ትካላዊ ኣሰራርሓ ዋሕስ ህልውና’ዩ

2017-02-20 22:18:48 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2736 times

ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ዝልለየሉ ትካላዊ መልክዕን ትሕዝቶን ኣለዎ። እዚ ትካላዊ ትሕዝቶ በቲ ሓደ ወገን በቶም ንዕማም ናይቲ ውድብ ወይ ማሕበር ዘተግብሩ ኣካላት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ትካላት ብዝምርሕሉ ሕግታት ይልለ። እቲ ትካላት ስረሓት ብመንን በየናይ ኣገባብን ከም ዝፍጸም ዝእምት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንናይ ሓባር ወይ ናይ ጋንታ ስረሓትን ምትሕስሳብን ዘተባብዕ እዩ።

ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣካላት ናይቲ ትካል እንታይ ክሰርሑ ከም ዝግበኦም አእጃሞም ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ እንታይ ክግበርን እንታይ ከይግበርን ከም ዝግበኦ እውን ዝውስን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ንናይ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለ ከከም ድሌትካ ናይ  ምኻድን ኣብ ውልቀሰባት ምምርኳስን ዘይቅርዑይ ስምዒት ዝግድብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት በቲ ንኹላቶም ዘኽስብ ማእከላይን ሚዛናውን ኣተሓሳስባ ንክኸዱ ዘኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ማእዝን ዝለዓል ጉዳይ ብመንን ናበይ ገጹን ክምዕብል ከም ዝግበኦ ስርዒታዊ ኣቕጣጫ ዘርኢ’ውን እዩ። ኣብ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህሉ ብሓፈሻ ርዱእ ኮይኑ፡ ከከም ዕማምን ዓቕምን ናይቲ ኣካል ትካላት ብብዝሒ ኮነ ብኣቀዋውማ ክፈላለዩ ይኽእሉ።  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ናይቲ ትካላት ዝዝውተር  መምርሕን ሕግን እውን ከምኡ። እዚ ትካላት ብሃቦ ተረከቦ ዝቐውም ዘይኮነ ብደረጃ ሕጋዊ ጉባአታት ወይ ጉባአ ስልጣን ብዝህቦም ኣካላት ዝቐውም ስለ ዝኾነ  ወልቂ ወይ ጉጅለ ካብቶም ተዋሳእቲ ከም ድላዩ ዝቕይሮም ኣይኮኑን።

ከምቲ ዝተገልጸ ቀንዲ ዓላማ ትካላዊ ኣሰራርሓ ውልቃዊ ስምዒትን ድሌትን ዝግድብ ስለ ዝኾነን፡  ከምቲ ንስኻ ትደልዮ ጥራይ ክኾኑልካ ዘየፍቅድ ብምዃኑ ምስ ትካላዊ ኣሰራርሓ ሓቢርካ ምንባር ክቡር ዋጋ ትዕግስቲ፡ ምእዙዝነትን ሓልዮትን ዘኽፍል እዩ። ነዚ ትካላዊ ምእዙዝነት ክትጸሮ ዘይምኽኣል ሳዕቤኑ ብዙሓት ይኮኑ፡ ብሓፈሻ ካብቲ ስሩዕ መንገዲ ኣውጺኡ ናብ ዘይቅኑዕ ዝወስድ እውን ክኸውን ይኽእል። በቲ ካልእ መንጽር ትካላዊ ኣሰራርሓ ገዳቢ ጥራይ ዘይኮነ ሓሳብካን ርኢቶኻን ከተንጸባርቕ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። እተቕርቦ ሓሳብን ርኢቶን ናይ ብሑሓት ኮይኑ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና እንተላይ በቶም ምሳኻ ዝዋስኡ ናይ ርኢቶኻ ተቐበልቲ እምበር ብኣኻ  ኣቕራቢ ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። ካልእ መሰረታዊ ኣገዳስነት ናይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ዘይሕግዙ ምትእኽኻባት ዘየተባብዕ ምዃኑ እዩ።

ትካላት ውድብ ወይ ሰልፊ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ መደየብን መውረድን መስኖታት ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ናይቲ ትካል ከኣ ነናቱ ዕማምን ሓላፍነትን ኣለዎ። እዞም ትካላት ኣብ ህዱእን ሰላማውን ኩነታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ሓጐጽጐ ግዜ እውን ብዘገልግሉ ኣገባብ እዮም ዝውደቡ። ናይቲ እዚ ትካላት ዝቖመሉ ኣካል ኣባላት ብናይቲ ትካላት ውህብቶ ንክጥቀሙ፡ ቅድም ቀዳድም ናይቲ ትካላት ምእዙዛት ክኾኑ ይግበኦም። ክትምእዘዘሉ ዘይጸናሓካ ትካል ኣብቲ ዘድልየካ ግዜ ጥራይ ከገልግለካን ክዘርየልካን ምምሕጻን ቅቡል ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ መሰረታዊ ትካል ናይ ሰልፍኻ ወይ ውድብካ ብሕጊ ተቐይድካ ክትነጥፍ ዘይጸናሕካ ክንስኻ ኣብቲ ዘድለየካ ጥራይ ክትርዕሞ ምህቃን ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን።

ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ካብ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣዕኑድ ፈሊኻ ኣይረኣዩን እዮም። ምኽንያቱ ትካላዊ ኣሰራርሓ እንብል ንስሙ ዘይኮነስ ምስ ዝነፈሰ ብዘይነፍስ ደሞክራሲያዊ መትከላት ክምልክዕን ክጸንዕን እንከሎ ጥራይ እዩ። ንኣብነት ሕጋዊ  ትካላዊ ኣካላት ብደረጃኦም ዝውስንዎ እጃማት ኣለዎም። ዝምርሕሉ ኣገባብ ድማ ምስቲ ብቐንዱ እቲ ዓብይ ትካሎም ዝምረሓሉ ናይ ጉዳያት ኣተሓሕዛ ሕጊ ዝሰማማዕ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ውሳነታት ክውሰን እንከሎ “ርኢቶ ውሑዳት ንርኢቶ ብዙሓት ይምእዘዝ” ዝብል ጠማሪ ኣምር ኣሎ። እዚ ነቲ ኣሰራርሓ ትካላዊ ካብ ዝገብርዎ ጉዳያት ሓደ እዩ። እዚ እንተዘይተኸቢሩን ተሓልዩን ግና ከምቲ “ልጓም ሰዲድካ ቶሽቶሽ” ዝብልዎ ኩሉ እዩ ዝፈርስን ዋና ዝስእንን። ካብዚ ሓሊፉ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ግቡእ መዓርግ ካብ ዘልብስዎ መሰረታዊ ጉዳያት ደሞክራስያዊ ማእከልነት እዩ። እዚ ማለት ነቲ “ታሕተዎት ኣካላት ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ኣካላት ምእዙዛት ይኾኑ” ዝብል ዘጉልሕ እዩ። እዚ እውን ኣብ ትሕቲ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብሓባር ክትምርሽ መሰረታዊ ተደላይነት ዘለዎ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ንብዙሓት ኣብ ልዕሊ ውሑዳት፡ ንላዕለዎት ድማ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ብጉልባብ ሕጊ ተዓሚትካ ብጥሪኡ ትድረዖ ማለት ዘይኮነስ ንኩሉ ወገናት ዕድል ዝህብን ተሓታትነት ብዘነጽርን ዝትግበረሉ መስርሕ ኣለዎ።

እዚ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ናይ ብሓቂ ትካላዊ ዘብሎ ኣምራት መዓስ ትጥቀመሉ ኣብ ዝብል ፍልልያት ይንጸባረቕ እዩ። ብወገነይ እዚ ናይቲ መስርሕ ህይወትን ናይ ደም ሱርን ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ ከም መምርሒኻ ዝውሰድ እምበር ከድልየካ እትወስዶ እንተዘይ ማእመኣካ ድማ ትገድፎ ኣይኮነን። ገለ ወገናት እዚ ቀላሲ ኣምራት ኣብ ጉዳያት ኣብ እተሰማመዓሉ፡ እምበር ኣብ እትፈላለየሉ ቦታ የብሉን ክብሉ ይፍትኑ እዮም። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ብመሰረቱ እዞም ነጥብታት፡ ኮንደኾን ብናይ ሓባር ስምምዕ ዘይዛዘም ጉዳያት የጋጥም  ተባሂሉ ከም መዋጸኦ ዝስረሓሎም እዮም። ምኽንያቱ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ሓባር ስምምዕ እንተልዩ እሞ ሕቶ ብዙሓትን ውሑዳትን ወይ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ኣይመተላዕለን።

Last modified on Monday, 20 February 2017 23:28