብዘይ ሕጊን ብዘይፍትሒን ምስ ካልኦት ብጾትካ ካብ እትእሰር ድሮ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ። ንሰብኡትን ደቀንስትዮን ንኣሽቱን ዓበይቲን ንኹሎም ብጠቐነ ዝተቐፈዱ ቃል መተበባዒን ደገፍን ኣብጽሓለይ። ነቶም ካብ ከሰላ ብሚያዝያ 26, 1992 ተጨውዮም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ”ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ” ዝበልዩ ዘለው ንወዲ ባሻይን (ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ) ንወልደማርያም ባህልቢን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምብጻሕ ከም ዘይትዝንግዕ እኣምን ኢየ።

Remembering Patriot Haile DuruE 3

ሃይለ: እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ኣስመራ ብ1965 እተሳኣልናዮ ነይሩ፣ህያብ ንዓኻ። ኣብ መንጎ መነጸር ዝወደዩ ክልተ ሰባት ትርእያ ኣሎኻ። ሃብቶም ገ/ሚካኤል ከምኡ እውን ሓደ ካብ መማህራንና፣ ዓብዱራሕማን መሓሪ ልክዕ ብድሕረኻ ኮይኑ ኢሳያስን ናይ ሕጂ ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነን ካባኻ ርሒቖም ኣብ ድነ ኣለው።ነቶም ዝተረፍና ከተለልየና ተስፋ እገብር።(ካብ`ቶም ኣብ 12 ክፍሊ ዝነበርና ዳርጋ ዓሰርተ ኣብ ስእሊ የለዉን --ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩምን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሜዳ ስለዝኸዱ፣: ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሚኪኤል ጋብርን ካልኦትን እውን የለውን)። ምስ ተራኸብናን ብሂወት ምጽናሕካ ብዘረጋገጽናን ዝያዳ ተወሳኺ ስእልታት!

ኣብ ከምዚ ዘሎናዮ ሃዋህው: ናዓኻትኩም ንእሱራት ዓሚቑ ደገፍ ምግላጽ ግቡእ ንጹሃት ኤትራውያን ሓርበኛታት ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱኣይኮነን። እንተኾነ ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ፖለቲካውን ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ኩነታትን ሃገር ናብ ዘሻቕል ደረጃ ወዲቑ እቲ ኣብ መንጎ ኩነታትኩምን ኩነታት ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ እንተዘይኮነ ድማ ቀጺሉ ሓደን ተመሳሳሊን ምዃኑ ዘይተርፍ`ዩ። ሃገር ብቕልጡፍ መጠን ሰባ ትበትኽ ከም ዘላ ናዓኻ ዜና ይኸውን። እቶም ናይ ቀደም ስደተኛታትና ናብ ሃገሮም ከምዘይተመልሱ ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ መላእ መንእሰይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መሐየሪ ስፍራታት ካብ ምማት: ሞት ኣብ ዕርድታትን መዓስከራት ግዱድ ዕዮን፣ ሞት ብጥሜት: ሞት ኣብታ እኹል መግቢን መድሃኒትን ዘይብላ ሃገር ኰይኑ ካብ ምጽባይ ሃገር ገዲፉ ይጠፍእ ኣሎ። ብዙሓት ካብ`ቶም ኣብ ዘይጊዚኦም ካብ ምማት ከምልጡ ዝፍትኑ ኣይዕወቱን ኢዮም። ገለ ብሓለዋ ዶብ ይቕተሉ፤ ካልኦት ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርን ይሞቱ። ብኣጠቓላሊ ክነግረካ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከብቅዕ ዝግብኦ ሕማቕ ኩነታት ኣለው። ካብኡ ብዝተረፈ ሳዕቤኑ መግለጺ ኣይርከቦን`ዩ። 

ክቡር ናይ ቀደም ዓርከይ:-

ኣብ ዓዋተ.ኮም ብ7 ጥሪ 2001 ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ዝሰፈረ ቀዳማይ ክፋል ናይ "ኣገናዕ ስዩም ብራቮ ድሩዕ" ዝብል ጽሑፈይ ኣንቢብካዮ ትኸውን: ምኽንያቱ ሽዑ ኣብ ኣስመራ ናጻ ሰብ ኢኻ ኔርካ። እንተኾነ ነቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ዓመት ማእሰርትኻ ብጓሂ ንምዝካር ዝቐረበ 2ይ ክፋል ብመስከረም 2002 ወይ ነቲ 3ይ ክፋል ብመስከረም 2003 እተጻሕፈ ከተንብቦ ከም ዘይትኽእል ርጉጽ`ዩ። ብዘይካ እዚ ን4ይ ዓመት ማእሰርትኻ ንምዝካር: ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ 4ይ ክፋል እዚ ዝስዕብ ዕላማታት ኣለዎ:-

  1. ንስኻ ሃይለ ንዝቖምካሉ ዕላማ ከተዐውቱ ብውሑዱ ኣብ መንጎ ሓምለ 2000ን መስከረም 2001ን ንዝገበርካዮ ንምጥቃስ...:
  2. ንስኻን ብዕድመ መዛኑኻን ኣብ ዕማም ቃልሲ ንናጽነት ክሳብ ክንደይ ተራ ከምዝነበረኩም ንምዝኽኻር ይፍትን::

ቴማ/ፍረ ነገር: ዕርቂ

ሹዱሽተ ሳምንቲ ቅድሚ ማእሰርትኻ እተዘርግሐ ተስፋ ዘንጸባርቕ ናይ 1ይ ክፋል (ጽሑፈይ ብዛዕባኻ): ዕላማኡ እቲ ኣዝዩ ተበሃጊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ተበጊሱ ከምዘሎ ንምሕባር ነበረ። ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2001 ናትካን ናይ ስዩም ሓረስታይን ኣበርክቶ ንዕርቂ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ታሪኻዊ ተበግሶታትኩም ንምምዝጋብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ከስፍሮ ፈቲነ:-                    

«ኣብ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ተፈላልዮም ዝሰርሕዎን ዝሓስብዎን ዝነበሩ ገዲፎም ሎሚ ስዩምን ሃይለን ሓደ ቋንቋ ዕርቂ ይዛረቡን ተመሳሳሊ መጻኢ ሃገርን የናድዩን ኣለው። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን (ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝነበሩሉ) ዳግም ንሳቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ተሰሊፎም ኤርትራውያን ካብቲ ናይ ቀደም ብእተፈለ ኣተሓሳስባ ገይሮም ንሓዳስ ኤርትራ ንምቕባል ክበራበሩ የጎሳጉሱ ኣለው።»

ሃይለ- ሕማቕ ዕድል ኮይኑ:እቲ ዝተጀመረ ግስጋሰ ኣዝዩ ዛሕቲሉ። ብሓቂ ንስኻ ካብቲ መድረኽ ካብ እትእለ ኣብ መዳይ ዕርቂ ብዙሕ ክስራሕ ኣይተራእየን። ሰሚዕካዮ እንተኾንካ (ምናልባት ግን ኣይትሰምዖን)ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ብጾትካ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ካብቲ ጉጅለ ገበነኛታት ህግደፍ ነብሶም ኣርሒቖም። ገለ ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፤ ገለ እውን ተሓቢኦም። ካብ መስከረም 2001 ንድሓር ከምቲ (ካብ ኣበሃህላ "ዓዋተ.ኮም ክልቃሕ) 'ሓው-ለይቶን ላንጋላንጋን' ናብ ደንበ ተቓውሞ ተሓዊሶም።ንለውጢን ዲሞክራሲን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኩሎም እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ነቲ ደብዛዝ ምንቅስቓሳቶም ሳልሳይ ማዕበልን (third wave) ንዕኡ መሳሊ ኣስማት ማሕበርትን እናኣራብሑ ክኸዱ መሪጾም። ብዘይካ ውዕዋዕ/ድምጺ ክሳዕ ሕጂ (2005) ንደንበ ተቓውሞ ስድሪ ስጒምቲ ከወስኽዎ ኣይበቕዑን።

እቶም ናይ ቀደም ብጾትካ ከምቶም ዝተረፍና ኣባላት ተሓኤ-ነበር ኮይኖም ኣሎዉ።ብሓባር ምስራሕ ኣይከኣሉን። ድሮ ኣብ ብዙሓት ጉጅለታት/ማሕበራት ተመቓቒሎም ነቲ ንመላእ ሃገር ዘቐንዙ ሃለዋት ሃገር ኣብ ምቕያር ኣይሓገዙን። (ተስፋ ከኣ እገብር ካብቲ ዘሎኻዮ ሃለዋት ክትወጽእ እሞ ድሕሪ ሕጂ ደጊመ ብጽሑፍ ኲነታት ክገልጸካ ከይተገደድኩ ክተርፍ።)

ካብዚ ዝገለጽኩዎ እተፈልየ ምስ ዕርቂ ዝተኣሳሰር ንዓኻ ዝኸውን ጽቡቕ ሓበረታ ኣሎኒ። ንስኻን ናይ ቀደም ብጾትካን ነቲ ንዓመታት ዘጋገየኩም ድያብሎስ (ኢሳያስ) ኣብ ምግልጋል ዝፈጸምኩሞ ገበን ወይ ከም ገበን ዝውሰድ ብዝምልከት ህዝቢ ይቕረታ ይገብረልኩም ኢዩ። ሰባት ሓንሳብ ነቲ ዕቡይ ምልካዊን ኣግላሊ ፖሊሲኡን እንተድኣ ኮኒኖም ብናይ ቀደም ስሕታንን ዘይቅኑዕ ገምጋማትን ምኽሳስ ኣድላይነት ከምዘይብሉ ኣብ መሳርዕና ነንሓድሕድና ክንተዓጋገብ ንጽዕር ኣሎና። ኣብነት ክህበካ ንስኻ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 3ይ ጉባኤኹም ኣንጻርና እተጠቐምካሉ ዘይእሩም ቋንቋ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ዝተዛረበሉ የልቦን። ብመንጽሩ ነፍስ-ወከፍ ተቓዋሚ ኣቓልቦኡ ኣብቲ እወንታዊ ኣበርክቶኻ እንተላይ ኣብዚ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ ኣድሂቡ፤

ነቲ ንስኻ ሃይለ ድሩዕ ከም ናይ ፈለማ ወዲ ውሻጠ ብ15 ሓምለ 2000 ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ነቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብካዮ መደረ ንፈለማ ንመላኺ ዝበድሀ ክብሪ ተዓዊትካ። ኤርትራውያን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ክርስዕዎ ኣይደልዩን ኢዮም።ቋንቋ እቲ ሽዑ ዘቕረብካዮ መደረ ከምዚ ይመስል «ንሕሱ ኔርና።እዚ ኩሉ ጊዜ ክንሕሱ ከሎና ደው ከተብሉና ኔርኩም»።(ናይዚ ሓዲሽ መርገጺኻ ዜና ብካልኣይ ምንጪ ምስ በጽሓኒ: ነቲ ተባዕ መግለጺኻ ተቐላጢፈ ክጽሕፈሉ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ተሰሚዑኒ)። ህዝቢ ነቲ ኣብ ናይ ቀውዒ 2000 ኣኼባታት መሪሕነት ህግደፍ ዝነበረካ መርገጺ ይዝክሮ ኣሎ። ነቶም ገለ ዝፈርሁ ምሁራት ቃልዕ ወጺኦም ክቃወሙን ገሊኦም ገሊኦም ነቲ ናይ G-13 ስጒምቲ ንምውሳድ ከምዘተባባዕካን እናዘከሩ ክብሪ ዝህቡኻ ኣለው። መርበባት ሓበረታ ነቲ 2000-2001 ዘቃላሕካዮ መልእኽትታት ብኹሉ ኤርትራዊ ክስማዕ ካብ ምዕዳም ኣየቋረጻን።                                                                                                                                 

ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ነቲ ሓጺር ዕድመ ዝነበሮ «ጽድያ ናጻ ፕረስ» ኣብ ኣስመራ ዝሃብካዮ ቃለ መጠይቕ ደጋጊመ ካብ ምንባብ ኣየዕረፍኩን። ብፍላይ ነቲ ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2001 ዘውጻእካዮ ነባሪ መግለጺ ኩሉ ገዲም ተቓላሳይ ዝብሎን ዝዋደቐሉን ዝነበረ ስለዝኾነ ደጊምካ ምንባቡ ደስ የብል። ኣብቲ 5 ሰሙን ቅድሚ ምእሳርካ ዝወጸ ታሪኻዊ ሰነድ ዋላ` ኳ ነቲ ዝነበርካሉ ዓፋኒ ሃውህው ንክሰማማዕ ተባሂሉ እተወሰኸ ጥንቁቕ ቃላት እንተነበሮ ብሓፈሻ ግን ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኢኻ ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካ፣-

  1. .እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎና ነቶም ኣብ ናይ 50 ዓመታት ቃልሲ እተረባረቡ ደቂ ሃገር ዝግባኦም ክብሪ ክንከልኦም መሰል የብልናን: መርትዖ የብልናን።ኤርትራውያን ብኹሉ ሕብሪታት ፖለቲካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ማዕረ ፍረ ዓወትን ጾር ምህናጽ ናይ ሓባር መጻኢን ክህልዎም ኣለዎ።
  2. እቶም ብጊዝያዊነት ንሃገር ተቖጻጺርና ዘሎና ዓረብን ትግርኛን ክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክንቅበሎ ጊዚኡ ኢዩ።(ከምቲ ሓያሎይ ወገናት ተሓኤ ከየቋረጹ ዝጽውዕዎ ዝነበሩ)።
  3. ዝተረፉ ቀንዲ ሕቶታት ምምላእን፣ ግጉይ መደምደምታት ምእራምን፣ እንተላይ ንሕቶ መሬት: ቅዋም ዳግም ምርኣይን ደጊም እዋኑ ኢዩ።
  4. ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከይቀረቡ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ «ብክሕደት»፣ «ሓሙሻይ መስርዕ» እናበልካ ምኽሳስ ደው ምባል ጊዚኡ ኢዩ።
  5. ብሓጺሩ:ንኩሎም ዜጋታትን ቀጸላታትን ብዙሕነታዊ ሕብረተሰብና ሓርነት: ፍትሒን ማዕርነትን ንምጉንጻፍ: ኣግላልነት ኣወጊድና ብመንጽሩ ባይታ ዕርቂን ምሉእ ተሳታፍነት ህዝብን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ከንህብ ኣሎና።

ሓው ሃይለ :-

ኣብቲ ናይ ክፍላ 2001 መደረ: ሰባት ርትዓዊ መጎተ:ሓቂ:ንጽህናን ተስፋን ተመልኪቶም። ቅኑዕ ቋንቋን ቅኑዕ መርገጺን ኢዩ።እዚ መርገጺ እዚ ክትግበር ዛጊት ይእወዮ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት እቲ ትምክሕታዊ ጒዕዞ ኢሳያስን ናይ ጌና ዘይተጣዕሱ ተኸተልቱን ጽልዋ ይቕጽል ኣሎ። ንፋስ ዘይምትእምማንን ምትፍናናትን ሓይሊ ወሲኹ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገርናን ሕብረተሰብናን ይነፍስ ኣሎ። ሎሚ ካብ ኲሎም ዝያዳ ኣግላሊን ትምክሕተኛን ኣየናይ ጉጅለ`ዩ ኢልካ ዘይተለልየሉ ጊዜ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ምትፍናናት ይርኤ። እታ እንኮ ብሓቂ ቀንዲ ምንጪ ኩሉ ሰሃሮን ጸገማትን ሃገርና እቲ ናዓኻ ኣሲሩ ዘሎ ባእታ ኢዩ። ንኢሳያስ ምልጋስ ድማ ንሓባር መጻኢና ዝሰማማዕ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብሓባር ንሰርሓሉ ሃውህው ዝኸፍት ይኸውን።

ምፍልላይ/ምትፍናን (polarization) ከነውግድ ኢና

እቲ ብፍላይ ብኣኻን ብብጾትካን ብእዋኑ ክዕገት ዘይተኻእለ ምንጪ ትምክሕትን ኣግላልነትን ሎሚ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወትና ካብ ግምት ንላዕሊ ዓሚቑ: ንምውጋዱ ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ይርኤ ኣሎ። ግን ከኣ ሎሚ እቲ ዘተባብዕ ዜና ኩላትና ንኣድላይነት ምጅማር መስርሕ ምውጋድ ፍልልይን ምትፍናንን ነቒሕናሉ ኢና። ብዓወት ክድምደም ድማ ናይ ጊዜ ሕቶ ይኸውን።

ብዛዕባ`ዚ ጉዳያት ኣብ እንዝትየሉ እቲ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ንጋዜጠኛታት ዝበልካዮ ኣይርስዖን`የ። ንኣብነት እንግሊዛዊ ምሁር ሊዮነል ክሊፍ (እቲ ኣብቲ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ውድብካ ዝነበረ) ኣብ ሓደ ብ1989 እተሓትመ ጽሑፋቱ: ንዓኻ ብምጥቃስ እቲ ዝዓበየ ሻቕላኻ ድሕሪ ናጽነት ነቲ «ኣብ ህግሓኤ ዝገነነ ናይ ትግርኛ ትምክሕቲ» ብኸመይ ኢና እንቆጻጸሮ ዝብል ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣነ ከም ዝርደኣኒ ኣበሃህላኻ እቲ ጌጋ ናይ ተራ ህዝቢ ዘይኮነ ጌጋ ናይቲ ንኣባላቱ በቲ መንገዲን ኣረኣእያን ንክኸዱ መምርሒ ናይ ዝህብ መራሒ/መሪሕነት ኢዩ ምባልካ ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ብልክዕ ከም ዝጠቐሰካ እግምት። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ክጠቕሶ ከም ዝፈተንኩ: ካብ ቀደም ኣትሒዘ ካባኻ ዝወጽእ ተመሳሳሊ ቃና ዘለዎ ኣብነታት እፈልጥ`የ። (ኣብ ክፋል III "ኣገናዕ ስዩም:ብራቮ ድሩዕ" ተመልከት።)

ሃይለ:- ክትመውት ኣይፍቀደካን`ዩ!

ሒደት ሳምንታት ቅድሚ ምእሳርካ ነዚ ዘይጽወር ኩነታት ሃገርና ንምቕያር ዋላ ሂወትካ ንምኽፋል ድልው ከምዝኾንካ ገሊጽካ። ክቐትሉኻ ከም ዝኽእሉ እናፈለጥኩ ዛጊት እቲ ሞይቱ ዝብል ሓበረታ ጸሓይ ኣብ ሃገርና ቅድሚ ምብራቓ ክሰምዖን ክቕበሎን ኣይደልን። ነቲ ኣብዛ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ኣብ ምጽጋን፣ ነቲ ቀደም ዝነበረ ዘይንቕነቕ ነብሰ-ምትእምማንን ቅሩብነት ኣብ ህንጸት ፍትሓዊትን ብልጽግትን ሃገር ኣብ ምትብባዕ፣ ብሓባር ናይ ምስራሕን ሓደ ኣካል ኰንካ ናይ ምንባርን ድልየታት ህዝብና ኣብ ምጽጋን: እጃምካ ቅድሚ ምጽዋትና/ምግባርካ ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ በሃላይ ኢየ። ነቲ ናይ ቀደም ንኣሽቱ ፍጻሜታት ብሓባር ተመሊስና ክንድህስሶ ጊዘ ከምዘድለየና ኣይትረስዕ። ዋላ`ኳ ካብ ዘይንራኸብ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት እንተገበርና ሂወት ዘለዎ ዓበይቲ ዕላላት ኣይሰኣንን`ዩ፣ ንኣብነት ገለ ኣርእስትታት ክጠቕሰልካ:-

  • ድሕሪ 44 ዓመታት ቀደም እንታይ ከም ዝገበርና ንምዝካር ክንፍትን ጊዜ ክህልወና ኣለዎ። መጀመርያ ብመስከረም 1961 ኣብ 9ይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ልኡል መኮነን ኣስመራ ክንራኸብ ከሎና ዝነበረ ጌና ትሑት ሃገራዊ ንቕሓትናን ኣፍልጦናን ዘኪርና ነልዕል። ብኣጋጣሚ ከኣ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦ ኣዳል ብመስከረም 1961 ኢዩ ነቲ ናትና ዝመስል ሃገራዊ ስራሕ ዝጀመረ!!
  • ኣብ መንጎ መስከረም1961ን ሰነ 1965ን ኣብ ኣስመራ ብሓባር ዝገበርናዮም ንኣሽቱ ነገራት፣ እንተላይ ነቲ ኣዋልድናን ኣወዳትናን ካብ ቤት ትምህርትና ተበጊስና ንዝተረፈ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስመራ ኣላዒልና ዝገበርናዮ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊታት ከነዕልለሉ ኢና።
  • ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሕለፍናዮ እውን ኣካል ዕላላትና ክኸውን ኢዩ። ንዋህዮታት ተሓኤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጉልባብ ክኸውን ዝመሃዝናዮ ሓውሲ "ማሕበር ተመሃሮ ልኡል መኮነን ነበር" ኣብ ምቛም ከሎና ኣብ ኣብ እንጦጦ ብ1965 ናይ ዝገበርናዮ ኣኼባ ስእሊ ኣሎኒ።
  • ነፍስወከፍ ሰሉስ ምሸት ሰዓት 8.00 ዋህዮና እትራኸበላ ዝነበረት ፊት ቤት-ማሕተም ብርሃንና ሰላም ዝነበረት ናይ ጉራጌ ቤት-ሻሂ ከም እትዝክራ ርግጸኛ`የ።
  • ከምቲ ኣነ ዝዝክሮ ንስኻኸ ትዝክሮ'ዶ ስም ናይቲ ካብ ብረስለስ ዝመደበሩ ባይቶ መንእሰያት ዓለም ናብ ኣኼባ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ1966 ዝመጽአ ወዲ ጋምብያ?። ሽዑ ንሰበስልጣንን ጸጥታን ኢትዮጵያ ዘሰንበደ መግለጺ ተሓኤ ዝሓዘ 60 ፖስታ ንኹሎም ልኡኻት መራሕቲ ሃገራትን ልኡኻት ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ዝዕደል ገይሩልና። ክትርስዖ የብልካን፣ ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ካብቶም ካልኦት ዋህዮታት ብሚስጢር ተታሒዙ ብኽልተ ኣባላት ኢዩ ተፈጺሙ። ኣነን ንስኻን።
  • ብዛዕባ እቲ ጊላይ ግርማይ ንዓይን ንዓኻን ዕቱብ ጉዳይ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ) ክንፍጽም ዝኣተወልና መብጽዓ ግን ዘይተተግበረ ብዙሕ ዝብሎ የብለይን። ኣብ ክንድኡ እታ ናይ መወዳእታ መዓልትኻ ኣብ ኣዲስ ክጠቕሰልካ። ቅድሚ'ታ ንስኻን ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሰንበት 4 ታሕሳስ 1966 ናብ ተሓኤ ክትስለፉ ብኣውቶቡስ ናብ ኣስመራ ዝተበገስኩሙላ ለይቲ ሓሙሽተ ወይ ሹዱሽተ ካባና ኣብ መርካቶ ኣብ ሆቴል ኣሕሊፍናዮ። ከም ዝዝከረኒ" ንኢሳያስ እውን ሰለስተ ሳምንታት ኣቐዲሙ ብ17 ጥቅምቲ 1966 ኣብታ "እስታር ሆቴል" ሓዲርና ኢና ኣፋኒናዮ። ንስኻ ናይ ዋህዮና ሓላፊ ጉጅለ ምርምር ምንባርካ እዝክር። ምብጋስ ምስ ኮነ እቲ ሰነዳት እንተላይ ካብ ከብሒ ዩኒቨርሲቲ ሃይለስላሴ ዝተወስደ ኣዝዩ ኣገዳሲ መጽሓፍ ኣረኪብካኒ። እታ ብስፐንሰር ትሪሚንግሃም ዝተጻሕፈት ብዛዕባ ኤርትራ ዕዙዝ ሓበሬታ ዘለዋ «እስላም ኣብ ኢትዮጵያ» ዘርእስታ መጽሓፍ ድሕሪ 39 ዓመት ምሳይ ኣላ። ኣብኣ እታ ንስኻን ሙሴ ተስፋሚካኤልን ዝተበገስኩምላ ዕለት ተመዝጊባ`ላ። ንሓላልካ ወይ እውን ምስጋና ኣሰኒና ናብቲ ሕጋዊ ዋንኣ ቤተ መጽሓፍቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስድስት ኪሎ ንክትመልሳ ክህበካ።
  • ስለዚ ብሂወት ክትጸንሕ ዘገድደላ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎሃይለ። እንተደኣ ንሃገርን ንዓኻትኩም እሱራትን ንምድሓን: እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድነት ናይ ውሽጥን ግዳምን ተቓውሞ ጊዜ ወሲዱ: ሂወትካ ንምድሓን ካልእ መንገዲ ክትሓስብ ኣሎካ። ብዛዕባ`ቲ ቅድሚ ልዕሊ 35 ዓመት ንበሪኽ መንደቕ ቤት ማእሰርቲ ኣስመራ ዝሰዓረ ጅግና ናይ ቀደም መማህርትኻ ዓብደላ ሓሰን እንተሓሰብካ ኸ? ወይ ጀጋኑ ስዒድ ሳልሕን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ቅድሚ 30 ዓመት 1000 እሱራት እንተላይ ንዓኻን ንስዩም ካብ ዓዲዃላ ንምውጻኣ ብውሽጢን ብግዳምን ዝሃንደስዎኸ? ብዛዕባ ምንባር ሕሰብ። ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ።    

ሓደ ነገር ምምሳልን ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ምዃንን ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እቲ ምምሳል ዘይኮነካ ክነስኻ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን እዩ። ምዃን ከኣ ብትኽክል ከምቲ “ከምዚ እየ” እትብሎ ብግብሪ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። ንመሲልካ ምቕራብ ካብ ምዃን ፈሊና እንርእየሉ መምዘኒ ተግባር እዩ። ምምሳል ካብ ድሌትን ባህግን ዝነቅል ኮይኑ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተሓዝ ናይ ምትዕሽሻው ተልእኮ እዩ። ምዃን ግና ዝበሃልን ዝኸውንን ኣብ ምንጽብራቕ ስለ ዝምርኮስ ዘይከሓድ እዩ። “እነሆ ዝብል ነይሕሱ” ከም ዝበሃል።

ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ዝብሎን ዝትልሞን ማእከሉ መሲልካ ምቕራብ እምበር ብተግባር ክትከውን ምብቃዕ ኣይኮነን። ከምስል ዲሞክራስያዊ፡ ብሃገርን ህዝብን ሓላዪ፡ ሰላማዊ፡ ኣኽባሪ ኩሉ መሰላት ህዝቢ፡ ናይ ልምዓትን ህንጸትን ሓርበኛ … ወዘተ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን። ሓደ ሓደ ግዜስ ዕዮ ገዝኡ ከም ዘጻፈፈ መንግስቲ፡ ናይ ዞባዊ ጉዳያት ተሻቓሊ ዝመስለሉ’ውን ኣሎ። ነቶም ነዞም መሲሉ ዝቐርበሎም መሰረታዊ ኣምራት ዝተግብሩ መሲልካ ዘይኮነስ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ትብዓትን ባህርን ዝውንኑ ኣካላት ከኣ “ስለምንታይ ኣቃሊዖሙኒ” ካብ ዝብል ስንባደ ከነኣእሶምን ክጥቅወሎምን ህርድግ ይብል። እቲ ንሱ መሲልካ ንምቕራብ ዝፍትነሉ ነጥብታት ብመንጽር ኮይንካ ናይ ምቕራብ መምዘኒ ክፍተሽ እንከሎ እምበር ህግደፍ ብግልባጥ እቲ ዝብሎ እዩ ዝግለጽ። ማለት ጸረ ዲሞክራሲ፡ ጸረ ሃገርን ህዝብን፡ ጸረ ሰላምን ቅሳነትን ጸረ ልምዓትን ህንጸትን እዩ። እዚ ርኡይ ስለ ዝኾነ ከኣ ኩሎም ወገናት ዝሰማምዕሉ መንነት ጉጅለ ህግደፍ በቲ ክመስሎ ዝፍትኖ ዘይኮነስ በቲ ብተግባር ዝኾኖ እዩ ዝዕቀን።

እዚ ኣብ መንጎ መሲልካ ምቕራብን ምዃንን ዘሎ ሸኾርተት ኣብ ባህርያት ህግደፍ ጥራይ ዝደረት ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ ጸገማትና ቀንዲ ጠንቂ እዩ እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። ምፍንጫላት፡ ዘይምጽውዋራት፡ ፍልልይ ከተመሓድር ዘይምብቃዕን ኣብ ጸቢብ ስምዒታት ምኹዳድን በዚ ካብ ምጽላው ዝድሕኑ ኣይኮኑን። ካብ ሕጋውን ስርዒታውን መሰረታዊ መትከላት ወጺእካ ንነብስኻ ኣብ ናይ ቅኑዕነት ሰገነት ኣቐሚጥካ ናይቲ ካልእ ወገን ሓሳብ ሓጢጥካ ከተነኣእስ ምህቃን እዚ እንተዘይሰሚሩልካ ከኣ፡ ካብ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ሓኪልካ በጨው ምባል ኣብ ክሊ መሲካ እምበር ኮይንካ ክትቀርብ ዘይምብቃዕ ዝሕቆፍ ባህርያት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና በዂሮም ካብ ዘለዉ መሰረታዊ ጉዳያት ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘስማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። እዚ ሕጽረት ኣብ ኩሎም ሰብ ጉዳይ ግንዛበ ረኺቡ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝቃልሑ መደረታት ነዚ እዮም ዘነጽሩ። ኣብ ጸቢብ ናይ ዕላል መድረኻት ዝለዓሉ እውን እዚኣቶም እዮም። ድሕሪ እዚ ኩሉ ግና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንሓቢርካ ምስራሕን ምጽውዋርን ዝኣምኑ ካብ ኮኑ ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዘይገብሩ?” ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። ድሕሪ ምምርማር እትበጽሖ መደምደምታ መልሲ ከኣ “እቲ ዝበሃል ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ከምኡ ንምዃን ዘይክነስ፡ መሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ሸንኮለል ስለ ዝኾነ እዩ” ኢልካ ክትድምድም ትግደድ። “ስለምንታይ’ሞ ንኻለኦት ተዕሹ ዘለኻ እንዳመሰለካ ነብስኻ ምትላል?” ኢልካ ዳግማይ ክትሓትት ከኣ ትግደድ። ኣብዚ እቲ ኣምስሉነት ካብቲ ንካለኦት ወገናት ተዕሽወሉ ንገዛእ ርእስኻ እተዕሽወሉ እዩ ዝዓዝዝ ንዝብል ግቡእ ኣስተብህሎ ምሃብ የድሊ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ነጊሶም ካብ ዝረኣዩ ዘይናይስኒት ባህርያት፡ እቲ ቀንዲ ናይ ሓሳባት ዘይኮነስ ናይ ሰባት ምትህልላኽ እዩ። ኣብ ምትህልላኽ ዘይቅኑዕ ማዕረ ቅኑዕ እዩ ዝስለፍ። ምናልባት እውን ሆሆን ዳንኬራን ወሲኽካ ግዝያዊ ደኣ እዩ እምበር ኣምስሉነት ኣብ ልዕሊ ክውንነት ልዕልና ዝሓዘ ዝመስለሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ። ከምቲ “ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ” ዝበሃል ማለት እዩ። ኣብዚ ምሳልያዊ ኣበሃህላዚ “በዓል ኣፍ” ንመሲልካ ምቕራብ፡ “በዓል ጣፍ” ከኣ ኮይንካ ንምቕራብ እዮም ዝውክሉ። ከምዚ ዓይነት ህልኽ ብዝፈጥሮ ስምዒት ምፍንጫልን ምሕካልን ይፍጠር። እቶም ዝሓከሉ ካብቲ ኣብ ንቡር ኩነታት እንከለዉ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ጭረሖ ሓድሽ ቃና ሒዞም ኣይቀርቡን። ዋላ’ኳ ዝተፈልዩ ንከመስሉ ዝቀባብእዎ ሕብሪ እንተሃለወ፡ ነቲ ሕብሪ እንተ ሓኺካዮ ግና ነቲ ገዲፈምዎ ዝኸዱ ንቡር እዩ ዘርእየካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መሲሎም ክቐርቡ ዝገብርዎ ፈተነ፡ ኮይንካ ብምቕራብ ስለ ዘይስነ ሓድሽ ትሕዝቶ የብሉን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ከምቲ እንመስሎን እንሃርፎን ኮይና እንተንቐርብ፡ ጉዳይና ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣይፈዘዘን። ብዘይ ምኽኑይ ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ከም ቃንጥሻ ኣይተራባሕናን። ክንድቲ ንራበሖ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ናይ ኣተሓሳስባ ኣማራጽታት ሒዝናሉ እንተንቐረብ ግና እቲ ምብዛሕና ሃብትናን መልክዕናን መኾነ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣብ ዘየብሉ ብናይ ውሱናት ባእታታት ኩራን ድፍኢትን ዝፍጠር ናይ ውድባት ምርባሕ ግና ኪኖ ምብታንን ምድኻምን ዓቕምን ኣተሓሳስባን ደንበ ተቓውሞ ካልእ እቶት የብሉን። ንካብ መትከላዊ ኣሰራርሓ ህድማኻ ቅኑዕ ከተምስል ዝግበር መሲልካ ናይ ምቕራብ ፈተነ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሓቢኡ ዝነብር ኣይኮነን “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ምባሉ’ውን ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ከምቲ “ጸገም፡ ናብ ውሽጥኻ ንኽትርኢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ” ዝበሃል፡ ዘይኮኑ ክንሶም መሲሎም ክቐቡ ዝመጣጠሩ ወገናት፡ ኮይንካ ንምቕራብ ንክበቕዑ ናብ ውሽጦም ክቋመቱ በዚ ኣጋጣሚ ዘኻኽሮም።

 

The death of a respected elder while in jail has prompted an outpouring of grief and anger on the streets of Asmara.

Screenshot from a video of the recent protest in Asmara, Eritrea.

Screenshot from a video of the recent protest in Asmara, Eritrea.

Last week, the respected elder Hajji Musa Mohammednur inspired aggrieved crowds in Eritrea‘s capital and shook the confidence of the regime. This was the second, and last, time he will have done so in the past few months.

This first occasion was when the well-known Eritrean figure was arrested last October. The 93-year-old had recently criticised a government decree to nationalise Al Diaa Islamic School, whose board he chaired. His detention was one of the triggers that prompted hundreds to take to Asmara’s streets in an uncommon show of defiance a few days later, leading to a brutal crackdown.

Speaking to parents and teachers before his arrest, Mohammednur had said he was prepared to sacrifice his life in resisting the state’s plan. The second time he stirred people to mobilise was last week when he did just that.

Mohammednur’s condition deteriorated during the months of his incarceration. In December, his poor health reportedly prompted the office of President Isaias Afwerki to instruct that he be released and put under house arrest. The nonagenarian refused to leave prison unless those arrested along with him were also let out. “You can carry my dead body out of here, but I am not leaving alone,” he is reported to have said. He died a few months later.

When family members went to collect Mohammednur’s body and bring it to the mosque for prayer, witnesses say they were joined by thousands more who wanted to pay their respects. On 3 March, the community leader’s funeral was held. The procession quickly escalated into an angry demonstration. Sources say some people threw stones at the police, who opened fire in an attempt to disperse the crowds as defiant youth carried the coffin through the streets. There have not been reports of casualties, but residents of the capital claim warning shots could be heard until late in the evening.

Witnesses say Asmara has been tense in the days since. In one of the world’s most repressive countries, they claim that fully-equipped anti-mob police have been deployed and that there have been several arrests. An opposition news-site suggests close to a thousand people have been rounded up. Sources within the police forces say stations are on emergency alert.

The death of a respected elder

Mohammednur was a widely-recognised individual in Eritrea. He was a key figure in organising the 1960s pro-independence student demonstrations in which Afwerki participated, and he was once arrested for his active role in Eritrea’s armed struggle.

His younger brother, Taha Mohammednur, was a co-founder of the Eritrea Liberation Front (ELF), the rebel group that started the war of independence. The current ruling party, the People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ), originated as a splinter of the ELF. Taha also died in custody, in 2008. He had served in several senior government posts after Eritrea’s liberation before he was arrested in 2005 alongside several other prominent figures on unspecified charges.

The outpouring of grief and anger following Mohammednur’s death last week can partly be explained by his influence and reputation. The elder’s decades-long service and dedication to his community and country earned him a deep respect. It was for this that he was made president of Al Diaa Islamic School despite his advanced years.

Sometimes when prominent individuals have been arbitrarily arrested in Eritrea, they have been quietly dismissed as possible accomplices or quickly forgotten by the wider community. But this was not the case with Mohammednur. After his detention, sheikhs at Al Khulafa Al Rashiudin, Asmara’s biggest mosque, reportedly took the bold step of using their Friday sermons to urge adherents to stand by him. Sources say that since the protest in October, most of the capital’s mosques have been subjected to tight security. It is even believed President Afwerki himself followed Mohammednur’s case closely and was personally behind the order of the prisoner’s release in December.

Security forces also seemed well aware of the possible flare up the elder’s death might cause. They allegedly delayed the release of his body for a day in order to avoid it coinciding with Friday prayers, when which large numbers of people gather. However, that did not stop mourners mobilising a day later for Mohammednur’s funeral.

A sign of things to come?

That large demonstration of popular frustration was one more sign that the government’s faith in the power of the gun to maintain control and keep the population silent is increasingly being challenged today.

The police on the streets of Asmara are said to be nervous. The same may well be true of officials in the President’s Office following another public expression of dissent in a country where the price of expressing dissent is high. In Eritrea, the free press has been stifled and thousands of political prisoners languish in appalling conditions.

On the one hand, Afwerki’s government may be quietly relieved by the passing of Mohammednur despite the disturbances it inspired. His death means authorities longer have to deal with a man who commanded wide respect, whose age-old credentials as an Eritrean patriot were tough to question, and whose recent open defiance was causing it trouble.

However, on the other hand, the incarceration, maltreatment and ultimate death of the admired nonagenarian at the hands of the regime may mark another step in its slow unravelling. In the eyes of some of Eritrea’s citizens, Mohammednur’s sad demise may only further confirm the government’s moral bankruptcy as they grow increasingly tired of, and increasingly bold in their resistance to, Afwerki’s almost 27-year rule.

 

Source=africanarguments.org/2018/03/07/more-dissent-in-eritrea-a-country-where-dissent-is-not-tolerated/