የማነ ገብረኣብ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን የማናይ ኢድ ዲክታቶር ኢሳያስን ኣብ ከተማ ኣስመራ  ኮይኑ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ንዝነብሩ ኣስታት 250 ዝኾኑ ደገፍቲ ህግደፍ ብፓልቶክ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ  ናይዚ ብ10 ማዝያ 2016 ዝተኻየደ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ፡ ነቶም ካብ ህግደፍ ተስፋ ዝቖረጹን ሓድሽ ነገር ዝጠልቡ ዘለዉን ደገፍቲ ህግደፍ ንምብርባርን ኣቕጣጫ ቀይርካ ንምዝንጋዖምን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ካብቶም ተሳተፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። የማነ ገብረኣብ ናይቲ ኣኼባ ምስሊ ንምጽብባቕ “ንቕሓት ኣባላት ህግደፍ ክብ ንምባልን፥ ከመይነት ናይቲ ኣባል ህግደፍ ውዲት ጸላኢ ንምቚጻይ ክጻወቶ ዝግብኦ ግደ” ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝሃቦ ከኣ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ምንጪ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ዋላ ሓደ እኳ ነቲ ብ3 ማዝያ 2016 ኣብ ከተማ ኣስመራ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ዘይጠቐሶን ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖን ጠቒሱ።

እቲ ምንጪ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ገለ ካብ ኣባላቱ “እሱራት ይፈትሑ፡ ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ዝወጽሉ ብልሓት ይረኸብ” ዝብሉ ሓሳባት እንዳ ኣልዓሉ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ከዕልሉ ምጅማሮምን ካብ ምቁጽጻሩ እንዳወጸ ይኸይድ ብምህላዉን ኣዝዩ ኣሰኪፍዎ ኣሎ።

እዚ ናይ በዓል የማነ ገብረኣብ “ነብስኻ ናይ ምድሓንን ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕን” ወፈራ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሳምንታት እውን ክቕጽል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ እምበኣር ነዚ መድረኻት ጉጅለ ህግደፍ “ምሳኻ የለናን” ዝብልሉ ኣጋጣሚ ገይሮም ክጥቀምሉ ይግበኦም።

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፣ ብዕለት 09 ሚያዝያ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣገዳስነት ናይቲ ኣኼባን ምስጋና ንተሳተፍትን ብዘቐደመ መኽፈቲ ቃል ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም እዩ ኣኼባ ተጀሚሩ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ መኽፈቲ ቃሉ፡ እቲ ኣኼባ መቐጸልታ ናይታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከካይዶ ዝጸንሐ ልዝብ እኳ ይኹን እምበር፡ ብኣኼባ መልክዕ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ክትላዘብ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰለስተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ሒዙ ምቕራቡ ገሊጹ።

 

ዕላማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ክገልጽ ከሎ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ኢሉ። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ከኣ፡ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡ ከም’ቲ ገለገለ ሸነኻት ዝብልዎ ጽገና ኣይኰነን ክብል ኣስሚርሉ።

FFT Meeting090416 2

ንተልእኮ ሰዲህኤ ኣመልኪቱ ድማ፡ ሓርነት ህዝቢ ምውሓስ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምሕላው፡ ድኽነት፡ ሕማምን ድንቍርናን ምስዓርን ንሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕን ምዃኑ ኣብሪሁ። ሰዲህኤ፡ ልዑላውነት መሬትን ህዝብን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ። ናይ ህዝቢ ልዑላውነት፡ ብዘይ ናይ መሬትን ኣብ መሬት ዝርከቡ ጸጋታትን፡ ብዘይ ባሕርን ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ጸጋታትን፡ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣረዲኡ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ እቲ ልዑላውነት ናይ ህዝቢ እምበር ልዑላውነት ናይ ስንጭሮታትን ጎቦታትት ኣይኰነን ዘድልየና ዝብል ኣበሃህላ ግጉይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ራእይ ሰዲህኤ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ነዞም ዝስዕቡ 8 ነጥብታት ጠቒሱ።

 

1. ህዝቢ ምንጪ ስልጣንን እምነ-ኵርናዕ ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ዕብየት ምዃኑ፤

2. ሓድነት ናይ ብዙሕነት ዝብል መትከል ይኣምን፤

3. መሰረታዊ ናጽነታት ኤርትራዊ ዜጋ ምኽባር፤

4. ፍትሓዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ዕብየት ምርግጋጽ፥

5. መራኸቢ ብዙሓን ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ናጻ ክዀኑ፤

6. ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕዳር ምኽታል፤

7. ግደ ሃይማኖትን መንግስትን ምፍልላይ፤

8. ኣህጕራዊ ስምምዓትን ውዕላትን ምኽባር።

 

ንጕዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ኣመልኪቱ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንናጽነትን ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምንባሩ ገሊጹ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ንሰዲህኤ ማእከላይ ዕላማ ኢዩ ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእቱ ዝተፈተኑ ናይ ምምቕቓል ፈተነታት ኣብነታት እናጠቐሰ ከምዘፍሸሎ ሓቢሩ። ናይ መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምምቕቓል፡ ብስርዓት ደርግ ዝተፈተነ ናይ ቆላን ከበሳን ምፍልላይ መደባት ብሓድነቱ ኢዩ ኣፍሺልዎ ኢሉ። ብሰላማውን ብረታውን ተጋድሎኡ ንዘረጋገጾ ናጽነቱን ሓድነቱን ድማ ብሪፈረንደም ኣቢሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዛዚምዎ ኢዩ ኢሉ።

 

ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት ከኣ፡ ርእይቶ ሰዲህኤ፡ ናይ ሓባር ራእይ ዘለዎም ውድባት ተጸናቢሮም ሓደ ውድብ ክምስርቱ፥ ዝተፈላለየ ራእይ ዘለዎም ውድባት ድማ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ሓቢሮም ክቃለሱ ዘኽእሎም ልፍንቲ ክምስርቱ ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሰዲህኤ ድሕሪ ካልኣይ ውድባዊ ጕባኤኡ ዘካየዶም ኣገደስቲ ንጥፈታት ብዝርዝር ገሊጹ። ንህልዊ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ባርባራዊ ናይ ቅትለት ስጕምቲ ኣዛሚዱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት ብሓባር ክዅንንዎ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ብሰንበት 10 ማዝያ 2016 መሪሕነት ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ (ሰ,ዲ.ህ.ኤ) ሰሜን ኣመሪካ ምሉኣት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ድሕሪ ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ምርጫ መሪሕነት ዞባ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣኼባ ከካይዱ።

ኣኼባ ብዝለዓለ ሱታፌ ኣባኣት እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ ብኣቦ ወንብር  ሓው ቃልኣብ ክፍለጊዮርጊስ ተመሪሑ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ከኣ ኣትኵሩ ብስፍሓትን ዑምቆትን ተመያይጡ፤

·        ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ መሪሕነት ዞባ ዘማልኦም ዕማማት

·        ክፍልታት ዞባ ሓላፍነታተንን ዕማማታንን

·        ናይ ጨንፈራት ግቡእን ሓላፍነተንን

·        ትጽቢት ኣባላትን ምኽርን

ኣቦ  ወንበር ዞባ ንዝተመዘዘ ነጥቢ ኣጀንዳ ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጹ ሓለፍቲ ክፍልታት ድማ ብወገኖም ዕማማቶምን መምርሒታቶምን ንኣባል ኣላለዩ። ድሕርዚ እኹል ግዜ ንሕቶን መልስን ተዋህበ። ኣባላት ሓዳስ መሪሕነት ክሳብ ሕጂ እተርእዮ ዘላ ኣገባብ ኣሰርርሓን ኣተሓሕዛ ዕማማትን ድሕሪ ምንኣድ፡ ዘይሕለል ምትሕብባሮም ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ኣረጋገጽሎም። 

መሪሕነት ዞባ ካብ እትምረጽ ጀሚራ ኣኼባታት ናይ መራሕቲ ጨናፍራትን ካልኦት ኣገደስቲ ዕማማትን ንጥፈታትን ተካይድ ከምዘላ ተመስኪሩ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት፡ ዞባ ጕባኤ ዘማእከለ፡ ኣውጺኣ ብዕቱብ ተታሒዛቶ ከምዘላ ተሓቢሩ። ኣኼባ ብመንፈስ ምርድዳእን ምክብባርን እዩ ተኻይዱ።

On April 10, 2016 North America (USA & Canada) EPDP Zoba Leadership hosted all–members teleconference meeting. This is the first conference of this magnitude after its election in December 2015.

The meeting was attended by overwhelming majority of members. The Zoba chairman haw Kalaab Kifleghiorghis lead the meeting and the main agendas were the following:

·         Zoba leadership’s progress report

·         Zoba’s departments responsibilities and tasks

·         Branch responsibilities and activities

·         Members expectation and suggestions to zoba

The Chairman discussed the agenda points in depth and detail. Each zoba office leaders also briefly present their tasks and responsibilities. Lengthy questions and answers session was given and covered all topics. Zoba members expressed their satisfaction with the performance of Zoba Leadership and pledge to collaborate to their ability to achieve the objectives. 

Since its election, the Zoba Leadership have engaged in meetings with branch leadership and outlined action plan for the next six months which includes zoba congress. The meeting ended with high spirit of respect and civility.

እቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሃገረ ሽወደንኤርትራ ኣብ ልብና !!! ዘርእስቱ ኣገዳሲ ሰሚናር ንኩሉም ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ምስ ስደተኛታት ዝሰርሑን መማህራን ብዘሕደሮ ጽልዋን፡ ሲዒቡ እውን ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ተለቪዝዮን ልክዕ ሓቀኛ ሃለዋት ሃገርና ስለ ዝተቃልሔ እንሆ ንቀጻልነቱ ብግዱሳት ሽወደናውያን ፈተውቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን ብሓባር ማሕበር ኣቊሞም፡ ዓመታዊ ጉባኤ ብዕለት 28/03/2016 ኣካይዶም ስሩዕ ንጥፈታቶም ከም ዝጀመሩ ነበስር። እዚ ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ብ ኤርትራ ኣብ ልብና!!!ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ዉህደትን ዝሰረቱ እዩ። ኣርማን መለለይን ማሕበር ከኣ ሰንደቅ ዕላማ ሃገር ሽወደን ብቅርጺ ልቢ ኮይና ፡ ኣብ ማእከላ ከኣ ብሰማያዊት ሕብሪ ቅርጺ ኤርትራ ክኸውን ትርጉም ሓዘልን ዘኩርዕን ኣርማ ኮይኑሎም ብሙሉእ ድምጽን ጣቅዒትን ብደስታን ኣርጊኦምዎ። ቀጺሎም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ከኣ ንዓመተ 2016-2017 እተማእክል ሽማገለ መንእሰያትን ሽወደናውያን ዝኣባላታ መሪጾምመስራቲ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም።

في الثامن من ابريل 2016م اجتمع الأخ/ تسفاي ولد ميكائيل ( دقيقة ) مسئول دائرة الشؤون التنظيمية بالمكتب التنفيذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري بفرع الحزب بأديس أبابا. تناول الاجتماع بالشرح المفصل مبادرة حركة مدرخ لجمع الصف الارتري المعارض في لقاء نيروبي ونتائجها وما تمخض عنها من لجنة اتصال الأخ/ دقيقة عضوٌ بها ثم تطرق الي مجمل الوضع الحزبي الخاص والارتري العام.

 

وبخصوص لجنة الاتصال المؤقتة ذكر دقيقة أن اللجنة بالإضافة الي اجتماعها التفاكري بأديس أبابا التقت بجميع القوى المعارضة، سواء تلك المشاركة في لقاء نيروبي أو التي لم تشارك، واتفق الجميع علي أهمية مواصلة اللقاءات الثنائية كانت أو الجماعية.

 

من جهةٍ أخرى أبان دقيقة أن الحزب بذل ولا يزال يبذل أقصى جهد ممكن في سبيل تذليل العقبات أمام انعقاد لقاء تشاوري شامل لجميع قوى المعارضة الارترية، وأضاف أن علي الجميع أن يضع هذا الهم في أول سلـَّــم أولوياته للعمل سوياً من أجل الخروج من هذا المأزق الذي أعاق بل شلَّ حركة المعارضة عن كل حراكٍ إيجابيٍّ شامل. وشدد علي أن وضع ارتريا اليوم لا يحتمل التمهل والتلكؤ في جمع الصف للتعجيل بوضع الحد لحالة التداعي والانهيار التي يتعرض لها الوطن. وعلي ذات النمط وجه النداء الحار لقوى المرأة والشباب بالالتحاق بهذا الحراك النضالي المتسارع للجماهير الارترية.

 

بعد إتاحة الفرصة لعضوية الاجتماع وردت الي المنصة الأسئلة والملاحظات التالية: ما العقبات والتحديات الماثلة أمام لجنة اتصال مبادرة نيروبي؟ ما أهم إنجازات المبادرة حتى الآن؟ ما تقييمكم لمدى انتشار وتنامي روح العمل المشترك في أوساط مكونات المعارضة؟ ما دور ومكانة منظمات المجتمع المدني في المبادرة؟ هل أحرز الحزب تقدماً إيجابياً في النشاطات ذات الطابع الجماهيري والمشترك؟

 

هذا وقد وجدت الأسئلة الإجابات الشافية، وفي ختام اللقاء أكد دقيقة أن مهمة إسقاط الدكتاتورية وتنصيب الديمقراطية ليست بمهمة أحادية المسئولية، بل مسئولية مشتركة تخص جميع قوى الديمقراطية والتغيير سواء العامل منها في حقل النشاط النضالي أو الجالس علي رصيف العمل الوطني العام.            

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ8 ማዝያ 2016 ምስ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ንሱ ኣብዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ዘካየዶ ኣኼባኡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ እታ ኣብ ናይ ናይሮቢ ብተበግሶ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ዝተጋበአ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝቖመትን ንሱ ዝኣባላን ግዚያዊት ኮሚተን ዝተፈላለዩ ሰልፋውን ኤርትራውን ጉዳያትን ኣብዚ ኣኼባ መብርሂ ሂቡ። ኣብ’ዚ መብርሂኡ ከም ዝገለጾ፡ እታ ግዝያዊት ኮሚተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኣ ኣብ ርእሲ ምክያዳ፡ ምስ ኣብ ኣኼባ ናይሮቢ ዝተሳፋን ዘይተሳተፋን ተቓወምቲ ውድባት ሃነጽትን ኣብ ቀጻሊ ኣኼባ  ንምብጻሕ ዝሕግዙን ርካብት ኣካይዳ፡  ጠቐምቲ ሓሳባት ክትረክብ ከም ዝኸኣለት ሓቢሩ።

ብጻይ ተስፋይ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ንኹለን ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክሓቁፍን፡ ደንበ ተቓውሞ ካዚ ኣትይዎ ዘሎ ወጥሪ ከውጽእ ተስፋ ዝተነብረሉን መጻኢ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ንምብጻሕ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ቅሩብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተና ኣካይዳ እንነብር፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክንሰግር ከም ዝግበኣና ብምጥቃስ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃለዋት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ምስ ገለጸ ከኣ፡ እቲ መዋጸኦ ሓቢርካ እምበር በበይንኻ ዝመጽእ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ። ኣብዚ መብርሂኡ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብዚ ንኸዶ ዘለና ናይ ለውጢ መስርሕ ወሳኒ ምኻኑ ጠቒሱ ተሳትፎኦም ክሕይሉ ጸዊዑ።

ድሕሪ’ቲ ሰፊሕ መግለጺኡ፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተኸፍተ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ቅድሚ ግዚያዊ ኮሚተ ናይሮቢ ዘሎ ብደሆ እንታይ’ዩ? ምምኽኻራዊ ርክብ ናይሮቢ ክሳብ ሕጂ እንታይ ኣውንታ ኣመዝጊቡ ክበሃል ይከኣል? ኣብ ውድባት ተጠርዩ ዘሎ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዝንባለ ከመይ ትመዝኖ? ግደ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ መስርሕ ተበግሶ ናይሮቢ ከመይ ክኸውን’ዩ? ህልዊ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ … ዝብሉ ዝርከብዎም ብዙሓት ሕቶታት ቀሪበምሉ ዝርዝር ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዲክታቶር ኣሊኻ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካእ ከቢድ ሓላፍነት፡ ንውሱናት ውድባት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ለውጥን ራህዋን ዝብህግ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቃስ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ጸዊዑ። 

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ልወጢ ነቲ ብሰንበት ሚያዝያ 3 2016 ኣብ ሕንብርቲ ከተማ ኣስመራ ዘጋጠመ ባርባራዊ ቅዝፈት መንእሰያትና ዝተሰማዓና መሪር ሐዘን እናገለጽና ንቤተሰብ ግዳያት ጽንዓት ይሃብ ንብል። በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስቃይ እቲ ኣብ ማእከል ስርዓት ህግደፍ ኾይኑ ሐሳረ መከርኡ ዝሪኢ ዘሎ ህዝብና ንከብቅዕን ኩሉቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ኣረሜናዊ ግፍዕታትን ካብ ምቅላዕን ምቁዋምን ሐንቲ ካሊእት’ውን ትኹን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ስለዝኾነ ድማ  ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣረሜናዊ ፍጻሜ ሐዘና ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኾነስ ንህዝብና መጸዋዕታና እነቕርበሉ ሰዓት እውን’ዩ።

ኦ- ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡

እዚ ሎሚ ኣጋጢምካ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ መቀጸልታ ናይቶም ፍርቂ ኣካላቶም ኣብ በርካታት ኤርትራ ቀቢሮም ዝኣተዉ ሐርበኛታት ስንኩልላን ማይሓባር ዝተፍጸመ’ዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ መቀጸልታ ነቲ ንሱ ባዕሉ ብስዉር ዝወለዖ ወራር ዓደቦኦም ከይድፈር ጅግንነት ዝፍጸሙ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ እስርቤት ዓዲ ኣቤቶ ብደ ርዘናት ዝፈጸሞ መቅዝፍቲ’ዩ ። ሎሚ ድማ ስጋብ ክንደይ ንጽንተትካ ተበጊሱ ምህላዉ የዓሪካ ክትፈልጦ መሬትካ’በር ንስካ ከምዘይ ተድልዮ ይነግረካ ምህላዉ ከተስተውዕል ይግባኣካ።እሞከደኣ ስቅታካ ክሳብ መኣስዩ። እዚ ሕሱም ኣረሜናዊ ስርዓት’ዚ ዳስ ሐዘን’በር ዳስ መርዓ ወይ ሓጎስ ክትተክል ዘይምነየልካ፡ ውሉዳትካ ካብ ቅድሚ ዓይንካ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡን ኣደዳ ባሕርን ሸየጥቲ ደቂ-ሰባትን ክኾኑ ንስካ ድማ መዓልታዊ ተቀባሊ መርድእ ኾንካ ክትነብር፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝትረፉ’ውን እንተኾነ ዕደመ ንእስነቶም ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ቆሪኑ ጸልማት መጻኢ ሂወት ክሕልፉን ነዚ መሪርዎም እንተ ተቃወሙ ድማ ከምዚ ኣብ ቕድሚ ዓይንካ ዝረኣካዮ ብዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ግፍዒ ብጥይት ክቅለዉ ዝገብር ዘሎ ደመኛካ ሕሱር ስር ዓት ዓይንካ ከፊትካ ብትብዓት እትምክተሉ ሰዓት ሕጂዩ።

ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቅታካ ከምዚ እንተ-ቀጺሉ ስቓይካ ክቅጽል ጥራሕ ዘይኾነስ ህላዌካ ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱውን’ዩ። ውሉዳትካ ሲኢካ ከይኣክል ነታ ብፍርቂ ከብድኻ እናሓድርካ ተዓምጺጽካ እትሓድረላን መርድእ ወሉዳትካ ተዓጺኻ እትነብዓላን ጎጆካ ብዶዞራት ኣፍሪሱ ኣብ ኣሳሓይታን ንፋስን ተቃሊዕካ ኣደዳ ዘይፍወስ ሕማማትን ሞትን ክትቃላዕ ጌርካን ጌና’ውን ይቅጽል ኣሎ። እሞከዳኣ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ነባሪ ህዝቢ’በር ነባሪ ስርዓት ከምዘየለ፡ ቃልሲ ውጽዓት አንጻር ጨፍለቕቲ ስርዓታት ድማ ኩሉ ግዜ ከምዝዕወት ኣሚንካ ንመሰልካ እትለዓለሉ ግዜ ሎምን ሕጅን ጥራሕ’ዩሞ ንመሰልካን ክብርኻን ተለዓል።

መጸዋዕታ፣ ንደገፍትን ተደናግጽትን ስርዓት ህግደፍ፡

ስቃይን መክራን ፣ሞትን ብርሰትን ህዝብኹም እናራኣኩም ከምዘይ ራኣኩም፡ እናሰማዕኩም ከምዘይ ሰማዕኩም ንህዝብኹም ክትብድሉን ከተንብዑን ጸኒሕኩምን ገና’ውን አለኹም። እዚ ኣብ ታሪክ ህዝብኹም ዘይድምሰስ ኣበሳ በቲ  ንሱኹም እታኣምንሉን እተሳስይዎን ስርዓት መንእሰያት የሕዋትኩም ክጸንቱ፡ ሃገር ክትበርስ፡ የዒንቲ ኣደታትኩም ብንብዓት ሓዘን ክዓውር ፡ ስንኩላን ሓርበኛታትኩም ብመንግስቶም ክርሸኑ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ሐርበኛታት የሕዋትኩምን ኣያታትኩምን ኣብ እስርቤት ብዘይ ፍርዲ ክሞቱን ክሳቐዩን እናራኣኹም ብውሽጥኹም እቲ ሐቂ እናበልዓኩም ንግዚያዊ ረብሓኹም ክትብሉ ብህዝብን ሃገርን ትጻወቱ ምህላውኩም ተገንዚብኩም ኣብ ጎኒ ውጽዕ ህዝብኹም ደው ክትብሉን፤ ዝተረፈ ህዝብኹም ካብ መከራን ስቃይን ክድሕን፡ ነዚ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ተጠቂምኩም ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ክትኩኑኑን መጸዋዕታ ካብ ውጹዕ ህዝብኹም ይቐርበልኩም ኣሎ።

እታ ክትጸንትን ክትበርስን ዓይንኩም ዓሚትኩም እተጥፍእዋ ዘለኹም ሃገር ምስየናይ ወሎዶ ክትነብሩላ ኢኹም ትሓልሙ ዘለኹም። ዘፍርን ዝወልድን መንእሰይ ንክጸንት ትፈርድዎ ከም ዘለኹም ይስቆረኩ’ድዩ። ስለዚ ነታ ሕጂ ብዋጋ ህዝብኹም እተውደኽድኹላ ዘለኩም ሃገር ጽባሕ ናይቶም ስቓይን መከራን ዘሕልፉ ዘለዉ ዜጋታት ደቃ ምካና ኣይትዘንግዑ። ሰለምንታይሲ ነባሪ ህዝቢ’በር ነባር  ስርዓት ሰለዘየለ። እምባኣር ነዚ ሓቂ’ዚ ተረዲእኩም ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ዳግም ህጹጽ መጸዋዕታ ይቀርበልኩም ኣሎ።
                                                   
                                                                                 እንቢ ንምልኪ!!
                                                                                 እወ ንልዕልና ሕጊ!!                                                
                                                               በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
                                                                                                                       
ሚያዝያ 7 2016

As the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea continue to research and work diligently in regards to the Human Rights issues in Eritrea; we Eritreans residing in North America, will continue to support the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea in 2016, just as we successfully did last year in October 2015. In order to continue to support all efforts made by the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea. It is important for all political and civic organizations in North America to play a role in mobilizing for COIE 2016. We are calling for all political and civic organizations in North America, to elect representatives, to assist in mobilizing and organizing, all efforts for the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea 2016. The united effort created and executed "FOR THE PEOPLE, BY THE PEOPLE" for the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea 2015, will be equally needed to ensure the success and final outcome for the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea in 2016. 

 

To forward representatives and for all questions and concerns please email 

Sincerly; ENA4COI

 

Eritreans in North America for Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea

 

Best Regards,

~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~~*~*~*~*~*~

Eritreans in North America United

in Support of the United Nations Commission of Inquiry

(ENA/US/COI)