ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ሱዳን፡ ዑመር ኣል በሺር ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ

2023-04-25 17:40:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና Published in EPDP News Read 602 times

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ጽዑቕ ምይይጥን ሓያል ተጽዕኖን፡ ኣብ ውግእ ሱዳን ተጸሚዶም ዝቐነዩ ተቓናቐንቲ ወገናት ካብ 24 ማዝያ 2023 ዝጅመረ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ሱዳን ፖስት ዝተባህለት ማዕከን ብወገና፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺርን ምስኡ ዝተኣስሩ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍትን ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ኮበር  ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝተወስዱ ሓቢራ።

እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ድሕሪ ንትሻዕተ መዓልታት ኣብ ደማዊ ውግእ ምጽናሕ ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ በቲ ውግእ ልዕሊ 400 ሲቪል ሰባት ሞይቶም ኣስታት 4000 ክቖስሉ ንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጻ ከተማ ካርቱም ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ። ኣሜሪካ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጽሖም ሓጐሳ ብምግላጽ፡  በቲ ስምምዕ ክጸንዑ ተማሕጺና።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን እቲ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል፡ ምእንቲ ሰብኣዊ ምኽንያታት ዝተበጽሐ ምዃኑ ጠቒሶም ንህዝቢ ሱዳን ካብቲ ዝጸንሖ ጨንቂ ከቃልለሉ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ሓቢሮም። ኣገዳስነት ቀጻልነት እቲ ስምምዕ ዕዙዝ ምዃኑ ድማ ኣስሚረምሉ። ወገን ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ ብወገኑ፡ ነቲ ግዝያዊ ምቑራጽ ተኹሲ ምእዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ ሰብኣዊ መተሓላለፊ  ክኸፍት ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ግዝያዊ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቀጻሊ ዘተ እተካይድ ኮሚተ ኣብ ምምዛ፡ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላትን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሱዳናውያን ሲቪል ኣካላት ከም ዝተሓባበሩ ቃል ኣትዮም። በዚ ኣቢልካ ቀጻሊ ህውከት ጠጠው ናብ ምባልን ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ምጥጣሕ  ንክብጻሕን ከም ዝሰርሑ ከኣ ቃል ኣትዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺርን ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ወጺኦም፡ “ልጉስ” ናብ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዝተወሰዱ ሱዳን ፖስት ሓቢራ። እዚ ዝኾነሉ ኣባላት ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ ምዃኖም ዝግመቱ ዕጡቓት ንቤት ማእሰርቲ ኮበር ብሓይሊ ኣጥቂዖም ምስ ከፈትዎ እዩ።

ኣባላት ፖሊስ ብወገኖም ንሱዳን ፖስት ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ በቲ ሓደ ወገን ንድሕነት ናይቶም ናይ ቅድም ሓለፍቲ  ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንከይሃድሙ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዑመር ኣልበሺር ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከም’ሎ ዝብሉ ኣካላት’ውን ኣለዉ።

Last modified on Tuesday, 25 April 2023 19:47