ቃል ሓዘን ጨንፈር ርያድ ሰዲህኤ

2018-03-08 22:03:00 Written by  ጨንፈር ርያድ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2646 times

ጨንፈር ርያድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤትራ (ሰዲህኤ) ብመስዋእቲ ሓርበኛ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ገሹ) ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ። እቲ ጨንፈር ኣብቲ ዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን ተኻፋልነት ቃል፡ ስዉእ ብርሃነ ተስፋማርያም ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ኩሉ ዝከኣሎ ዋጋ ዝኸፈለ ሓርበኛ ክነሱ፡ ነታ ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገር ድሕሪ ናጽነት ከይርኣያ ምሕላፉ ነቲ ሓዘን ተደራራቢ ከም ዝግበሮ ገሊጹ። ጨንፈር ርያድ፡ ብመስዋእቲ ወዲ ገሹ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ንበዓልቲ ቤቱ፡ ደቁን ቤተሰቡን ጽንዓት ክህቦም ተመንዩ ንስዉእ ድማ መንግስተሰማይ የዋርሶ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጨንፈር ርያድን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኦኣለም ዝርከቡ ኣባላትን ኣባላት መሪሕነትን ሰዲህኤ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃኖም ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ4 መጋቢት 2018 ብደረጃ ሰልፊ ብምኽንያት ሓርበኛ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ገሹ) ናይ ሓዘን መግለጽን ተኻፈልነትን መልእኽቲ ከም ዘውጸአ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 08 March 2018 23:06