ፖሓኤ: ወተሃደራዊ ጐንጺ ሱዳን ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ

2023-04-21 20:09:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ. Published in EPDP News Read 873 times

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ20 ማዝያ 2023 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳንን ህጹጽ ረዳኢ ሓይልን ብዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝሓደሮ ስንባደን ስኽፍታን ገሊጹ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ከተማ ካርቱም እቲ ወተሃደራዊ ጐንጺ ድሕሪ ምግጣሙ ዝለዓለ ጉድኣት ከም ዝወረደ ብምጥቃስ፡ ብኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣሸሓት ድማ ከም ዝቖሰሉን ኣስፊሩ።

እቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት፡ ተኹሲ ኣቋሪጾም፡ ፍልልያቶም ብዘተን ልዝብን ንክፈትሕዎ ተማሕጺኑ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ውግእ ዘኸትሎ ዕንወት ብምዝርዛር፡ እቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሰላም ናይ ምንባር መሰሉ ክሕለወሉ ከም ዝግበእ ጸዊዑ።

ጋዜጥዊ መግለጺ ፖሓኤ፡ ሱዳን ካብተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቁባ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃናን፡ ካብቶም ስደተኛታት ኣማእቲ ኣሸሓት ኤርትራውያን፡ ቅድም  ኣብቲ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ብሰንኪ ጭቆና ህግደፍ  ካብ 1991 ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ሱዳን ተዓቊቦም ከም ዘለዉ  ሓቢሩ።

ህዝቢ ሱዳን ለጋስን ለዋህን እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ንሱዳን ከም 2ይቲ ሃገሮም ከም ዝቖጽርዋ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኤርትራውያን ከም ሱዳናውያን ቀዳማይ ግዳይ ናይቲ ውግእ ኮይኖም ኣለዉ ኢሉ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ውግእ ምጅማሩ እውን፡ ብሰንኪ ውሑዳት ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣባላት ጸጥታ ናይታ ሃገር፡ ኣብ ጨንቂ ከም ዝጸንሑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ። ብምትሕሓዝ ድማ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ኩሉ ኣገልግሎት ህዝቢ ናብ ንቡር ክምለስን ሱዳናውያን ኮኑ ስደተኛታት ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ክምለስ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኢድ ኣእታውነት ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከም ዝሰግእ ብምጥቃስ፡ ንዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ከም ዝነጽግ ኣመልኪቱ። ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ኣካላትን ተኹሲ ጠጠው ንክብል ዘቕረብዎ መጸዋዕታ፡ እቲ ዲፕሎማሲያዊ ኣወሃሃዲ ኮሚተ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዘለዎ ደገፍ ኣነጺሩ።

Last modified on Friday, 21 April 2023 22:21