ደምበ ተቋዉሞ ናይ ሽግርና ዋናታት ንሕና ኢና ፡ ፍታሕ ድማ ኣብ ኢድና ኣሎን ካባናን እዩ። ብሓባር ምቅላስ እዩ !!!

2018-03-11 20:00:18 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1894 times

ክቡራት ኣሕዋት ኣሓት ኤትርራውያን ክቡራት ኣንበብትን፡


ኣነ ከም ገዲም ተጋዳላይ ነበር ጽብቅ ዕድል ኮይኑ ስቱር ስሪዒት ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ከተማ ኣብ ሜዳ ተሰሊፈ፡ ኣብ ወጻኢ እውን ተላኢኸ ብትሑት ዓቅመይ ገለ ንኡስ ግደ ዝገበርኩ ካብ መስዋእቲ ዲሒነ ኣብ ስደት ማዕዶ ሃገረይ ይነብር ኣሎኹ። እቲ ቦኽሪ እምነተይ ሒዘ ከኣ ጌና ይቃለስ ኣሎኹ። እዚ ንውሕ ዝበለ ተሳታፍነት ዘሎኒ ባእታ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ወጻእን ዝተፈጸሙ መስተንክር ተጋድሎን መስራሕቶምን ናይ ክልተ ወድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ክዝክሮም ከሎኹ ንክብሪ ተጋደላቲ ሓርነት ንጅግንነታዊ ታሪኽ ክዛረብ እንተኮይነ ፡ ንተወፋይነቶም ከየቋስሎ ከይጋገ ወይ ከየግድሎ ከቢድ ፍርሒ ስለ ዝጸዓነኒ ክሳብ ሎሚ ንብጭቡጥ ዝፈልጦን ዝተሳተፍኩዎን እንቢ ኣይዛረብ ኢለ ይኣቢ ነይረ ጌና እውን ኣሎኹ። ምኽንያቱ ንተቃለስቲ ሓርነት ሃገርን ህዝብን ተጋደልቲ ታሪኾም ክትነግር እንተኮንካ 1. ብኣካል ምስኡ ዝነበርካ ወይ ዝሬኤኻ ክትኸውን ኣሎካ፡ 2. ብመስርዕካ ጋንታኻ ቦጦሎኒኻ ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን 3. ኣብ ከባቢኻ እንተ ነይሩ ልክዕ ስም ቦታ ጊዜን ዉጺኢቱ ክትሕብር ይከኣል እዩ። እንተዘይኮነ ግና ኢሎሞ ወይ ሰሚዔ ኢልካ ታሪኽ ጀጋኑ ክትሕብር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዉ ኣገደስቲ እምነ ኩናዓት መረጋገጺ ኣምራት ጭብጥታት ክህልወካ ኣሎዎ። ክሳብ ሕጂ ብግቡእ ሩጡብ ብህልዋት ናይ ተሳተፍትን መራሕቱን ዝነበሩ ዉህሉል ኣፍልጦ ዘሎዎም ብሓባር ኮንካ ዝተሰነደ ታሪኽ ኣይውጻእ እምበር ፡ ገለ ገለ ዝፈተኑ ኣለዉ ፡ ግና ከም መበገሲ ወሲድና ጽቡቅ እዩ እንተተባህለ፡ ኮይኑ ግና ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ከም ዘሎዎ ኣስተብሂለ ኣሎኹ ንገሊኦም ከኣ መኣረምታን ነቀፈታን ኣቅሪበ እየ። ስለምታይ ንዝብል ከኣ ቀንዲ ኣማእከልቱን ሓለፍቱን ተግበርቱ ዝነበሩ ብሂወቶም ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ከለዉ ንስኻ ሰሚዔ ኢልካ ከተዘንትዎ እሙን ኣይከውንን ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። በዚ ምኽንያት ሎሚ እውን ወስ ዘብሎ ዘሎኹ ሓጺር ምኽርን መዘካኸርን ካብ ምዃን ሓሊፋ ዝርዝር ታሪኽ ከዘንቱ ኣይኮንኩን። ጎድኒ ጎድኑ ከኣ ሓያሎ ብጾት ኣሕዋት እናፈልጥካ ስቅ ምባል ፡ ተመሊስካ ነቲ ዕዉት መስተንክር ተጋድሎ ንወለዶ ከይመሓላልፍ ትጎድኦ ኣሎኻ ስለ ዝበሉኒ ገለ ኣነ ዝፈልጦን ዝተሳተፍኩዎ ስሪሒታትን፡ እዚ ነውሕ ዝበለ ተመክሮ ዝመሃረኒ ትዕዝብተይ ከኣ ብዘይ ንሓፍነት ሓቂ ዝብሎ ክሕንጥጥ ክፍትን ኣብ ምቅራርብ ይርከብ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ምድረ ባሕሪ ...

ንርእሱ ኣይተጥቅመሉ ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ ገድሊ ዝነበረ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ፡ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዩኒቨርስቲ እዩ በለ፡ ብልክዕ ከኣ ሓቂ እዩ ፡ ናይ 57 ዓመታት ብጽሞና ንኩሎም ተረኽቦታትን ተመክሮታትናን ዝተጋገናዮምን ኣሉታዉያን ፡ኣወታታት ዝተዓወቱ ጉዕዞታትና። ብቀዳማይ፡ ካልኣይ ከኣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዓለምና ዝተቃለሱ ምስ እንዳህስሶ ወይ እነንብቦ፡ ናይ ሽግርና ዋናታት ንሕና ምኳናን ፍታሕ ድማ ካባና’ዩ ብምባል እቲ ብሩህ ጸሓይ ቀትሪ ዝወቅዖ ሓቂ ኮይኑ፡ ዋላ ሓደ መዓንጣ ዘይቆጸረ ዕሸል ቆልዓ ክርድኦ ዝኽእል እዩ። ብተራ ቀሊል ሕቶ እዞም ሎሚ ኣሽሓት ትሕቲ ዕድመ ሃጽ ኢሎም ኣእጋሮም ኣብ ዝመርሖም ፈቀዶ በረኻታት ሰሃራ ዉቅያኖስን ዝስደዱ ዘሎዉ እንታይ ኮንኩም ምስ ትብሎም ??? ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቅሳነት ሲኢና፡ ኣቦይን ኣደይን ኣሕዋተይን ኣብ ሳዋ ኣብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ጠፊኦም እዮም ዝብሉ። እንሆ ህዝብና ካብ ዝጋደል ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን 57 ዓመታት ብቃልሲ ኣሕሊፍናስ ፡ ሽግርና ከኣ ኣብ ክንዲ እንዳ ሓሸን እናተፈትሐን እናማዕበለን ዝኸይድ እናኸፍእን እናበኣሰን ይኸይድ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣእምሮን ጥዑይ ልቦና ዘለዎ ክፈልጦን ክርደኦን ዝደልሲ ናብ ናይ ክንህሉ ዲና ወይ ክንጠፍእ ንሰግኣሉ ኩነታት የምርሕ ከም ዘሎ እዩ ዘብርሃልና። እዚ ሽግርዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ኰይኑ ብቐጻሊ ፍታሕ ተሳኢንዎ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለናዮ ደረጃ ሓአገኛብ ተሃዋሲ ህሞት ወዲቅና ንርከብ ። እቲ ናይ 57 ዓመታት ፖሊቲካውን ወተሃደራዉን ተጋድሎና ዝሓለፍናዮ ተመክሮታት ብቅኑዕ ልቢ እንተንግንጽሎም ኣበይን ከመይን ስለምታይን ተጋጊና ??? ኣበይን ከመይን መዓስን ከ ብምንታይን ከ ተዓዊትና እንተነንብቦም ሎሚ እቲ መፍትሒ ምርካብ ኣይምሸገረናን ይብል። ንሱ ከኣ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራና ብሓባር ብስኒት ብምክባርን ንጌጋታት ነቀፈታዊ ሕድገታት፡ ንዓወታትን መክሰባትን ዓቂብካ ንሓባራዊ ጥቅሚ ምምዕባል ፡ ጹጹይ መገዲ ሓርነት ንምሓዝ ኣይምጸገምን ይብል ። እዚ ኩሉ ግና ለባምን መስተውዓልን ጎዱፍ ህዝቢ ዝኾነ መራሒ የድሊ። ብኩራት ናይዚ ከኣ እዚ ሎሚ ዘሎናዮ ተሃዋሲ ሕልኽልኻት ኣብ ዓዘቅቲ ዝተደራረቡ ሽግራት ተዋሒጥና ንርከብ እኔና። እቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከአ ከም ድላዩ ንህዝብናን ሃገርናን ዲሂኩ ንጽልቲ ሃገር ሒዙ ክዕንድረላ ይርከብ። ንሕና ኤርትራውያን ዝፈጠርናዮን ጌናውን ንቕጽሎን ዘሎና ሕድሕድ ምትኹታኽ ጠንቃም ዝኾነ ትሕቲ ሃገራውነትን ብሃይማኖታዊ ብኣውራጃዊ ብቢሄራዊ ምትእኽኻባት ፈጢርና ፡ ብድሑር ዘይምዕቡል ናይ ዓቅሊ ጽበት ደምበርበር ባህሪያት ሰጢምና ንፋላለን፡ ገለ እውን ክሳብ መሳርሒ ጓኖት ኮና ንርከብ። እንሆ እምበኣር ተመክሮና ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ሰውራን ድሕሪ ሰውራን ቀጺሉ ዋላ ንስሙ ነጻነት ክቡር ከበድቲ መስዋእቲ ከፊልና ኣምጺእና ኢልና ንሕበነሉ እኳ እንተኾነ ግን ከኣ ናብ ሕሱም ባርነት ስለ ዝተቐየረ ባህግታትና ትጽቢትናን ተጥሊሙ ናብ ዘይውዳእ ህልኽን ሕድሕድ ዘይምትእምማን ፈጢሩልና ብ ዉሽጣዊ ጸገማትን ዘይምቅዳውን እነሆ ክሳብ ሕጂ ደም ክንነብዕን ዳርጋ ንብርሰት ኣሳጢሑና ይርከብ። ብርዱእ ጀመርቲ ፖለቲካዊ ብረታውን ቃልስና ብትሑት ንቕሓት ንጹሓት ሃገራውያን ሓረስቶትን ጓሶትን ንኡስ ተሞክሮ ወተደሃደራት ባዕዲ ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብርሱን ሃገራዊ ኒሕን ሓቦን ስሚዒት ሓልዮትን ተበጃውነትን እዮም ተበጊሶም፡ ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ክሳብ ጨካን ሕድሕድ ዉግእን ተባዕ ብረታዊ ጥምጥም ብመስተንክር ጅግንነት ንባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒርና ነጻነት እንተ ኣምጻእና እቲ ዝፈላልየና ዝምባሌታትን ጸገማትን ጌና ከይተፈትሑ ስለ ዘሎዉ እዩ። ጨቋኒ ዉልቀ መራሒ ህግደፍ ሰብ ዝበልዕ ኣራዊት ፡ ካብ ሳሕል ጀሚሩ እናበልዓና ዝመጸ እነሆ ሃገርን መተካእታ ዘይርከቦም በላሕቲ ለባማትን ደቃን እናቀንጸለ ናብ ሕሱም ባርነትን ጭቆናን ወዲቕና ንርክርብ። ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ጥፍኣት ብቐጥታ ዝዋስኡ ዝነበሩ ዉልቀ ሰባት ጉጅለታት ላዕለዎት መራሕቲ ሰውራ ምሁራት ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ኣለዉ፤ ኣሉታዊ ተረኦም ብዕግበት ተቐቢሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተጋጊና ይቅረ ክብሉ ነብሰ ነቀፈታ ክቅበሉ ኣይበቖዑን ፣

ክሳብ ሎሚ ኣነ 3ተ ለባማት ኣሕዋት ጥራሕ ተጋጊና ብጌጋ ተረዲኡና ኢሎም ንህዝቢ ይቅረታ ዝሓተተቱ ሰሚዔ ኣሎኹ ።

1. ለባም ሓው ዳዊት መስፍን ዓዲ እንግሊዝ፡

2. ለባምን ንቁሕን ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ሽወደን፡

3. ...................... ።

ብግልባጡ ህዝብና ዘሎዎ ጽምኣት ስምረትን ሰላምን ፈሊጦም ከምስሉ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ኢሎም ፡ ወዳጀ ሙቁር ኣስማት እና መረጹ ዉድባት ክምስርቱን ንጽባሒቱ ከኣ በቲ ናይ ሳሕል ጠባዮም መርዛም ግናይ ብኽፋኣትን ጭከናን ዝተላዕጠጠ ትምክሕትን ብድዔን ባህርያቶም ጌና ክፍንጨሉን ክፋናጨሉን ይርከቡ እኔዉ። ዘገርም ዘሎ ካልኣይ ከኣ ዋላ እውን እቶም ኣብ ዲሞክራስያዊ ዉድብ ወይ መስመር ተሓኤ ዝዓበና ኢና ንብል ተቋወምቲ ከኣ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ምድሓን” ዝብል ጭርሖ እናልዓልካ ብተግባር ግን ዘይትሰርሓሉ እቲ ዝገደደ ካልእ ዓቢ ጸገም እዩ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ፕሮፖጋንዳ እዩ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ንክትበጽሕ ብግብሪ ኣብ ሜዳ መዓልታዊ ቁርቁስ መደረኦም ትረኽቦ ። ካብዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣውንታውን ኣሉታዊ ተሞክሮታትና ቍሩብ ተማሂርና ልቦናን ብስለትን ጌርና ብሓባር ሽግርና ኣብ ክንዲ ክንፈትሕ ንፍትን መሊስና ንረሓሓቕ ፡ ንፈናጣሕ ፤ ካብ ጌጋታትና ምምሃር ዘይኮነ ሕድሕድ ምክሳስ ምጽልላም፡ ዓቅሚ ድኣ የለን እምበር ክሳብ ኣእዳውና ናብ ካልኦት ምዉጥዋጥ ትርእን ትሰምዕን ተንብብን። ነቲ ሽግር ንኩልና ዝብጻሓና ከሎ ንኻልእ ክንህቦ ምጽዓርና እዩ ዘሕዝን። ምኽንያቱ እታ ሓቂ ኩልና ኣብ ሕቁፊ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ዓለምን ስለ ዝተቃለስና ፡ ይትረፍ ህዝብናን ዓለምናንስ እቶም ጎቦታትን ስንጭሮታትን ዝምስክርዎ ታሪኽ ኣሎ፡ ታሪኽ ከኣ ኣይምሕርን እዩ ። ንኣብነት ኩሎም ጎባታትና ሃገርና ኣስማቶም ትርጉም ኣሎዎም... ካብ ጎቦ ኣዳል ጀሚርካ ክሳብ ፈንቅል ገደም ኣሽሓት ኣሎዉ፡ ስለምታይ ተባሂሎም ኩሎም ሰፊሕ ዓቢ ትርጉም ሓዘል መግለጺ ዘሎዎም ኮይኖም፡ ምስ እነልዕሎም ወይ እንሰምዮም እዋእ ስለምታይ ተብሂሉ መን ኢልዎ ብከመይ ብዓል መን መዓስ ...ወዘተ ዝብሉ ባዕሎም ዝምልሹ ሕቶታት ከም ዘሎዉ ኣይንዘግዕ፡ ኩሉ በብመዓልቱ ሓቅን ታሪኽን ክወጽእ እዩ። እቶም ዝርካቦም ምሁራትና እውን ብገንዘብን ብስም ህዝብን ዝተማህሩ ክነሶምን ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሎሚ ግን ህዝብን ሃገርን ብሕሰም እናተበደለ ኣብ ክንዲ ዝመርሑን ዝምህሩን ንዘሎ ሕጽረታ ንምእራም ኣብተን ቅኑዓት ስሪዒታት ኣትዮም ዝቃለሱን ፡ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ድምጺ ኣፈኛታት ኰይኖም ዝጣበቕሉ ንሕናን ንሶምን ተባሂልና ተዓዘብትን ንሓንሳ ከኣ ፈረድቲ ይኾኑ። ነቲ ጉዳዮምን ጉዳይ ሃገሮምስ ዉድባት ከምዚ ዘይገበራ ከምዚ ዘይተጥቅማ ብማዕዶ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ ነቲ ፍንቲሊኽ እናበለ ኣስናኑ ነኺሱ ኣንጻር ህግደፍን ምልክን ንፍትሕን ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ይቃለስ ኣሎኹ ዝብል ወገን ሞራልን ኒሕን ይጎድእዎ ስለ ዘሎዉ ብታሪኽ ክሕተቱ ምኻኖም ክዝንግዑ ኣይግባእን ይብል። ንሳቶምውን መብዛሕትኦም ኣብነት ክዀኑ ኣይበቕዑን ። እቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይና እውን እንተዀነ እቲ ኩሉ ዘሕለፎ መሪር ስቓይን መከራን ኣብ ትሕቲ ጨካን ኢሰብኣዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘንጊዑ ኣብ ዓዲ ሰላም ምስ ኣተዉ፡ መብዛሕትኣኦም ተመሊሶም ምስ ህግደፍ ይደናገጽ፤ ገለውን ብሕቡእ 2% ይኸፍል፣ ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊኡ’ውን ንዓዲ ይኸይድ እዚ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ንዕዘቦ ዘሎና ባህሪያት እዩ። ንፍትሒ ዝቃለስ የሎን ንምባል ዘይኮነስ እቲ ሽግርና ንምግላጽ ተባሂሉ’ዩ እምበር ብዙሓት ተስፋ ዘለዎም መንእሰያት ኣለዉና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይዚ ኩሉ ዘሕለፍናዮን ነሕልፎ ዘሎናን ከቢድ ሽግር ዋናታቱ ቀደም ንሕና ሕጂውን ንሕና ኢና ፤ ፍታሕ ድማ ካባና ጥራይ’ዩ ዝመጽእ። ብተናጽል ዝዕወት ንዝስራሕ ቁምነገር ንሃገር ዘድሕን ወይ ዘልምዕ ጨሪሹ የሎን። ከም ህዝቢ ውራይና ብሓባር ኮፍ ኤልና ተላዚብና ክንፈትሕ የድልየና ኣሎ ። እዚ እንተዘይጌርና ንጥፋኣት’ምበር ንድሕነት ኣይነምርሕን ኢና ። ኣማእከልትን መራትን ከኣ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ተኻኣኢሎም ብልዝብ ንኩሉ ተቋዋማይ ክጥርኑፉ ግድን ምኳኑ የስምረሉ።


ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና

ዕንወት ንጨቋኒ መላኺ ስርዓት ኤርትራና።

ጸሃየ ቀለታ ሽወደን

20180308

Last modified on Sunday, 11 March 2018 21:12