ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ሰባት ሕማቕ ፖለቲካዊ ኩነታት እንተጋጢምዎም፡ ንምውጋዱ ክቃለሱ ባህርያዊ እዩ። እዚ ባህርያዊ ሓቂ እዚ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተራእዩ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን’ኳ ኣብ ከምዚ መስርሕ ናትና ኣብነት ኣለና። ስለምንታይ ኣንጻር ወጽዓ ናይ ምቅላስ ናይ ዝያዳ ሚእቲ ዓመት ተመኩሮ ስለ ዘለና። እቲ ራህዋን ቅሳነትን ንምምጻእ እትቃለሶ ናይ ግዳም ወራሪ ወይ ውሽጥዊ ወጽዓ ክኸውን ይኽእል። ንሕና ከዓ ኣንጻር እዞም ክልተ ወጽዕታት ተቓሊስናን ንቃለስ ኣለናን። ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ነጻነትና ዘዕቆብና ሓርነትና ከም እነዕቁብ ከዓ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ኣንጻር ግዳማዊ ወራሪ ይኹን ኣንጻር ውሽጣዊ ወጻዒ ልሙጽ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ጉዕዞ ናብ ዓወት ብቓልሲ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ምዕራፋት ዘለዎ ጸዋግን ኩርኳሕን ነይሩ ሕጂ እውን ከምኡ ኣሎ። ከምኡ እንተዘይከውን ከዓ “ቃልሲ” ዝብል መጺጽ ስም ኣምበይተዋህቦን። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ጸገም ተወግድ፡ ካልእ ጸገም ድማ ግዜኡ ሓልዩ ይመጽእ እሞ ንዓኡ’ውን ትፈትሖ። እቲ መስርሕ ከዓ ክሳብ ዓወት ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። እቲ ዝምዝገም ዓወት እውን መልክዑ ደኣ ይቕየር እምበር ካብ ቃልሲ ዓዲ ዘየውዕል ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ’ዩ።

ጉዕዞ ቃልሲ ኣጠርሚምካ ዝኽየድ ጣማጣማ ዘይኮነስ፡ ርግእ ኢልካ ዝሓለፈ ትግምግመሉን፡ “ኣብ መጻኢኸ እንታይ ይገበር?” ኢልካ ነብስኻ ትሓትሓስበሎም መዝለሊ ቦታታት እውን ኣለዉዎ። ኣብ ከምዚ መስርሕ ጉባአ ናቱ ዓብይ እጃም ኣለዎ። ከምዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ። ጉባአ ብባህሪኡ ዝሓለፈ ገምጊምካ መጻኢ ዕማም እተማዕድወሉ መድረኽ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ገምጋም ከተጽፍፍን መጻኢ ኣገደስቲ ዕማማት ከተዕውትን፡ ከምቲ ናብ ጠስሚ ክትበጽሕ እቲ ርግኦ ክሕቆን ግድን ዝኸውን፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክሳብ ዝጻዕዩ ክሕቆኑ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ሓሳብ ናይ ምሕቋን በቶም ናይ ሓሳባት መመንጨውቲ ካላት ናይ “ናተይ ይሓይሽ፡ የለን ናተይባ ይበልጽ” ምፍሕፋሕ ክህልው ልሙድ እዩ። እዚ ካብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝመጽእ ናይ ሓሳባት ምፍሕፋሕ ናይቲ እዚ ተግባር ዝፍጸመሉ ሰልፊ ወይ ውድብ ጥዕና እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ብገርሂ ድዩ ብጉርሒ ዝብልዎ ናይ ባእስን ፍልልይን መርኣያ ኣይኮነን። ናይ ሕሳብ ፍልልይን ምፍሕፋሕን ዘየብሉ ፖለቲካዊ መስርሕ መንገዲ ደሓን ከም ዘይኮነ ንምግላጽ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዘንበብኩዎ ሓንቲሓሳብጥራሕዘስምዕሰብወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ከምእቲሓንቲዓይነትመግቢጥራሕዝምገብሰብኣካላቱእናመንመነዝኸይድ እሞመወዳእትኡ ንሕማምን ስንክልናን ዝቃላዕ’ዩ ዝቑጸር” ዝብል ሓሳብ ኣብዚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ቁምነገር እቲ ከካብ ኩርናዑ ክምጩ ዝጸንሐ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ መወዳእታ ተኣውሊሉዶ ኣይተኣውለለን ዝብል እዩ ዝኸውን።

“ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንኣብነት ኣብ ውሽጣዊ ሓድነቱ፡ ዝምድና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ርክብ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ናይ ሓሳብ ፍልልያት ኣንጸባሪቖዶ ኣይፋሉን?” ተባሂሉ እንተዝሕተት፡ እቲ ናይ ጥዕና መልሲ ኣየናይ እዩ። “ፍልልይ ነይሩ ደሓር ግና ብስምምዕ ተኸምቲኡ” ዝብል ወይስ “ምንም ኣይተንጸባረቐን” ዝብል። እዚ ሰልፊ ናይ ብዙሓት ውህደት እዩ። ናይ ብዙሓት ማለት ኣካላዊ ብዙሕነት ጥራይ ማለትና ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕታና ብዙሓት ሰባት መምስ ናይ ሓሳባት ብዝሕነቶም ዝተሰለፍሉ ማለትና እዩ። ብናይ ሓሳባት ብዙሕነት ዘይስነ ኣካላዊ ብዙሕነት ግና ማዕባሊ ከይዲ ዘየብሉ ናይ ግኡዛን ብዙሕነት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚ ዳሕረዋይ ዘይማዕባሊ ብዙሕነት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኮነ ናይ ካልእ ፖለቲካዊ ምትእኽካብ ናይ ብዙሕነት መርኣያ ክኸውን ከዓ ባህርያዊ ኣይኮነን።

ጉባአ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ኮይኑ፡ ናይ ዝተወሰኑ ባእታታት ግደን ድምጽን ዝያዳ ጐሊሑ ዝረኣየሉ ተኾነ እውን ዘሰንብድ ኣይኮነን። ከምቲ ገለ ወሃብቲ ርኢቶ ዝብልዎ፡ እዞም ባእታታት ኣብ ገሊኡ ዛዕባ እንዳተሰማምዑን እንዳተነኣኣዱን፡ ኣብ ገሊኡ ዛዕባ ድማ እንዳተፈላለዩን እንዳተነቓቐፉን ኣብ መዛዘሚ ግና ናብ ሓደ መዕለቢ እንዳመጹ ዘሰላስልዎ መስርሕ ነይሩ ተተባለስ እንታይ እዩ ኣበሩ። ንኣብነት ኣብ ተመኩሮ ሰደህኤ፡ ወልደየሱስ ዓማር፡ መስፍን ሓጐስ፡ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ ተስፋይ ደጊጋ ወይ ሓምድ ድራር፡ኣየናይ እዩ ንሰልፍና ናብ ዝሓሸ መንገዲ ዝወስድ መንገዲ? ካብ ዝብል፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ኣንቂዶም ፍልልያት እንተዘንጸባርቑ እሞ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መደምደምታ እንተመጹስ፡ ከመይ ጌርካ እዩ ከም ናይ ስግእኣትን ቀራና መንገድን ምልክት ዝውሰድ። በዚ መስርሕ ምጉዓዝከ ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላው ድዩ፡ ወይስ መንግዱ ኣነጺሩ ኣብ ስሩዕ ግና ብዙሕ ቃልሲ ዝሓትት ናይ ዓወት መንገዲ ዘሎ እዩ ክበሃል ዝግበኦ? ብእምንቶና እዚ ዘይልሙጽ፡ ግና ድማ ልሙጽ ናይ ዓወት ሜዳ ዘማዕዱ መስርሕ ቃልሲ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ በበይኖም ድሕረባይታ ዘለዎም ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብጎቦ ዓይኒ ክረኣኣዩ ዝጸነሑ፡ ካብ ናይ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም፡ ንመጻኢ ብሓባር ከማዕደዉ ዝወሰኑ ሓይልታት ውህደት እዩ። ነዚ ውህደት እዚ ኩሉ ምጥርጣራትን ምስሕሓባትን ኣወጊድካ ኣብ ዘተኣማምን ተሪር ሓድነት ምብጻሑ ነዊሕ መስርሕን ዕጉስ ተወፋይነትን ዝሓትት እምበር፡ ኣብ መስመሪ ጉባአ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ዕማም ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ብዘበርክትዎ ናይ ሕድሕድ ምቁጽጻር ዘይተፈልዮ ዝተናወሐ ቃልሲ እምበር ብውሱናት ሓለፍቲ ብኣቋራጭ ዝሳለጥ ዕማም ኣይኮነን። ሰልፍና ነዚ መስርሕ ሓድነት ክጅምሮ እንከሎ፡ ኣብ ዓወት ንምብጽሑ፡ ነዊሕ ግዜ፡ ውረድ ደይብ መስርሕን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽፈል ዋጋን ከም ዘድልዮ ብምርዳእ ስለ ዝኾነ፡ ብየማነ ጸጋም ብዝነፍስ ድኽመታት ናይ ምንብድባድ ሓሸውየ ኣይክሽበርን እዩ። እቶም ኣብ ቅድሚኦም ንዝረአ ኣውንታ “ጸጋም ዕዩይ” ገይሮም፡ ዘየለ ድኽመት ምሂዞም ናይ ምርሕሓቕ “ዕበይለይ ዕበይለይ” ክጻወቱ ዝደልዩ ወገናት “ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት” ዝብል ምስላ ከስተብህሉ ይግበኦም። ከምቲ ዝብልዎ እንተኸውን’ውን፡ ኣብ ዝኾነ ውድብ ዘጋጥም ጸገም ኣብቲ ውድብ ተደሪቱ ከይተረፈ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸገም ምዃኑ ከስተብህሉ መተገብኦም። ህዝባዊ ሓልዮት ከዓ ነታ ዝርካባ ንእሽቶይ ሓቅን ኣውንታት እንዳ ኣዕኮኽካ እምበር፡ ዘየለ ወይ እውን ኣዝዩ ንኡስ ጸገም ብምንብድባድ ኣይኮነን ዝግለጽ። በዚ ኮነ በቲ ጉዕዞና ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ቀንዲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፍና ዝውሰንን’ዩ እሞ፡ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፍና ነጽንዕ።”

23 ነሓሰ 2015

ኣብ ዓለምና ከም እንዕዘቦ ኣብ ሓደ መንግስቲ ይኹን ሰልፊ ናይ መሪሕነት ምርጫ ክግበር ከሎ ነናቱ ዝግዘኣሉ ሕጊ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ግና ኩሉ ግዜ ሓዲሽ መሪሕነት ምስ ተመረጸ ናይ ምስርካብን፥ ከምኡ እውን ናይ ምውኽኻስን ግዜ ከምዘድልዮ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ሓቂ ኢዩ።

ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን እንተኾነ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ዝገብሮ ጉባኤታቱ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ምርጫ ንሓዳስ ባይቶ ኣብ ጉባኤታቱ ከምዝመርጾ ዳርጋ ሎሚስ ምስ ዕድመ ቃልስና ዝዳረግ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብዚ ናይ 2015 ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነ እንተልዩ እቲ ቅድሚ ሎሚ እታ ዝነበረት መሪሕነት ነታ ሓዳስ መሪሕነት ስልጣን ክተረክብ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ክወሃባ ዝብል ዝነበረ ኣብ ናይ 2015 ጉባኤ ግና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከተረክብ ከምዘለዋ ኢዩ ተወሲኑ። እዚ ከኣ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ኢዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እውን ከምዚ ኣገባብ እዚ ንኽተኣታቶ ናይ ኩልና ባህጊ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ንጽቡቕ ብኽፍኣት ወይ ብኣሉታ ክትርጎም ኣይግባእን።

እንታይ ኢዩ እቲ ቀንዲ ግዜ ናይ ምርኽኻብ ምንዋሕ ዘድለየ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ናይ ግዜ ምንዋሕ መገላበጢ ዕድል ስለዝህብ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ስራሓትካ ኣጻፊፍካን ንመጻኢ ዘድሊ ቀይስካን ምኻድ ብሃታሃታ እንተፈጽምካዩ ኣይብሱል ኣይጥረ ኮይኑ ከይሓልፍ ብማለት ኢዩ እምበር ካልእ ሽግር ወይ ዉጥረት ስለዘለዎ ኣይኮነን። ብዝኾነ ግን ደላይ ክፉእ ወይ እውን ነቲ ጽቡቕ ብኽፍኣት ክቕይር ወይ ትርጉሙ ክልውጥ እሞ ኣብ ህዝቢ ምድንጋር ንኽፍጥር ኢሉ ካብ ዝገብሮ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

እስከ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነታ ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 20-08-2015 ኣብ መርበብ ሓበረታ መስከረም ነት ኣርእስቲ ዘይብላ ዝተለጠፈት ጽሕፍቲ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምውድዳር ክተንብብዋ ሓደራ እብል። ኣንቢብኩም ድማ ሚዛንኩም ክተልዕሉ ይላቦ። እታ ተለጢፋ ዘላ ጽሕፍቲ ቃል ብቓላ ከምዚ ትብል፡ “ኣብ ሰዓቱ ንኣፍልጦኻ ሕጂ እውን እነሆ፥ ሓዲሽ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ 2015: ድሕሪ ሰሙናት ወረድ ደይብ ሎሚ መዓልቲ ንመንግስተኣብ ኣቦ መንበሮም ንሓደ ዓመት ምስ ከቢድ ወጥርታቱ ከም ኣቦ-መምበር ሰልፊ መርጮሞ ኣለዉ።’’

መጀመርያ እቲ ሓበረታ ዝሃበ ኮነ ኢሉ ንመስከረም ነት ዘደናገሮ ወይ እውን ባዕሉ መስከረም ነት ነቲ ዝተዋህቦ ሓበረታ ኣዘናቢዑ ዝጸሓፎ ኢዩ ዝመስል። ከመይሲ እታ ‘’ድሕሪ ሰሙናት ዉረድ ደይብ ሎሚ መዓልቲ‘’ እትብል ሓረግ መቃመሚ ናይ ክፉእ ሓሳባት እምበር ናይ ቅንዕና ሓሳብ ከምዘይኮነ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ። እዚ ከኣ ጉባኤ ብዕለት 30-07-2015 ተደምዲሙ ቡኡ ንብኡ ከኣ ናብ ፈስቲቫል ተኣትወ። ክሳብ እታ ሓዳስ መሪሕነት መዝነታ እትርከብ ከኣ እታ ዝነበረት መሪሕነት ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ነቲ ሰልፊ ክትመርሕ ስልጣን ብጉባኤ ተዋሂብዋ ኢዩ። ኣብ ዕለት 02-08-2015 ድማ በቶም ብኣካል ዝተረኽቡ ኣባላት ሓዳስ ባይቶ ናይ ንኡስ ኣኼባ ተኻይዱ ንኹሉ ዝጥዕም ዕለተ ኣኼባ ድማ ዕለት 16-08-2015 ክኸውን ብስምምዕ ተወዲኡ። ከምታ ስምምዕ ከኣ ዕለት 16-08-2015 ካብ 33 ኣባላት መሪሕነት 2 ብብቑዕ ምኽንያት ዝቦኾሩ ኣኼባ ተኻዪዱ ንእቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ከኣ ብምሉእ ድምጺ ኣቦ-መንበር ክኸውን መሪጹ። እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ ካልእ ወጥርታት ኣይነበሮን።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ፡ ምኣስ ድዩ ስልጣኑ ዘረክብ? መስከረም.ነት ኣብ ክንዲ ክፋእ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ነገር እንተትምህር ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ምተጠቕመ ነይሩ!!!

ንእግረ መገድይ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ ናይ ዜና ማዕከናት ብዝተኻእለ መጠን ንበዓል ጉዳይ ተወኪሰን ንህዝብና ሓቂ ዝኾነ ሓበረታ ከስንቓ ይጥለባ። ምኽንያቱ ልዕሊ ዋንኡ ዝፈልጥ ቡዳ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን እሞ እቲ ስነምግባር ናይ ዜና ማዕከን ብግቡእ ምጥቃም ንኹልና ከርበሓና ይኽእል ኢዩ።

ብድራር መንታይ

This despotic state in the Horn of Africa crushes its citizens’ freedom, causing many to risk everything on a perilous journey across the Mediterranean. By listening to Eritreans who have got away, the Guardian sheds new light on Europe’s immigration crisis
Eritrean children at Sudan's Shagarab refugee camp in Kassala in 2012

Eritrean children at Sudan's Shagarab refugee camp in Kassala in 2012. 'Eritrea is bleeding parts of its population not because it is the scene of a war – the war with Ethiopia ended over two decades ago – but because a regime of terror does not hesitate to trap many of its citizens in something that resembles slavery.' Photograph: Ashraf Shazly/AFP/Getty Images

Dictatorial regimes barricade themselves from scrutiny. Journalists are denied visas, territories closed off, and rare authorised visits take place under strict control, with access limited to selected places, people and themes that won’t embarrass the autocrat. It is, then, no surprise that Eritrea, a country that has been compared to North Korea, is one of the world’s most reclusive countries. Over its 25 years of independence, it has steadily become a one-president, one-party system, rife with human rights abuses. There is no constitution, no functioning judiciary, and no space for a meaningful opposition or a free media.

Breaking through the protective walls of the regime is especially urgent because, small as it is, this state of 6 million in the Horn of Africa has become a major source of refugees trying to reach Europe. Understanding the reasons for the Eritrean exodus – up to 5,000 leave each month according to the UNHCR – can help make sense of Europe’s wider migration crisis, and also shed light on why so many individuals are prepared to risk death in perilous sea crossings.

So the Guardian is this week breaking the regime-imposed silence about how Eritrea treats its own people, through a series of articles, pictures and videos. Because journalistic visas are virtually impossible to come by, we have spoken to refugees and exiles, to opposition networks, and to people who have visited Eritrea in recent years. The human stories escape the shadow of the censors, and reveal how a population is subjected to unrelenting surveillance, with the constant threat of arbitrary arrest, torture, and the modern-day press gangs that force young men into indefinite military service, which often involves forced labour. There is the smuggled letter of an Eritrean father shocked to have discovered that his 19-year-old son had joined the flow of young people fleeing the country without telling his family. There is the Eritrean man who found asylum in the UK, and then chose to join an NGO helping refugees rescued in the Mediterranean. There are descriptions, by those who have managed to reach Italian shores, of what it means to live in fear in their native country, and accounts of how the decision is taken to gamble everything on making it to a better life overseas in the hull of a overcrowded boat. By putting faces and voices on the migration statistics, the human costs of dictatorship are revealed.

Side-stepping a media blackout by tapping sources outside the country has its limits. Reporting directly, and freely, from Eritrea would certainly be better, but it is impossible. Yet the testimony of those who have fled captures more complexity than might be imagined. Exiled Eritreans don’t want their life experience to be described solely through the lens of repression and suffering: a passion for cycling, for instance, also emerges as part of a culture. The many sides of day-to-day Eritrean life, must be recognised, just as the nightmarish nature of the regime must be relentlessly denounced – as it was in a damning and timely UN human rights report.

Eritrea is bleeding parts of its population not because it is the scene of a war – the war with Ethiopia ended over two decades ago – but because a regime of terror does not hesitate to trap many of its citizens in something that resembles slavery. It’s not that elections are flawed: Eritrea has had no national elections whatsoever since independence in the early 1990s. The rule of president Issaias Afeworki, which has been unbroken ever since, may cloak its brutality in convenient anti-colonial rhetoric. It may resort to intimidation, death threats, online trolls and other propaganda tools to try to defuse criticism. And it may equally continue to refuse access to UN human rights investigators under the pretext that this would infringe on its sovereignty. But such subterfuges do little to hide a crude reality that Eritreans who have fled are desperate to describe. Their voices, a clear cry for change and relief, must be heard.

Source=http://www.theguardian.com/commentisfree/2015/aug/19/guardian-view-on-eritrea-listen-to-voices-mediterranean-europe?CMP=share_btn_link

1961  2015  

Ist Septrember
ንዕለት  05 09 2015 ኣብ ኮለን ብምኽንያት መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራን አገዳሲ ሕዝባዊ ሰሚናር  ከምኡ እውን ምሽታዊ ትልሂትን  ደለይቲ ፍትሒ ኣዳልዩልኩም ሰለዘሎ ንኩሉኹም ደለይቲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኤርትራ ብኽብሪ ይዕድም፡
መደብ ልክዕ ስዓት 02 ድሕሪ ቀትሪ ክጅማር "እዩ ስሚናር ብመራሕቲ ሰልፍታትን ውድባትን ክካየድ ኢዩ ድሕሪ ድራር ማለት ስዓት 09 ምሽት   ናይ ባህላዊ መደብ ድማ መንእሰያት ዘለዓዕል ባህላውን ስነ-ጥበባውን መዘናግዕታት ክህልወና ኢዩ።

ኣድራሻ Rom ev Venloer wall .17  50672 köln- ehrenfeld  mit linia 3.4.5  hansbockler platz
ብድሓን ምጹ
ኣዳለውቲ ሽማግለ መኣዲ ፍቕሪ  Tele  015212963663  01577448859 015789586150  017672272845

 

 

 

ምዝካር         
                 ምስትንታን  
                                            ምርኻብ

   Commoration 1
ብሽም ኩሉ ሃይማኖታት ዓለም ጸሎት ንግዳያት ባሕሪ ን ሳ ህ ራ ን


Samstag, 29. August 2015 14.00 Uhr
                im Anschluss:


ዝ ጅ መ ል ረ ሉ  ስዓ ት  1 4 0 0  ድ ሕ ሪ  ቀ ት ሪ

Commoration 2


Trinitatiskirche Bonn-Endenich, Brahmsstr. 16
Veranstalter/Unterstützer:
Initiative gegen Tod im Mittelmeer 2009 e.V.
Förderverein Pro Asyl
Borderline-europe / Menschenrechte ohne Grenzen e.V.
Ök. Arbeitskreis Flüchtlinge Trinitatiskirche Bonn-Endenich

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ንኹሎም ኣባላቱን ደገፍቱን ጠቕላላ ዓመታዊ ኣኼባ መዲቡ ስለዘሎ ፣ ንኩሉኩኹም ብኽብሪ ይዕድም።    

ዕለት 5 መስከረም 2015.   (05-09-2015)
ጊዜ ሰዓት 2:00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ

Kempering 66

1104 KG Amsterdam.

መጓዓዝያ Metro 53   (station Kraaiennest)
 
ሓበሬታ Telephone  
E-mail  
Facebook  

እጀንዳ።

  1. ዓመታዊ ጸብጻብ ምስማዕ፣
  2. ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ምምራጽ፣

ብደሓን ምጹ።

ኣምራጺት ሽማግለ፣

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣማስተርዳምን ክባቢኣን።

ከምቲ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይከ እንታይ ትደሊ ደሓን” ዝበሃል ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝደሊ ንኹልና ንጹር እዩ። ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ፡ ብርጫ ዝድይብን ዝወርድን፡ ብዙሕነት ዘይጽየፍን ንድምጺ ህዝቢ ዘኽብርን ብዙሕነታዊ መንግስቲ ይደሊ። ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ዘሳሲ ኩነታት ይብህግ። ሎሚ ኣብ መድረኽ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሰብ ጉዳይ እውን፡ ውድባት ይኹኑ ሰልፍታት ወይ’ውን ማሕበራት ካብ ናይዚ ህዝቢ ድሌት ዝተፈልየ ድሌትን ባህግን ከም ዘየብሎም እዮም ዝገልጹ። ድሌትን ሕልምን ህግደፍ ግና ናይዚ ተጻራሪ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ክልተ ተጻረርቲ ድሌታት እዮም ዘለዉ። እቲ ናይ ቃልሲ ኣቕጣጫን ኣሰላልፋን እውን ከምኡ ደድሌትካ ናይ ምዕዋትን ምክልኻልን ስለ ዝኸውን ክልተ ተጻረቲ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

ድሌት ህዝብናን ናይ ለውጢ ሰብ ጉዳይን ንክዕወቱ ክማልእሎም ዝግበኦም ቅድመ ተደላይነታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣተሓሳስባኻን ዓቕምኻን ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ጸሚድካ ምቅላስ ካብቲ ቅድሚት ዝስራዕ ቅድመ-ተደላይነታት ሓደ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ሃዋህው ኣንጻር ህግደፍ ዘተኣማምን ዓወት ምርግጋጽ ኣይከኣልን እዩ። ወሳኒ ግደ ናይዚ ኣገዳሲ ዕማምዚ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነስ ብመሰረቱ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከም ሓደ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ናይ ርኢቶ ብዙሕነት ዝተመስከረሉ እዩ። እዚ ካብ ምግባር በዂርካ፡ በበይንኻ ወፊርካ ክትዕወት’ሞ ዘተኣማምን ቀጻሊ ስኒት ከተምጽእ ምኽኣል ሕልሚ ምዃኑ ንምርዳእ ርሑቕ ኣይክንከይድን ኢና። ናትና ናይ ነዊሕ ዓመታት በበይንኻ ሸንኮለል ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዘለና። ካልእ ንወስኸሉ እንተ በልና ከዓ፡ ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ ሊቢያ፡ ናይ ሶርያ፡ ናይ ሶማልያ፡ ናይ ዒራቕን ካለኦት ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣብነታት ክንዝርዝር ንኽእል ኢና።

ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብቲ እትሰማማዓሉ ዛዕባታት፡ ብሓባር ተቐራሪብካ ምስራሕ እንዳደለናዮን እንዳኣመናሉን፡ ከይንትግብሮ ዝዕንቅጹና ጉዳያት ብዙሓት ኮይኖም፡ እውልል ኣቢልና ክንርእዮም እንከለና፡ ስስዐ፡ ህልኽ፡ ምጽውዋግን ንድሕሪት ምጥማትን ኢልካ ምጥቕላሎም ይከኣል። ስስዐ ብልምዲ ምስ ፍትወተ ንዋይን ገንዘብን ጥራይ እንዳዛመድና ኢና ንገልጾ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና እቲ ካብኡ ዝኸፈአ፡ ስሰዐ ብ”ኣነ ዝሓስቦ ጥራይ እዩ ቅኑዕ እሞ ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ ስምዑ” ዝግለጽ ናይ ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን ሕማም መግለጺ እዩ። ነቲ ኣብ ኣርእስቲ “እምባ” ኢልናዮ ዘለና ከም ናይ ደንበ ተቓውሞና ቃልሲ ሜዳ እሞ ንውሰዶ፡ እዚ ሜዳ’ዚ ብሓባር ተዘይተዋሲእካሉ ውጽኢት ከም ዘይህብ እንዳፈለጥካ “በይነይ ብሒተ ክወርሶ እየ” ኢልካ ምሕላን ከምዚ ኩነታትና ባዕሉ ዝምስክሮ ዘሎ ጐዳኢ ምርጫ እዩ። ንመጻኢ እውን ዓቕምኻ ምውዳእ፡ ግዜኻ ብዘይፍረ ንምሕላፍን ህዝቢ ዘንበረልካ እምነት ምንካይን ተዘይኮይኑ ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ብሓባር እንተዘይወጺእና ከቶ ከምዘይንዕወት ክንፈልጥ ይግበኣና። እቲ ዘሕዝን ከዓ ነቶም መልክዕናን ግርማናን እዮም ኢልና ንንየተሎም ብዙሕነትና በብሓደ እንዳመዝሓቕና መሸፈኒ ድኽመታትናን መፈላለይን ክንጥቀመሎም ንገብሮ ዘተዓዛዝብ ሃቐነ እዩ።

እቲ ካልእ ዘተሓሳስብ፡ ኩነታትና ኣንጻር’ቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብል ንመጻኢ ዝቋመት ትስፉው ምሳለ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ። ማለት ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ኣሉታዊ ምርጫ ተጣዒስና ናብ ልብና ንምለስ፡ ንዓኡ እሞ ድማ ዝረቐቐ ስልቲ እንዳቐየርና ንደጋግሞ ምህላውና እዩ። እዚ ንግደ ትማልን ንጽባሕን ዘንጊዕና ኣብ ሎሚ ጥራይ ንነብር ከም ዘለና ዘመልክት እዩ። ኣብ ሓደ መጽሓፍ “ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ዝሓስብ እንስሳ እምበር ሰብ ኣይኮነን” ዝብል ኣንቢበ ኣለኹ። ንእንስሳ እንስሳ ንሰብ ድማ ሰብ ዘብሎም መልከዖምን ቅርጺ ኣካላቶምን ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ኣተሓሳስባኦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ብርሰትን ጥፍኣትን ደበና ኣሰኪፉካ፡ ውልቃዊ ድሌታትካን ስምዒትካን ውሒጥካ “ምእንቲ ህልውና ሃገርን ህዝብን ክብጀው ኩሉ ክኸፍል እየ” እንተዘይልካ እቲ ፖለቲካዊ ሚዛኑ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንሰብኣውነትካ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትው እዩ።

ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ቃልሲ ነካይድ ምህላውና ሓደ ጉዳይ እዩ። እዚ ቃልሲ ዝኸውን ግና ብውጽኢት ክስነይ እንከሎ ጥራይ እዩ። ኮታ ሕጂ ዘለናዮ ሃለዋት ሓደ ተኽሊ፡ ተተኺሉ ኣብ ፍረ ከም ዘይበጸሐ ዝምሰል እዩ። እቲ ዝኸበደ ከዓ ዘሪእካ ምብቋል ዘይኮነ ነቲ ዝበቖለ ኣብ ፍረ ምብጻሕ እዩ። ብውጽኢት ኣብ ዘይተሰነየ ወይ ናብኡ ዝወስድ ትስፉው ኣንፈት ኣብ ዘይሓዘሉ፡ ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕካዮ ግዜን ኣብቲ መስርሕ ዘካየድካዮ ጉባአታትን ኣኼባታት ምጽብጻብ ጥራይ በይኑ ቃልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ግዜን ኩነታትን ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ቃልሲ ናቱ ግዳማዊ ጽልዋ ኣለዎ። ናይቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ኣካል ድኽመት ወይ ብርታዐ እውን ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ እውን ግዳማዊ እዩ። እዞም ጸለውቲ ባእታታት ነናቶም ኣሰር ዘንብሩ እምበር ነቲ ንዓና ዝምልከት መሰረታውን ወሳንን ሓላፍነት ዝትክኡ ኣይኮኑን። ሓቂ እዩ ኣብዚ ሎሚ እዋን ጉጅለ ህግደፍ ብኹሉ መለክዒ ዕድሜኡ ኣብ ዘሕጽር ተግባራት እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ነቲ ከምስል “ብዘይካይ ሃገርን ታሪኽን ክህልወካ ኣይክእልን እዩ” ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣየዕንግሎን፡ ኣየሕክሞን፡ ኣይከድኖን፡ ኣየምህሮን፡ ንብዙሕ ጉዳያት የገድዶ፡ ኣየንግዶን፡ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ኣየሳትፎን፡ ኣየዛርቦን፡ ኣየጽሕፎን፡ ኣየጸልዮን፡ የዘኽትሞ፡ የጻልኦ፡ የድክዮ፡ ይሸጦ … ወዘተ። ከምዚ ዓይነት ጸይቂ ዝባህሪኡ ጉጅለ ካብቲ ዝብድሎ ህዝቢ እቲ ናይ ክሳድ ንላዕልን ውሽጡ ሕሩርን ክምስታ ገዲፍካ፡ ሓቀኛን ልባውን ደገፍ ክረክብ ዘበት እዩ። ብኽንድዚ ደረጃ ምስ ህዝቢ ዝተዳመየ ጉጅለ ክወድቕ ከዓ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ናይቲ “ኣውዲቐ ክትከኦ እየ” ኢሉ ኣብ ቃልሲ ዝተጸምደ ኣካል ዕማም ብግቡእ ተዘይተኻይዱ፡ ወይ እቲ ጉጅለ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ይቕጽል’ሞ ስቓይ ህዝቢ ድማ መመሊሱ ይመርር። ወይ ድማ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ምቅርራብ ኣብ ዘይተገብረሉ ይወድቕ እሞ ኣወዳድቓኡ ሕማም ደሓር ዘለዎ ይኸውን። ህዝቢ ድማ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ጸገም ይወድቕ።

እዚ ጌና በቲ ንደልዮ ቅልጣፈን ኣገባብን ዘይተጓዕዘ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ፡ ኣይኮነንዶ በበይንኻ ብሓደ ኮይንካ’ውን ቀሊል ሓላፍነት ኣይኮነን። ኣብቲ እንጥምቶ ናይ ርሑቕ ሽቶ ንክበጽሕ ኣብ ርሲቲ ናትና ዓቕሚ ናይ ብዙሓት ደለይቲ ዝቡቕና ወገናት ሓገዝን ምድግጋፍን ዝሓትት እዩ። እቲ ቀንዲ ዘዛርበና ዘሎ ግና፡ ንሕና እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ውሱን ግና ድማ ወሳኒ ዓቕሚ ጸንቂቕና ክንጥቀም ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ እንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ቀዳማይን ቀንድን ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ምዃና ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ክንረኽቦ ዝግበኣና ከባቢያዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝን ደገፍን እውን በቲ ንሕና ካብ ዓቕምና ነቒልና እንገብሮ ኣስተዋጸኦ ዝውሰን ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ኣብ ዘይመሰረታዊ ናይ “እዛ አምባይ መን ይወርሳ?” ህልኽ እንዳኹደድና ናይ ካለኦት ኣእዳው ምምዕዳው ግርምቢጥ እዩ ዝኸውን። ቅድም ኩሉ ዝከኣለካ ብዘይተጉላባ ምስ ገበርካ ዝጐድለካ ክትሕገዝ ምጽዋዕን ምምሕጻንን ግና ውሕሉል ናይዚ ዘመና ናይ ዝምድና ኣገባብ መገልጺ እዩ።

18 ነሃሰ 2015

The newly-elected 33-person central council of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) elected by acclamation at its first regular meeting on 16 August 2015 the incumbent party chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, for another one-year term.

 

Mr. Menghesteab Asmerom, an indefatigable freedom fighter still carrying on without let up the unfinished people’s cause that he started in the mid-1970s, was first elected to chair EPDP in the summer of 2012. The party’s central council elects its chairpersons and members of the executive committee every year.

 

The EPDP Central Council itself, which also consists of four reserve members, was elected at the party’s second congress held during the month of July 2015. Due to the wide-spread presence of party members, the congress was organized in two places: one in Gondar in mid- July for delegates from the Sudan and Ethiopia, and the second part of the congress was held in Wiesbaden, Germany, between 26 and 30 July 2015. The voting outcomes of the two-part congress showed that all five women candidates were elected. The council now consists of 36% of new members to the council, among them a good number of young persons.

 

During this regular meeting, the 5th since the first party congress of 2011, the EPDP Central Council will continue holding several sessions in which it will elect, inter alia, new members of the executive committee, the general auditor, performance controller and approve one-year programs of all party organs.

 

It is to be recalled that the EPDP was declared on 1 January 2010 as merger of significant wings from the two major organizations of the liberation struggle era. During its short history of five and a half years, the EPDP leaderships were headed by Messrs Woldeyesus Ammar, Hamid Dirar and Menghesteab Asmerom for the past three years.

                 ነታ ሓቂ ክደፍን ዝሃቀነ

                   ከንቱ ይተርፍ ማይ ዝሓቖነ

                   ኣብ ዓለም ይነብርከይቀሰነ

እብ ጸወታ ክዕሶ እግሪ ትፎዝያ ወይ ደጋፊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣሎ። እቲ ደጋፊ ግና ምስቲ ናይ ካልእ ጋንታ ዘባእሶ ወላ ሓንቲ የለን። ግንከ ካብ ስምዒትን ናይ ዕብለላን ትምክሕትን ወይ እውን ኣነ ክስዕር ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምግርጫዋት ይእቶ። ኩሉ ሸንኽ ድማ ነቲ ዳኛን ነቶም ናይ ወሰን መንጎኛታትን እዚ ገይሮም እቲ ፈጺሞም ክብሉ ነናቶም ፍርዲ ክህቡ ከለዉ ንረብሓ እታ ዝኣምኑላ ጋንታ ጥራሕ ኢዮም ዝጣበቑ።

እዚ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ቃልስናኸ ካብዚ ቲፎዝያ ናይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ይፍለዶ ኮን ይኸውን ወይ ዝመሳሰል ኢዩ ኩልና ክንመራመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ። ምኽንያቱ ንኣሎ ዝብሃል ፍልልያት ተመዓዲኻ ቱሕ ምባል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብምዝታይን ልዝብን ጥራሕ ኢዩ ዝፍታሕ። ኣብቲ ፍታሕ ናይ ምርካብ ድማ ቅንዕና ዝመልኦን ርትዓውን ዝኾነ ፍታሕ ክመጽእ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ ክኸውን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። እዚ ከኣ ከምቲ ዊልያም ፎልክነር ዝበሎ፥’’ ንቅንዕናን ሓቅን ርህራሄን ዓው ኢልካ ድምጽኻ ኣንጻር ወጽዓን ሓሶትን ስሰዐን ክብ ንምባል ፈጺምካ ኣይትፍራህ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ከምዚ ዝፍጽም ነይሩ እንተዝኸውን መልክዕ መሬት ምተቐየረ ነይሩ’’ ይብል።

እወ! ሓደ ስውራዊ ወይ ከኣ ንመላእ ሕብረተሰብ ናብ ፍትሕን ራህዋን ከሰጋግር ዝጽዕር ንሓሶትን ጠቐነን ወጊድ ክብልን፥ ንሓቂ ሓቂ፥ ንጌጋ ከኣ ጌጋ ክብል ዝደፍር ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር ሎሚ ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ማለት፡ እቲ ክቡር ባህልና ብምህሳሱ ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ባህልና ቅልውላው ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ሃገርናን ዓለምናን እውን ከይተረፈ እቲ ሓቂ ምዝራብ ዳርጋ እናማህመነ ከይከይድ የስግእ ኢዩ። ሓሶት ምዝራብ ካብ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ዝበርተዐ ምዃኑ ኩልና ኣሉ ዘይንብሎ ሓቂ ኢዩ ስለዝኾነ ድማ መጥፍኢ መሬትን ህዝብን ኢዩ።

እምበኣር ነዚ ክቡር ባህልና ኣብ ንቡር ቦትኡ ክንመልሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ክምልሶ ዝግብኦ ይኸውን። ናይ ሎሚ ወለዶ ካብቶም ቀዳሞት ወለዶ ከምዝወርስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን እቶም ቀዳሞት ወለዶ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ በቲ ዝግባእዶ የስንቕዎ ኣለዉ? ዝብል ሕቶ እውን ክለዓል ግቡእ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀዳሞት ወለዶ ዝውረስ ካብ ሃለወ እቲ ዘውርስ ግቡኡዶ የካይድ ወይ ይገብር ኣሎ ዝብል ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ።

ስለዚ እቲ ገዲም ወለዶ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ከስንቖ ከሎ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ዘስንቖ ዘሎ ምድህሳስ ወሳኒ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ፓልቶክ ዝስማዕን ኣብ ውልቀ-ሰባት ዝንኦም ክብሉ ዝዛረብዎን እንተኾይኑ ብሓቂ ክእረም ዝግብኦ ከምዘሎ ትርዳእ ኢኻ። ምኽንያቱ ኣሎን ዘየሎን፥ ዝተገብረን ዘይተገብረን ኩሉ ሓዋዊስካ ምግላጽ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይብርክት። ንደቅና ይኹን ንነኣሽቱ ኣሕዋትናን ደቂ ሃገርናን ጽቡቕ መርኣያን ኣብነትን ክንከውን ስለዘይከኣልና ድማ እነሆ ትርጉም ናይ ሓቂ ኣብ ህይወቶምን ኣብ ዝፍጽምዎ ዝምድናንታትን ርክባትን፥ ማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ዘለዎ ጽልዋ ንምህሮም የሎናን። ብሓሜታን ሓሶትን ግን ክሳብ ዒግ ዝብሎም ነስንቖም ከምዝሎና ርዱእ ኢዩ። እዚ ከኣ ንጽባሕ ንግሆ ኣብ ነንሓድሕዶም ክህልዎም ዝኽእል ዝምድናታትን ምትእስሳራትን ብኣሉታ ክጽሎን ኣብ ሓድነቶም ሽግር ዝፈጥረሎም ጥራሕ ዘይኮነ ምትእምማን ከምዝስእኑ ክገብሮም ምዃኑ ኢዩ።

ሓሶትን ሕሜታን ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ከይተጠቐምናልን ኣይንሓልፍን ኢና። ይኹን እምበር እቲ ሓሶት ብሓቂ እንተዝትካእ እቲ ኣሎ ዝበሃል ፍርሕን ጥርጠራን ፈጺሙ ምተደምሰሰ እሞ፥ ደቂ ሰባት ጥዑይ ዝኾነ ዝምድናን ንሓባራዊ ረብሓን፡ ምትሕግጋዝን መተግበሩ ነይሮም። ደሓር ከኣ ሓሶትን ሕሜታን ከምኡ እውን ብሰምን ወርቅን ኣቢልካ ምዝራብ ባህሪ ናይ ፖለቲከኛ ባኣታ ስለዘይኮነ፥ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ፖለቲካ ክንዋስእ እንተዀና ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቂ ክንዛረብ ከሎና ኢዩ እቲ ናይ ሓቢርካ ምንባርን፥ ምህዞታትን ንምዕብልና እታ ሃገርን ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ምህናጽን ውሑስ ዝኸውን።

በዚ ዝኣክል ንሕና ኤርትራውያን ሃገራዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ስምዒታትናን ኣዕቂብና ብሓባር ካሳብ ዘይተቓለስናን እቲ ቃልሲ ንረብሓ ህዝቢ ወይ እውን ነታ ሃገር ዘይኮነስ እቲ ሳዕቤን በንጻሩ ኮይኑ ህዝቢ ዘይሳተፎ ቃልሲ ናይ ሓራ ምውጻእ ቃልሲ ኣይክኸውንን ኢዩ።

ስለዚ ኩልና ንኤርትራውነትና ክንቃለስ ከሎና ንሱ ጠማሪና ስለዝኾነ ኣበይናይ ሰልፊ ንሃሉ ብዘየገድስ ነቲ ህዝብን ሃገርን ዘማዕብል ርእይቶታት እኳ እንተተፈላለየ፥ መባኣስን መረሓሓቕን ክኸውን ግን ርትዓዊ ኣይኮነን። እቲ ሕማቕን ኣሉታን ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ሓቂ ተሓቢኦም ዝርከቡ ሓሶታት ከም ኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት 31-07-2015 ክሳብ ዕለት 03-08-2015 ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ብዙሓት ኣባላት ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ተረኺቦም ናይ ሓባር ናይ ክትዕ መድርኽ ዝተኻየደ ፈጺምካ ከምዘይተኻየደ ኣምሲልካ ምዝራብ ይረአ ኣሎ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣዕናውን ሃሳይን ሓሳብ ነቲ ሓቂ ደፊንካ ብሓሶት ክትልዕጥጦ ዘፍርዮ ፍረ ምድንጋርን ምንጻልን ጥራሕ ኢዩ። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሓሶት ዝተመርከሰ ሓበረታ መሰረት ገርካ ኣሚንካ ምስ ተተግብሮ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛን ኣኽሳርን ዝኾነ ዛዕባን ኢኻ ትወድቕ። ስለዚ ንሓሶት ሓበረታ ካብቲ ሓቀኛ መግለጺ ፈሊኻ ከይመመኻ ዝውሰድ ውሳኔ ከይዱ ከይዱ ስኒትን ቅሳነትን ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ዘህስስን ኢዩ ክኸውን።

እቲ ኣውራ ሽግርና እምበኣር ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ካበይ ጀሚርና ናበይ ክንከይድን ንዓልብን ስለዘይንምድቦ ኣብ ጓል ነገር ንህውትት እሞ፡ ምስኡ ድማ እቲ ሓሶትን ጠቐነን ኣጎዝጒዝና ንውንጨፍ። እዚ ከኣ ምልክት ናይ ፖለቲካዊ ጥፈሻ እምበር ፖለቲካዊ ባእታስ ኣብ ከምዚ ኣይወድቕን ኢዩ። ካልኣይ ሽግርና ድማ፡ መን ኢዩ ኣንጻርና ወይ ከኣ ጸላኢና ስሒትና እቲ ጽልኢ ኣብ ነንሓድሕድና ንመልሶ እሞ ክንናኸስ ንውዕልን ንሓድርን። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብመንእሰይዶ ብኣረግቶት እናተባህለ ነቲ ሓቢርካ ናይ ምቅላስን ሰብ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ንኸይውደብን ውድባት ይኹና ሰልፍታት ኣየድልን እናተባህለ ናብ ዓወት ዘየብጽሕ ጎደና ሕዝና ኣይ ንቕድሚት ኣይ ንድሕሪት ኰና ኣለና።

ስለዚ ክንቃለስ ከሎና ማለት ኣብ ሰልፊ ንሃሉ ኣይንሃሉ ብዘየገድስ ዕላማ ኣሎና። ዕላማ ካብ ሃለወና ድማ ዕላማና ክንቆናጸብን ክንወናጅልን ዘይኮነስ ከመይ ናብ ናይ ሓባር ስራሓትን ናይ ሓባር ዓወትን ንበጽሕ ክኸውን ኢዩ ዝግበኦ። ኮይኑ ግን ንሕና ኤርትራውያን ሕማም ኣሎና፥ ሕማምና ከኣ ንሓቂ ደፊንና፥ ብሓሶትን ጠቐነን ኣቢልና ክንፍውሶ ንጽዕር ዘሎና ይመስል። እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ስለዝኾነ ክድምሰስ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።

ምልኪ ኩሉ ግዜ ግርጭታትን፥ ምናፍሓትን፥ ቅሳነት ምኽላእን፥ ሽበራን፥ ዘይምስምማዕን ዘይምውህሃድን ከምዝጭጭሕ ኢዩ ዝግበር። ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒኸ ደኣ ስለምንታይ ኢና ንሓቂ ደፊንና ኣስር ምልኪ ተጎምጉምናያን ተዓጢቕናያን እንጎዓዝ።

ብድራር መንታይ

Monday, 17 August 2015 11:45

Guardian Africa series: Inside Eritrea

Written by

Follow three days of coverage devoted to getting a deeper look at the country making the headlines for all the wrong reasons. Here are some highlights:

Asmara, Eritrea

A cyclist in Eritrea’s capital city, Asmara. Photograph: Natasha Stallard/Brownbook

Contribute with

In 1991 Eritrea emerged from a 30-year war with neighbouring Ethiopia. For decades the small east African country had fought for its independence, and when it was finally won its 6 million people were full of hope for a bright, free future.

Refugees speak of their home as an “open prison” in a paranoid political climate where the government allows no elections, where torture is routine, and all media beyond the state sanctioned newspapers and TV has been wiped out.

In response to the worsening crisis, in June the United Nations released its first comprehensive investigation into the country, collecting the testimonies of 550 people. It reported “systematic, widespread and gross human rights violations have been and are being committed”, and found a country “in a permanent state of anxiety”.

With international journalists routinely refused access and little reliable news emerging from the country, the Guardian Africa network is devoting three days of coverage to better understand what is happening inside Eritrea.

We start with a report by the Guardian’s Monica Mark, who has investigated the contrasting experiences of those living inside the secretive state – and the differing reasons behind the mass exodus of recent years.

We’ll also publish the Guardian’s first article in Tigrinya, Eritrea’s most spoken language, examining why so many people are fleeing the country and risking the journey across northern Africa to the Libyan coast and beyond.

We’ll hear from a father in Asmara about the pain of discovering his 19-year-old son had escaped, in a note smuggled out of the country via the underground Freedom Friday activist network.

Advertisement

This year, Eritrea was ranked by the Committee to Protect Journalists as the worst in the world for press repression, and we’ve partnered with the newly established PEN Eritrea to profile the journalists and editors who have been imprisoned for more than 14 years, many of whom are thought to have died in secret jails.

Beyond politics, we’re also looking at the country’s love of cycling, introduced by Italian colonisers in the 1890s and now thrown into the spotlight thanks to Daniel Teklehaimanot’s success at this year’s Tour de France, and its music history, from revolutionary funk to the YouTube hits of today.

In collaboration with our partner site Brownbook, we’re profiling the adventurous colonial-era buildings that populate Asmara’s skyline, built by Italian architects in the 1930s who were encouraged to think of this Horn of Africa country as their own creative playground.

With a growing diaspora community abroad, we’re also looking at the furious online debate about Eritrea, and how internet users take to social media to both defend and criticise the regime. We’ll hear from activists and campaigners who say trolling and death threats are now commonplace for them, as pro-regime accounts attempt to silence dissent.

If you have any suggestions for stories we’d love to hear from you – either in the comments or by emailing This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.