ብዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ብዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ዝተዓደመ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ24 ለካቲት 2017 ኣብ ፓልቶክ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦ- መንበር ሰልፊ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ንመንእሰያት ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብዚ ሰፊሕ መግለጺኡ መንእሰይ ዝበሃል ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣየናይ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ ግደን ተመኩሮን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘርዚሩ። ኣስዒቡ ድማ መንእሰይ እቲ ደም ከፊሉ ናጽነትን ልኡላውነት ኢርትራ ዘውሓሰ ክነሱ፡ ሞሳ መስዋእቱ ዝተነፍጎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ዘይከኣለ ምዃኑ እውን ብመርተዖታት ኣሰንዩ ኣብሪሁ። ካብቲ ብዙሕ ሞሳ ቃልሱ ከም ዘይረኸበ ዘመልክት ኣብነታት፡ እዚ ብዋሕዚ ዝስደዶ ዘሎን ኣብቲ ጉዕዞ ስደት ንምግላጹ ዘጸግም ዘጋጥሞ ዘሎ መከራን ምዃኑ እውን ብዝርዝር ኣመልኪቱ። መንእሰይ ኣብ ስደት ኣንጻር’ቲ ናብ ስደት ዘብቀዖ ጸረ-መንእሰይ ብፍላይ ጥራይ ዘይኮነ ጸላኢ መልእ ህዝቢ ዝኾነ ዲክታቶር ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብኸንድቲ ዝድለ ይሳተፍ ከምዘየለ ጠቒሱ፡ ከምኡ ንክኸውን ዘገደድዎ ጉዳያት ጸብጺቡ።መማረጺ ኣብ ዘየብሉ ኣዝዩ ኣግላሊ ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ምዕባዩ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ። ኩነታት ከምዚ ኢሉ ብዝሕቱል ተሳትፎ መንእሰይ እንተቀጺሉ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ድማ ብወገን ሰዲህኤ ነዚ ሓደጋዚ ንምውጋድ ክስረሓሉ ዝጸንሓን ዘሎን ጻዕሪ ገሊጹ ጌና ዝተርፎ ከም ዘሎ ከኣ ኣተንቢሁ።
ኣብዚ ኣኼባ ዝነበረ ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰዲህኤ ብጻይ መድሃኔ ህብትዝጊ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ከኣ፡ ዞባ ኤውሮጳ ጉዳይ መንእሰያት ንሓደ ኣካል ሰልፊ ጥራይ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ተረዲኡ ነቲ ኣኼባ ምስርዑ ኣመስጊኑ። ቀጺሉ ከኣ እቲ ንሱ ዝመርሑ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት፡ መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ክሳተፍ ዘኽል ዝኽእል ኩነታት ንምፍጣር የካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ዘርዚሩ እቲ ብዚ መዳይ ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ክመጽእ ተስፋኡ ልዑል ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ ኣኼባ ንዝቐረበ ሃናጺ መገልጽን ርኢቶታትን ቤት ጽሕፈቱ ክሰርሕሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢልሉ ሓው ይስሃቅ ወልደማርያም ኣቦ- መንበር ዞባ ኤውሮጳ ንተሳተፍቲ ምስጋናኡ ብምቕራብ፡ ነዚ ኣኼባ ክውድቡ ብዛዕባ ዝደረኾም ሓልዮት ጠቒሱ ሓጺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።
መድርኽ ሕቶን ርኢቶን ምስ ዝተኸፍተ ድማ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ጉዳይ መንእሰያት ከምዚ ዝኣአመሰል ኣኼባ ምክያዱ ንኢዶም። ዝያዳ ዝተነባረቐ ካልእ ኣገዳሲ ሓሳብ ከኣ ጉዳይ መንእሰያት ከምቲ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ መተካእታ ዘየብሉ ግደ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ንምብጽሑ ከቢድን ቀጻልን ቃልሲ ስለ ዝሓትት በብዓቕሞኻ ብውልቂ ኮነ ብሓባር ጻዕሪ ክገብርሉ ተሰማሚዖም። ብዘይካዚ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዓሚቕ ኣፍልጦ ስለ ዘድሊ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ ነዚ ዛዕባዚ ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሒዞም ክቐርብሉ ቃል ዝኣተዉሉ ኣጋጣሚ’ውን ነይሩ።
Amnesty slams Switzerland’s 'illegal' treatment of migrants at Italian border
Written by The LocalThe Local

እቲ ካብ ክፍላ ጥሪ ጀሚሩ ብዙሕ ጎስጓስን ዳንኬራን ክግበረሉ ዝቐነየ ቃለ መሓትት ዲክታቶር ኢሳያስ ካብ 27-29. 01.2017 ዓ.ም.ፈ. ከም ዝተኻየደ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተኸታትልዎ ሓቂ እዩ።
ኣነውን ካብ ዲክታቶር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥዑይ መልሲ ክረክብ ትጽቢት‘ኳ እንተዘይነበርኒ፡ ኢሎሞ ካብ ምባል ባዕለይ ክሰምዕ ብምውሳን ክሳብ መወዳእታ ተኸታቲለዮ፡ ካብ‘ቲ ዝሰማዕክዎ ፍረ-ኣልቦ ገለጽኡ ነቒለ ድማ፡ ነዛ ከም አርእስቲ ዝመረጽክዋ ንትሕዝቶ መልስታቱ እትገልጽ ምስላ ኣመልኪተ መልእኽተይ ንምትሕልላፍ ኣብ ቀንዲ መበገስየይ ከስግረኩም።
ፕረሰደንት ኢሳያስ ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ዓለማውን ዘጠቓለለ ገለ ኣገደስቲ ገለ ከኣ ንህልኽ ዝዕድም ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ክቐርቡ ዝወሰኖም ከም ዝነበሩ ብዝእምት ኣገባብ ከም ዘይቀረቡን ብሕጂ ቀሪቦም ክምልስ ድልው ምዃኑን ብምሕባር ልቢ ዘይፈልጥዎ የውሃን ከደናግር ፈቲኑ።ነቶም ሓቀኛ ባህሪያቱ ዝፈልጡ ግን፡ እቲ መደብ ነቲ ከም ናይ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ መጋብኣያ ተረኺቡ ንክምድር ብሰንኪ‘ቲ ሓርፋፍ ባህሪያቱን ግጉይ ዲፕሎማሲዊ ፖሊስኡን ብእገዳ ምኽንያት ዘይረኸቦ ዕድል ኣብ‘ዛ ናይ በይኑ ሕዛእቲ ዝኾነት ቲቪኤረ ትሓቢኡ ተሃኑ ከውጽእ እምበር፡ ንህዝብን ሃገርን ዘገድሱ ሕቶታት ክምልስ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም ዝፈልጥዎን ዘይጽበይዎን ሓቂ እዩ።
ስለ ዝኾነ ናይ ሓባር ሚዛን ንምሃብን መታን ክንኽእልን ካብኡ ተበጊስና ድማ ፍታሕ ንምንዳይ ነብስና ክንጸምድን ነተን ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን ንመልከት፡፡ ንዘቤታዊ ጉዳይ፡ ንቁጠባዊ ልምዓት ዝምልከት ዝተታሕዘ እንታይ ሓድሽ መደብ ኣሎ? ምቕያር ባጤራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ መደብ ደሞዝን ምስትኽኻል ኣተገባብርኡን፡ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምፍራይ እንታይ መደብ ኣሎ?
ክኢላዊ ዓቕምና ንምጽንቃቕ ንዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ንምክልኻል እንታይ መደብ ኣሎ? ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሃገርና ንምሕያል ኮነ እገዳ ንምልዓል ዝምልከት እንታይ ዝተታሕዘ መደብ ኣሎ? ጸገም ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝወጸ መደብ እንተሎ ዝብሉ ንምምላስ ብጽዓት ጀሚሩ።ጽዓት ኣብ ልምዓት ሓንቲ ሃገር ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ብምርዳእ ቀዳምነት ተዋሂብዎ 120 ኪሎዋት ከመንጩ ዝኽእል ትካል ጽዓት ሕርጊጎ‘ ሃኒጽና። እንተኾነ ብምኽንያት ዘይጥንቁቕ እተሓሕንዛን ቅልጡፍ ጽገናን ክሰርሕስ ይትረፍ ኣሎ ንምባል ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ እኹል ኣገልግሎት ንክህብ፡ እንደገና ካብ‘ቲ ቅድም ዝወጸሉ ገንዘብን ጉልበትን ዘይውሕድ ከም ዝሓትት ዓንዴል እናጠዓሞ ተኣሚኑ።
ኣብዚ‘ውን ካብ‘ቲ ዘይተዓወተ መደብ ዝሓይሽ ብርጡብ መጽናዕትን ብቑዕ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ዝተደገፈ ዘተኣማምን መደብ ስለ ዘየቕረበ ካብ ዝሓለፉ ተራ መብጽዓታት ከምዘይሓልፍ ንምግማቱ ኣየጽግምን እዩ። ቀጺሉ ናብ ቀረብ ማይ ብምስጋር ነቲ ጽዓት ኮነ ማይ ንምንታይ ትጥቀመሉ ዝብል ዓጀውጀዉ ገዲፍካ ዝነጠበ ማይ ንምዕቃብ ብዙሕ ከም ዝተሰርሐ ገለ ኣብነታት እናጠቐሰ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሽግር ቀረብ ማይ ዝግባእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃቦ በቶም ዝጠቕሶም ዝነበረ ናይ ርሑቕ በረኻታት ዕቋር ማያት ክገልጽ ፈቲኑ።
እዚ ከኣ ማይ ብዘይሓይሊ ጽዓት ካብ ዝተኸዘኖ ቦታ ናብ ተጠቀምቲ ክበጽሕ ከም ዘይክእል እናፈለጠ ንኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝብና ረሲዑ ናብ ሰብ ጀራዲን ጥራሕ ምትኳሩ ዘረጋግጽ መርትዖ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንትሕተ ቅርጻ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሃገርና ብአየር ብባሕሪ ኮነ ብምድሪ፡ ኣለዉና ኢልና ኣፍና መሊእና እንዛረብሎም ዘተኣማምኑ ትሕተ ቅርጻ የብልናን ድሕሪ ምባል፡ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከግልግል ተባሂሉ ኣብ ባጽዕ ዝተሰርሐ ኣይተገልገልናሉን፡፡ እቲ ዝጸንሓና መዓርፎ ነፍርቲ ኣስመራ‘ውን ስለ ዘየማዕበልናዮ ዘተአማምን ኣይኮነን።እቲ ንፍርያት ሃገር ብይዘምብልሻውን ብቕልጡፍን ናብ ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ከገልግል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ሳዋ መዓርፎ ነፈርቲ ውን ብዝተገብረሉ ትጽቢት መጠን ከምዘይሰርሐ ኣነጺሩ።
ኣብ ናይ መሬት ትሕተ ቅርጻ ብዝምልከት እዚ ትካል‘ዚ ኣብ ምዕባሌ ሃገር ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብምርዳእ ዝጸንሑ ክጽገኑ ሓደስቲ ከኣ ክህነጹ ዝወጸ መደብ ከነትግብሮ ስለ ዘይከአልና፡ እተን ንዜና ትጥቀሙለን ሓደስቲ ኣውቶቡሳት ውን እንተኾና፡ ብሰንኪ ጥጡሕ ትሕተ ቅርጻ ዘይምህላው ንህዝቢ ዘዕግብ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘየለዋ ድሕሪ ምንጻር፡ እዚ ክሳብ ዘይተማልአ ጉዕዞ ምዕብልና ክቕጽል ስለ ዘይክእል ከኣ ዝከኣል ክግበር ከምዘድሊ ኣመልኪቱ። ብምቕጻል ንምዕብልና ምቕያር ባጤራን ምውሳኽን ምስትኽኻል ደሞዝን ኣመልኪቱ ባጤራ ብእነፍርዮ ብፍላይ፡ ብዝተፍላለዩ መልክዕ ኣታዊታት ሃገር ከኣ ብሓፈሻ ዝዕቀን ኣገዳሲ መንኮርኮር ምዕብልና‘ኳ ይኹን እምበር ዕቤትናን ሰላምናን ዘስግኦም ሓሳዳት ብዝፈጥርዎ ውዱብ ዕንቅፋት ኣታዊና ከምቲ ክኸዶ ዝግብኦ ከይዱ ክብሃል ኣይክኣልን። ምኽንያቱ ካብ ደገ ክኣቱ ዝግብኦ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ደዃኹን ኣትዩ እቲ ዶላር ይኹን ካልእ ባጤራ ብናቕፋ ተሸሪፉ ናብ ኤርትራ ስለ ዝኣቱ፡ ናይ ናቕፋ ዝቕባበ ከም ዘሎ ክእምት ከሎ፡ እዚ ብናይ ደገ ሓልታት ዝካየድ ውዱን መስርሕ እዩ ክብል ኣብ ምኽሳስ ካልኦት ክህውትት ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ነዚ ሰጊርና ኣብ ትስፍው ባይታ ኣሎና ክብል ጻዕዳ ሓሶት ኣቕሪቡ።ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ወሰኽን ምስትኽካል ሰራሕተኛታት ዝቕረበሉ ሕቶ ንምምላስ፡ ብናቕፋ ገዛ ዲኻ ደርሆ ወይስ እንቋቚሖ፡ እቲ ዝኽፈል ሰራሕተኛኸ ነዳቓይ ዲዩ ጽሓፋይ ወዘተ-ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ንምንታይ ኣልዒልዎም ናይ ምምላስ ንሰማዕቲ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብታሕተዎት ክጅምር እዩ‘ኳ እንተበለ ምዓስን ክንደይን ንዝብሉ ግን ዘሊልዎም ሓሊፉ።
እቶም ዕዙማት ጋዜጠኛታት ከኣ ሕቶና ኣይተመለሰን ምባልስ ይትረፍ ሰዓት ክትኣክለሎም መውጽኢ ከም ዝሰኣነት ኣንጭዋ ቀባሕባሕ ይብሉ ምንባሮም ዘይተዓዘበ ኣይህሉን።ክኢላዊ ዓቕሚ ንዕምባይን ንዕኡ ንምጽንቃቕን ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ንምክልኻል ዝወጸ መደብ እንተሎ ንምምላስ፡ መዐቀኒ ምዕብልና ሓንቲ ሃገር ብዝህልዋ ምሁር ዓቕሚ ስለ ዝልካዕ ከሉ ክምሃር ዝተጀመረ መደብ ሎሚ‘ውን፡ ክዓብን ክሰፍሕን ዘድሊ ይግበር ምህላዉ ይገልጽ። እቲ ዘገርም ግን ዝርኤናዮ ኣየዛርበና በለት ጉብጥሽ ከም ዝብሃል ቤት ሕክምናን ቀረባቱ ቤት ትምህርትን ቀረባቱ ደሚርካ ክንዲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ዘይኸውን ቤት ትምህርቲ ሰሪሐ ምባል ካብ ምድንጋር ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ብዘይካዚ እዛ ፈውሲ ማሕላ ሓንቲ ዩንቨስቲ ዘይብላ፡ መንእሰያታ ኣብ ክንድ ዝመሃሩ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና መሪርዎም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ ሃገር እናመራሕካስ ክመሃሩ ምባል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ምሽክዕላ እዩ። ንክኢላዊ ዓቕሚ ንምፍራይ ክምልስ ከሎ ከኣ‘ሞ እቲ ካብ ውሽጥ ኣስመራ ጀሚሩ ክሳብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ ሰባት ብመንን ከመይን ይካየድ ምህላዉ ጽሓይ ዝወቕዖ ምስጢር ስለ ዝኾነ ምግላጹ ደድሕሪ ዕቡዳት ምዕባድ እዩ።እዚ ከኣ ነቲ ኩሉ ብሰንኪ ግስሩጥ ምሕደሩኡ ዝሰዓበ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ካልኦት እናጸግዐ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝዓለመ ኣረጊት ሽጣራ ምዃኑ ኤርትራውስ ይትረፍ ንዓለም ዘገረምን ዘዛርብ ዘሎን ጉድይ‘ዩ።
ንጸገም ኣባይቲ ኣመልኪቱ ድማ፡ገለ ኣብነታት ብምጥቃስ ዝተሃንጸ ገዛውቲ‘ኳ ይሃሉ እምበር ኣኻሊ ከም ዘይኮነን ነዚ ንምፍታሕ ንህንጻ ዘድሊ ጥረ-ነገራትን መሳርሒታትን ካብ ሸመንቶ ጀሚርካ ናይ ምፍራይን ምርካብን ጸገም ጌና ዘይተዓወትናሉ ጉዳይ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ብውልቂ ዘካርዩ ወነንቲ ኣባይቲ ግን ኣታዊታቶም ንምኽዕባት ኣብ ሃረምረም ስለ ዘሎው ገደብ ክግበረሎም ኣሎዎ ይብል። እዚ ኩሉ ንዘቤታዊ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝጠቅም፡ እዚ ጌርናን ዓቂብናን ናብ ካልእ ንስጉም ኣሎና ዝብል ዘይርከቦ አንተ ፈታሕካዮስ ጥራሕ ቁጻር ዝኾነ መልሲ፡ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንተልዩ እዚ ስርዓትዚ ካብ ልምዓትን ዕቤትን ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ከዐውቶ ዝደሊ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላዉን ንዕኡ ምጽባይ ከኣ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ካብ ምጽባይ ዝሓልፍ ከም ዘይኮነን እዩ።በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ዋና ሃገሩን ተጠቃሚ ዕድሉን ክኸውን ስልጣኑ ክጭብጥ ንጽባሕ ዘይውንዘፍ ጉዳዩ ምዃኑ ተረዲኡ ዕድሜ ክጽበ ኣይግባእን።
ፕረሰደንት ኢሳያስ ንዓለማውን ዲፕሎማሲያውን ዝምልከት፡ፖለቲካውን ዲፕሎማሲውን ኩነታትና ከመይ ኣሎ፡ ከኢላዊ ዓቅምና ንምጽንቓቕ ዝግበር ሸርሕታት ንምክልኻል እንታይ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡ምምጻእ ሓዲሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ፡ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ህውከት ብኮማዶ ፖስት ይፍታሕ ዶ ትብል ዝብሉ ገለ ኣገስቲ ገለ ግን ንሃልኽን ተሃንካ ንምውጻእ ተዳልዮም ዝቐረብሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ።
ኣብዛ መራሕቲ ሓያላት ሃገራት ከም ድላዮም ዝቘጻጽርዋን ዝጽዕሩላን ዓለም፡ ዝረዓመ ክርግጽ ዝአበየ ድማ ክድቘስ ወይ ክዳኸም ዝዕላምኡ ዓውሎማዊ መስርሕ ኣብ ዝካየደሉ መዋእል ምህላውና ክሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ግሉጽ ሓቂ‘ዩ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ንምግባር ከኣ ካብ ርሑቅን ቀረባን ኣገልገልቲ ዝኾንዎም ሰብ ረብሓ እናዋፈሩ ሰላም ዓለምና ኣብ ምዝራግን ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ህይወትን ናይ ምዕናው ተግባራት ምዕዛብ ዕለታዊ ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ እዩ።
ንሕና ከኣ ነዚ እከይ ተግባራቶም ስለ ዘይተቐበልና ንምብርካኽና ተባሂሉ ዘይተማህዘን ዘይተኣልመን የለን ክብል፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ንሓገርና ካብ ዓለም፡ንህዝብና ድማ ካብ ለገስቲ ሃገራት ክርኸብ ዝክእል ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ንከይረኽብ ዝኣገደ ሕጊ ኣልቦ ስርዓትን ገበነናዊ ተባራቱን ሓቢኡ ንክልኦት ኣብ ምኽሳስ ሰጊሩ፡እዚ ላግጽን ካብ ሓቂ ምህዳምን ‘ምዃኑ ህዝብናስ ይትረፍ ህዝቢ ዓለም ውን ዝፈልጦ ቅሉዕ መጽገብ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ መለለይ ግጉይ ፖሊስኡን ዕሸል ፖለቲካዊ ትሕትኡን ምዃኑ ዝተመስከረሉ፡ካብዞም ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ብገበን ዝክሰሱ ዘሎው ናይ ዘመንና ዲክታቶራት መራሕቲ ሓደ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዘይስምዖ ንግሉጽነት ከም ቁሪ ኣሰሓይታ ዝፈርሕ መራሒ፡ ናጽነትናን ክብረትናን ዓቂብና ክንከይድ ስለ ዝመረጽና ንምድካምና ዝግበር ዘሎ፡ ፍርሒ ዝፈጠሮ ሸርሕታት ማእለያ የብሉን፡ ነዚ ኩሉ መኪትና ግን፡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣሎና፡ ክብል ሓቅነት ዝጐደሎ መልሲ ምሃቡ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓቂ ዝራጸም ናይ ጽላለ መግለጺ ምዃኑ ህዝብና ዝርድኦ ጉዳይ እዩ። እቲ ንብዙሓት ሃገራትን መራሕተንን ዝሰንዘሮ ጸርፍን ምንእኣስን ብዝምልከት ከኣ ክምቲ ኣብ ቀርኒ ብዕራይ ዝተቀመጠ ጽንጽያ እንተኸቢደካስ ንገረኒ ክወርደልክ ምስ በሎ ኣብ ቀርነይ ምህልውካ ዘይምህላውካን‘ዃ ኣይፈልጥኩ ዝበሎ ምስላ መሲልካ ምሕላፉ ይሕይሽ።
ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝሃቦ መልስ‘ሞ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቅርሕቲ ንምውጻት እንተዘይዀኑ ኮንዶፖስት ኢትዮጵያ ይፍትሕዎ ኣይፍትሕዎ ንዋናታቱ ዝምልተ‘ምበር ጉዳይን ኤርትራውያን ክም ዘይኮነ ርዱእ ነገር እዩ፡ እዝስ ፖለቲካዊ ንዴት ብሃሊኡ ዘመልክት መግለጺ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ትርጉም የብሉን።ብዛዕባ ምምራጽ ሓድሽ ፕረስደንት ኣመልኪቱ፡ሮላንድ ትራምፕ ምዕዋት ከገልግልዎ ዝኣተዎም መብጽዓታት ከተግብር ኣይክእልዩ ድሕሪ ምባል ብዙሓት መራሕቲ መጺኦምን ከይዶምን ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝተቀየረ ዘየለ ኣሚቱ።
ካብዚ ቀጺሉ ኣብዚ ዓመት‘ዚ እንታይ ተስፋ ንጽበ ዝብል ቀሪቡሉ፡ ኩሉ ተጽብኦታት ሓሊፍና ውሽጣዊ ዓቅምና ኣብ ልምዓት ኣዋፊርና ከም ንዕወት ጥርጥር የልቦን ክብል መሊሱ።ካብ ዝሃቦ ትሕዝቶ ኣልቦ መልስታት ነቂልና እንርድኦ‘ምበር እቲ ኤርትራ ሲጋፖር ክትከውን እያ ዝብል መብጽዓ ጽባሕ ናጽነት፡ኤርትራ መቃብር ዜጋታታ ክትከውን ኣብ ዝብል ትርጉም ከም ዝተቐየረ ኣብ ህይወት ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ሕሰም ጭቡጥ መርትዖ እዩ።ነዛ መዘና ዘይብሉ ጻዕረኛ ህዝብን እኹል ጸጋን ዘሎዋ ነጻ ሃገር፡ብዘይሃገራዊ ቅዋምን ብህዝቢ ዝተመርጽን ዝሕታቲ ሓጋግን ፈራድን መጻምን ትካላት መሪሕካ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ከምዚ ዝበለ ፍሹል ገምጋም ክቅርብ ምጽባይ ከይቀደስካ ዝተሓልመ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓውታን ብምድግጋምን ዝትገልጸን ሰማዒ እዝኒ ዝሰኣነ ስኑድ ታሪኽ እዩ።
እዚ ዘንጽሮ ሓቂ እንተልዩ ከኣ እዚ ስርዓት ንሰላምን ንልምዓትን ዘይኮነስ ንህውከትን ዕንወትን ኢሉ ዝተበገሰ ስለ ዝኮነ ክቅንስ ይትረፍ ክውዕል ክሓድር ውን ከም ዘይግባእን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ‘ቶም ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ዝብሉ ውን ክርድእዎ ከም ዘሎዎም እዩ።ካብዚ ተርድኦ‘ዚ ብምንቃል ከኣ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ እንተላይ ሓልታት ምክልካል ኤርትራ ብዘይ ወዓል ሕደር ኩሉ ዓቅምታቶም ብሓደ ጸሚዶም ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክስለፉን ንምልጋሱ ክልዓሉን መድረክ ዝጠልቦ ህጹጽ ሕቶምዃኑን፡ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ምጽባይን ዝያዳ ዕድል ምሃቡን ከኣ ሃገራዊ ሓልፍነትካ ምርሳዕን ሃገር ኣብ ዘይትወጸሉ ገደል ክትኣቱ ምፍቃድ ስለ ዝኮነ ሃገር ንምድሓንን ህይወት ህዝብና ኣብ ንቡር ንምምላስን ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ፍኑው ኣካይዳ እዋኑ ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ራኢ ዝውንኑ ሰባት፡ ነቲ ዝኣምንሉ ፖለቲካዊ ራኢ ምእንቲ ብሓባር ተቓሊሶም ከዕውትዎ፥ ዝቕይዶም ሕጊ ወይ’ውን ውዕል ይሕንጽጹ። እዚ ሕጊ እዚ ወይ ውዕል ከኣ ብገለ ምኽንያት ክጠሓስ እንከሎ፥ ነቲ ዝተሰማምዑሉ ቀንዲ ዋሕስ ናይ ሓቢሮም ምቕጻሎም ይቚጸ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እዚ እቲ ውሽጣዊ ክብርታትን ዝሓንጸጽዎ ቅርጻታትን እናዘለቐ ስለዝኸይድ። ነቲ ሓቢሮም ዝመስረትዎ ዕላማ ኣብ ክንዲ ዝጥምቱ ኣብ ቀንጠመንጢ ነገራት ይፈላለዩ እሞ ነቲ ቀንዲ ተሰማሚዖም ዝሃነጽዎ ከፍርስዎን ክጥሕስዎን ይጅምሩ።
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎን፥ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም ኣካላት ምምስራቱን ንገዛእ ርእሱ ሃብታም ዝገብሮ እዩ። ዕላማን ቅዋማትን ናይ’ዚ ሰልፊ እዚ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ እዩ። ንሱ ድማ ንሃገራዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝሰርዕን ምስ ካልኦት ሓቢሩ ዝሰርሕን ሓባራዊ ራኢ ንምጥራይ ዝቃለስን ዝጽዕትን እዩ። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ነቲ ብጉባኤታቱ ኣቢሉ ንህዝብን ሃገረ ኤርትራን የርብሕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ክሰፍሕን ንቕድሚት ክደፍእን ምድልዳልን ይቃለስ። ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቶም ካልኦት ሰልፍታት ይኹኑ ውድባት ዝጥቀሙሉ መስርሕ ኣተጋባብራ ሕግታቱን፥ ውሳኔታቱን ዝጥቀመሎም መሳርሕታት ይኽተል። እዚ ከኣ ኣባላት’ዚ ሰልፊ ብሓባር ጠሚሩ ዘቃልሶም እቲ ዝሓንጸጽዎ ውሽጣዊ ሕጊን ኸዕውትዎ ዝተለምዎ መትከልን እዩ። እዚ ሰልፊ እምበኣር ቅድሚ ኣብ ጉባአ ምብጻሕ በዘን ዝስዕባ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣቢሉ እዩ ምስ ኣባላቱ ርክብ ብምግባር ርእይቶታት ዝሰንቕ። ንሳተን ድማ፥-
1- ናይ ኣባላት ኣኼባታት እንተስ ብኣካል እንተስ ብመራኸቢ ብዙሃን
2- ብወከልቲ ኣባላት ኣቢሉ ዓውደ-ልዝብ ምክያድ
ብድሕሪ እዚ እቲ ኣባል ክዛረበሎምን ርእይትኡ ክህበሎምን ዘለዎ ኣገደስቲ ዛዕባታት፥ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዝኣመሰሉ ተመያይጡ ርእይትኡ ዝህበሉ መድረኽ ይፈጥር። እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ መሪሕነት ናይ ዝሕጸዩ ዝርዝር ኣስማት ካብ ኩሎም ኣባላት ይቕበል። ድሕሪኡ እቶም ናብ መሪሕነት ዝተሓጽዩ ኣብ መሪሕነት ከም ሕጹይ ክቐርቡ ድሌት ኣለዎምን የብሎምን ይሕተቱ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ጉባኤ ምስ ተበጽሐ ምሉእ ዝርዝር ናይ ሕጹያት ናብ ተሳተፍቲ ጉባአ ይዕደል እሞ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ይዕወቱ።
እቲ ኣብ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ ብወገኑ ኣኼባኡ የካይድ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ከኣ ኣቦመንበር ባይቶ ይምረጽ። ኣቦመንበር ምስተመርጸ ከኣ መሳርሕቱ ዝኾኑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ይሓጺ እሞ ባይቶ ድማ ወይ የጽድቐሉ ወይ ከኣ መተካእታ ኣቕርብ ይብሎ። ናይዚ ሰልፊ’ዚ ባህሊ እምበኣር በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣቢሉ ክሳብ ጨናፍር፡ ንኡሳት ዞባታትን ዞባታትን ምስ ትካላዊ ሕግታቱ ኣሳንዩ ይሰርሕ።
እዚ ሰልፊ’ዚ ዝግለጸሉ መለለዪ ምልክትን ጭርሖታትን ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ኣኼባ ዝሰማማዓሉ ናይ ውሳኔ ምጽዳቕ ኩሉ ግዜ ዝኣክል ሓሳባትን ርእይቶታትን ድሕሪ ምውህሃብን ምክታዕን ኩሉ ብሓደ ሓሳብ እንተተሰማሚዑ ጽቡቕ፡ እንተደኣ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣልዩ ከኣ ብኣብዝሓ ድምጺ ይውሰን። ኣብዚ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ተዓቅቦን ተቓውሞን ዝብል እውን ይርከቦ። እዚ’ውን ደሞክራስያዊ መሰል እዩ። ነቲ በዚ መስርሕ ዝተወሰነ ኩሉ ወገናት እዩ ዘትግብሮ እምበር፡ ኣብ ኣኼባ ተቓዊመ ወይ ተዓቂበ ነይረ ኢልካ ምሕንጋድ ዲሞክራሲያዊ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ እቲ ሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ሓሳብ ደሞክራሲ ምዃኑ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ትሰማማዕ ክትዛረብ ኣይንበርን እዩ። ንኣብነት፥ ኣብ ሓደ ጉባኤ እሞ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ሸውዓተ መዓልታት ብናይ ሓባር ስምምዕ ክትውስን ኣሸጋሪ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣይዓገብኩን እንተ ኢሉ እቲ ጉባኤ ወይ ኣኼባ መዕለቢ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። በዚ ምኽንያት ቅልጡፍ ውሳነ ንምውሳን ኣገባብ ኣብዝሓ ድምጺ ይምረጽ። ይኹን እምበር እቲ ኣብዝሓ ይኹን ሓባራዊ ድምጺ ካብ መትከልን ሕግን ወጻኢ ምስ ዝዝውተር ናይ ምልኪ ባህሪ ክሕዝ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ሓባራዊ ስምምዕ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝቐትልን ኣኽብሮት ብዝመልኦ ልዝብን ጥዕና ዘለዎ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን እንተዘይ ተታሒዙ ኣብ ዕግሽግሽ እምበር ኣብ ስራሕ ኣየእቱን እዩ። ኣብዚ እቲ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ክማለኣሉ ዘለዎ ረቛሒታት ኣሎ። ሓባራዊ ራኢ ምስ ዘይህልወካን ዘሻርኸካ መትከላት እንተዘይብልካን በቲ ዝተሓተ ስምምዕ ዝበጻሕካሉ ንምትግባር ናይ ምዕብላል መንፈስ ከየርኢ ትጥቀመሉ። ኣብ ኣብዝሓ ድምጺ ግን ሓደ ናይ ሓባር ራኢን ዘሻርኸካ መትከልን ስለእትውንን ካብ ቀይዲ ክሳብ ዘይወጻእካ ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን። ማለት ኣብዝሓ ድምጺ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ ዝትግበር ዘሎ ኢልካ ምፍላጥ እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ትኽርኽር ኣቢሎም ኣብ ድምጺ ኢዮም እኮ ወዲቖም እምበር ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይከዱን፥ ብኣብዝሓ ድምጺ ከኣ መራሒኦም ተመሪጹ። ስለዚ እቲ ዝሓሰብካዮ ምስ ዘይዕወት ሓባራዊ ስምምዕ ስለዘየለ ኢልካ ንሓደ ካብ መትከላት ዲሞክራሲ ምንእኣስ ቅቡል ኣይኮነን። ኢሳይያስ’ውን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክገልጽ ከሎ ካብዚ ሓሊፉ ዝበሎ’ኮ የለን። ስለዚ ዲሞክራስን ፍትሕን ብዘይ ጠማሪ ሕጊ ኣይሰርሕን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ውሑዳት ምልኪ እውን የስዕብ እዩ።
Bodies of 74 Migrants Wash Up on Libyan Coast
Written by DECLAN WALSHFebruary 21, 2017
CAIRO — The bodies of 74 migrants were recovered from a beach near the town of Zawiya in western Libya, rescuers said on Tuesday, an ominous sign before the high season for Mediterranean crossings.
The bodies were believed to have come from a shipwrecked inflatable raft that was found on the same stretch of shore, said Mohammed Almosrti, a spokesman for the Libyan Red Crescent. Some of the bodies were found inside the stricken raft.
The rubber boat left Libya for Italy on Saturday and appears to have been left drifting without an engine for several days, said Flavio Di Giacomo, a spokesman for the International Organization for Migration in Rome.
“It’s really strange that smugglers would take off the engine,” he said. “They are becoming increasingly cruel.”
Red Crescent workers spent seven hours collecting the bodies on Monday afternoon, and the organization posted photographs of dozens of black-and-white body bags lined up on a beach. Three of the dead were said to be women. Given the capacity of the boat, which could hold up to 120 people, the death toll is expected to rise, Mr. Almosrti said.
Source=https://mobile.nytimes.com/2017/02/21/world/middleeast/migrants-libya-beach.html?smid=fb-share&referer=http://m.facebook.com
Italy rescued hundreds of people off the Libyan coast last night
Written by AFPAFP

The two rescue operations came as the bodies of 74 migrants who drowned trying to reach Europe washed up on a beach west of the Libyan capital, the Red Crescent said on Tuesday.
The Italian coast guard said it mounted operations to rescue two drifting vessels, a large boat and a rubber raft.
In the absence of an army or a regular police force in Libya, several militias act as coast guards but are often accused themselves of complicity or even involvement in the people-smuggling business.
The number of attempted crossings has surged this year, with most departures taking place from the west of Libya, from where Italy is just 300 kilometres (190 miles) away.
Europeans are considering measures aimed at blocking the arrival of thousands of migrants, alarming NGOs which fear that those stranded in Libya may suffer mistreatment.
Source=http://www.thelocal.it/20170222/italy-rescued-hundreds-of-people-off-the-libyan-coast-last-night
ሰደህኤ ኣብ 9ይ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ጀነቫ ተሳቲፉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤብ25 ፍሉጣት ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ዝተዳለወ 9ይ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ብ21 ለካቲት 2017 ኣብ ጀነቫ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 500 ተሳተፍቲ ተረኺቦም። እዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝነጥፉ ኣኼባ ጀነቫ ብቓል ናይ 2017 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላዊ ሰብኣዊ መሰል ዲረክቶር ምኽፋቱ፡ ኣብዛ ዓለም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል የሻቕል ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
መለኽቲ ምስ ኩሉ መላኺ ሓደጋታቶም ናብ መድረኽ ይምለሱ ምህላዎም፡ ሰብኣዊ መሰል ናብ ንቡር ቦታኡ ናይ ምምላስ ሓደጋ፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ናጽነትን ደሞክራስን ዝግበር ቃልሲ ኣብዚ እዋንዚ ዘለዎ ደረጃ ኣብዚ ኣኼባ ብክኢላታት ቀሪቦም ካብ ዝተዘርበሎም ቀንዲ ዛዕባታት ነይሮም። ብዘይካዚ 16 መደርቲ፡ ደረፍትን ቀባእትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ምስክርነቶም ሂቦም። እዞም ኣብ መድረኽ ዝተዛረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ሃገራቶም ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ቀረቦምን ዝተፈጸመ ዘሰንብድ ዛንታታት ኣቕሪቦም። እቲ ዘሕዝን ካብታ ሜላዊ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመላ ኤርትራ ቀሪቡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ካለኦት ወገናቱን ዝተፈጸመ ገበናት ዝገልጽ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣይነበረን።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዘቕረብዎ ዛንታታት ንተሳተፍቲ ዘብኪ ትሕዝቶ ነይርዎ። ካለኦት (ከም ማውርታንያዊ ብርሃን ኣበይድ) ዝኣመሰሉ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ባርነትን ክትኣምኖ ዘጸግም ግሉጽ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን መብርሂ ሂቦም። ካብዚ ብተወሳኺ (ከም ናይ ቅድም ናይ ማልዲቭስ ፕረሲደንት) ሓድሽ ትውልዲ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ተባዕ ቃልሲ ንከካይድን ኣብዚ መዳይዚ በብኹርናዑ ይፍጠሩ ንዘአልዉ ውልቃውያን ዓመጽኛታት ከይንብርከኽን ምዒዶም።
ኣኼባ ጀነቫ ንሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን፡ ቅድሚ ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ምግብኡ፡ ሒደት መዓልታት ዝካየድ እዩ። ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ኣብዚ ናይ ጀነቫ ኣኼባ ብተኸታታሊ ን2ይ ዓመት እዩ ተሳቲፉ።
እዞም ኣብ ታሕቲ ምስሎምን ኣስማቶምን ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ዘቕረቡ፡ ኣብዚ ኣኼባ ጀነቫ 2017 ዝመርሑን ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ብዝገብዎ ኣበርክቶ ብልጫ ዝረኸቡን እዮም።
ኣናስታሲያ ዞቶቫ በዓልቲ ቤት ሩስያዊ እሱር ኢልዳር ዳዲን፡ ኣንቶንቶንያታ ለደዝማ ጓል እሱር ከንቲባ ካራካስ፡ ኣንቶኒዮ ለደዝማ፡ ኣስትሪድ ቶርስ ፊንላንዳዊ ፖለቲከኛን ናይ ቅድም ኮሚሽነር ውሑዳትን፡ ቢራም ዳህ ኣበይድ መራሒ ቃልሲ ኣንጻር ባርነት ኣብ ማውሪታኒያ።
ካን ዱርዳር ፍሉጥ ቱርካዊ ጋዜጠኛን ናይ ቅድም ሓላፊ ጋዜጣን፡ ቺቶ ጋስኮን ድሕሪ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ፡ ዳኒሎ “ኢል ሰክቶ” ማልዶናዶ ኩባዊ ኣርቲስትን ንጡፍ ተሳታፍን ንካስትሮ ብምንቃፉ ተኣሲሩ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተፈትሐ።
ኣርዊን ኮትለር ናይ ካናዳ ናይ ፍትሒ ሚኒስተርን ኣባል ፓርላማን ዝነበረ፡ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ እሱራት ተሓላቒ፡ ጀምስ ጆነስ ዕዉት ደኮመንታሪ ዘዳለወ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ሳዑዲ ዓአቢያ ሕቡእ ዘቃለዐ፡ ምክትል ፕረሲደንት ኣፍሪቃዊ ሓርነታዊ መርበብ፡ ሞሓመድ ናሺፍ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ማልዲቨስ፡
ኒማ ለሃሞ ቲበታዊት ንጥፍትን ጓል ሓው ሃይማኖታዊ መራሒ ተንዚን ደለክ ሪንፖቸን፡ ሽሪን ፍሪድ ያዚድ ብእስላዊ ኣይሲ ጾታዊ ባርነት ዘጋጠማን ደራሲት “ጓል ብርሃን ኮይነ ክቕጽል እየ”ን፡ ታሂ ራህማኒ ኢራንዊ ጋዜጠኛን ናይ ፖለቲካ እሱር ዝነበረትን ከምኡ እውን በዓልቲ ቤት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ናርገስ
ሞሓማዲ፡ ዛህና ነምትሶቫ ጋዜጠኛ, መስራቲት ቦሪስ ነምትሶቭ ፋውንደሽን ንናጽነትን ካብ ደቡብ ኮርያ ዝሃደመን (ንድሕነቱ ስእሉ ዘይወጸ)።
EPDP Attends 9th Geneva Summit for Human Rights and Democracy
Written by EPDP information OfficeThe 9th Geneva Summit for Human Rights and Democracy, organized by 25 renowned international NGOs , was held on 21 February 2017 with over 500 delegates coming from many countries of the globe. Opened by a welcome address of the executive director of UN Watch, this 2017 Geneva Summit of human rights activists was another clear manifestation of the fast decline of human rights and democracy in the world.
The return of authoritarianism with all of its dangers, the risks to past achievements to human rights, and the state of the fight for freedom and democracy today were among the major topics handled by prominent panelists, and 16 witness speakers, singers and painters who availed themselves at the podium during the day. They had many horror stories to tell about what happened to them and their compatriots in their respective countries. Sadly, there was no Eritrean witness this year as a victim to witness to tell what has happened to him/her and his/her compatriots in that country where crimes against humanity were being systematically perpetrated for a quarter of a century.
Every witness at the summit had stories that provoked tears in the eyes of many conference participants. Others (like the Mauritanian Birham Abeid) narrated about continuation of slavery, pure and simple, and related abuses to human rights that seem hard to believe. Still others (like former president of Maldives, see separate story) wanted to advise the new generations to mobilize themselves for stiff fight and "never capitulate" to the new "strong man" phenomenon building up in many corners of the world.
The Geneva Summit for Human Rights and Democracy is held every year a few days before the convening of the UN Human Rights Council in Geneva. A delegate of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) was attending the conference for the second consecutive year.
Shown in the pictures below are the witnesses, panelists and some of the 2017 Geneva Summit prize awardees for their contribution in the struggle to promote human rights and democracy in the world.
Anastasia Zotova, wife of jailed Russian dissident Ildar Dadin; Antonietta Ledezma, daughter of imprisoned mayor of Caracas, Antonio Ledezma; Astrid Thors, Finnish politician and former OSCE High Commissioner on National Minorities; Biram Dah Abeid, leader of the fight against slavery in Mauritania.
Can Dündar, leading Turkish journalist and the former editor-in-chief of Cumhuriyet; Chito Gascon, Chair of the Human Rights Commission of the Philippines; Dang Xuan Dieu, Vietnamese dissident, just freed after 6 years in prison; Danilo “El Sexto” Maldonado, Cuban artist and activist, just released after imprisonment for criticizing Castro.
Irwin Cotler, former Canadian Minister of Justice and MP, advocate for political prisoners; James Jones, Emmy-winning documentary-maker, producer of Saudi Arabia Uncovered; Médard Mulangala, Vice President of the Africa Liberal Network; Mohamed NasheedFormer President of the Maldives.
Nyima Lhamo, Tibetan activist and niece of religious leader Tenzin Delek Rinpoche; Shirin, freed Yazidi sex slave of ISIS, author of 'I Remain a Daughter of the Light'; Taghi RahmaniJournalist, former Iranian political prisoner, and husband of jailed human rights activist Narges Mohammadi; Zhanna NemtsovaJournalist, founder of the Boris Nemtsov Foundation for Freedom, and North Korean Defector(picture dropped for security purposes).
2017 Courage Award of Geneva Summit Given to Democracy Activist from Republic of Maldives
Written by EPDP information OfficeThe Geneva Summit for Human Rights and Democracy annually awards prizes for prominent activists for human rights and democracy. This year's award for women's rights was given to the Iraqi Shirin, a freed Yazidi who was made sex slave of the so-called Islamic State, and the Courage Award on Democracy went to Mohamed Nasheed, former president of the Maldives, a small Asian island state with 400,000 population. The democratically-elected but ousted Maldives president was one of the strong voices against the growth of authoritarianism in the world today.
Speaking at the Geneva Summit on 21 February 2017, Mr. Nasheed, who spent half of his adult life in prisons, witnessed that repressive regimes "are not torturing you for the information. . . They are torturing you to erase you, to get you to capitulate, to get you to surrender.."
He also added: “I always say and always still believe that it is possible to topple a dictator, but it is not so easy to uproot a dictatorship..It’s tentacles go very deep into the roots of society..."
Reprinted below are excerpts from his moving speech.
On being a political dissident in the Maldives:
“I have spent the good half of my adult life in prison. I lost my youth to chains; to incarcerations; to banishments; to torture; to abuse. I started my adult life as a journalist. . . That was in 1989.”
On being imprisoned and tortured:
“I remember that night [when I was first arrested], 270 of us [journalists] were arrested. I was held in solitary confinement for 18 months. I was beaten. I have been spat on, urinated upon. I was kept in stocks, held in chains and brutalized . . .”
“I was released just before I completed my sentence. But then, again, I was silly, so I wrote again, and they arrested me again. This went on and on. . . Every time they would release me and I would write again. I wrote for all sorts of newspapers. . . But with every news article, even when it was on the environment, I would be arrested.”
On leading the campaign to bring democracy to the Maldives:
“One night, a young boy of 19 was murdered in jail and I was having a cup of tea with a doctor. And the chief of police rang this doctor and wanted a death certificate on the boy. So, of course, I got livid. The doctor agreed that he would not sign the death certificate until the boy was brought to the hospital. That sparked a riot in Male. That set in motion a whole train of events that would finally deliver democracy to the Maldives. .”
“We had our first multiparty elections in 2008 and I was fortunate to have won those elections. I became the president and we started running a government, running a country. . . Although we were able to topple a dictator . . . It is not very easy to uproot a dictatorship. It’s tentacles go very deep into the roots of society. Those favorable to the previous regime fomented a coup and I was deposed.”
“After that, we started again advocating for free and fair elections. . . We had the first election, where I won . . . then, they nullified that result and then they had another round of elections, and then we won again and they nullified it again, as many rounds as it took for them to win. . .”
“I will go back to the Maldives again. I will go back to jail again. . . I have decided never ever to give up and we will continue this fight.”
On political prisoners in the Maldives:
“We have more than 1,700 dissidents under one form of another of incarceration [in the Maldives].”
At UN Opening Event, Feb. 20, 2017:
- “We sit here a week before world leaders would gather and deliberate upon the human rights situation in the world. A number of them would be thugs, thieves and murderers. And a number of them also would be apolitical and they would appease these thugs, murderers and thieves, saying that it’s in their strategic interest. They would argue that their cultures, that their religions are different and therefore, they have this right to continue harming us. We are here to see that this doesn’t happen.”
- “Clever dictators suck you up. They want your entire life to be erased and reformatted according to their world view and according to how they want you to think. They are not torturing you for the information. . . They are torturing you to erase you, to get you to capitulate, to get you to surrender to the state.”
- “I thought if I got elected as a member of parliament, I might have some safety and security. . . I sought election in the capital city Male and they elected me as their MP, but the government arrested me the next day.”
- “We were able to galvanize our people to political activism, we were able to amend the constitution, we were able to have our first free and fair elections . . . I returned back to the Maldives, and of course, they arrested me. But the elections were held and I was released and I was fortunate to have won those elections and became the president.”
- “I always say and always still believe that it is possible to topple a dictator, but it is not so easy to uproot a dictatorship.”
- “The previous regime came back. They toppled me in a coup, and of course again arrested me. I was able to take part in the 2013 elections and I won, but they nullified the elections. They had it again. Again, I won. And they nullified it again. So, they had as many elections as it took them until I was beaten and then again they arrested me.”
- “I intend to get back . . . Even if it means going back to jail, I intend to do that. I would call upon everyone here today to work together to subvert the regimes in so many of these countries. Let’s bring down these governments.”
- “We can build economic, social and political structures to subvert and destabilize these regimes. I am sure we can do it and I am very sure we can win it.”
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ብዕለት 18.02.2017ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዛዚሙ። ኣኼባ ኣብዚ ሓጺር እዋን ብዝተረኽበ መስዋእቲ ኣባልማሕበር ኣካለ ጽጉማንን፤ ነባራት ተጋደልትን ዝኽሪእዩ ተጀሚሩ።
ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ኣብዝሓለፈ ዓመት 2016 ዘካየዶም ንጥፈታትን ተሳትፎ ግዱሳት ዜጋታትን ሓበሬታ ብምቕራብ እዩ፣ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ዝኸፈቶ። ኣኼበኛ ማሕበር ኣብቲ ዓመት ዝኸደ ንጥፈታትን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2017 ዝግበር መደባትን ሓዲሽ ናይ ስራሕ ኣገባብ ምትእትታውን ንኽህሉ ሰፊሕ ልዝብ ኣካይዱን ሓንጺጹን። ብፍላይ ከኣ፡ ኩሉ መዳያዊ ምእላይን መነባብሮ ጽጉማን ምምሕያሽን ቅዳምነት ክዋሃቦ ክጽዕር ምዃኑ ርእዩ። ኣብ ርእሲዚ ነተን ወርትግ ዘይስልክያ ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበርን፡ ምስ ኣባላት ማሕበርብምትሕብባር ዘካየድኦ ዘይሕለል ተወፋይነትን ጻዕርንኣመስጊኑ።ብዘይካዚ ነቶም ብምኽንያት ልደት ኣብ ኤርትራውያን ፓልቲካት ንመደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ገንዘብ ዘዋጽኡን ብቀጥታ ክበጽሕ ዝገበሩን ኣሕዋትን ኣሓትን መጎሱ ገሊጹ።
እዚ ኣብ ከተማ ፍራንክፎት ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ ሰዓት 22.00 ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቁጠባዊ ጸብጻብ ብሓው መዓሾ ኣስራት ቀሪቡ።ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራኣብጀርመን፡ ነቲ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ንምቋም ሓውና ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለዝጊን ሰዓብቱን ዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ዓብዪታሪኻውን ዕዉትን ስጉምቲ ምንባሩ ኣሞጒሱ። ምኽንያቱ ነቶም ኣብ መደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውጉኣት ንምንባይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ብማሕበርን ብውልቀን ክሕግዙ ዝያዳ ሓላፍነት ወሲዶም ክጥርነፉን ክነጥፉን መንገዲ ከፊቱ እዩ።
More...
ራዲዮ ድምጺ ሓርነት 18/02/2017 إذاعة صوت الحرية
Written by Radio Voice of Liberty Swedenሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ዝልለየሉ ትካላዊ መልክዕን ትሕዝቶን ኣለዎ። እዚ ትካላዊ ትሕዝቶ በቲ ሓደ ወገን በቶም ንዕማም ናይቲ ውድብ ወይ ማሕበር ዘተግብሩ ኣካላት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ትካላት ብዝምርሕሉ ሕግታት ይልለ። እቲ ትካላት ስረሓት ብመንን በየናይ ኣገባብን ከም ዝፍጸም ዝእምት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንናይ ሓባር ወይ ናይ ጋንታ ስረሓትን ምትሕስሳብን ዘተባብዕ እዩ።
ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣካላት ናይቲ ትካል እንታይ ክሰርሑ ከም ዝግበኦም አእጃሞም ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ እንታይ ክግበርን እንታይ ከይግበርን ከም ዝግበኦ እውን ዝውስን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ንናይ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለ ከከም ድሌትካ ናይ ምኻድን ኣብ ውልቀሰባት ምምርኳስን ዘይቅርዑይ ስምዒት ዝግድብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት በቲ ንኹላቶም ዘኽስብ ማእከላይን ሚዛናውን ኣተሓሳስባ ንክኸዱ ዘኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ማእዝን ዝለዓል ጉዳይ ብመንን ናበይ ገጹን ክምዕብል ከም ዝግበኦ ስርዒታዊ ኣቕጣጫ ዘርኢ’ውን እዩ። ኣብ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህሉ ብሓፈሻ ርዱእ ኮይኑ፡ ከከም ዕማምን ዓቕምን ናይቲ ኣካል ትካላት ብብዝሒ ኮነ ብኣቀዋውማ ክፈላለዩ ይኽእሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ናይቲ ትካላት ዝዝውተር መምርሕን ሕግን እውን ከምኡ። እዚ ትካላት ብሃቦ ተረከቦ ዝቐውም ዘይኮነ ብደረጃ ሕጋዊ ጉባአታት ወይ ጉባአ ስልጣን ብዝህቦም ኣካላት ዝቐውም ስለ ዝኾነ ወልቂ ወይ ጉጅለ ካብቶም ተዋሳእቲ ከም ድላዩ ዝቕይሮም ኣይኮኑን።
ከምቲ ዝተገልጸ ቀንዲ ዓላማ ትካላዊ ኣሰራርሓ ውልቃዊ ስምዒትን ድሌትን ዝግድብ ስለ ዝኾነን፡ ከምቲ ንስኻ ትደልዮ ጥራይ ክኾኑልካ ዘየፍቅድ ብምዃኑ ምስ ትካላዊ ኣሰራርሓ ሓቢርካ ምንባር ክቡር ዋጋ ትዕግስቲ፡ ምእዙዝነትን ሓልዮትን ዘኽፍል እዩ። ነዚ ትካላዊ ምእዙዝነት ክትጸሮ ዘይምኽኣል ሳዕቤኑ ብዙሓት ይኮኑ፡ ብሓፈሻ ካብቲ ስሩዕ መንገዲ ኣውጺኡ ናብ ዘይቅኑዕ ዝወስድ እውን ክኸውን ይኽእል። በቲ ካልእ መንጽር ትካላዊ ኣሰራርሓ ገዳቢ ጥራይ ዘይኮነ ሓሳብካን ርኢቶኻን ከተንጸባርቕ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። እተቕርቦ ሓሳብን ርኢቶን ናይ ብሑሓት ኮይኑ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና እንተላይ በቶም ምሳኻ ዝዋስኡ ናይ ርኢቶኻ ተቐበልቲ እምበር ብኣኻ ኣቕራቢ ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። ካልእ መሰረታዊ ኣገዳስነት ናይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ዘይሕግዙ ምትእኽኻባት ዘየተባብዕ ምዃኑ እዩ።
ትካላት ውድብ ወይ ሰልፊ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ መደየብን መውረድን መስኖታት ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ናይቲ ትካል ከኣ ነናቱ ዕማምን ሓላፍነትን ኣለዎ። እዞም ትካላት ኣብ ህዱእን ሰላማውን ኩነታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ሓጐጽጐ ግዜ እውን ብዘገልግሉ ኣገባብ እዮም ዝውደቡ። ናይቲ እዚ ትካላት ዝቖመሉ ኣካል ኣባላት ብናይቲ ትካላት ውህብቶ ንክጥቀሙ፡ ቅድም ቀዳድም ናይቲ ትካላት ምእዙዛት ክኾኑ ይግበኦም። ክትምእዘዘሉ ዘይጸናሓካ ትካል ኣብቲ ዘድልየካ ግዜ ጥራይ ከገልግለካን ክዘርየልካን ምምሕጻን ቅቡል ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ መሰረታዊ ትካል ናይ ሰልፍኻ ወይ ውድብካ ብሕጊ ተቐይድካ ክትነጥፍ ዘይጸናሕካ ክንስኻ ኣብቲ ዘድለየካ ጥራይ ክትርዕሞ ምህቃን ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን።
ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ካብ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣዕኑድ ፈሊኻ ኣይረኣዩን እዮም። ምኽንያቱ ትካላዊ ኣሰራርሓ እንብል ንስሙ ዘይኮነስ ምስ ዝነፈሰ ብዘይነፍስ ደሞክራሲያዊ መትከላት ክምልክዕን ክጸንዕን እንከሎ ጥራይ እዩ። ንኣብነት ሕጋዊ ትካላዊ ኣካላት ብደረጃኦም ዝውስንዎ እጃማት ኣለዎም። ዝምርሕሉ ኣገባብ ድማ ምስቲ ብቐንዱ እቲ ዓብይ ትካሎም ዝምረሓሉ ናይ ጉዳያት ኣተሓሕዛ ሕጊ ዝሰማማዕ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ውሳነታት ክውሰን እንከሎ “ርኢቶ ውሑዳት ንርኢቶ ብዙሓት ይምእዘዝ” ዝብል ጠማሪ ኣምር ኣሎ። እዚ ነቲ ኣሰራርሓ ትካላዊ ካብ ዝገብርዎ ጉዳያት ሓደ እዩ። እዚ እንተዘይተኸቢሩን ተሓልዩን ግና ከምቲ “ልጓም ሰዲድካ ቶሽቶሽ” ዝብልዎ ኩሉ እዩ ዝፈርስን ዋና ዝስእንን። ካብዚ ሓሊፉ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ግቡእ መዓርግ ካብ ዘልብስዎ መሰረታዊ ጉዳያት ደሞክራስያዊ ማእከልነት እዩ። እዚ ማለት ነቲ “ታሕተዎት ኣካላት ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ኣካላት ምእዙዛት ይኾኑ” ዝብል ዘጉልሕ እዩ። እዚ እውን ኣብ ትሕቲ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብሓባር ክትምርሽ መሰረታዊ ተደላይነት ዘለዎ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ንብዙሓት ኣብ ልዕሊ ውሑዳት፡ ንላዕለዎት ድማ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ብጉልባብ ሕጊ ተዓሚትካ ብጥሪኡ ትድረዖ ማለት ዘይኮነስ ንኩሉ ወገናት ዕድል ዝህብን ተሓታትነት ብዘነጽርን ዝትግበረሉ መስርሕ ኣለዎ።
እዚ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ናይ ብሓቂ ትካላዊ ዘብሎ ኣምራት መዓስ ትጥቀመሉ ኣብ ዝብል ፍልልያት ይንጸባረቕ እዩ። ብወገነይ እዚ ናይቲ መስርሕ ህይወትን ናይ ደም ሱርን ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ ከም መምርሒኻ ዝውሰድ እምበር ከድልየካ እትወስዶ እንተዘይ ማእመኣካ ድማ ትገድፎ ኣይኮነን። ገለ ወገናት እዚ ቀላሲ ኣምራት ኣብ ጉዳያት ኣብ እተሰማመዓሉ፡ እምበር ኣብ እትፈላለየሉ ቦታ የብሉን ክብሉ ይፍትኑ እዮም። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ብመሰረቱ እዞም ነጥብታት፡ ኮንደኾን ብናይ ሓባር ስምምዕ ዘይዛዘም ጉዳያት የጋጥም ተባሂሉ ከም መዋጸኦ ዝስረሓሎም እዮም። ምኽንያቱ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ሓባር ስምምዕ እንተልዩ እሞ ሕቶ ብዙሓትን ውሑዳትን ወይ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ኣይመተላዕለን።
The migrant slave trade is booming in Libya. Why is the world ignoring it?
Written by Ross KempFebruary 20, 2017
By Ross Kemp
I’ve seen the dangerous route to Europe through Libya, with thousands of people at the mercy of cruelty for profit. But our leaders prefer to keep them there
‘We have a heightened responsibility towards Libya because of the role Britain played in bringing down the Gaddafi dictatorship.’ Photograph: Dave Williams/Sound Ltd
It’s a mass grave that we don’t need the United Nations to verify. Every day an average of 14 migrants, the vast majority from countries in sub-Saharan Africa, die crossing the Mediterranean.
Many more see their European dream turn into a nightmare long before they’re corralled on to flimsy rubber dinghies on Libya’s beaches. They’re the victims of a silent massacre in the Sahara desert – a journey more deadly than the crossing from the coast, according to the International Organisation for Migration.
Come the spring, thousands of migrants and refugees fleeing poverty and violence will die in Libya, but I doubt you’ll hear much about it. Compassion fatigue has set in. The numbers have become too big to comprehend. It’s an old story; we feel numbed by the now familiar news images of men huddled together on boats. Maybe it’s because they’re African and have been written off as “undeserving economic migrants”. These are the people some of our political leaders have in mind when they talk of swarms, plagues and marauders. The understandable focus on Syrian refugees has taken the spotlight away from the more dangerous route to Europe through Libya.
‘What I saw there is nothing short of a modern-day slave trade.’ Photograph: Dave Williams/Sound Ltd
Or maybe it’s because, with three rival governments presiding over anarchy in Libya, and the real power lying in the hands of armed militias, getting inside the country to tell the story is just too difficult and dangerous. One thing is becoming clear – many people have come to see this tragic situation as though it were more a problem for us than for the migrants. We have stopped caring about them. As a documentary-maker, I believe it’s our job to make people care. That was the reason my team and I went to Libya – to try to shine a light on the under-reported plight of migrants away from the coastline and to tell the human stories of the men and women making the journey.
What I saw there is nothing short of a modern-day slave trade, with migrants treated as commodities. It’s as though nothing has changed in the 300 years since desert tribes used the very same routes to bring slaves to north Africa: Nigerian women told they are going to Italy to work as housemaids only to be trafficked into desert brothels with no idea when they might leave, young men cruelly beaten and held captive for months until their families pay a ransom, women forced to take contraception to stop themselves becoming pregnant at the hands of smugglers.
What makes their plight even sadder is that most have no idea what sort of country they’re entering. I saw this when I spoke with men and women at the very start of their journey – dazed and battered from the drive across the desert border with Niger but filled with a naive optimism.
Not only are they at the mercy of people smugglers but also the authorities themselves – in the main, armed militias with no one to hold them to account and few other sources of income apart from the migrant trade. In the desert town of Brak, I met a young man who told me he had no choice but to work for a smuggling ring ferrying migrants to a handover point on the back of a pickup.
While Libyans may rely on their own militias for protection, the migrants have nothing and no one to protect them. When they are intercepted by what authorities do exist in the country, they are taken to squalid, overcrowded warehouses – generously referred to as detention centres. In one centre for women in the coastal town of Surman I met Aisha, a young Nigerian. She was bleeding to death after giving birth to her baby girl on the toilet floor. The child died three days later. Since coming home we have tried but been unable to find out what has happened to Aisha. I fear the worst.
Even in the worst refugee camps in the world there is often food, medical facilities and aid workers to offer support. In the Libyan detention centres, migrants are locked up and left to rot. It’s a humanitarian disaster with barely any humanitarian organisations there to help. For tens of thousands of migrants in the country at the moment, they have no means of escape. Libya doesn’t want them, Europe doesn’t want them and even their own countries don’t want them.
We have a heightened responsibility towards Libya because of the role Britain played in bringing down Muammar Gaddafi’s dictatorship with no strategy for what was to come next. In the five and a half years since his death, lawlessness and anarchy have created the perfect conditions for people smuggling to thrive.
Last month, EU leaders under pressure to stop the tide of migrants travelling to Europe signed a deal with Libya. Far from helping people escape, this deal is aimed at keeping them there. It’s only one step away from forcibly returning them. Whatever your view on the migrants’ rights, forcing them back into the conditions we know they will experience in Libya is far from a humane solution. Conditions for migrants in the country need to drastically improve and until there is evidence of this, can we really consider the current deal an acceptable solution to such a horrific situation?
This article was co-authored by producer Jamie Welham. Ross Kemp: Libya’s Migrant Hell airs on Sky 1 on 21 February at 9pm
Source: The Guardian
Source=http://www.theguardian.com/commentisfree/2017/feb/20/migrant-slave-trade-libya-europe
Eritrea jails journalists working for state-run media
Written by Sudan TribuneFebruary 19, 2027 (ADDIS ABABA) - Eritrean authorities have reportedly jailed two journalists who had been serving for the state-owned Eritrean Radio and Television Agency, run under tight control by the country’s Ministry of information.
- Eritrea, which borders Sudan and Ethiopia, has been dubbed the North Korea of Africa (HRW)
An exiled Eritrean opposition Radio station, Eritrean Forum Radio, on Sunday said that the two journalists had been taken by five government agents from their home in Asmera on February 14.
Citing to eyewitnesses, the Tigrigna language radio broadcast identified the journalists as Abraham Yitbarek and Senait Ekubay.
The two journalists were arrested on suspicion of attempting to flee the home country, the report said.
The Eritrean government considers fleeing citizens as traitors, and if caught they will be thrown in jail for life or could be punished by death if they are suspected of having links with exiled Eritrean opposition groups or with the arch-foe Ethiopia.
A report by the United Nations High Commissioner for Refugees (UNHCR), released in 2014, estimates that about 4,000 Eritreans flee the country each month to escape indefinite military conscription, arbitrary arrests and other forms of human right violations.
The Red Sea nation has a long-standing shoot-to-kill policy against citizens who try to flee one of the world’s repressive country dubbed by international human right groups as Africa’s North Korea.
According to US-based press freedom group Committee to Protect Journalists (CPJ) report for 2016 Eritrean authorities detain 17 journalists who have remained in jail since 2001 following 1998-2000 border war with Ethiopia.
In a recent report, the Committee to Protect Journalists (CPJ), said 23 journalists were imprisoned in Eritrea as of December 1, 2014, one of the largest numbers in the world and the most in Africa. Nine have been in prison since 2001, and almost all are being held incommunicado.
(ST)