ኣሜሪካ ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣንቀሳቒሳ

2023-04-23 10:41:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 846 times

ኣሜሪካ ልዕሊ 800 ኣባላት ሓለዋ  ብ15 ማዝያ 2023 ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ከም ዘዋፈረት ተሓቢሩ። እቶም ኣባላት ሓለዋ ቅድሚ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጋሶም  ኦክለሃማ ኣብ ዝርከብ መደበሮም ኣፈናንዋ ከም ዝተገብረሎም ኣዘዝቲ እቲ ትካል ኣፍሊጦም። እዞም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፋነዉ ኣባላት ሓላዋ፡ ኣካል ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ መበል 45 ኣጋር ብርጌድ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።

እዞም ኣካል ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ ኮይኖም ዝዋፈሩ ኣባላት ሓለዋ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኣሃዱታት  ከም ዝተሓጋገዙን፡ ኣካልቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ግብረ-መልሲ ሓይሊ ኣሜሪካ ኮይኖም ዝሰፍሩን እዮም። እቶም ሓሙሽተ ቦታታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ኣብቲ ዜና ግና  ኣይተረቑሑን።

ሌተናል ኮለኔል ብረንት ዊቸ ዝተባህሉ ኣዛዚ ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣፈናንዋ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ናይቶም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወፈሩ ወተሃደራት፡ ቤተሰቦም ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከም ዝግበረሎም ቃል ኣትዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ቤተሰብ፡ ነቶም ወተሃደራት ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም ኣፋንየምዎም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ናይዞም ተወሰኽቲ ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምውፋር፡ ምስቲ ኣሜሪካ አቶም ኣሱዳን ኣብ ወጥሪ ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ውሑስ ቦታ ከተውጽእ ኣብ ጅቡቲ ትገብሮ ዘላ ምድላዋት ዘተሓሕዝዎ ኣካላት ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ኣሜሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጅቡቲ 360 ሺሕ ትርቢዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መደበር፡ ልዕሊ 4500 ቀወምቲ ወተሃደራት ከም ዘለዉዋ ይፍለጥ። ኣብ ርእሲዚ ተንቀሳቐስቲ ሓይልታት ባሕርን ኣየርን ከም እተዋፍር እውን ይንገር።

Last modified on Sunday, 23 April 2023 12:57