ህግደፍስ ምቕታል’ዩ ኣመሉ!

2016-04-08 06:24:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3135 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብዛዕባ ጉጅለ ህግደፍ ክንዛረብን ክንጽሕፍን እንከለና። ኩሉ ግዜ እነልዕሎም ጉዳያት ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን እምበር፡ ናይ ልምዓትን ብሩህ ተስፋን ኣይኮኑን። እነሆ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 3 ማዝያ 2016 እዚ ጉጅለ በቲ ልሙድ ኣረሜናዊ ተግባሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣስካሕካሒ ስጉምቲ ወሲዱ። እዚ ተረኽቦ ምናልባት ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ተዘይኮይኑ ብባህሪኡ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ስለምንታይ መቐጸልታ ናቲ ኣረሜናዊ ፍጻመታቱ ኣብ ማይሓባር፡ ዓዲ ኣብየቶን ካለኦት ኣብ ዶባት “ተኲስካ ቅተል” ዘጠቓልል ናውራም ተግባራቱ ስለ ዝኾነ። ኣብቲ መጀመርያ ከም ናይ ማይ ሓባር ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ክውሰዱ እንከለዉ “ ምናልባት ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይንዎ ይኸውን እምበር፡ ህግደፍ ከመይ ገይሩ ኮነ ኢሉ ከምዚ ይገብር?” ዝበሉ ግሩሃት ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ጉጅለ ግና ነቶም ብዘይካ መሰል ምሕታት ካልእ ኣበሳ ዘይነበሮም ስንኩላን “ሓንቂቖም” ብዝብል ኣቃጫጭ እዩ ገሊጽዎም። እዚ ከኣ ኮነ ኢሉ ንምርዓድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምንባሩ ዘረጋግጽ እዩ። ነቲ ናይ ወርትግ ኣልማማዊ ማእሰርትን ቅትለትን እንተውሲኽናሉ ከኣ ዕምቆት ናይቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ።

እዚ ናይ 3 ማዝያ 2016፡ ካብ ኤርትራውያን ሓሊፉ ንዓበይቲ ማዕከናት ዜና’ውን ዘዛርብ ዘሎ ፍጻመ ናብ ብዙሓት ወገናት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዚ መልእኽቲ ካብ ዝበጸሖም ወገናት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ነዚ መልእኽቲ ዝህቦ መልሲ ድማ ንዓኡ ዝምልከት ከቢድ ሓላፍነት’ዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ኤርትራ ድዩ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣሎ ብዘየገድስ እዚ መልእክቲ ብቐጥታ ይምልከቶ እዩ። ካብኡ እንጽበዮ መልሲ ከኣ ብብዙሕ ምኽንያታት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ብእምነትና ሰራዊት ኤርትራ ውጹዕ እዩ። ረብሓኡ ድማ ኣብ ድሌት ህዝቢ ዝማእከሉ ለውጢ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዝሓሸ ኣገባብ ዝተወደበን ኣገዳዲ መሳርሒ ዝዓጠቐን እዩ። ኣብዚ ናይ 3 ማዝያ ጸሊም መዓልቲ ከኣ “ቃታ ዝሰሓበ ንሱ’ዩ” እዩ ዝበሃል ዘሎ። እነሆ ከኣ መልኽቲ በጺሕዎ። ንመልሱ ብዙሓት ወገናት ብሃረርታ እዮም ዝጽበይዎ። እቲ እንኮ ብተግባር ከህቦ ዝግበኦ ሓቀኛ መልሲ ከኣ ኣፈሙዙ ኣንጻር ውሱናት ኢዶም ብደም ዝተሓጽቡ መራሕቲ ህግደፍ ምቕናዕ ጥራይ እዩ። እቲ መሳርሒ ኣብ ኢዱ እንዳሃለወ፡ ምስተን ለውጢ እንዳበሃጋ ዓቕምን መሳርሕን ዝሓጽረን ኣደታት ኤርትራ ኮይኑ ደኒኑ ክነብዕ ኣየምሕረሉን እዩ። በቲ ዝረአ ዘሎ ቀታሊ ፍጻመታት ሕጉስ ከም ዘይኮነ ግና ንርደኦ ኢና።

እዚ መልእኽቲ ንዓና ንተቓወምቲ ሓይልታ ኤርትራ ብዓብይኡ ይምልከተና እዩ። ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ኩነታት ኮይኑ ናይ “ኣድሕኑኒ” መልእኽቲ የመሓላልፈልና ከም ዘሎ ዘመልክት ስለ ዝኾነ። መልስና እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከኣ ፍሉጥ እዩ። “ኩሉ ፍልልያትካ ክኢልካን ኣመሓዳዲርካን ነዚ ሓደገኛ ጉጅለ ምውጋድ።” ነዚ ንምትግባር ክሳብ ክንደይ’ዩ   ፖለቲካዊ ተወፋይነት ኣና ከኣ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዘይተኸፍለ ዕዳና እዩ።

ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ንጉዳይ ኤርትራ ቀሪቦም ክጨናጨኑ ዝግበኦም፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕብረት ሃገራት ዓረብን ካለኦት ዓለም ለኻውን ዞናውን ትካላት’ውን ነብዚ ናይ 3 ማዝያ ፍጻመ ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ዳግማይ ምትሕስሳቦም ኣገዳሲ እዩ። ብሓሳዊ መብጸዓታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኣሃገራዊ ኣገልግሎት ተታሊሎም ሃንደፍ ኢሎም ናይ ገንዘብ ካዝናታቶም  ከይከፍትሉ’ሞ ግፍዓዊ ቅልጽሙ ከይስውድ ከኣ ከስትብህሉ ይግበኦም። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምርምር  ዘሎ ኮሚሽን ነዚ ባዕሉ ኳሕኲሑ ዝመጾ ዘሎ ናይ ግፍዒ ጭብጥታት ቅድሚት ክሰርዖ ይግበኦ።

ምስ እዚ ኩሉ እቲ ጾር ኣብ እንግደዓ ኤርትራውያን ተጻዒኑ ዘሎ መስገደል እዩ። እቲ ናይ ካለኦት ወገናት ኣበርክቶ መመላእታ እዩ። ስለዚ ከምቲ ነዚ ኣስንባዲ ፍጻመ ምኽንያት ብምግባር፡  ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ    ዘውጸኦ ህጹጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኣብ እንግድዕኡ ተጻዒኑ ዘሳቕዮ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት’ዚ፡ ከይኣለየ ክርህዎ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ስለዝዀነ፤ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪኽ ጕሓፍ ክድርብዮ ጻውዒትና ነቕርብ።”  ዝበሎ፡ ቃልስና ብሓድሽን ሓባራውን ህዝቢ ናይ ምድሓን ኒሕ ክቕጽል ይግበኦ። ጉጀል ህግደፍ ግና፡ ክሳብ ብናይ ሓባር ቃልሲ ዘይሰዓርናዮ  በዚ ቀታሊ መንገዱ ክቕጽል እዩ።

Last modified on Friday, 08 April 2016 08:32