ኤርትራ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝሃበቶ ብዘይቀረጽ ሰደድ ተገሊላ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቻይና ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 16 ናብኣ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ከእትዋ ዝፈቐደትለን ሃገራት ምዃናኳ ጠቒሳ እንተነበረት፡ ድሒራ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ግና ቁጽሪ ናይተን ሃገራት ናብ 9 ከም ዝወረደን ኤርትራ ካብቲ ሓድሽ ዝርዝር ከብ ዝተገለላ ሓንቲ ምዃናን ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ መወዳእታ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሃገራት ከም ዝተገለለት ዝተዋህበ ዝርዝር የለን።
ብዘይካዚ ኢትዮጵዮ እውን፡ እቲ ኣብቲ ናይ ቅድም መግለጺ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሓንቲ ነይራ ከተብቅዕ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ብግብሪ ተጠቃሚት ክትከውን ኣይከኣለት። ኢትዮጵያ ናይዚ ዕድል ተጠቃሚት ዘይኮነትሉ ምኽንያት ኣቐዲማ ከተቕርቦ ዝግበኣ ዝነበረ ሰነዳት ከተቕርብ ብዘይምኽኣላ ምዃኑ ዝተፈላለያ ናይ ኢትዮጵያ መዲያታት ሓቢረን።
ጅቡትን ሱዳንን ኣብቲ ናይ 16 ሃገራት ዝርዝር ተጠቒሰንኳ እንተነበራ ናይቲ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ዘሎ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾና ኣይከኣላን። በዚ መሰረት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዋላ ሓንቲ ሃገር ናይቲ ዕድል ተጠቃሚት ክትከውን ከምዘይከኣለት ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ናይቲ ቻይና ዝሃበቶ ካብ ቀረጽ ናጻ ሰደድ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት፡ ካብ ኣህጉር ኤስያ ኣፍጋኒስታን ካብ ኣፍሪቃ ድማ፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሌሴቶ፡ ማላዊ፡ ሳኦ ቶመ ፕሪንሲፕ፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ዛምብያን ምዃነን እቲ ዜና ሓቢሩ። እዘን ካብ ቅድም ቻይና ቆላሕታ ዝገበረትለን ሃገራት ምስተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ድኽነት ዝርከባ ዝምደባ ኮይነን፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ናይ ሰደድ ዓቕሚ ዘለወን ምዃነን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ቻይና እቲ ብዘይቀረጽ ናብ ሃገራ ክኣቱ ዝፈቐደቶ ዓይነት ፍርያት፡ ኣስታት 8,786 ዝበጽሕ ኮይኑ ብኣስማት ዝተዋህበ ዝርዝር መግለጺ ግና የለን።
ብመሰረት ነዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዳድን ማዕድናትን ዝርከቦ ብድምር ናብ ቻይና ዝልእከኦ ፍርያት ዓመታዊ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ንግድን ወፍሪን ግና ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።
ባህግና Bahgna 100፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ዞናናን 11.12.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ኣጀንዳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ጽልዋን ምምዛን ዝምልከት ነይሩ።
ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ እቲ ስምምዕ ምስተኣወጀ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝመዘኖ ጠቒሱ፡ ንትሕዝቶ እቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ኣብቲ ስምምዕ ዘንበሮ ሚዛንን ዝምልከት ከኣ ሰፊሕ መበገሲ ኣቕሪቡ። ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ውዕል ሰላም ዋላ’ኳ ኣብቲ መጀመርያ ብገለ ወገናት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ብህዝቢ ትግራይ ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ከም ዝርከብ ጠቒሱ።
ሰዲህኤ ካብ መጀመርታ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ፡ መፍትሒኡ ዘተን ሰላምን ምዃኑን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ ንክወጹን ብደረጃ ማእከላይ ባይቶ ብኣዋጅ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ውዕል ከም ዝደገፎ ፈጻሚ ሽማግለ ምንጻሩ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ሚዛን ሰዲህኤ ካብ ቅድም ብዛዕባ ኣፈታትሓ ናይቲ ጸገም ኮነ ዘይተደላዪ ኢድ ምትእትታው ርትዓዊ ምንባሩ ኣነጺሩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን እቲ ስምምዕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ናይ ደገፍ መግለጺ ከም ዘውጸአን ኣገንዚቡ።
እቲ ስምምዕ ብትሕዝቶኡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዘገድድ ምዃኑ ጠቒሱ። እንተኾነ ህግደፍ ካብቲ መስርሕ ተነጺለ ብዝብል እንጽርጽሮትን ናብቲ ውግእ ክኣቱ እንከሎ፡ ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተን በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከቐጽሎ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ከም ዝግደድ ገሊጹ።
ባይቶ ኣብቲ ምይይጡ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዘስፈሮም ነጥብታት ሓደ ምዕቃብ ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገንዚቡ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ፡ እቲ ቅኑዕን ነባሪ ሰላም ዘውሕስን ልኡላውነት ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ እቲ ህግደፍ ከም መመሳመሲ ዝጥቀመሉ ናይ ሓይሊ ምርጫ ከም ዘይኮነ ተገንዚቡ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ ኣገባብ፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ህግደፍ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወሰነ፡ ናይ ዶብ ብይን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ውዕል ብምድጋፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሃነጽትን ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ ከተኩረሎም ዝግበኦ ሰልፋውን ግዳማውን ዛዕባታት ኣንጸባሪቖም።
ኣሜሪካ፡ ንኤርትራን ሶማሊላንድን ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ርክብ ከምዘይዓደመተን ኣፍሊጣ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንምርኻብ ይዳለውሉ ኣብ ዘለዉ ግዜ፡ ኤርትራን ሶማሊላንድን ከም ዘይተዓደማ ብ7 ታሕሳስ 2022 ብዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እቲ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022 ኣብ መንጎ ኣሜሪካን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝግበር ካላኣይ ርክብ፡ ዝምድና ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምድልዳል ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቶም ብዛዕባዚ ጉዳይ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለጺ ዝሃቡ ሓለፍቲ ኣሜሪካ፡ ኤርትራን ሶማሊላንድን ዘይተዓደምሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ሕማቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምዃኑን ብፍላይ ንሶማሊላድንድ ዝምልከት ከኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ካብዘይምሃብ ዝነቅል ምዃኑ ጠቒሶም። ጁዲ ደቨርሞንት ዝተባህላ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጸጥታዊ ኮሚቲ ኣሜሪካ ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት፡ ብድምጺ ኣሜሪካ ተሓቲተን ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ፡ ብዝከኣል መጠን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐጸሊ ክቀራረቡን ምሉእነት ክሕልዉን ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጠን።
ዳና ባንክስ ዝተባህላ፡ ፍልይቲ ተሓጋጋዚትን ላዕለወይቲ ኣማኻሪትን ናይቲ ርክብ ኣሜሪካ -ኣፍሪቃ ብወገነን ኣብ ዝገለጽኦ፡ እቲ ዕድመ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀጻሊ ጽቡቕ ዝምድና ናብ ዘለወን ሃገራት ዘተኮረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ 4ተ ሃገራት በቲ ሕብረት ኣባልነተን ዝተወንዚፈ ኣለዋ ኢለን። ክልተ ሃገራት ከኣ ሓንቲ ብሕማቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና (ኤርትራ) ሓንቲ ድማ ከም ሃገር ኣፍልጦ ብዘይምርካብ (ሶማሊላንድ) እየን። በዚ መሰረት እዘን 6ተ ሃገራት ኣይተዓደማን። ማሊ፡ ሱዳን፡ ጊኒን ብርኪናፋሶን ካብቲ 54 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወንዚፈን ዘለዋ ሃገራት እየን።
ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ሓላፊት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞሊ ፊ፡ ብወገነን ከም ዝሓበረኦ፡ ምስዘን ናብቲ ርክብ ዘይተዓደማ ሃገራት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ብዛዕባ ዝምለሳሉን ምስ ኣሚሪካ ጥዑይ ዝምድና ዝምስርታሉን ኩነታት ንምፍጣር ብፍሉይ ከም ዝስራሕ ኣፍሊጠን።
ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብዓብይኡ፡ ንኤርትራ ብዝምልከት ከም ዝገለጾ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ የለን። እንተኾነ ኣሜሪካ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ባህላዊ ምልውዋጥን ካልእ መዳያትን ቀጻሊ ዝምድና ከም እትሃንጽ ኣፍሊጡ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካጉዳይ ፖለቲካዊ ውክልና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ውዳበ፡ ሰልፊ ይኹን ውድብ ወይ ግንባር ካብቶም ብድሌት ኣባልነቱ ዝተቐበሉ ባእታታት ሓሊፉ፡ ንካልእ ኣይውክልን እዩ። እቲ ዝቃለሰሉ ኣተሓሳስባ ብመሰረት ዚውንኖ ዓለመ-ርእይቶ ናብ ድሌት ህዝቢ ዝቐረበን ዝረሓቐን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ፖለቲካዊ ትካል፡ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ንመወዳድርቱ ስዒሩ እንተተመሪጹ’ሞ፡ መንግስቲ እንተመስሪቱ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝተመርጸ መንግስቲ ንህዝቢ ዝውክል ይኸውን። ናብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ክንመጽእ እንከለና ግና፡ ህግደፍ ኣይኮነዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኣብ መዝገቡ ዝሰፈሩ “ኣባላተይ” ዝብሎም ኣካላት ዘወክል ኣተሃላልዋ እውን የብሉን። ምኽንያቱ ህግደፍ ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ምስ ኣባላቱ ዝተሓሳሰበሎም ቀጻሊ ትካላዊ መስኖታቱን መድረኻቱን መንሚኖም ኣብ ምሕረት ሓደ ውልቀሰብ ካብ ዝወድቁ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝኾነ።
ጥልመት ንህግደፍ መፋጥርቱ እዩ። ቅድሚ ኩሉ ነቲ ናጽነት ኣብ ምውሓስ ተወዳዳሪ ዘየበሉ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዘርኣየ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ሕቑኡ እዩ ሂብዎ። ነቶም ተዋጊኦም ናጽነት ኣብ ምውሓስ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኣባላቱ ብንግህኡ ጠሊምዎም። ኣብ ማይ ሓባር ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ስንኩላት ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ መርኣያ ጥልመቱ እዩ። ብሰንክዚ ተደጋጋሚ ጥልመቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ መሰላት ዝተነፍጎ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዓው ኢሉ ብናጻ ከየድምጽን መሊኡ ከይረግጽን ዝተሓረመ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይዚ ዘቤታዊ ጥልመታቱ፡ ኣብ ቅድሚ ጐረባብትን ሕብረተሰብ ዓለምን’ውን፡ ብጥልመት፡ ክሕደትን ምእላም ውዲታትን ዝልለ መንሽሮ ሰላምን ምዕባለን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ፡ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ የለን” ዝበሃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ኩሉ ጥልመታቱ ዋጋ ከም ዝኸፍል ዘረድእ፡ ምልክታት ካብ በበይኑ ኩርነዓት ይረአ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ትዕግስቱ ጸንቂቑ ብነድሪ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝይምሕር ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።
ኩሉ ክግንዘቦ ዘለዎ፡ እዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፈቐድኡ ዘካይዶ ዘሎ፡ ኢድ ኣእታውነት፡ ምግሃስ መሰላት፡ ምዝማት ሃብቲ ህዝብን ምጽሕታር ህውከትን፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ንግዳም ዝፈስስ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ። ኣንጻር ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢስያስ ዝውሰድ ስጉምታት ከኣ ነዚ ግንዛበዚ ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ። ንህግደፍ ብመንጽር ተግባራቱ መዚኖም ክቐጽዕዎ ዝውጥኑ ኣካላት ከነጽርዎ ካብ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጥልመትን ወጽዓን ህግደፍ ክኸውን ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ብዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ዝውከል ዘይምዃኑ እዩ። ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ሓዊ ምእጓዱ፡ ኣብ ክንዲ ዘጣዕሶን ዝምኮረሉን፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝመረጽዎን ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎን ሰላማዊ ፍታሕ ኮሊፉን ንድሕሪት ተመሊሱን ህውከትን ዕግርግርን ቀጻሊ ንክኸውን ዘርእዮ ዘሎ ፋሕተርተር፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣንጻር ድሌትን ተስፋን ናይቲ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምዃኑ ግቡእ መረዳእታ ዘድልዮ እዩ።
ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ፡ ናይ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኣርኣያ ዘይኮነት፡ ናይ ስደት፡ ጥሜት፡ ምጽሕታር ውግእን ዕግርግርን፡ ኣብዘይምልከተካ ምእታውን ኣብነት ኮይና እያ ኣብ በበይኑ መድረኻት ስማ ዝለዓል ዘሎ። ኣይኮነንዶ ክሳብ ሕጂ ካብ ናይ ሰላምን ፍትሕን ጽምኡ ንዘይረወየ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተግባራት ህግደፍ ንኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን እንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ኣካል ከምዘይውክል ምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን።
ህግደፍ ኣርሒቑ ዝጥምት ህዝባዊ ሓልዮት ዘየብሉ፡ ኣብ ምዝራግ ሰላም ጥራይ ዝነብር ጉጅለ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን መድረኻት ይቃላዕ ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝበሰሉን ተመኩሮ ዝጸገቡን ኣካላት እውን ጉዳይ ኤርትራ ንቕድሚት የምጽእዎን ንተግባር ህግደፍ የቃልዑን ኣለዉ። እንተኾነ እዚ እኹል ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ክንድቲ ብዝመረረ ደረጃ ግዳይ ህግደፍ ይኸውን ምህላዉ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣይውከልን እዩ” ንዝብል እምነቱ ዝያዳ ከበርኾ ኣብ ዝግበኦ ታሪኻዊ መድረኽ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እንተደኣ ተላዒሉ ንዝሰመረ ሓይሊ ህዝቢ ዝስዕር ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ብውሑዱ ካብ ቃልሲ ጐረበቱ ህዝቢ ሱዳን “ቅዱስ ቅንኢ” ክሓድሮ ይግባእ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እውን ሃገሮም፡ ብዓብይኡ ናይ ህዝባ ከምኡ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ውዳበታታ ህጹጽ ኣበርክቶ ስለ ዘድልያ፡ እዚ ወሳኒ ዕማም ይጽበዮም ከምዘሎ ከስተብህልሉን ብግብሪ ክሰርሕሉን ዘይስገር እዩ።
“ሓይልታት ህግደፍ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን፡ ኣይፋሉን ኣትዩባ!” ዝብል ኣብ ህዝብና ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ። ምእታዉ ርኡይ ነይሩ ክነሱ፡ ህግደፍ ድምጹ ሓቢኡ ከዕጠጢ እንከሎ፡ ከምቲ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ” ዝበሃል “ኣይኣተወን።” ኢሎም ዝደረቑ ውሑዳት ደገፍቲ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣለዉ። ገለ ድማ “ሰራዊትና ኣብቲ ዶብ እዩ መሬቱ ኣምሊሱ ዝሕሉ ዘሎ” ኣብ ዝብል ዕባራ ምኽንያት ዝረዓሙ ነይሮም። መንገዲ ሕጊ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ብውግእ ዝምለስ መሬት ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ኣይኮነን። ኮታ ህግደፍ ነቶም ደገፍቱ፡ ሓቢሮም ከምዘይሕስዉ ገይሩ ኣብ ሕድሕዶም ከላትሞም እዩ ጸኒሑ። ኣብ መወዳእትኡ ግና ኣብ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ ማእከል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ተሳኢሉ፡ ብናይ ህድማ ፈኸራ ድዩ ብናይ ሓሶት ጸሎት ብዝተስነየ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ኣርእይዎም። ልሳናት ናይ ብዙሓት ንህዝቢ ኤርትራ ሓሶት ክነግርዎ ዝጸንሑ ከኣ ክሳብ መልክዐን ቀይረን ዝመጻ ንግዜኡ ተቖሊፈን ኣለዋ።
ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝዝውሮ ጉጅለ ግጉይ እምነት ኣሕዲርካ፡ ደድሕሪ ጌጋታቱ ዞኽዞኽ ምባል ምናልባት ኣብ ኣባላት ህግደፍ ዝተጀመረ ኣይኮነን ይበሃል ይኸውን። ደረት ክሓልፍ እንከሎ ግና ዘዛርብን ዘገርምን እዩ። ህግደፍ ናብ ውግእ ትግራይ ክኣትው እንከሎ፡ ዕላማኡ ብወግዒ፡ ህወሓትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ሓቢሩ እዩ። ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ድማ በቲ ክኣቱ እንከሎ፡ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ ምትግባሩን ዘይምትግባሩን ዝምዘን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዘይምጉዳል ብዘይምውሳኽ ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ከም ዝኸተመ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ኩነታትዚ “ህግደፍ ካብ ትግራይ ተዓዊቱ ይወጽእ ኣሎ” ዝብል ምህዞ ምንፋስ ንመን ከም ዘዕሹ እንድዒ። ግደ ሓቂ ግና ሰላም ንወልፊ ውግእ ህግደፍ ትስዕራ እያ ዘላ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣተኣታትዋ ኮነ ኣወጻጽኣ ኢድ ስለ ዘየብሉ፡ በቲ ናይ ህግድፍን ዝተደናገሩ መጋበርያታቱን ሓሶት ኣይውከልን እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ኮነ ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ንመሕብኢ ክጥቀመሉ “ንህዝቢ ኤርትራ ይውክሎ እየ” ዝብሎ ዘይኮነ፡ በቲ ህዝቢ ኤርትራ “ብህግደፍ ኣይውከልንየ” ዝብሎ ቃንዮም ክርድእሉ ነዘኻኽሮም።
“ሰሜናዊት ኮኸብ” እናተባህለት እትጽዋዕ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ፡ ድሕሪ ብሰንኪ ውግእ ንሓደ ዓመት ምቁራጽ ካብ 5 ታሕሳስ 2022 ጀሚራ ምስ ማእከላይ መዘርግሒ ማእከል ሓይሊ ኤክትሪክ ኢትዮጵያ ዝተተሓሓዘ ኣገልግሎት ክትረክብ ከም ዝጀመረት፡ ናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ ሓይሊ ኤክትሪክ ኣፍሊጡ። ሓደ ካብ መራሕቲ ትግራይ፡ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረይወትን ዝተፈላለዩ ነበርቲ እታ ከተማን እውን እቲ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ናብ ንቡር ምምላሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣረጋጊጾም።
ምምላስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከተማ መቐለ፡ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ግብራውነት ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ከተማ መቐለ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባብታት ግና ጌና ኣይጀመረን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣገልግሎት ተለፎን ከተማ መቐለን ከባቢእን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝጅምር ሓለፍቲ ተሌኮም ኢትዮጵያ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ግና ኣገልግሎት ተለፎን ከም ዝጀመረ፡ ካብ ወጻኢ ደዊሎም ቤተሰቦም ዝረኸቡ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገደስቲ ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ክስሕቡን ዕጥቂ ክፈትሑ ምጅማሮምን ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ዝምጥንኳ እንተዘይኮነ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ ዘሎ ረዲአትን መድሃኒትን’ውን በቲ ዝድለ መጠን ቀጻሊ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።
ብወገን ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ፋኖ ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ተቓውሞን ዕንቅፋታትን ግና ኣብ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ነቲ ስምምዕ ንድሕሪት ከይመልሶ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ኣሎ። ውግእ ኣብ ትግራይ ምስተቋጸረ፡ ናብ ክልል ኦሮሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ናብ ምዕራብ ወለጋ ብዝኸፈአ ምልሓሙ፡ ኢትዮጵያ ጌና ካብ ሓደጋ ምብትታትን ብዝተኣማምን ከምዘይወጸት ዘመልክት ምዃኑ ብብዙሓት ዝጥቀስ ዘሎ እዩ።
More...
An Appeal to deny the Eritrean dictator’s participation in the upcoming U.S.-African leaders’ summit
Written by Eritrean Political Forcesባህግና bahgna 99: ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርን ዞናን፣ ስዕረትካ ንዘይምቕባል ዝግበር ምዕጥይጣል ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 04.12.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ስእሊ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ፡ (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)
ሃገራት ኖርወይን ካናዳን መንግስቲ ህግደፍ ንዝመደቦም ሓለፍቲ ቆንስላዊ ጉዳያት ከም ዝነጸጋ ሬድዮ ኤረና ዲፕሎማስያዊ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ኖርወይ፡ ዘርእሰናይ ተስፋይ ንዝተባህለ ብምምሕዳር ህግደፍ ናብኣ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ዝምልከት ንኣዋርሕ መልሲ ከይሃበት ብምጽናሓ፡ በዚ ተስፋ ዝቖረጸ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ነቲ ዝተነጽገ ቆንስል፡ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተመደቦ እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ኩነታት መንግስቲ ካናዳ ዝነጸጎ ኤርትራዊ ቆንስል ተወልደ የውሃንስ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝተመደ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ክልቴን ሃገራት ነዞም ቆንስላት ኤርትራ ዝነጸጋሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ግብሪ ብዝብል ጉልባብ፡ ህግደፍ ኣብኣተን ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ዝእክቦ 2% ካብ ኣታዊኦም ዘለወን ተቓውሞ ዝተጠሓሓዘ ምዃኑ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ።
በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገራት እስካንድነቪያ ብደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት ዝተመደበ፡ ዮናስ ማና ዝበሃል ክህልው እንከሎ፡ ኣብ ከናዳ ግና ብንጹር ዝፍለጥ ወግዓዊ ወኪል ምምሕዳር ህግደፍ ከም ዘየለ እውን ተፈሊጡ።
ሱዳናውያን ተወከልቲ ወተሃደራዊ ሓይልን ሓይልታት ለውጢ ንናጽነትን ብ5 ታሕሳስ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም መጻኢ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም ስምምዕ ፖለቲካዊ ቻርተር ከም ዝኸተሙ መርበብ ሱዳን ትሪቡን/SUDANTRIBUN ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲ ምኽታም ፖለቲካዊ ቻርተር፡ እቶም ዝኸተሙ ናይ 2019 ሕገ-መንግስታዊ ኣዋጅ ንምስራዝን ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ዕልዋ 25 ሕዳር 2021 ኣዋጅ መሊስካ ንምግምጋምን ከም እተሰማምዑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ናይ ጁባ ስምምዕ ዝበሃል በዚ ሓድሽ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክትካእ እዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ ሱዳን ሓደ ሞያዊ ሃገራዊ ሰራዊት ጥራይ ክምስረትን እቲ ህጹጽ ሓይሊ ዝበሃል ኣካል ናብቲ ሃገራዊ ሰራዊት ክጽንበርን ዝሕብር ኮይኑ፡ ብዘይካቲ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ፡ ብስም ሰራዊት ወፍርን ንግድን ምክያድ ይኽልክል።
እቲ ሰነድ ህያውነት ፖሊሲ ተሓታትነት፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትሕን ደጊሙ ምርግጋጹን፡ ገበናት ውግእ፡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዲሞክራሲን ድሕሪ ዕልዋ ሕዳር 2021 ዝተኻየደ ቅትለትን ብመንጽርዚ ህያው ፖሊሲ ከም ዝረኣዩ ኣነጺሩ። በቲ ዝተኸተመ ሰነድ መሰረት፡ ናይ ሱዳን ርእሰ-ብሄር ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ክኸውን እዩ።
እቲ ናይ ክልተ ዓመታት መሰጋገሪ ግዜ፡ ብሓይልታት ናይቲ ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስያም ክጅምር እዩ። እቲ ሰነድ ከም ዝጠቕሶ ብ2019 ኣጋጢሙ ዝነበረ ምድንጋራት ንከይድገም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ክመዝዝ እዩ። ናይታ ሃገር ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ንኹሎም ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ክቆጻጸር እዩ።
በዚ ሕድሽ ስምምዕ መሰረት ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ሓጋጊ ባይቶ፡ ርእሰ-ብሄርን ናይ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ናጻ ኮሚሽናትን ክህልዉዎ እዮም። እቲ ሰነድ ካብ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሓጋጊ ባይቶ ኣባላት 40% ደቂ ኣንስትዮ ንክኾና ዘተባብዕ እዩ።
እቲ ስምምዕ ቅድሚ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ቆላሕታ የድልዮም ዝብሎ ኣርባዕተ ዛዕባታት ተጠቒሶም። ንሳቶም፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትንሕን፡ ጸጥታዊ ምትዕርራይ፡ ምግምጋም ስምምዕ ሰላም ጁባን ፈጺምካ ምውጋድ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽርን እዮም።
.