ኣብ ፈስቲቫል 2017 ብተኽለ መለኪን ዝቐረበ መግለጺ መንእሰያት ቀደምን ሎምን

2017-08-29 19:22:38 Written by  ተኽለ መለኪን Published in EPDP News Read 3783 times

መንእስይ ብሱሩ ሓደ ብውሱን ዕድመ ዝልለ ኣካል ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኮይኑ፤ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ድማ ነዚ ናይ መንእሰይነት ደረጃ ብፍሉይ ኣገባብ ዘረጋግጹሉን ዕላዊ ዝገብሩሉን ዝተፈለላለዩ ልማዳት ከምዝነበሮምን ዘለዎምን ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ ሃገርና አርትራ ይኹን ካልእ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፤ ንመንእሰይ ዝፍትኑን ዝብድሁን ንጥፈታት ድሕሪ ምክያድ ኢዮም ዘሕልፍዎ፥ መንእሰይውን ነዚ ምስ ዘይሓልፍ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንሓዋሩ ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ናይ ኣኽብሮትን ሚዛንን ሕጽረታት ስለዝርዳእ ንብድሆታት ብግቡእ ክፍጽም ከምዝጽዕር ኢዩ ዝኸውን። ወዲ ይኹን ጓል ድማ ነናቶም ብድሆታት ነይርዎም ኢዩ። ገለ ሕብረተሰባት ጌና ዝጥቀሙሉ ክህልዉ ዝኽእሉኳ እንተኾኑ፥ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ምስ ምትእትታው ዘበናዊ ስልጣነ እናሃሰሰን እናተረፈን ከይዱ ኢዩ።

እዚ ማለት ግን ን ኣገዳስነትን ትርጉምን መንእሰይ ይቕይር ማለት ኣይኮነን። መንእሰይ ተካኢ መጻኢ ወለዶ ምኳኑ ባህርያዊ ሕጊ ስለዝኾነ፥ ሕብረተሰብ ኣብ መንእሰይ ክህልዎ ዝኽእል ኣትኩሮ እውን ከምኡ ዘይቕየር ኢዩ። መንእሰይ ድማ ተካኢ ናይ መጻኢ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣመሓያሽን ቀያርን ናይ ዝነበረን ክወራረስ ዝጸንሐን እውን ኢዩ፤ ከምቲ ናይ´ዚ ኣርእስቲዚ ተመራመርቲ ዝገልጽዎ እውን፥ ኣብ ሞንጎ መንእሰይን ኣውረስቶምን ኩሉ ጊዜ ግርጭት ዝሓዘለ ዝምድናታት´ውን ከምዝህሉ ኢዩ። መንእሰይ ዝቕይሮን ዘመሓየሾን ድማ፥ ንመጻኢ ወለዶ የመሓላልፎ´ሞ ባህልን ልማዳትን ናይ መጻኢ ወለዶ ይኸውን። እዚ ማለት ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ መንእሰይ ለውጢ ይርአ ማለት ኣይኮነን፥ ሕብረተሰባት ብዙሕ ከይቀየሩ ንነዊሕ ወለዶታት ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም፥ ከምኡውን ለውጥታት ብሰላሕታ ቀስ ኢሉ፤ ወይ ድማ ቅልጡፍን ርኡይን´ውን ክኸውን ይኽእል።
መንእሰይ ኤርትራ፤

መንእሰይ ኣብ ታሪኽ ናይዘን ሎሚ ንኤርትራ ኣቒመን ዝርከባ ኣካላት ሕብረተሰብና፤ ኣብ ብዙሕ ሸነኻቱ ተመሳሳልነት ዝሓዘለ ከምዝነበረ፤ ደረጃ ምዕባለታቶምን፥ ስርዓት ስድራበታቶምን፥ ምስ ከባቢኦም ዝነበሮም ዝምድናታትን ገለ ካብ ክጥቀሱ ዝኽእሉ መበገሲታትን ምኽን ያታት ክንወስድ ንኽእል። ብፍላይ ኣብቲ ጥልያን ዝኣተወሉ እዋናትን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት፥ መንእሰይ ኣብ ማእቶት (ሕርሻን፥ ምእላይ ከብትን ምግፋፍ ዓሳን ወዘተ) ቀንዲ ተዋስኣይ ስድራበት እኳ እንተነበረ፤ ኣብ ንሕብረተሰቡን ዶባት ብሔሩን ምክልኻልን ንወረርቲ ኣብ ምምካትን ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ኣገዳሲ ግደ እውን ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። ጥልያን ናብ አርትራ ብዘይ ብዙሕ ጸገማት ንክኣቱ ካብ ዝሓገዝዎ ምኽኛታት ሓደ´ውን፥ ህዝቢ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ጎረባብቲ ተደጋጋሚ ወረራታትን መጥቃዕትታትን ፥ ኣዝዩ ተዳኺሙን ደኽዩን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ተሰዲዱን ብምንባሩ፤ ንጥልያን ከም መድሕን ጌሩ´ውን ስለዝወሶዶ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ልዕሊ´ቲ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሓሳር፥ መንእሰይ´ውን ከም ርእሰ-ኲናት ብቐዳምነት ዝጥቃዕን ዝበርስን ከምዝነበረ ምግማት ከቢድ ኣይኮነን።

ጥልያን ምስ ኣተወ ንመንእሰይ ዝማርኽ ትሕዝቶታት ኣተኣታተወ፤ ርእሰማላዊ ዘበናዊ በት ዕዮታትን ኣገባብ ሕርሻታትን ምትእትታው ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንሰራሕተይናታት መሃያ (ደሞዝ) ክኸፍል ጀመረ፥ እዚ ንብዙሓት መንእሰያት ማረኸ። ጥልያን ንዝነበረ ናይ ወረራ ሕልምታቱ ንክሳኻዓሉ ወተሃደራት ምኽታብ ምስጀመረ እውን፥ ኣብ ልዕሊ´ቲ ብመሃያ ምስርሑ፥ ብረት ምሓዝ ከምዝማረኾን ብብዝሒ ድማ ከም እተኸትበን ዝፍለጥ ኢዩ። መንእሰይ ኤርትራ ናይ´ቲ እዋንቲ እምበኣርከስ፤ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ዘበናዊ ናይ ስራሕ ማዕከናት ክሳተፍ እንሎ፤ ብካልእ ሸነኽ ድማ መሳርሒ ባዕድነት ኮይኑ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ውግኣት ክጠፍእን ክስንክልን ኢዩ ኮይኑ። ኣብ ጊዜ ጥልያን መንእሰይ ኣብ ትምህርቲ ኣይተጠቕመን፤ ብዘይካ´ቶም ምእንቲ ኣብ ገለ ንኡስ ስራሓት ከገልግልዎ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝመሃሮም፥ መንእሰይ ብሓፈሻ ብትምህርቲ ኣይተዓደለን። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባን ደረጃን ናይ ምብጻሕ ዕድል ኣይተኸፍተሉን፥ እዚ ድማ ናይ ገዛእቲ ሜላ ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ጥልያን ምውጽኡን እንግሊዝ ምእታዉን ዝተራእየ: ቅልውላዋት ፖሊቲካ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢዩ ናይ መንእሰይ ግደ ኣብ ፖሊቲካ ዝተራእየ። ብሰንኪ ናይ ገዛእቲ መላታትን ትሑት ናይ ትምህርቲ ደረጃታትን ድማ፥ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘደናግር ፖሊቲካዊ ሃዋህው ኣተወ፥ ናብቲ ዝተፈላለየ ናይ ሃገር መጻኢ ዕድል ንምውሳን ዝግበር ዝነበረ ምክፍፋላት´ውን ተኸፋፈለ። ወላኳ መብዛሕትኡ መንእሰይ ንናጽነት ሃገሩ ደው ከምዝበለ ርዱእ አንተኾነ፤ ከምሰቡ ብሰንኪቲ ኣደናጋሪ ኢድ ኣእታውነት ኢትዮጵያን ሜላታት ሓያላን ሃገራትን ኣብ ወጽመዳት ዝኣተወ´ውን ውሑድ ኣይነበረን።

ኣብ ጊዜ ጥልያን ናይ ምስራሕን ምግልጋልን ዕማም ዝሰፈኖ ናብራ ዘካይድ ዝነበረ መንእሰይ ይመስል ክበሃል ይከኣል። ኣብ ጊዜ እንግሊዝ ዝነበረ መንእሰይ ግን ብዙሕ ናይ ፖሊቲካ ጸዋታታትን ሸርሕታትን ተንኮላትን እናተዓዘበን፥ ብኡ´ውን እንዳተጸልወን ዝሓለፈ ብምንባሩ፥ ዝፈልጦ ትርጉም ፖሊቲካ´ውን ንሱ ዝኾነ ይመስል። ኣብ ሃገርና ´እንግሊዝ` ማለት፥ ልቡ ዘይርከብ ተንኮለኛ ወይ ጎራሕ ከስምዕ ይኽእል። ምሕደራን ፖሊቲካዊ ስነኣእምሮን እንግሊዝ ኣብቲ ዝነበረ ወለዶታት ኣሰራቱ ከይገደፈ ኣይተረፈን። ንህዝቢ በቢቅኒቱ ምዝማርን ምስ ካልኦት ኣነጻጺርካ ፍሉይነቱ ኣጋኒንካ ከይሓብር ምግባርን ገለ ካብ ናይ መለኽቲ መራሕትን ጥበባት ፖለቲካ ገዝእትን ኢዩ፤ ብግሁድ ድማ ኣብ ጊዜ እንግሊዝን ጥልያንን ደሓር ´ውን ኢትዮጵያን ብግሁድ ዝተራእየ ኢዩ።

እምበኣርከስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘደናግርን ርጉእ ዘይኮነ ኩነታትን እንከሎ ኢዩ ናብ ፈደራስዮን ኣትዩ። እቲ ንፈደራስዮን ዘይድግፍ ዝነበረን፥ ድሒሩ ንኩሉ ተንኮላት ዘስተብሃለን መንእሰይ ድማ ከሎገና ኣብ ጊዜ ፈደራስዮን ንናጽነቱ ናይ ቃልሲ ባይታ ከንጽፍ ተቓለሰ፥ ናህርን ዕዙዝ ድልየትን ወሳንነትን ዝነበሮ፥ ናይ ጸላኢ ዕብየትን ተንኮላትን ከይኣገሞ ንቕድሚት መሪ ሹ ኢዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘምርሐ። ምስትብሃል ዘድልዮ፥ ማናልባሽውን መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግብኦ ኢለ ዝኣምነሉ፥ እቲ ብግሆኡ ንናጽነት ኤርትራ ዝተበገሰን መሰረት ዘንብረን ወለዶታት፤ ሕውስዋስ ናይ´ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘበናትን ወለዶታትን ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ክርከብ ንዝጸንሐን ጌና´ውን ዘሎን ጽቡቑን ሕማቑን፤ ምናልባሽ ካብቲ ዝተፈላለየ ተረድኦ ፖለቲካን ምሕደራ ሃገርን ከምኡውን ግደ ውልቀ ዜጋን ዝመንጨወ ከይከውን ምምርማር ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ውድድር እንዳታትን ሕነ ምፍዳይን፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር መን ከማይ ዝብል ስምዒታት፤ ኣብ ንሕድሕድካ ምጥርጣር፥ ኣብ ስልጣን ተጎዝጒዝካን መሳርሒ ዀንካ ኣብ መጥቃዕቲ ንጹሃት ምውዓል፤ ስልጣን ዝሓዘ ፈላጽን ቆራጽን (ዝድላዩ ዝገብረሉ) ምዃንን ብኸምኡ ምርዳእን፤ ሰብ ምስ ሰብ ምግጫው ከም ብልሓትን መንፍዓትን ምቑጻርን፤ ኣብ ክንዲ ኣብ ህዝብኻ ኣብ ወገንካ ኣሚንካ ናይ ምምራሕ ቦታኻ ንምርግጋጽ ምቅላስን ወዘተ…. እቲ ሓሓሊፉ ዝርኤን ጸገም ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ታሪኽ ሰውራና መብዝሕትኡ ንሰላምን ዕርቅን ሓቢርካ ብማዕርነት ምስራሕን ዝተማጎቱን ዝተቓለሱን ከም ዝነበሩን ዘለዉን ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ፤ ብዙሓት ህይወቶም ከፊሎምሉ ኢዮም፥ ገለ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ወይ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ከምዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።

ትምህርቲን ኣገዳስነቱን ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እናዓዘዘ ከደ። ካብቲ ናይ ጥልያን ራብዓይ ክፍሊ ዝዶቡ፤ ድሒሩ እውን ናይ እንግሊዝ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ወዲእካ መምህር ምኳንን፥ ኣብ በት ጽሕፈታት ብምስራሕ ዝሓሸን ክብሪ ዘለዎ ናብራ ምክያድን ንስድራበታት ደቆም ንከምህሩ ኣተባብዖም። እቲ ብሚስዮናውያንን ብእስልምናን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርትታት እውን ኣብ ሕብረተሰብ ተዋሳእትን ርኡያት ዝኾኑ ባእታታት ኣብ ምፍራይ ግደታቱ ነይርዎ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ግዱስነት´ዚ ድማ፥ ኢትዮጱያ ንኤርትራ ኣካላ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፥ ኤርትራውያን ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ክመሃሩ ብዝነበረ ዕድላት፥ ብቁጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ንላዕለዋይ ትምህርቲን ካልእ ናይ ሞያ ትምህርትታትን ክመሃሩ ምኻዶም ጥራይ ዘይኮነ፥ መብዝሕትኦም ብዝነኣድ ፍልጠትን ውጽኢትን ይውድኡ ከምዝነበሩ ኢዩ ዝዝረብ። ኣብ ጊዜ ንጉስ ሃይለስላሴ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝኣትዉ ተመሃሮ፥ ብኣውራጃታት እሞ ብሚእታዊት (%) ምስ ተራእየ፤ ኤሪትራውያን ካብ እጃሞም ንላዕሊ ይሳተፉ ምንባሮም ተበጺሑስ ሓዲስ ሕጊ ከምዝወጸ ይፍለጥ። እቲ ሕጊ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ዝተወሰኑ ተመሃሮ ምቕባል ዝብልኳ እንተነበረ፥ ካብተን ካልኦት ኣውራጃታት ሓሊፎም ዝመጹ ብዙሓት ኤሪትራውያን ስለዝነበሩ ከምቲ ዝተደልየ ኣይተዓወተን። ኤሪትራውያን መንእሰያት ኣብ ስርሖምን ትግሃቶምን ኣድኖቖት ዘትረፉ ኢዮም ነይሮም። ብካልእ ሸነኽ ድማ ብፍላይ ካብ መታሕታዊ ክፋል ኤርትራ ንሱዳን ደቆም እናለኣኹ ዘምሃሩ ብዙሓት ኢዮም፥ ገለ ካብኣቶምውን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ ከይዶም ላዕለዋይ ትምህርትታቶም ዘካየዱ ነይሮም፥ ካብኣታቶም ድማ ውሩያት ተቓለስቲን ጀመርቲ ውድባትን ይርከብዎም።

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ዝነበረ ናይ መንእሰይ ፖሊቲካዊ ብቕዓት ብሓፈሽኡ፤ ኣብ ፖሊቲካዊ ናጽነት ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፤ ድሕሪ መፋርቕ ሱሳታት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ኣብ ደሳውነት (ዴስንት) ዝተሞርኮሰ ፍልስፍና ኣብ መላእ መንእሰያት (ብፍላይውን ተመሃሮ) ኢትዮጵያ ገነነ። እዚ ምንቅስቓዚ ካብ ኩሉ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝፈልዮ እንተሎ፥ ኣብ ክቱር ዝኾነ ምሉእ ሓልዮት ህዝቢ ዘድሃበ ምንባሩ ኢዩ ነይሩ። ተግባርውነቱ ብዘየገድስ፥ ኣብ ኣተሓሳስባ መንእሰይ ፍሉይ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዝህልዎ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ´ዚ ድማ ንህዝቢ ንምዕዋት ዘድሊ ሕሉፍ ተወፋይነትን መብጽዓታዊ ግደታን ኣብ ሓንጎል መንእሰያት ኣሕደረ። ጽልዋታቱ ውን ናብ መንእሰያት ኤርትራ ኣሕደረ። መንእሰያት (ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ዕላዊ ማሕበሮም: ኣህዛብ ኢትዮጵያ (እንኮላይ ኤርትራ) ዕድላተን ባዕላተን ክ ውስና መሰል ክህልወን ከምዝግባእ ኣስፊሮም ነበሩ። እዚ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንመንእሰይ አርትራን ሰውርኡን ዓቢ ድጋፈሕልና ኢዩ ነይሩ። ኤሪትራዊ መንእሰይውን ናብ ሰውርኡ ብዝለዓለ ንክሳተፍ ኣዝዩ ሓጊዙ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ እዋናት´ቲ ብዙሓት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ነዚ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ኣብ ግምት ዘእተዉን ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ዝሓልን ዘማዕብልን ህዝባዊ ስልጣን ዘረጋግጽን ስርዓት ንክፍጠር ከምዝኾነ ምግማቱ ኣይጽግምን፤ ኮይኑ ግን ኩላቶም በጃ ህዝቢ ብመላኺ መራሒ ተኣርዮም ጠፍኡ ፤ስዉኣት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኢዮም። ድሒሩ ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ዝተሳተፈ ብኣሽሓት ዝቑጸር መንእሰይውን እንተኾነ፤ ንህዝቢ ቀዳምነት ሂቡ ህይወቱ ክውፊ ዝወጸ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ አርትራ ነቲ ኣብ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝነበረ መሰታ ዘይርከቦ ህዝባዊ ሓልዮት ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ስነምግባርን ክወዳደር ዝኽእል የለን ምባል ይከኣል። ንሓንሳብ ዝተራእየን ምናልባሽ´ውን ዘይድገምን ክኸውን ይኽእል ይኸውን።

ሰውራ ኤርትራ ኩሉ ደረጃ ወለዶታትን ኩሉ ጾታታትን ዝተሳተፈሉ ሓያል ህዝባዊ ደገፍ ዘረጋገጸ ምኳኑ ምስኩር ኢዩ። ኮይኑ ግን ኣስተብህሎ ክግበረሉ ዝግብኦ እቲ ዝበዝሐ ንጡፍ ኣባል ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ፥ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምንባሩ ኢዩ።

እዚ መንእሰይ ክቃለስ እንከሎውን ነታ ጽባሕ ንሱ ብሰላም ዝነብረላ፥ ቅኑዕ ኣመራርሓ መስሪቱ ዝመርሓላን ዝምርሓላን፥ ዝኾርዓላን ህዝቡ ዘቕስነላን ወዘተ መጻኢት ናጻ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ።

መንእሰይ ኤርትራ ንናጽነቱ ብምሉእ ሓድነት ኣብ ሪፈርንዱም ኣድሚጹ ጥራይ ዘይኮነ፥ ብሓጎስን ብበዓላትን ክብርን ድማ ኢዩ ድልየቱን መርገጹን ዝገለጸ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን እዚ ሕልሚ´ዚ ኣይተማልአን ጥራይ ዘይኮነስ፥ እቶም ዝተቓለሱላ ግደ ከምዘይህልዎምን፥ ኣብ ፈቐዶ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግኣት ክጠፍኡን፥ ዝተረፉ ብማእሰርትን መቕተልትን ተወጊኖም ብሓዲሽ´ሞ ታሪኽ ሰውርኡ ዘየለለየ ወለዶ ተተኪኦም ኣለዉ። ንመንእሰይ ዘጋጠሞን ዘጋጥሞ ዘሎን፥

ኣብ ጊዜ ናጽነት ዝነበረ መንእሰይ ሕሉፍ ዝኾነ ታሕጓስን ኩርዓትን ዝተሰምዖ፤ ከም ምስጋና ናይቶም ናጽነት ዘምጽኡን ስለናጽነት ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ህንጸት ሃገር ክሳተፍን ግደኡ ከበርክትን ህንጡይ ዝነበረ እዩ ነይሩ። እዚ ሓይሊ መንእሰይዚ ድማ ንሃገርና ኤርትራ ንቕድሚት ንከተምርሕ ዘኽእላ ትሑዝ ሓይሊ ምንባሩ ርዱእ ኳ እንተነበረ፥ ጊዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ህንጡይ ድልየት መንእሰይ ከም ሓገዝ ዘይኮነስ ከም ዘስግእ ጌሩ ዝረኣዮ ስለዝኾነ፥ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ፋሕ ኣቢሉ መንእሰይ ናይ ትምህርቱን ናይ ንእስነቱን ዘበን ከምዝሓልፎ ክገብር ኢዩ ዝተራእየን ዘሎን። መንእሰይ ኤርትራ፤ ነቲ ንዓኡ ጥራይ ዝምልከት ዝነበረ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ኣዋጅ ምስተኣወጀ፥ ብሃረርታን ምሉእ ድልየትን ኢዩ ተቐቢልዎ። እናዘመረን እናጨርሐን ግዲኡ ንከበርክት ድማ ይወፍር ነበረ። ኮይኑ ግን ዕላማ መራሕቲ ህግድፍ ከምቲ ሓሳብ መንእሰያት ዘይኮነ፥ ንመንእሰይ ፈጺምካ ካብ ከባቢ ቦታ መርሕነት ንምርሓቑን ተቓዊሙ ኣብ ዘየራኽበሎም ቦታ ንምርሓቑን፥ ምድንቋሩን፥ ከምቲ ዝደልይዎ ምግርዑን ብምንባሩ፥ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ኮነ፥ ብንእስነቱ ንኣገልግሎት ዝወጸ መንእሰይ ድማ ኣይ ካብ ትምህርቲ ኣይ ካብ ስርሕ ኣይ ካብ ሓዳር ሞንጎ ሞንጎ ኮይኑ ክተርፍ ኮነ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ መንእሰይ ጽልኢ ናይ ኩነታቱ ከሕድርን ሃገር ገዲፉ ክርሕቅን ይገብሮ ንርኢ ኣለና። መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጨካናት ኣካየድትን መሪር ናይ ናብራ ኩነታትን ካብ ስድራበታቶም ተፈልዮም ሓላይ ዘይብሎም ከርተት ክብሉ ይነብሩ ኣለዉ።

ነቲ ናይ ኣገልግሎቶም ጊዜ ንምንዋሕን ዘየቋርጽ ቀጻልነት ንምርግጋጽንድ ድማ ምስ ጎረባብቲ ግጭታት ብምፍጣር፥ ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ንሃገሮም ንክከላኸሉ ዘገድድ ሕልና ከምዝገዝኦም ገይርዎም ይርከብ። መንግስቲ ህግድፍ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ዝውልዖ ዝነበረ ውግኣት፥ ንመንእሰይ፤ ንዝነበሮ ሕሉፍ ሃገራዊ ፍቕርን ሓላፍነትን መዝሚዙ፥ ኣብ ፈቐዶ ውግኣት ከጥፍኦን ከሰንክሎን፥ ሓላው ዶብ ጌሩ ካብ ማእከል ከርሕቖን ብምግባር መደባቱ ኣዓዊቱ ኢዩ፤ እንሆ ድማ ዕድመ መንግስቱ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ነዊሑሉ ኣሎ። ንመንእሰይ ግን እዚ´ውን መሪርዎን ኣድኪምዎን፥ ጠንጢንዎ ድማ ናብ ጎርባብቲ ሃገራት ክስደድን ብኡውን ኣብ ዓለም ፋሕ ክብል ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ወለዶ ድማ ኣብ ሰዓት ናጽነትን ሓጎስን ዝተወልደ፥ ምእዙዝን ኣገልጋሊን ናይቶም ናጽነት ኣምጺእናልካ ብምባል ጸብለል ዝብልዎ ኮይኑ ርእሱ ኣድኒኑ ክኸይድን ንከይብዳህ ዝተዳህለን ውጹዕ ወለዶ ኢዩ። ኩሉ ዝፈልጦን ዝተማህሮን ታሪኽ ንሓቅታት ዘገለለን ኣብ ኣምባገነንነት ናይቶም ዝመርሕዎ ዘለዉ ዘተኮረ ብምኳኑ ኣዝዩ ዝተሃስየ ወለዶ ኢዩ። ኮይኑ ግን ናጽነቱ ተጋሂሱ ዳርጋ ጊላ ኮይኑ ህይወቱ የሕርር ምህላዉ ዘይርድኦ ኣይኮነን፤ ውጽኢቱ ድማ እነሆ እዚ ንዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን መሪርን ሓደገኛን ጉዕዞ ስደት ኢዩ።

ኣብ ሰራዊት ይኹን ኣብ በት ትምህርትታት ዝነበሩ መንእሰያት፤ ኣብቲ ደድሕሪ ናጽነት ዝነበረ እዋናት ነቲ ስርዓት ክብድህዎ ከምዝጀመሩ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ናይ ኣካለ ስንኩላት ተጋደልቲ ፈተነን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ከምኡውን ናይ ተመሃሮ ጠላባትን እምቢታን ካብተን ኣዝየን ጎሊሐን ዝዝከራ ኢየን። ኩሉ ግን ብዘይምሕርን ዝኾነ ይኹን ሓልዮት ብዘይብሉ መገዲ ኢዩ ተደምዲሙ፥ ዝቕተል ተቐቲሉ ዝእሰር´ውን ተኣሲሩ። ሽሕ´ኳ ናይ ጉጅለ 13ን ጉጅለ 15ን ፈተነታት እንተሰዓበ፤ ንሳተን እውን በቲ እቲ ስርዓትዝጥዕሞ ኢየን ዝተደምደማ፤ ማእሰርትን መቕተልትን!!

ብዙሓት ካብ ውሽጢ ሃገርን፥ ካብ ግዳም ዝመጹን ኤሪትራውያን፥ ኣብ ምምስራት ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን ሃገር ክሳተፉ በቢ ፍልጠታቶምን ሞያታቶምን ፈቲኖም ኢዮም፤ ኮይኑ ግን በዓል ገንዘብ ገንዘቡ ኣጥፊኡ፥ በዓል ሞያ ተዓጊቱ፥ ኣብ ፖለቲካ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝነበሮ ድማ ወይ ተኣሲሩ ወይ ህይወቱ ከፊሉ ኢዩ። ብዙሓት ንአርትራ ዓቢ  እጃም ከበርክቱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ድማ ኢዮም ኣሰር ዘይብሎም ጠፊኦም ዘለዉ።

ስደተኛ ኤሪትራዊ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንክርሕቕን ብዘስካሕክሕ መገድታትን ኣገባባትን ናብ ዓለም ፋሕ ንክብል ዝገብሮ ዘሎ፤ መንቀሊኡ እቲ ክፋእ መንግስቲ ህግድፍን ጨካንን ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ኣመሓድራኡን ኢዩ። ”ኣብዚ ሞት ኣብቲ ሞት” ብምባል፥ ዓይኒ የብለይ ኢሉ ብሰሃራን ቀላያትን፥ ከም ከብትን ኣቕሑትን እናተሸጠን እናተለወጠን ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈለን ዝስደድ ዘሎ።

ኣብ ጉዕዞ ዝጠፍኡን፥ ኣካላቶም ተጓሕጊሑ ኣብ ፈቐዶኡ ዝተረፉን፤ ብመግረፍትን ብሓውን ዝሰንበሩን ዝሞቱን፥ ዝተዓመጻን ቆልዑ ዓመጽተን ዝሓቖፋን ኣሓትና ኤሪትራውያን ወዘተ… ክንዝክር ከለና፥ መንግስቲ ህግድፍ ንመንእሰይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቲ ብታሪኹን ብመንነቱን ንዝምልከት ብኩርእዓትን ትብዓትን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ከይተረፈ ሃስይዎን ደቊስዎን ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

-ኣብ ውግእ ዝጠፍኡ፥ ብፍላይ ናይ ባድመ ስዉኣት
-ዶብ ቅድሚ ምስጋሮም ብሰራዊት ህግድፍ ዝተቐትሉ ምንእሰያት
-ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ስደተኛታት ዘሕልፎ ዘሎ ክፉእ ናብራ
-ንኣውሮጳ ገጹ ክጎዓዝ ዘጋጥሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ጸገማት (መግረፍቲ፥ ጥሜት፥ ናይ ኣካላት ምሻጥ ንግዲ፥
ከም ከብቲ ኣብ መጎዓዝያታት ተኣኲቱ ዝጸዓነሉ፥ ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝጥለበሉ፥ ኣብ ባሕሪ ክሰግር
ዝጠፍኣሉ ዘስካሕክሕ ታሪኻት፥
-ኣብ ኣውሮጳውን እንተኾነ ክሳብ ቀሲኑ ክነብር ዝጅምር ዘሕልፎ ሰንፈላላት

ነዚ ኩሉ እሞ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጠሞ ሓሊፉ ከብቅዕ፥ ተመሊሱ ኣገልጋሊ ምልካዊ ስርዓት ንክኸውን ዘጋጥሞ ብድሆታትን ፈተነታትን እውን ሓደ ካብቲ ክዝከር ዝግብኦ ኣጋጣሚታት ምዃኑ ክጥቀስ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ።

ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፥ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ስደት መጺኡ ንዝረኽቦም ኤሪትራውያን ከምቶም ዝገደፎም ከምዘይኮኑ ከለሊን ክዕዘብን ጊዜ እንተወሰደሉ ዘገርም ክኸውን ኣይግባእን።ዝረኣዮን ዘስተብሃሎን ዝዓበየሉን ትርጉም መንግስትን ተግባራት ሓለፍትን፤ ከምኡ´ውን ተማእዛዚ ክኸውን ዝተቐሰበ ህዝብን ስለዝኾነ፤ ካብ ሃገሩ ምስ ወጸ ዘርእዮ ባህርያት ፍልይ ዝበለ እንተኾነ ከገርም የብሉን።

መጀመርያ ታሪኽ ክፈልጥን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ግፍዕታት ፖለቲካዊ መንቀሊኡን ትርጉሙን ክበርሃሉ ይግባእ፤ ነዚ ምስ ተረድአ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝወዓሎ ካብቶም መማህራኑ ንላዕሊ ክገልጾ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ካብ`ዚ ተበጊስና እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን እንርከብ ይኹን፥ ከም ውልቀሰባት እውን እንተኾነ፤ ነዚ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ከነጸናንዕን፥ ከነተባብዕን፥ ብቐዳምነት ኣብቲ ዝርከበሉ ሃገር ርእሱ ክኢሉ ጥጡሕ ናብርኡ ንከካይድ ፥ብቑዕ ኣካል ናይቲ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ክኸውን ንምእታዉን ንምስታፉን፥ ንመጻኢት አርትራ ከነዳልዎን: ምግባር ቀንዲ ዕማማትና ክኸውን ይግብእ።

መንእሰይ ኤርትራ፥ ታሪኽን ባህልታትን ሕብረተሰቡ፥ ሓቀኛ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቡን ብግቡእ ንክፈልጥ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ኢዩ። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝድለ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትርጉሙን ምስቲ ሕጂ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብምውድዳር ምብራህ፣ መሰልን ግቡእን ዘጋታት ምብራህን ካልኦትን ምስትምሃር ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። በዚ ድማ ንመንእሰይ ሓላፍነቱ ከምዘለሊ፥ ነቲ ብሰንኪ ህግድፍ ተዳኺሙ ዘሎ ወለዶ ንምትንሳእን ብውሑዱ ይከኣል ይኸውን።

የቐንየለይ: ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!


Last modified on Tuesday, 29 August 2017 21:56