ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን
Written by Dirar & goitom3ይ ክፋል
መተከላት ዲሞክራሲ
ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ጽሑፍ፥ ብዛዕባ ገለ ካብ ዓይነታትን፥ ጽንሰ-ሓሳብን ዲሞክራሲ ተገሊጹ ነይሩ። ዲሞክራሲ ብመሰረቱ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ስለዝኾነ ብዝግባእ ክነጽንዖን ኣብ ተግባር ክነውዕሎን የድሊ። እንተዘይኮይኑ ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ ዝዓይነቱ ኣገባብ መስርሕ ኣብ ዲሞክራሲ ቦታ የብሉን። ልክዕ እዩ ዲሞክራሲ ንኹሉ ብማዕረ ሚእቲ ካብ ሚእቲ የዕግብ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ እዩ። ይኹን እምበር ንዲሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግዝኣተ ሕግን፥ ግዝኣተ ኣብዝሓን ኣኽቢርናን ተማዚዝናን ምስ እንጎዓዝ፥ ሰላም፡ ፍትሕን ናጽነትን ውሕስነት ክረክብ ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ግዝኣተ ሕጊ ብዘይመሪሕነት፥ መሪሕነት ብዘይግዝኣተ ሕጊ ንቕድሚት ክስጉም ይኹን ምህናጽ ምዕቡል፡ ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣጸጋሚ እዩ ክኸውን።
ካብዚ ቀጺሉ ገለ ብዛዕባ መትከላት ዲሞክራሲ ሓደ ብሓደ ምጥቃሱ ኣድላዪ፡ እዩ። ከመይሲ እቲ መትከላት ዲሞክራሲ ምስ ፈለጥና ኢና ኣብ ግብርን ሓሳብን ኣወሃሂድና ማዕርነታዊ ዝኾነ ኣዘረጋግሓ ጸጋታትን ስልጣንን ክሰልጥ ዝኽእል። እምበኣር ገለ ካብቶም መትርከላት ዲሞክራሲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1-ዲሞክራሲ ኣድማሳዊ ፍሉጥ (ብሉጽ) ዝኾነ ጽነሰሓሳባን ሸቶን ኮይኑ፡ ናይ ባህሊ፥ ፖለቲካ፥ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍልልይ ብዘየገድስ፡ ኣህዛብ ናይ መላእ ዓለም ሕብረተሰብ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ዝሻረኽዎ (ዝማቓርሕዎ፥ ዝከፋፈልዎ) እዩ ዝምርኰስ። ስለዚ መሰረታዊ መሰል ናይ ዜግነት ኣብ ትሕቲ ኩነታት ናጽነት፥ ማዕርነት፥ ግሉጽነትን ሓላፍነትን ምስ ግቡእ ኣኽብሮት ናይ ርእይቶታት ብዙሕነትን ንረብሓታት ናይ ፖለቲካ ክስረሓሉ ዘለዎ እዩ።
2-ዲሞክራሲ ክሰዓብ ዝግብኦ ጽንሰሓሳብን መንግስታዊ ቅድን ኮይኑ፡ በመሰረት ቅጥዒታት ንብዙሕነት ተመኩሮታት ዘንጸባርቕን፥ ባህላዊ ፍሉይነታት ምስ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸቡ መትከላትን ልምድታትን፡ ሕግታትን፡ ብዘይጻረር ዝትግበር እዩ። ስለዚ ብቐጻሊ ዝፍጸምን ኩሉ ግዜ ምልኣት ዘለዎ ሃለዋት ወይ ኩነታት ምዕብልናኡ ወይ ግስጋሴኡ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባውን ባህላውን ረቛሒታት ዝመርኮስ እዩ።
3- ዲሞክራሲ ከም ጽንሰሓሳብ መጠን ንጥምረት ማሕበረሰብን ምድልዳል ሃገራዊ ህድኣት ምዕዛዝን ናይ ማሕበረሰብ ቁጠባውን ማሕበራዊ ዕቤትን፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምጉንጻፍን፥ ንክብርን መሰረታዊ መሰላት ውልቀሰብ ንምዕቃብን፥ ንናይ ዓለምለኻዊ ሰላም ዝምችእ ሃዋህው ምፍጣርን ኣገዳሲ ቆላሕትኡ እዩ። ዲሞክራሲ ከም ሓደ መንግስታዊ ቅዲ፥ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ዝበለጸ ኣገባብን፡ከምኡ እውን ነብሰ መአረምታ ዓቕሚ ዘለዎ እንኮ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ።
4- ቅድም ቀዳድም ህላዌ ሓቀኛ መጻምድቲ ወይ መሻርኽቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጉዳያት ማሕበረሰብ ምምሕዳርን፥ ካብ ፍልልያቶም ሓባራዊ ብልጽግና ዘመንጭውሉ ብማዕረን ተመላላእን ዝሰርሑ ክኸውን ከሎ እዩ ዲሞክራሲ ዝዕወት።
5-ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ብመሰረት መንፈስን ትሕዝቶን ግዝኣተ ሕጊ ዝትግበር ናይ ስልጣን በብእብረ ምስርካብን፥ ምቕባልን፥ መስርሓት ንናጻ ፖለቲካዊ ውድድር ዘፍቅድ ውጽኢት ናይ ክፉት ኣገባብን፥ ናጻን፥ ኣድልዎ ዘይብሉ ተሳትፎ ህዝቢ ዘረጋግጽ እዩ።
6- ዲሞክራሲ ካብቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ ናይ ዓለምለኸ መሳርሒታት ሰፊሩ፥ ዘሎ መሰላት ዘይፍለ እዩ። እዞም መሰላት እዚኦም እምበኣር ብኣድማዕነት ክትግበሩን ግቡእ ኣስራርሓኦምን ምስቲ ውልቃውን እኩብን ሓላፍነታት ዝሰማማዕ ወይ ዘይጻረር ክኸውንይግባእ።
7-ዲሞክራሲ ኣብ ልዕልነት ናይ ሕግን፡ ኣተገባብራ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እምበር ዋላ ሓደ ልዕሊ ሕጊ የለን።
8- ሰላምን ቁጠባን፥ ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ክልትኦም ተደላይነትን ፍረን ናይ ዲሞክራሲ ኢዮም። ስለዚ ኣብ መንጎ ሰላም፥ ዕቤት፥ ክብርን ኣኽብሮትን ግዝኣተ ሕጊን ሰብኣዊ መስልን ኣብ ንነሓድሕዱ ዝደጋገፍ እዩ። እዚ ባእታታትን ኣተገባብራን ናይ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ እዩ።
9-ዲሞክራሲ ኣብ ድሌት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ምስ መሰላቱን ሓላፍነታቱን ምሉእ ፍልጠትን፥ ህላዌ ናይ ብጥንቃቐ ዝተቐረጸን ብተግባር ዝስርሕ ተካላትን ከምኡ እውን ኣካላት ናይ መምርሒታት ቅጥዕታትን እዩ ዝምርኮስ።
10- ማሕበራዊ ጥምረትን ምትሕብባር ምእንቲ ክዓዝዝ፥ ንምስሕሓባት ምሽምጋልን ኣብ መንጎ ጠለብ ናይቶም ተወዳደርቲ ናይ ፍልልይን ሓድነትን፥ ውልቃውን ሓባራውን ሚዛን ምሕላው ስራሓት ናይ ዲሞክራሲያዊ ትካላት እዩ።
11.ዲሞክራሲ ኣብ መሰል ተሳትፎ ናይ ነፍሲወከፍ ማለት ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጉዳያት ዝተመስረተ እዩ።ስለዚ ብፍላይ ኣብ ሓደ ባይቶ ናይ ኩሎም መቖሚታት ሕብረተሰብ ተወኪሎም ኣድላዪ ስልጣናት ዘለዎምን ብመገዲ ሕግን ቁጽጽርን ተግባራት መንግስትን ድሌት ህዝብን ዝገልጽ ህላዌ ናይ ትካላት ወከልቲ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት የድሊ።
12-ቀንዲ ባእታ ኣብ ትግባረ ዲሞክራሲ፥ ኣብ መንጎ ስሩዕ መደብ ምርጫ ንናይ ህዝቢ ድሌት ንምግላጽ ዘኽእል ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ እዩ። እዚ ምርጫታት እዚ ናይ ኣድማሳዊ ማዕርነትን ምስጥራዊ ሕርያን ዝተሰረተ፥ ኩሎም መረጽቲ ዝውክልዎም ንኽመርጹ ኣብ ኩነት ናይ ማዕርነታዊ ክፉትን ግሉጽነትን ፖለቲካዊ ውድድር ዘበራብር ክኸውን ኣለዎ። ሲቪልን ፖለቲካዊ መሰላትን ኣገድስትን ዝያዳ ፍሉይነት ኣብ ምንጎኦም ናይ ምድማጽን ንኽትምረጽን፥ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነትን ምእካብን ሓበረታ ምርካብን ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምውዳብን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መሰል ኣገድስቲ እዮም። ናይ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ቅንዕና ምእንቲ ክረጋገጽ ሰልፊ፥ ውድብ፥ ምንቅስቓሳት፥ ፊናንሳዊን ምውላን ብዘየዳሉ ኣገባብ ግቡእ ቅጥዒ ምቁጽጻር ምዝውታር የድሊ።
13- እቲ ኣገዳሲ ዕማም ናይ መንግስቲ ንናይ ሲቪል፥ ባህሊ፥ ቁጠባ፥ ፖለቲካን ማሕበራዊ መሰላትን ናይ ዜጋታቱ ባህታን ቅሳነትን ምርግጋጽ እዩ። ዲሞክራሲ እምበኣር ምስ ውጽኢታዊ፡ ሓቀኛን ግሉጽነትን፥ ብናጻ ዝተመርጸ መንግስትን ናይ ህዝባዊ ጉዳያት ኣመሓዳድራ ተሓታትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ።
14- እቶም ተመሪጾም ህዝባዊ ስልጣን ዝሓዙ ይኹኑ ዘይተመርጹ ኣካላት ህዝባዊ ስልጣናት ኩሎም ብዘይፈሊ ዝዝውተር ህዝባዊ ተሓታትነት ንዲሞክራሲ ኣድላዪ እዩ። ተሓታትነት ንህዝባዊ መሰል ሓበረታ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ናይ ምርካብ መሰልን ጥርዓንን ናብ መንግስቲ ምቕራብን ኣድልዎ ዘይብሉ ምሕደራን ፍርዳዊ መሳርሕታት ዝእረመሉ ሜላ ምንዳይ የውርስ።
15- ህዝባዊ ህይወት ብሓፈሻኡ ብስነምግባራዊ ስምዒትን ግሉጽነትን ዝተቐርጸ ክኸውንን ከምኡ እውን ንምድጋፎም ወይ ንምቕባሎም ዝሰማማዕ ልምድታትን ኣገባባትን ምምስራት የድሊ።
16. ውልቃዊ ተሳትፎ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ህዝባዊ ህይወትን፡ ፍትሓውን ኣድልዎ ዘይብሉን ዝኾነ ይኹን ምፍልላይን ከምኡ እውን ብመንግስታዊ ወይ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ናይ ምፍርራሕ ሓደጋ ምውጋድ ቁጽጽር ክግበር የድሊ።
17- ፍርዳዊ ትካላትን ናጻን ብሓደ ዓይኒ ዝርእን ውጽኢታዊ መቆጻጸሪ መሳርሒታት ዲሞክራሲ ዝምስረተሉ ዋሕስ ናይ ግዝኣተ ሕጊ እዩ። እዞም ተካላት እዚኦምን መሳርሒታትን ምሉእ ብምሉእ ኣኽብሮት ሕግታትን፥ ምምሕያሽ መስርሓት ፍትሓውነትን ምእራም ዘይፍትሓውነትን ምእንቲ ክረጋገጽ ብኩሎም ኣብ መሰረት ናይ ማዕርነት ከምኡ እውን ኣኽብሮት ንምምሕዳራውን ፍርዳውን ውሳኔታት ብኹሎም ኣካላት መንግስትን ናይ ህዝባዊ ስልጣን ወከልትን፥ ነፍሲ ወክፍ ኣባል ሕብረተሰብን ዝእርምሉ መእተዊ የድሊ።
18- ኣብ መስርሕ ስርዓት ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህላዌ ንጡፍ በርጌሳዊ (ሲቪላዊ) ማሕበር ኣገዳስን ተደላይን ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ ተሳትፎን ተራን ናይ ዓቕምን ድሌትን ዘለዎም ባእታታት ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሓት፣ ንሳቶም ዝፈጥርዎ ምርጫታት ናይ ኣመሓዳድራን ብቐሊሉ ዝጥመት ኣይኰነን። ነዚ መሰረት ብምግባር ንዅሎም በብመሰሎም ዘሳትፍ ጥጡሕ ባይታን ምቹእ ኵነታትን ክፍጠር ኣድላይነቱ ዕዙዝ ኰይኑ፤ ዝዀነይኹንዝዕንቅፍ ወይ ዝዀልፍ ነገራት ካብቲ መስርሕ ክግለፍ ይግባእ። ንጕዕዞ ምዕባሌ ብቐዋምን ቀጻልን ዕብየት ዘውሕሱ ረቛሕታት፤ ውሽጣዊ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ግሉጽን መሃርን ዘረጋግጽ ሃዋህው ክሰፍን ኣድላይ ክኸውን ከሎ፣ ድንቍርና፣ ዘይተጻዋርነት፣ ትህኪትን ኣመራጽታት ዘይምህላውን ክውገዱ ዘለዎም ዕንቅፋታት እዮም። ንዝርአ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ከም ዓሌታዊ፣ ጾታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ኣድልዎታት ብሕጋዊ ስጉምትታት ክእረሙ ይግበኦም።
19-ቀጻሊ ዝኾነ ኩነት ናይ ዲሞክራሲ እምበኣር ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብቐጻሊ ዝዕንገል ባህልን፥ብትምህርትን ካልእ መተሓላለፊታት ናይ ባህልን ሓበረታን ደገፍ ይሓትት። በዚ ምኽንያት ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንትምህርቲ በቲ ዝሰፊሐ ትርጉሙን ብፍላይ ከኣ ሲቪክ ትምህርቲ ንሓላፍነታዊ ዜጋ ኣብ ምቕራጽ ህርኩት ክኸውን ኣለዎ።
20-ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ኣብ ምቹእ ቁጠባዊ ሃዋህው እዮም ዝምዕብሉ። ስለዚ እቲ ሕብረትሰብ ከለንተናዊ ጻዕርታቱ ምእንቲ ዕቤትን ምሰረታዊ ቁጠባዊ ጠለባት ናይቲ ኣዝዩ ዝተሓረመ ከዕግብን፥ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ምሉእ ውህደት ዘውሕስ ተባዕ ወይ ውፉይ ከኸውን ይግባእ ።
21- ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ናይ ርእይቶን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ዝኣምን እዩ። እዚ ናጽነት ናይ ርእይቶታት ብዘይጣልቃ ምእታው ሓሳቡ ክውንን ክሓትትን፥ ክቕበልን ሓበረታን ሓሳባትን ብመንገዲ ዝኾነ ይኹን ኣገባብ ሚዲያ ዶብ ከይዓገቶ ሓሳባት ከመሓላልፍ ወይ ከካፍል ዘኽእል መሰል እዩ።።
22= ምእንቲ ፍሉይነትን ብዙሕነትን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምጽውዋር ሃዋህው ዝተፈለኻ ናይ ምዃን መሰል ክዕቀብ፡ ትካላትን መስርሓትን ዲሞክራሲ ንተሳትፎ ናይ ሓደ ዓይነት ይኹን ሕውስዋስ ሕብረተሰባት ዝኾነ ህዝቢ ዘቃዱ ወይ ዘወሃህድ ክኸውን ኣለዎ።
23-ዲሞክራሲያዊ ተካላትን መስርሓትን ንዘይምእኩልነት ናይ ቦታውን ዞባውን መንግስቲ ከምኡውን ምምሕዳር ከዕዝዝ ኣለዎ፥ እዚ ከኣ መሰልን ኣድላዪን ኮይኑ ነቲ መሰረት ህዝባዊ ተሳትፎ ከምዝሰፍሕ ክገብሮ ዘኽእል እዩ።
ይቕጽል
8ይ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝቐረበ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣጽዲቑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤEnergized EPDP North America Zone Holds Situation Review Meeting
Written by EPDP Information OfficeOn Sunday, 27 August 2017, the Preparatory Committee for an extraordinary congress of EPDP North America Zone (USA and Canada) held an all-membership teleconference for situation review and for updating members on latest zonal and party activities. This is one of a chain of meetings called by the Preparatory Committee this summer in the aftermath of a disruptive period that stalled North America Zone activities for nearly a year following a Central Council decision to suspend from party membership of a party member till the next EPDP congress.
According to the press statement of the Preparatory Committee, the meeting discussed, among other things, the recommendations it sent for possible consideration at the 8th regular EPDP Central Council meeting which is in session this month. Also raised at the meeting was a petition - with its misleading claims and figures - sent to the Central Council by some of the unruly ex-NA zone leadership members who until now stand opposed to abide by party rules and regulations that wished to interpret them in their own erroneous ways.
Reports of various task forces were presented and reviewed at the all-membership electronic meeting. The organizational mobilization committee reported on its performances so far accomplished and noted that membership screening and enrollment will be a continuing process. Also discussed were relevant EPDP constitutional provisions on party membership and the appropriate actions that need to be taken on those who fail to live up to the expectations of party rules and discipline.
Likewise, the finance and information-diplomacy committees presented their reports that included future plans of action. For example, the information and diplomacy committee explained its intention of reviving joint work with sister organizations in the Eritrean opposition camp, cooperation with humanitarian societies and governmental institutions while also effectively confronting hostile elements, including those serving as hidden agents of the dictatorship in Eritrea.
The meeting was briefed on latest party activities that included contents of the EPDP memorandum to Italian Foreign Minister Angelino Alfano on 25 August urging the Italian Government to provide decent housing to those Eritrean refugees now left in the streets of Rome after being forcibly evicted from an old building they were sheltered at, some of them since 2013.
መንእስይ ብሱሩ ሓደ ብውሱን ዕድመ ዝልለ ኣካል ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኮይኑ፤ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ድማ ነዚ ናይ መንእሰይነት ደረጃ ብፍሉይ ኣገባብ ዘረጋግጹሉን ዕላዊ ዝገብሩሉን ዝተፈለላለዩ ልማዳት ከምዝነበሮምን ዘለዎምን ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ ሃገርና አርትራ ይኹን ካልእ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፤ ንመንእሰይ ዝፍትኑን ዝብድሁን ንጥፈታት ድሕሪ ምክያድ ኢዮም ዘሕልፍዎ፥ መንእሰይውን ነዚ ምስ ዘይሓልፍ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንሓዋሩ ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ናይ ኣኽብሮትን ሚዛንን ሕጽረታት ስለዝርዳእ ንብድሆታት ብግቡእ ክፍጽም ከምዝጽዕር ኢዩ ዝኸውን። ወዲ ይኹን ጓል ድማ ነናቶም ብድሆታት ነይርዎም ኢዩ። ገለ ሕብረተሰባት ጌና ዝጥቀሙሉ ክህልዉ ዝኽእሉኳ እንተኾኑ፥ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ምስ ምትእትታው ዘበናዊ ስልጣነ እናሃሰሰን እናተረፈን ከይዱ ኢዩ።
እዚ ማለት ግን ን ኣገዳስነትን ትርጉምን መንእሰይ ይቕይር ማለት ኣይኮነን። መንእሰይ ተካኢ መጻኢ ወለዶ ምኳኑ ባህርያዊ ሕጊ ስለዝኾነ፥ ሕብረተሰብ ኣብ መንእሰይ ክህልዎ ዝኽእል ኣትኩሮ እውን ከምኡ ዘይቕየር ኢዩ። መንእሰይ ድማ ተካኢ ናይ መጻኢ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣመሓያሽን ቀያርን ናይ ዝነበረን ክወራረስ ዝጸንሐን እውን ኢዩ፤ ከምቲ ናይ´ዚ ኣርእስቲዚ ተመራመርቲ ዝገልጽዎ እውን፥ ኣብ ሞንጎ መንእሰይን ኣውረስቶምን ኩሉ ጊዜ ግርጭት ዝሓዘለ ዝምድናታት´ውን ከምዝህሉ ኢዩ። መንእሰይ ዝቕይሮን ዘመሓየሾን ድማ፥ ንመጻኢ ወለዶ የመሓላልፎ´ሞ ባህልን ልማዳትን ናይ መጻኢ ወለዶ ይኸውን። እዚ ማለት ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ መንእሰይ ለውጢ ይርአ ማለት ኣይኮነን፥ ሕብረተሰባት ብዙሕ ከይቀየሩ ንነዊሕ ወለዶታት ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም፥ ከምኡውን ለውጥታት ብሰላሕታ ቀስ ኢሉ፤ ወይ ድማ ቅልጡፍን ርኡይን´ውን ክኸውን ይኽእል።
መንእሰይ ኤርትራ፤
መንእሰይ ኣብ ታሪኽ ናይዘን ሎሚ ንኤርትራ ኣቒመን ዝርከባ ኣካላት ሕብረተሰብና፤ ኣብ ብዙሕ ሸነኻቱ ተመሳሳልነት ዝሓዘለ ከምዝነበረ፤ ደረጃ ምዕባለታቶምን፥ ስርዓት ስድራበታቶምን፥ ምስ ከባቢኦም ዝነበሮም ዝምድናታትን ገለ ካብ ክጥቀሱ ዝኽእሉ መበገሲታትን ምኽን ያታት ክንወስድ ንኽእል። ብፍላይ ኣብቲ ጥልያን ዝኣተወሉ እዋናትን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት፥ መንእሰይ ኣብ ማእቶት (ሕርሻን፥ ምእላይ ከብትን ምግፋፍ ዓሳን ወዘተ) ቀንዲ ተዋስኣይ ስድራበት እኳ እንተነበረ፤ ኣብ ንሕብረተሰቡን ዶባት ብሔሩን ምክልኻልን ንወረርቲ ኣብ ምምካትን ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ኣገዳሲ ግደ እውን ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። ጥልያን ናብ አርትራ ብዘይ ብዙሕ ጸገማት ንክኣቱ ካብ ዝሓገዝዎ ምኽኛታት ሓደ´ውን፥ ህዝቢ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ጎረባብቲ ተደጋጋሚ ወረራታትን መጥቃዕትታትን ፥ ኣዝዩ ተዳኺሙን ደኽዩን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ተሰዲዱን ብምንባሩ፤ ንጥልያን ከም መድሕን ጌሩ´ውን ስለዝወሶዶ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ልዕሊ´ቲ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሓሳር፥ መንእሰይ´ውን ከም ርእሰ-ኲናት ብቐዳምነት ዝጥቃዕን ዝበርስን ከምዝነበረ ምግማት ከቢድ ኣይኮነን።
ጥልያን ምስ ኣተወ ንመንእሰይ ዝማርኽ ትሕዝቶታት ኣተኣታተወ፤ ርእሰማላዊ ዘበናዊ በት ዕዮታትን ኣገባብ ሕርሻታትን ምትእትታው ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንሰራሕተይናታት መሃያ (ደሞዝ) ክኸፍል ጀመረ፥ እዚ ንብዙሓት መንእሰያት ማረኸ። ጥልያን ንዝነበረ ናይ ወረራ ሕልምታቱ ንክሳኻዓሉ ወተሃደራት ምኽታብ ምስጀመረ እውን፥ ኣብ ልዕሊ´ቲ ብመሃያ ምስርሑ፥ ብረት ምሓዝ ከምዝማረኾን ብብዝሒ ድማ ከም እተኸትበን ዝፍለጥ ኢዩ። መንእሰይ ኤርትራ ናይ´ቲ እዋንቲ እምበኣርከስ፤ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ዘበናዊ ናይ ስራሕ ማዕከናት ክሳተፍ እንሎ፤ ብካልእ ሸነኽ ድማ መሳርሒ ባዕድነት ኮይኑ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ውግኣት ክጠፍእን ክስንክልን ኢዩ ኮይኑ። ኣብ ጊዜ ጥልያን መንእሰይ ኣብ ትምህርቲ ኣይተጠቕመን፤ ብዘይካ´ቶም ምእንቲ ኣብ ገለ ንኡስ ስራሓት ከገልግልዎ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝመሃሮም፥ መንእሰይ ብሓፈሻ ብትምህርቲ ኣይተዓደለን። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባን ደረጃን ናይ ምብጻሕ ዕድል ኣይተኸፍተሉን፥ እዚ ድማ ናይ ገዛእቲ ሜላ ኢዩ ነይሩ።
ድሕሪ ጥልያን ምውጽኡን እንግሊዝ ምእታዉን ዝተራእየ: ቅልውላዋት ፖሊቲካ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢዩ ናይ መንእሰይ ግደ ኣብ ፖሊቲካ ዝተራእየ። ብሰንኪ ናይ ገዛእቲ መላታትን ትሑት ናይ ትምህርቲ ደረጃታትን ድማ፥ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘደናግር ፖሊቲካዊ ሃዋህው ኣተወ፥ ናብቲ ዝተፈላለየ ናይ ሃገር መጻኢ ዕድል ንምውሳን ዝግበር ዝነበረ ምክፍፋላት´ውን ተኸፋፈለ። ወላኳ መብዛሕትኡ መንእሰይ ንናጽነት ሃገሩ ደው ከምዝበለ ርዱእ አንተኾነ፤ ከምሰቡ ብሰንኪቲ ኣደናጋሪ ኢድ ኣእታውነት ኢትዮጵያን ሜላታት ሓያላን ሃገራትን ኣብ ወጽመዳት ዝኣተወ´ውን ውሑድ ኣይነበረን።
ኣብ ጊዜ ጥልያን ናይ ምስራሕን ምግልጋልን ዕማም ዝሰፈኖ ናብራ ዘካይድ ዝነበረ መንእሰይ ይመስል ክበሃል ይከኣል። ኣብ ጊዜ እንግሊዝ ዝነበረ መንእሰይ ግን ብዙሕ ናይ ፖሊቲካ ጸዋታታትን ሸርሕታትን ተንኮላትን እናተዓዘበን፥ ብኡ´ውን እንዳተጸልወን ዝሓለፈ ብምንባሩ፥ ዝፈልጦ ትርጉም ፖሊቲካ´ውን ንሱ ዝኾነ ይመስል። ኣብ ሃገርና ´እንግሊዝ` ማለት፥ ልቡ ዘይርከብ ተንኮለኛ ወይ ጎራሕ ከስምዕ ይኽእል። ምሕደራን ፖሊቲካዊ ስነኣእምሮን እንግሊዝ ኣብቲ ዝነበረ ወለዶታት ኣሰራቱ ከይገደፈ ኣይተረፈን። ንህዝቢ በቢቅኒቱ ምዝማርን ምስ ካልኦት ኣነጻጺርካ ፍሉይነቱ ኣጋኒንካ ከይሓብር ምግባርን ገለ ካብ ናይ መለኽቲ መራሕትን ጥበባት ፖለቲካ ገዝእትን ኢዩ፤ ብግሁድ ድማ ኣብ ጊዜ እንግሊዝን ጥልያንን ደሓር ´ውን ኢትዮጵያን ብግሁድ ዝተራእየ ኢዩ።
እምበኣርከስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘደናግርን ርጉእ ዘይኮነ ኩነታትን እንከሎ ኢዩ ናብ ፈደራስዮን ኣትዩ። እቲ ንፈደራስዮን ዘይድግፍ ዝነበረን፥ ድሒሩ ንኩሉ ተንኮላት ዘስተብሃለን መንእሰይ ድማ ከሎገና ኣብ ጊዜ ፈደራስዮን ንናጽነቱ ናይ ቃልሲ ባይታ ከንጽፍ ተቓለሰ፥ ናህርን ዕዙዝ ድልየትን ወሳንነትን ዝነበሮ፥ ናይ ጸላኢ ዕብየትን ተንኮላትን ከይኣገሞ ንቕድሚት መሪ ሹ ኢዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘምርሐ። ምስትብሃል ዘድልዮ፥ ማናልባሽውን መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግብኦ ኢለ ዝኣምነሉ፥ እቲ ብግሆኡ ንናጽነት ኤርትራ ዝተበገሰን መሰረት ዘንብረን ወለዶታት፤ ሕውስዋስ ናይ´ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘበናትን ወለዶታትን ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ክርከብ ንዝጸንሐን ጌና´ውን ዘሎን ጽቡቑን ሕማቑን፤ ምናልባሽ ካብቲ ዝተፈላለየ ተረድኦ ፖለቲካን ምሕደራ ሃገርን ከምኡውን ግደ ውልቀ ዜጋን ዝመንጨወ ከይከውን ምምርማር ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ውድድር እንዳታትን ሕነ ምፍዳይን፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር መን ከማይ ዝብል ስምዒታት፤ ኣብ ንሕድሕድካ ምጥርጣር፥ ኣብ ስልጣን ተጎዝጒዝካን መሳርሒ ዀንካ ኣብ መጥቃዕቲ ንጹሃት ምውዓል፤ ስልጣን ዝሓዘ ፈላጽን ቆራጽን (ዝድላዩ ዝገብረሉ) ምዃንን ብኸምኡ ምርዳእን፤ ሰብ ምስ ሰብ ምግጫው ከም ብልሓትን መንፍዓትን ምቑጻርን፤ ኣብ ክንዲ ኣብ ህዝብኻ ኣብ ወገንካ ኣሚንካ ናይ ምምራሕ ቦታኻ ንምርግጋጽ ምቅላስን ወዘተ…. እቲ ሓሓሊፉ ዝርኤን ጸገም ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ታሪኽ ሰውራና መብዝሕትኡ ንሰላምን ዕርቅን ሓቢርካ ብማዕርነት ምስራሕን ዝተማጎቱን ዝተቓለሱን ከም ዝነበሩን ዘለዉን ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ፤ ብዙሓት ህይወቶም ከፊሎምሉ ኢዮም፥ ገለ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ወይ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ከምዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።
ትምህርቲን ኣገዳስነቱን ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እናዓዘዘ ከደ። ካብቲ ናይ ጥልያን ራብዓይ ክፍሊ ዝዶቡ፤ ድሒሩ እውን ናይ እንግሊዝ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ወዲእካ መምህር ምኳንን፥ ኣብ በት ጽሕፈታት ብምስራሕ ዝሓሸን ክብሪ ዘለዎ ናብራ ምክያድን ንስድራበታት ደቆም ንከምህሩ ኣተባብዖም። እቲ ብሚስዮናውያንን ብእስልምናን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርትታት እውን ኣብ ሕብረተሰብ ተዋሳእትን ርኡያት ዝኾኑ ባእታታት ኣብ ምፍራይ ግደታቱ ነይርዎ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ግዱስነት´ዚ ድማ፥ ኢትዮጱያ ንኤርትራ ኣካላ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፥ ኤርትራውያን ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ክመሃሩ ብዝነበረ ዕድላት፥ ብቁጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ንላዕለዋይ ትምህርቲን ካልእ ናይ ሞያ ትምህርትታትን ክመሃሩ ምኻዶም ጥራይ ዘይኮነ፥ መብዝሕትኦም ብዝነኣድ ፍልጠትን ውጽኢትን ይውድኡ ከምዝነበሩ ኢዩ ዝዝረብ። ኣብ ጊዜ ንጉስ ሃይለስላሴ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝኣትዉ ተመሃሮ፥ ብኣውራጃታት እሞ ብሚእታዊት (%) ምስ ተራእየ፤ ኤሪትራውያን ካብ እጃሞም ንላዕሊ ይሳተፉ ምንባሮም ተበጺሑስ ሓዲስ ሕጊ ከምዝወጸ ይፍለጥ። እቲ ሕጊ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ዝተወሰኑ ተመሃሮ ምቕባል ዝብልኳ እንተነበረ፥ ካብተን ካልኦት ኣውራጃታት ሓሊፎም ዝመጹ ብዙሓት ኤሪትራውያን ስለዝነበሩ ከምቲ ዝተደልየ ኣይተዓወተን። ኤሪትራውያን መንእሰያት ኣብ ስርሖምን ትግሃቶምን ኣድኖቖት ዘትረፉ ኢዮም ነይሮም። ብካልእ ሸነኽ ድማ ብፍላይ ካብ መታሕታዊ ክፋል ኤርትራ ንሱዳን ደቆም እናለኣኹ ዘምሃሩ ብዙሓት ኢዮም፥ ገለ ካብኣቶምውን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ ከይዶም ላዕለዋይ ትምህርትታቶም ዘካየዱ ነይሮም፥ ካብኣታቶም ድማ ውሩያት ተቓለስቲን ጀመርቲ ውድባትን ይርከብዎም።
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ዝነበረ ናይ መንእሰይ ፖሊቲካዊ ብቕዓት ብሓፈሽኡ፤ ኣብ ፖሊቲካዊ ናጽነት ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፤ ድሕሪ መፋርቕ ሱሳታት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ኣብ ደሳውነት (ዴስንት) ዝተሞርኮሰ ፍልስፍና ኣብ መላእ መንእሰያት (ብፍላይውን ተመሃሮ) ኢትዮጵያ ገነነ። እዚ ምንቅስቓዚ ካብ ኩሉ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝፈልዮ እንተሎ፥ ኣብ ክቱር ዝኾነ ምሉእ ሓልዮት ህዝቢ ዘድሃበ ምንባሩ ኢዩ ነይሩ። ተግባርውነቱ ብዘየገድስ፥ ኣብ ኣተሓሳስባ መንእሰይ ፍሉይ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዝህልዎ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ´ዚ ድማ ንህዝቢ ንምዕዋት ዘድሊ ሕሉፍ ተወፋይነትን መብጽዓታዊ ግደታን ኣብ ሓንጎል መንእሰያት ኣሕደረ። ጽልዋታቱ ውን ናብ መንእሰያት ኤርትራ ኣሕደረ። መንእሰያት (ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ዕላዊ ማሕበሮም: ኣህዛብ ኢትዮጵያ (እንኮላይ ኤርትራ) ዕድላተን ባዕላተን ክ ውስና መሰል ክህልወን ከምዝግባእ ኣስፊሮም ነበሩ። እዚ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንመንእሰይ አርትራን ሰውርኡን ዓቢ ድጋፈሕልና ኢዩ ነይሩ። ኤሪትራዊ መንእሰይውን ናብ ሰውርኡ ብዝለዓለ ንክሳተፍ ኣዝዩ ሓጊዙ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ እዋናት´ቲ ብዙሓት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ነዚ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ኣብ ግምት ዘእተዉን ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ዝሓልን ዘማዕብልን ህዝባዊ ስልጣን ዘረጋግጽን ስርዓት ንክፍጠር ከምዝኾነ ምግማቱ ኣይጽግምን፤ ኮይኑ ግን ኩላቶም በጃ ህዝቢ ብመላኺ መራሒ ተኣርዮም ጠፍኡ ፤ስዉኣት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኢዮም። ድሒሩ ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ዝተሳተፈ ብኣሽሓት ዝቑጸር መንእሰይውን እንተኾነ፤ ንህዝቢ ቀዳምነት ሂቡ ህይወቱ ክውፊ ዝወጸ ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ አርትራ ነቲ ኣብ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝነበረ መሰታ ዘይርከቦ ህዝባዊ ሓልዮት ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ስነምግባርን ክወዳደር ዝኽእል የለን ምባል ይከኣል። ንሓንሳብ ዝተራእየን ምናልባሽ´ውን ዘይድገምን ክኸውን ይኽእል ይኸውን።
ሰውራ ኤርትራ ኩሉ ደረጃ ወለዶታትን ኩሉ ጾታታትን ዝተሳተፈሉ ሓያል ህዝባዊ ደገፍ ዘረጋገጸ ምኳኑ ምስኩር ኢዩ። ኮይኑ ግን ኣስተብህሎ ክግበረሉ ዝግብኦ እቲ ዝበዝሐ ንጡፍ ኣባል ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ፥ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምንባሩ ኢዩ።
እዚ መንእሰይ ክቃለስ እንከሎውን ነታ ጽባሕ ንሱ ብሰላም ዝነብረላ፥ ቅኑዕ ኣመራርሓ መስሪቱ ዝመርሓላን ዝምርሓላን፥ ዝኾርዓላን ህዝቡ ዘቕስነላን ወዘተ መጻኢት ናጻ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ።
መንእሰይ ኤርትራ ንናጽነቱ ብምሉእ ሓድነት ኣብ ሪፈርንዱም ኣድሚጹ ጥራይ ዘይኮነ፥ ብሓጎስን ብበዓላትን ክብርን ድማ ኢዩ ድልየቱን መርገጹን ዝገለጸ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን እዚ ሕልሚ´ዚ ኣይተማልአን ጥራይ ዘይኮነስ፥ እቶም ዝተቓለሱላ ግደ ከምዘይህልዎምን፥ ኣብ ፈቐዶ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግኣት ክጠፍኡን፥ ዝተረፉ ብማእሰርትን መቕተልትን ተወጊኖም ብሓዲሽ´ሞ ታሪኽ ሰውርኡ ዘየለለየ ወለዶ ተተኪኦም ኣለዉ። ንመንእሰይ ዘጋጠሞን ዘጋጥሞ ዘሎን፥
ኣብ ጊዜ ናጽነት ዝነበረ መንእሰይ ሕሉፍ ዝኾነ ታሕጓስን ኩርዓትን ዝተሰምዖ፤ ከም ምስጋና ናይቶም ናጽነት ዘምጽኡን ስለናጽነት ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ህንጸት ሃገር ክሳተፍን ግደኡ ከበርክትን ህንጡይ ዝነበረ እዩ ነይሩ። እዚ ሓይሊ መንእሰይዚ ድማ ንሃገርና ኤርትራ ንቕድሚት ንከተምርሕ ዘኽእላ ትሑዝ ሓይሊ ምንባሩ ርዱእ ኳ እንተነበረ፥ ጊዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ህንጡይ ድልየት መንእሰይ ከም ሓገዝ ዘይኮነስ ከም ዘስግእ ጌሩ ዝረኣዮ ስለዝኾነ፥ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ፋሕ ኣቢሉ መንእሰይ ናይ ትምህርቱን ናይ ንእስነቱን ዘበን ከምዝሓልፎ ክገብር ኢዩ ዝተራእየን ዘሎን። መንእሰይ ኤርትራ፤ ነቲ ንዓኡ ጥራይ ዝምልከት ዝነበረ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ኣዋጅ ምስተኣወጀ፥ ብሃረርታን ምሉእ ድልየትን ኢዩ ተቐቢልዎ። እናዘመረን እናጨርሐን ግዲኡ ንከበርክት ድማ ይወፍር ነበረ። ኮይኑ ግን ዕላማ መራሕቲ ህግድፍ ከምቲ ሓሳብ መንእሰያት ዘይኮነ፥ ንመንእሰይ ፈጺምካ ካብ ከባቢ ቦታ መርሕነት ንምርሓቑን ተቓዊሙ ኣብ ዘየራኽበሎም ቦታ ንምርሓቑን፥ ምድንቋሩን፥ ከምቲ ዝደልይዎ ምግርዑን ብምንባሩ፥ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ኮነ፥ ብንእስነቱ ንኣገልግሎት ዝወጸ መንእሰይ ድማ ኣይ ካብ ትምህርቲ ኣይ ካብ ስርሕ ኣይ ካብ ሓዳር ሞንጎ ሞንጎ ኮይኑ ክተርፍ ኮነ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ መንእሰይ ጽልኢ ናይ ኩነታቱ ከሕድርን ሃገር ገዲፉ ክርሕቅን ይገብሮ ንርኢ ኣለና። መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጨካናት ኣካየድትን መሪር ናይ ናብራ ኩነታትን ካብ ስድራበታቶም ተፈልዮም ሓላይ ዘይብሎም ከርተት ክብሉ ይነብሩ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ኣገልግሎቶም ጊዜ ንምንዋሕን ዘየቋርጽ ቀጻልነት ንምርግጋጽንድ ድማ ምስ ጎረባብቲ ግጭታት ብምፍጣር፥ ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ንሃገሮም ንክከላኸሉ ዘገድድ ሕልና ከምዝገዝኦም ገይርዎም ይርከብ። መንግስቲ ህግድፍ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ዝውልዖ ዝነበረ ውግኣት፥ ንመንእሰይ፤ ንዝነበሮ ሕሉፍ ሃገራዊ ፍቕርን ሓላፍነትን መዝሚዙ፥ ኣብ ፈቐዶ ውግኣት ከጥፍኦን ከሰንክሎን፥ ሓላው ዶብ ጌሩ ካብ ማእከል ከርሕቖን ብምግባር መደባቱ ኣዓዊቱ ኢዩ፤ እንሆ ድማ ዕድመ መንግስቱ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ነዊሑሉ ኣሎ። ንመንእሰይ ግን እዚ´ውን መሪርዎን ኣድኪምዎን፥ ጠንጢንዎ ድማ ናብ ጎርባብቲ ሃገራት ክስደድን ብኡውን ኣብ ዓለም ፋሕ ክብል ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ወለዶ ድማ ኣብ ሰዓት ናጽነትን ሓጎስን ዝተወልደ፥ ምእዙዝን ኣገልጋሊን ናይቶም ናጽነት ኣምጺእናልካ ብምባል ጸብለል ዝብልዎ ኮይኑ ርእሱ ኣድኒኑ ክኸይድን ንከይብዳህ ዝተዳህለን ውጹዕ ወለዶ ኢዩ። ኩሉ ዝፈልጦን ዝተማህሮን ታሪኽ ንሓቅታት ዘገለለን ኣብ ኣምባገነንነት ናይቶም ዝመርሕዎ ዘለዉ ዘተኮረ ብምኳኑ ኣዝዩ ዝተሃስየ ወለዶ ኢዩ። ኮይኑ ግን ናጽነቱ ተጋሂሱ ዳርጋ ጊላ ኮይኑ ህይወቱ የሕርር ምህላዉ ዘይርድኦ ኣይኮነን፤ ውጽኢቱ ድማ እነሆ እዚ ንዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን መሪርን ሓደገኛን ጉዕዞ ስደት ኢዩ።
ኣብ ሰራዊት ይኹን ኣብ በት ትምህርትታት ዝነበሩ መንእሰያት፤ ኣብቲ ደድሕሪ ናጽነት ዝነበረ እዋናት ነቲ ስርዓት ክብድህዎ ከምዝጀመሩ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ናይ ኣካለ ስንኩላት ተጋደልቲ ፈተነን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ከምኡውን ናይ ተመሃሮ ጠላባትን እምቢታን ካብተን ኣዝየን ጎሊሐን ዝዝከራ ኢየን። ኩሉ ግን ብዘይምሕርን ዝኾነ ይኹን ሓልዮት ብዘይብሉ መገዲ ኢዩ ተደምዲሙ፥ ዝቕተል ተቐቲሉ ዝእሰር´ውን ተኣሲሩ። ሽሕ´ኳ ናይ ጉጅለ 13ን ጉጅለ 15ን ፈተነታት እንተሰዓበ፤ ንሳተን እውን በቲ እቲ ስርዓትዝጥዕሞ ኢየን ዝተደምደማ፤ ማእሰርትን መቕተልትን!!
ብዙሓት ካብ ውሽጢ ሃገርን፥ ካብ ግዳም ዝመጹን ኤሪትራውያን፥ ኣብ ምምስራት ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን ሃገር ክሳተፉ በቢ ፍልጠታቶምን ሞያታቶምን ፈቲኖም ኢዮም፤ ኮይኑ ግን በዓል ገንዘብ ገንዘቡ ኣጥፊኡ፥ በዓል ሞያ ተዓጊቱ፥ ኣብ ፖለቲካ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝነበሮ ድማ ወይ ተኣሲሩ ወይ ህይወቱ ከፊሉ ኢዩ። ብዙሓት ንአርትራ ዓቢ እጃም ከበርክቱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ድማ ኢዮም ኣሰር ዘይብሎም ጠፊኦም ዘለዉ።
ስደተኛ ኤሪትራዊ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንክርሕቕን ብዘስካሕክሕ መገድታትን ኣገባባትን ናብ ዓለም ፋሕ ንክብል ዝገብሮ ዘሎ፤ መንቀሊኡ እቲ ክፋእ መንግስቲ ህግድፍን ጨካንን ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ኣመሓድራኡን ኢዩ። ”ኣብዚ ሞት ኣብቲ ሞት” ብምባል፥ ዓይኒ የብለይ ኢሉ ብሰሃራን ቀላያትን፥ ከም ከብትን ኣቕሑትን እናተሸጠን እናተለወጠን ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈለን ዝስደድ ዘሎ።
ኣብ ጉዕዞ ዝጠፍኡን፥ ኣካላቶም ተጓሕጊሑ ኣብ ፈቐዶኡ ዝተረፉን፤ ብመግረፍትን ብሓውን ዝሰንበሩን ዝሞቱን፥ ዝተዓመጻን ቆልዑ ዓመጽተን ዝሓቖፋን ኣሓትና ኤሪትራውያን ወዘተ… ክንዝክር ከለና፥ መንግስቲ ህግድፍ ንመንእሰይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቲ ብታሪኹን ብመንነቱን ንዝምልከት ብኩርእዓትን ትብዓትን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ከይተረፈ ሃስይዎን ደቊስዎን ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
-ኣብ ውግእ ዝጠፍኡ፥ ብፍላይ ናይ ባድመ ስዉኣት
-ዶብ ቅድሚ ምስጋሮም ብሰራዊት ህግድፍ ዝተቐትሉ ምንእሰያት
-ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ስደተኛታት ዘሕልፎ ዘሎ ክፉእ ናብራ
-ንኣውሮጳ ገጹ ክጎዓዝ ዘጋጥሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ጸገማት (መግረፍቲ፥ ጥሜት፥ ናይ ኣካላት ምሻጥ ንግዲ፥
ከም ከብቲ ኣብ መጎዓዝያታት ተኣኲቱ ዝጸዓነሉ፥ ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝጥለበሉ፥ ኣብ ባሕሪ ክሰግር
ዝጠፍኣሉ ዘስካሕክሕ ታሪኻት፥
-ኣብ ኣውሮጳውን እንተኾነ ክሳብ ቀሲኑ ክነብር ዝጅምር ዘሕልፎ ሰንፈላላት
ነዚ ኩሉ እሞ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጠሞ ሓሊፉ ከብቅዕ፥ ተመሊሱ ኣገልጋሊ ምልካዊ ስርዓት ንክኸውን ዘጋጥሞ ብድሆታትን ፈተነታትን እውን ሓደ ካብቲ ክዝከር ዝግብኦ ኣጋጣሚታት ምዃኑ ክጥቀስ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ።
ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፥ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ስደት መጺኡ ንዝረኽቦም ኤሪትራውያን ከምቶም ዝገደፎም ከምዘይኮኑ ከለሊን ክዕዘብን ጊዜ እንተወሰደሉ ዘገርም ክኸውን ኣይግባእን።ዝረኣዮን ዘስተብሃሎን ዝዓበየሉን ትርጉም መንግስትን ተግባራት ሓለፍትን፤ ከምኡ´ውን ተማእዛዚ ክኸውን ዝተቐሰበ ህዝብን ስለዝኾነ፤ ካብ ሃገሩ ምስ ወጸ ዘርእዮ ባህርያት ፍልይ ዝበለ እንተኾነ ከገርም የብሉን።
መጀመርያ ታሪኽ ክፈልጥን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ግፍዕታት ፖለቲካዊ መንቀሊኡን ትርጉሙን ክበርሃሉ ይግባእ፤ ነዚ ምስ ተረድአ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝወዓሎ ካብቶም መማህራኑ ንላዕሊ ክገልጾ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ካብ`ዚ ተበጊስና እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን እንርከብ ይኹን፥ ከም ውልቀሰባት እውን እንተኾነ፤ ነዚ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ከነጸናንዕን፥ ከነተባብዕን፥ ብቐዳምነት ኣብቲ ዝርከበሉ ሃገር ርእሱ ክኢሉ ጥጡሕ ናብርኡ ንከካይድ ፥ብቑዕ ኣካል ናይቲ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ክኸውን ንምእታዉን ንምስታፉን፥ ንመጻኢት አርትራ ከነዳልዎን: ምግባር ቀንዲ ዕማማትና ክኸውን ይግብእ።
መንእሰይ ኤርትራ፥ ታሪኽን ባህልታትን ሕብረተሰቡ፥ ሓቀኛ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቡን ብግቡእ ንክፈልጥ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ኢዩ። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝድለ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትርጉሙን ምስቲ ሕጂ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብምውድዳር ምብራህ፣ መሰልን ግቡእን ዘጋታት ምብራህን ካልኦትን ምስትምሃር ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። በዚ ድማ ንመንእሰይ ሓላፍነቱ ከምዘለሊ፥ ነቲ ብሰንኪ ህግድፍ ተዳኺሙ ዘሎ ወለዶ ንምትንሳእን ብውሑዱ ይከኣል ይኸውን።
የቐንየለይ: ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ዜና ካብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
Written by EPDP Information Office of North Americaትማሊ ሰንበት 27 ነሓሰ 2017 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡
1) እዋናዊ ሓበሬታት፡
· ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ይካየድ ምህላዉን ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተመሓላለፈ ለበዋ ተገሊጹ
· ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ፡ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድተኛታት ዝተወስደ ካብቲ ግዚያዊ መዕቆቢኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መጸዋዕታ ከምእተላእከ ተሓቢሩ።
· ብዛዕብ’ቲ ብዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ነበር እተላእከ ፐቲሽን ብዕምቆት ተመያይጡ። ኣብ’ቲ ናይ ኽታሞም ኣንቢሮም ብምባል ቀሪቡ ዘሎ ኣስማት ስሞም ዘሎ ኣባላት መብርሂ ሂቦም። ንኣብነት ሓው ተኽለ ኪዳነ ካብ ሚኒሶታ፡ ኣብ መትከለይ ምስ ሰልፈይ ኣለኹ። ብዘይፍቓደይ ኢዮም ስመይ ኣእትዮሞ ክብል ገሊጹ። ሓው ብኢደ ንጉሰ ካብ ጨንፈር ዲ.ሲ. ድማ እቶም ኣባላት ጨንፈር ዲ.ሲ. ኢሎም ኣስፊሮሞም ዘለዉ ኣስማት፡ መብዛሕትኦም ንመንበሪ ወረቐት ክረኽቡ ገለ ካብኦም ቅድሚ ዕስራ ዓመት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ምዃኖም ኣብሪሁ።
2) ናይ ጎሽጓሽ ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻብ ኣቕሪባ። ክሳብ ሕጂ መዝገብ ኣባላት ምጽራይ ከም ዝተሰላሰለን ብሕጂክስራሕ ዘለዎን ብንጹር ኣብሪሃ።
3) ናይ ገንዘብ ንኡስ ሽማግለ ናይ ስራሕ መደባታ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ ስርሓ ብዕቱብ ኣብ ሓድሽ መዝገብ ኣባላት ተመርኲሳ ክትጅምር ምዃና ኣብሪሃ
4) ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን ሽማግለ መደባታ ብዝርዝር ኣቕሪባ። ብዘይካ’ቲ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለው መንግስታውያንን ገበርቲ ሰናይን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራን ክስርሓሉ ዘለዎ ዝምድናታት፡ ኣብ ምምካት ተጻባእቲ ሰልፍና ኣትኲራ ክትጽዕት ኣባላት ኣተሓሳሲቦም።
5) ንምስንባት ኣባል ዝምልከት ዓንቀጽ 4.5 ቅዋምና ኣልዒሉ ብዕምቆት ዘትዩ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
28 ነሓሰ 2017
Radio Demtsi Harnnet Kassel 24.08.2017
Written by Demtsi Harnnet Kasselሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ ብ25 ነሃሰ 2017 መልእኽቲ ልኢኹ። ሰዲህኤ ኣብ’ዚ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድተኛታት ዝተወስደ ካብቲ ግዚያዊ መዕቆቢኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ስንባደን ሓዘንን ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ህጹጽ ተረኽቡ ብግቡእ ከጽነዖን ቆላሕታ ክገብረሉን ጸዊዑ።
እዚ መልእኽቲ ሰዲህኤ ስጉምቲ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ካብ ምስ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝምድና ዝይዳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ብዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዙሓት ኤርትራውያን በዚ ስጉምቲ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑ ኣመልኪቱ። እቲ መልእኽቲ ኣብ ርእስ’ቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ኢጣልያ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ ክትግደስ ሞራላዊ ግደታ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።
ኣደታትን ህጻናትን ዝርከብዎም 800 ሰባት ካብቲ ኣብ ጥቓ መንገዲ ባቡር ዝርከብ ካብ 2013 ጀሚሩ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ዝጸንሑ ህንጻ ከም ዝተሰጐጉ ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም።
EPDP Urges Rome To Find Shelter for Eritrean/Ethiopian Refugees it Evicted
Written by EPDP Information OfficeIn a message addressed to Italian Foreign Minister Angelino Alfano on Friday, 25 August 2017, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) expressed its shock and sadness on the sudden eviction from a temorary shelter of helpless Eritrean and Ethiopian refugees and urged the Italian Government to address the problem as a matter of urgency.
The EPDP message noted that the action deeply saddened many Eritreans who still consider Italy much closer to them than the rest of Europe because of historical ties. It further stated that, on top of the international law obligation to protect the right of refugees, Italy has "a moral responsibility towards Eritrea and its suffering people."
Reports had it that upto 800 persons, including children and mothers, were thrown out of a building near Rome's Termini railway station in which they took shelter since 2013.
More...

ROME - The UN’s refugee agency (UNHCR) on Sunday voiced “grave concern” over the eviction of 800 people from a Rome building squatted mainly by asylum seekers and refugees from Eritrea and Ethiopia. The agency said 200 of those expelled from the building on Saturday had had to sleep on the streets, in a city already home to hundreds of homeless refugees from persecution and war, including many children.
“UNHCR hopes local and national authorities can find an immediate solution for the people currently sleeping under the stars and ensure adequate integration measures for those with a right to international protection,” the organisation’s Italy branch said in a statement. The building, located near Rome’s Termini main train station, had been occupied peacefully since 2013.
Commentators interpreted the unexpected eviction — carried out when Rome is virtually deserted at the height of the holiday season — as a sign of hardening attitudes in Italy towards asylum seekers.
More than 600,000 people from Africa, Asia and the Middle East have arrived in the country since 2014.
Eritrea, Sierra Leone and Guinea face U.S. visa sanctions over deportees snub
Written by Menghis
Sierra Leone
Three African countries risk visa suspension by the United States due to their refusal to take back nationals who scheduled to be deported from the States.
West African neighbours, Guinea and Sierra Leone, are listed with East African nation Eritrea completing the list. A Sierra Leonean journalist reports that the three have been put on what the U.S. terms ‘recalcitrant nations’ list.
By implication, the U.S. could suspend the issuance of visas to its government officials as a punitive measure. The State Department, he added, is due to officially communicate the position to the respective governments.
In the case of Sierra Leone, the refusal to take back deportees was because the foreign ministry had contested their nationality status of the affected persons. A claim the State Department rejects insisting that all persons marked for deportation held valid Sierra Leonean passports.
There is a point of concern for the affected countries given that the 72nd United Nations General Assembly takes off in a little over two weeks in New York. Under the sanction regime, U.S. Homeland Security reserves the right to refuse entry to officials even on arrival in the country.
The U.S. have long threatened a number of African countries with mass deportation of their nationals. 7000 Ghanaians were threatened with deportation in April this year before 70 of them were sent back in June – all of them in handcuffs.
እቲ ናይ ወትሩ ሓያል ባህገይ፣ ባህጊ ቀትሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ኣብ ናይ ወትሩ ለይታዊ ሕል መይ ኣብ ምዃን እውን በረኸ። ካብ ባህጊ ናብ ሕልሚ ካብ በረኸ፣ ካብ ሕልሚውን ኣብ ሕዱር ሕማም ከይቅየር ንዝብል ስክፍታይን ሻቅሎተይ ድማ ሰማየ ሰማይ ኣዕረጎ። ክገርመኩምሲ! ካብ ለይትታት ሓንቲ ለይትስ፣ ከም ልዑል ረስኒ ኣህተፍተፈኒ ድኣ! እዋን ድቃስ ስለዝኣኸለ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ዘድክመንን፣ ዘሐልለንን ዘጨንቐንን ናይ ቀትሪ ዕማማተይን መደባተይን ተናጊፈ፣ ኣብታ ተገምሲሰ ሩፍታ ክረክብ ብምብሃግ፣ ኮበርታይ ተጎልቢበ፣ ከምወትሩ ናብ ዓራተይ ተደርበኹ። ካብ ቀዝሒ ኖርወይ ኣብ ውሻጠ ገዛይን ኣብ ውስጠ ውሽጢ ዓራተይን ተጎዝጒዘ ምስ ተዓቖብኩ ድማ፣ ከም ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ዝማመቖ ሕጻን፣ ቀልጢፉ ከቢድ ድቃስ ወሰደኒ። ኣብ መንጎ በጥ ምባለይን ምድቃሰይን ዝነበረ ግዜ ብካሊኢት ዝቑጸር ኣምበር ደቂቕ እኳ ዝመልእ ኣይነበረን።ካብቲ ኣላሽ ዘብለኒ ናይ ጉልበትን ሓንጎልን ስርሓተይ በታ በጥታ ስለዝተናገፍኩን፣ ኣብቲ ማሙቕዓራት ኣካላተይ ናይ ዕርፍቲ ግዜ ኣስተማቐረ። ዕርፍቲ ሓንጎለይ ግን ኣይከምትጽቢተይን።
ሕልሚ ኣብ ህይወተይ ጋሻ ኣምርኳ ኣንተዘይኮነ፣ ብኡ ንብኡ ምስ ባህገይ ዝተኣሳሰርን ጭንቀት ዝበለሎ ሕልሚ ሓሊመ ክብህርርን ግን ናይ መጀምርያን ሃንደበታውን ነበረ።ነታ ንክርእያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኽውንናውን ኢለ፣ እኩል ምስተረፉ ዝኾነ ዝትመንን ዘይትመንን ዋጋ ዝኸፈልኩላ ኣስመራይ፣ ናይ ሕልሚ ናጽነተይ ተጎናጺፈ፣ ከም ልበይ ድኣ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓንደርኩላ። ኮምብሽታቶ፣ ኣባ ሻውል፣ ጨርሒ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ገዛ ከኒሻ፣ እንዳ ማርያም፣ ሓዲሽ ዓዲ፣ ገዛባንዳ ጥልያን፣ ገዛባንዳ ሓበሻ፣ ቀሓውታ፣ ጎዳይፍ፣ ሰምበል፣ ቪላጆ፣ ፎርቶ፣ ኣኽርያ ማይተመናይ ,፣ ኩሉ። እንታይ እሞ ክብለኩም! ተፈራሪቑኒ ሕንቕንቕ በልኩ! ናይ ሓሶት ወረን ቤላበለውን ከይኮነኩም፣ ውቃበ ኣስመራና ተደዊኑ፣ እቲ ቀደም ምስ ግርማኣ እንከላ ለይትውን ከም ቀትሪ ዝነበረ ቀትሪውን ናብ ለይቲ ተቐዪሩ፣ ይዋእኩም እዩ፣ ከላእ ደኣ ትርኣዮ! እቲ ዝርካቡውን ኣብ ሓደ ቦታ ጥራሕ ተግጸንቂቁቑ ረኺበዮ። ኣብኣ፣ ኣብኣ ኣብታ ሓንቲ ሓደና! ትማሊ ናይ ገዛእቲ ሎሚ ናይ መለኽትን በጻሕትን ጎደና! ጎደና
ሓርነት ከኣባ ሰመይዋ! ብጀካ ስልጣን ምልኪ ዝሓዘን ባጠራን ወጅህን ወጻኢ ዝወነነን ወዲባት ምስ መበቆላዊ ወጅሁን ኳ ኢኻ ዘይትረኽበላ። ንሱእንዶ ግዳ ይትረፈና፣ ውቃበ ኣስመራናስ ብዓንተቡኡውን ብርሃጽና ስለዝመጸ፣ ሕጅውን ብጻዕርና ምተመልሰ። ዘጕህየንስ እባ እቲ ጽንቃቕ ኣውን ከየትረፈ በኒኑ ዝጠፍአ ኤርትራዊ መንፈስን ፍሕሽውታን፣ ክቡር ባህልታትን ነበረ። ኣብ ዝረገጽኩዎ ኑቕጣ ጎፍ ዝበለኒ ሰብ ብኣልማማ ገጹ ዝተደወነ፣ መንፈሱ ዝበነን፣ ተስፋ ዝቖረጸ፣ ካብ ክቱር ዕብራን ብቀዛፊ ሕማም ንነዊሕ ግዜ ዝማህመነ ዝመስል ሰውነት ዝመስል ሰውነት (ዝድምሰስ) ዝወነነ ይመስል። ወረ ጸኒሐስ መሸማዕ ስርናይ ካናዳ ዝመስል ከርሸተይ ሒዘ፣ ኣብ ሞንጎቲ ህዝቢቲ ምዛረይሲ እንዳ ኣሰከፈኒ መጸ። ኣብ ጉዕዞ ሕልመይ ግን፣ ሓደ ግዜ ኣብኣ በታ ጎደና ሓርነት ሲቲ ፓርክ ሓሊፈ፣ ናብታ ዘዕርፈላ ዝነበርኩ ሕንጻ ኒያላ ሆተል ገጸይ ኣንዳመረሽኩ፣ ካብ ዳርባ እምኒ ብዘይርሕቅ ርሕቀት፣ ናባይ ገጹ ዝምርሽ፣ ብጀካቲ ዝወደዮ ክዳን፣ ብግዝፊ ሰውነቱ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኣዩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግመካ ሰብ ርአኹ።
ነቲ ጋሕታን ኣካይዳኡን ጃምቦ ሰውነቱን ምስተዓዘብኩ ድማ፣ እዝስ ካብዞም ብሃምቡርገር ኣመሪካ ዝተሃንጸ ኤርትራዊ በጽሒ ኢዩ ዝኸውን ኣብ ምባል በጺሐ። ናባይ ኣንዳቀረበ ምምጽኡን፣ ንሱውን ናባይ ኣተኵሩ ምጥማቱን ድማ ነቲ ሃውታቲ ግምተይ ዝያዳ ኣሃውተቶ። ምጥማት ስለዘብዝሓለይ ድማ፣ ጎፍ ኣብዝተበሃሀልናሉ ህሞት፣ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኣዩ ዝኸውን ብምባል፣ ሃይ ጋይ! (Hi guy!) በልኩዎ። መዛርብትን ብግዝፊ ኣካላት ዝመሳሰለንን ሰብ ረኺበ ኢለ ተሃዊኸ ቀዲመዮ ድኣምበር፣ ንሱውን ደው ከብለኒ ወሲኑ ነይሩ።
ንሰላምታይ ብሰላምታ ክቅበለኒ እንዳተጸበኹዎ፣ ኢዱ ናባይ ሰዲዱ በጥ ኣበላሞ፣ ነቲ ካብ ክቱር ምትካኽ ከንፈር ጻሕሊ ዝመስል ከናፍሩ ከፊቱ፣ ሽጋራ! በለኒ ትሕትናን ላዛን ብዝጎደሎ ኣገባብ። ሰምበድኩ! ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምስ ሽጋራ ተላሊየ ኣይፈልጥን። የብለይን ኢለ ረጎጸዮ ከይሓልፍ ኣውን ኣሰከፈኒ። ኣብ ጥቓና ዝኾነ ድኳን ስለዘይነበረ ድማ፣ ናይ ጃኬት ጁባይ ሃሰስ ኢለ፣ ነቲ ብሓንሳብ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ገንዘብ ምስቲ ብላዕሊ ዝነበረ 200 ዶላር ኣመሪካ ብሓንሳብ ኣትዒተ ኣውጻኩዎ።
ንዑኡ ዝምጽወት 50 ናቕፋ ሃሰስ እንክብል ድማ ዓቀንን ባጠራን ዝሓዝኩዎ ገንዘብ ኩሉ ልቢ ኣውዲቁ ጠመቶ። ኣብ መወዳእታ፣ ተዓዊተ 50ናቕፋ መሰስ ኣቢለ መጦኹዎ ሞ ሕጅውን ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ከይኮነ ኣይተርፍን ካብዝብል ሃውታቲ ግምተይ ከይተናገፍኩ ባይዘወይ ወር አር ዩ ፍሮም ” (By the way where are you from?) ክብል ሕቶ ኣስዓብኩሉ።
ብግቡእ ተረዲኡኒ። ” ካብ ጸጸራት፣ ጽሉል ጽሉል ”፣ ኢሉ መለሰለይ እሞ ንቅድሚት ብግስ በለ።
ጋን ተሰራሕኩ። ብዝኸዶ ከይቀጸለውን ግልጽ ኢሉ ጠመተኒሞ፣ ” ንስኻኸ ወር ኣር ዩ ፍሮም? ” ክብል ሓተተኒ።
ዝሰምበድኩዎ ስንባደ ክነግረኩም ኣይክእልን። ስንባደይ ዊሒጠ፣ ዕውረተይ ተጎልቢበ ለካስ ኣዚ ኩሉ ሰውነት ብሃምቡርገር ኣመሪካ ዝተሃንጸ ዝበልኩዎስ፣ ብመደንዘዚ ኪኒና ጸጸራት ዝበዅሰለ ኣዩ! ትሩፍ ደጊም! ኢለ ምረሻይ ክቕጽል ብግስ በልኩ።
ነባሪ ጸጸራት እየ ኢሉ ዝተላለየኒ ጎበዝ ግን፣ ገዲፉኑ እንዳበልኩ፣ ንናይ ንቅድሚት ስጉምትታቱ ኮሊፉ፣ ናባይ ግልጽ በለሞ፣ ስማዕ ስማዕ በለኒ ድምጹ ዓው ኣቢሉ። ናይ ንቅድሚት ስጉምትታተይ ኣቋሪጸ፣ ናብኡ ግልጽ ብምባል ደው በልኩ።ንሱውን ናባይ ተመልሰ። ብሰሪ ግርህነተይ ኩሉ ገንዘበይ ስለዝረኣዮን፣ ጽሉል ስለዝኾነን ሓደጋ ኮይኑ ከይወርደኒ ብምስጋእ፣ ኣይገበርኩዎን ደኣምበር፣ ሃዲመ ነፍሰይን ገንዘበይን ከድሕን ክፍርጥጥ ተደናዲነ። ተራእየኩምዶ ኣብ ጎደና ሓርነት ብጽሉል ተሃዲነ እግረይ ኣውጽእኒ ክብል !! ካብ ቀዳማይ ህውተታት ዝገደደ ህውተታ።
ንሱ ግን ቅርብ ኢሉ፣ ” ዓርከይ ንስኻኸ ወር ኣር ዩ ፍሮም? ” በለኒ፣ ንትግርኛ እንግሊዘኛ ቃላቱ ሰሓቅ ኣሰኒዩ።
” ካብ ኦስሎ ኖርወይ፣ ትፈልጦ ዲኻ? ” በልኩዎ። ንሱ ግን ” ኣይፈልጦን፣ ክፈልጦውን ዕድል የብለይን። ተጸሊለ እየ። ግን ክነግረካ፣ ምምጻእካ ጽቡቕ፣ ንዓይኳ ናይ ሽጋራ ሂብካኒ፣
ንሃገርካ ነበር ኤርትራ እሞ ከመይ ረኺብካያ፣ በለኒ ክምስ እንዳበለ በቲ ተካኽ ኣፉ።
ጽሉል ተመሲሉ ትሕዝቶ ጁባይ ዝፈለጠ ሕጅውን ብመልሲ ናይዛ ሕቶ ንትሕዝቶ ልበይ ብምፍላጥ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ከየውርደኒ ብዙሕ ተሰከፍኩ። ዕሽሽ ንኸይብሎውን ከይጥሕረኒ ፈራህኩ። ቀልጢፈ ግን ነታ ዓሻደየ ኣነ ኢትዮዕጵያ ትቅደም ዝብል በለ ኤርትራዊ ጽሉል እትብል ብሂል ዘከርኩ። ናይ ጽሉል ብልሒ ተኸቲለ ድማ ዓሻደየ ኣነ ኣብ ማእከለ ኣስመራ ኮይነ ዓድና ሕማቅ ኣላ ዝብል ብምለት፣ እዋእ ዓድና ድኣ ብጣዕሚ እምበር ጽቡቅ ኣላ፣ ክብል ሓቁ ንውሽጠይ ሓቢአ፣ ዝጥበር መሲሉኒ ንድሕነት ነፍሰይ ክብል ሓሶኹ። ወዩ ጽሉል ተመሲሉ ዝሰርሕ ናይ ህግደፍ ዋህዮ ከይከውን ዝሰጋእኩዎ ጃምቦ፣ ጽሉል ተመሲሉ ዝሰርሕ ዋህዮ ህዝቢ ነይሩ። ንመልሰይ ምስ ሰምዐ፣ እህህህህህህህህህህ! እህህህህህህህህህ! ኣንታ ስምዕዎ ዝብል ዘሎ፣ ነዛ ብዝናብ ሰማያት ዘይኮነስ ብንብዓትን ደምን ደቃ ዝጨቐየት ሃገርሲ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኣላ ይብል ኣሎ፣ ክብል ናይ ስምዑለይ ረኣዩለይ ዓው ኢሉ ጨደረ።
መዓልቱ ሰምበት ስለዝነበረ፣ ካብ ክቱር ስምባደ፣ ድምጸይ ኣትሒተ እንታይ ዓይነት ጸላም ሰምበት እያ ወደይ ክብል፣ ሰንበት መዓልትስ ከምዚ ዓይነት ተረኽቦ ብማልት ኣማረርኩ።
ወዮ ጽሉል ሕጅውን ሰሚዑኒ፣ ንዓኻ ሓንቲ ጸላም ሰምበት፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስ ህግደፍ ጸሊም መዋዕል የሕልፍ ኣሎ፣ ኣይትርእይን እንዲኻኸ! ሰምበት መዓልቲ ኣብ ሕምብሪቲ ኣስመራ ጎደና ሓርነት ካብዚ ኩሉ ህዝባ ሓደ ኣነ ጽሉልን ሓደ ናይ ኖርወይ ጋሻን ጥራሕ ክንቀሳቀሱ! ክብል ደጊሙ ገሰጸኒ። ኩሉ ኣጊሙኒ ኣብ ቀባሕባሕ ኣቶኹ፣ ተደሃልኩ። ብውሽተይውን ብኻባ ሽጋራ ምስ በለኒ የብለይን ኢለ ጠንጢነዮ ሓሊፈ፣ ኣብ ምባል በጻሕኩ። ንሱ ግን ሕጅውን ሰሓቁ እንዳቀጸለ፣ ነዛ ዘረባኻ ካብ ልብኻ ኣንቂልካያ እንተኾንካ ንስኻ ካባይ ንላዕሊ ጽሉሉ ኢኻ፣ ከም ወዲ ኣፈወርቂ ድማ ተበላጻይን፣ ጨካንንኢኻ፣ እንተደኣ ካብ ዓንቀርካ ኣንቂልካያ እንተኾንካ ግን ናይ ጎረሓት ገበርካ በለኒ።ኣንታ እወ ከምኡ እዩ፣ ኪደለይ ጥራሕ በልኩዎ መንገደይ ክቅጽል እንዳፈተንኩ።
ገጢመኪ ሎኹ ወዲ ኖርወዪኖ፣
ግን ከይወዓልካ ከይሓደርካ ቀልጢፍካ ናብ ኖርወይካ ተመለስ፣ ኣይኮነን ግን ከማይ ተጸሊልካ ኣድራሻኻ ጸጸራት ከይከውን፣ ኣብ ዓዲ መጸለል ኢኻ መጺእካ ዘሎኻ፣ ካብ ኩሉውን ከኣ ናይ ሽጋራ ዝልግሱልናውን ከይንስእን”፣ ኢሉኒ ማእዝኑ ከይሰሓተ ንቅድሚት ክኸይድ ብግስ በለሞ፣ ገለ ዝተረፈ ሓሳብ ስለዝነበሮ እንደገና ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፣ ብሓባሪት ጽብዒቱ ናብቲ ገንዘብ ዝሓዘ ጅባይ እንዳ ሓበረ፣ ”ድሓር ኣብዚ ዓዲ ሊዕሊ 3000 ናቅፋ ኮነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ጁባኻ ምሓዝ ከም ዘይፍቀድ ኣይፈለጥካን ዲኻ፣ እዘን ግሩሽካ ኣሳቢቦም ከይህግርወን .” ኢሉኒ ንቅድሚት ተበቆጸ። እዚ መስተንክር ዝኾነ ካብ ጽሉል ሓንጎል ዝመንጨወ ረዚን መልእኽቲ ሓዘል ምኽሪ ኣዝዩ ስለዘጨነቐኒ፣ ካብ ድቃሰይ ባህሪረ ብቅጽበት ብድድ ስለዝበልኩ፣ እቲ ናይ ሕልሚ ነጻነተይ ኣብኡ ተኾሊፉ ኣብቀዐ።
ነገሩ ኣርሚሙኒውን ኣብቲ ናይ ሕልሚ ነጻነትን ጭንቀትን ዝዓደለኒ ዓራተይ ተገብሲሰ እንከሎኹ፣ ብየማናይ ኢደይ ትእምርተ መስቀል እንዳገበርኩ፣ በስመኣብ ዎወልዲ ዎመንፈስ ቅዱስ በልኩ። እታ ሽዑ ብሪራ ዝጠፍአት ልዋመይ እውን ደሃይ ኣልቦ ተሸሪባ ተሪፋ። ኣይ ካብ ልዋም ኣይ ካብ ውጽኢት ልዋም ዝኾነ ናይ ሕልሚ ናጻነተይ፣ ወረ ኣይ ካብቲ ረዚን ዋጋ ዝኸፈልኩሉ ናይ ወትሩ ባህገይ ለጣ ስለዝተረፍኩ ድማ፣ ዳግማይ ንምጭባጦም ሃሰው ክብል እርከብ ኣሎኹ።

